ንሓድሽ ብደሆ፡ ሓድሽ ኣገጣጥማ

2016-10-14 18:21:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2715 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኩሉ ነገር ኣብ ቀጻሊ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ መስርሕ እዩ ዝነብር። እቲ ለውጢ ኣውንታዊ ወይ ኣሉታዊ ክኸውን ይኽእል። ወዲ ሰብ ከኣ ምስዚ ቀጻሊ መስርሕ ክነብር ናይ ግድን እዩ። ምስቲ ዘይተርፍ መስርሕ፡ ኣብ ክንዲ ምስናይ ካብኡ ምትራፍ ወይ ምቕዳም ከኣ ናቱ ሳዕቤን ኣለዎ። ፖለቲካዊ ኩነታት እውን ከም ዝኾነ ተረኽቦ በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መስርሕ ዝግዛእ እዩ። ማለት ንጉዳያት ከም ድላይካ እትገብሮ ዘይኮነስ ምስ ኣካቢብዎ ዝርከብ ምዕባለታት ከተሳንዮ ናይ ግድን እዩ። ኣካቢብዎ ዝርከብ ምዕባለ ክበሃል እንከሎ ናይ ፈታዊ ኮነ ናይ ጸላኢ ጽልዋ ዘጠቓልል ሰፊሕ ኣምር እዩ።

እዚ ንሕና ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ንርከቦ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ብቐጻሊ ብደሆታት ዝተመልአ እዩ። ምስኡ ኣሳኒኻ ምንባር ከኣ ነቲ ብደሆታት ዘመክት ኣገጣጥማ ምርካብ ናይ ድሌት ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ። ብመሰረቱ እውን ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምቕጻል ማለት በብግዜኡ ዘጋጥሙ ግድላትን ብድሆታትን ምፍታሕ ማለት እዩ። ብደሆታት ሓንሳብ ፈቲሕካዮም ንሓዋሩ ዘይምለሱ ዘይኮኑስ መልክዖምን ትሕዝተኦምን እንዳቐያየሩ ብዘይምቁራጽ ዝገሃዱ መናብርትና እዮም። ነፍሲ ወከፍ ብደሆ ከኣ ምስቲ ጠባዩን ባህሪኡን ሓድሽ ንዓኡ ዝምጥን ኣገጣጥማ ዘድልዮ እዩ። ንጉዳያት ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ክትሕዝ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ከኣ ብደረጃ ውድብ ኮነ ውልቂ ንዓቕምኻን ብቕዓትካን ዝፈታተን እዩ። ብህዝቢ ዝቐርቡ ናይ ለውጢ ጠለባት፡ ኣብ መወዳድርትኻ ውድባት ዝረአ ለውጥታት፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ኣንጻሩ ትቃለስ ጸላኢኻ ዝፍጠሩ ምዕብልናታት ብደሆታት ሓዚሎም ዝመጹ እዮም።

ኣብ ሓደ ውሱን መድረኽ ሓደ ብደሆ ንምግጣም ዝተጠቐምናሉ እሞ ኣብቲ እዋኑ ዘዕወተና ኣገባብ፡ ንሓዋሩ ኣዕዋቲ ኮይኑ ይነብር ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ናይ ዝሑል ውግእ ጉዳያት ንምውጋን ንጥቀመሉ ዝነበርና ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ካልእ ጉዳያትን ኣተሓሕዛ ኣብዚ ናይ ሎሚ ናይ ዓለማውነት (globalization) መዋእል ከም ዘለዎ ከነስርሖ እንተ ፈቲና ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኩሉ ፍልልያት ብናይ ሰዓርን ተሰዓርን ኣገባብ እዩ ዝውዳእ ነይሩ። እዚ ብናትና ናይ ኤርትራውያን ተመኩሮ እነረጋግጾ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ብሕርቃን እንዝክሮ ውግእ ሕድሕድ ምስክር ስለ ዝኾነ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግና ፍልልያት ኩልኻ ተዓዋቲ ብእትኾነሉ መንገዲ ናይ ምፍታሑ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ስለዚ ናይቲ እዋንቲ ቀጥዒ (format) ኣተሓሕዛ ብደሆታት ሎሚ ክንጥቀመሉ እንተ ኢልና ድሕሪት ኢና ንተርፍ። ድሕሪት ምትራፍ ድማ ሓደጋ እዩ።

ቅድም ዝፈላልዩ ዝነበሩ ጉዳያት ኩነታት ምስ ተቐየረ ሎሚ ዘይፈላልዩ ክኾኑ ይኽእሉ። ሽዑ ዘሰማምዑ ዝነበሩ ከኣ ሎሚ ዘየሰማምዑ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኣሎ። ኣብ ደንበ ተቓውሞና እዚ ጉዳይዚ ግቡእን ሓላፍነታውን ግንዛበ ዘይረኸበ ምዃኑ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ካብ ቀንዲ ጸገማትና ሓደ ንሱ ምዃኑ’ውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝረአ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት እንዳጠመትካ ዝፈላሊ ሕሉፍ ተመኩሮ ምፍሕታር ናይዚ መርኣያ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንድሕሪት ምጥማት ወጺእና ንቕድሚት ተዘይኣቋሚትና፡ ንሓድሽ ብደሆታት ሓድሽ ኣተሓሕዛ ከነምጽእ ከም ዘይንኽል ብምርዳእ እዩ፡ ንተጻባኢ ድሕረባይታታት ጀብሃን ሻዕብያን ሰጊሩ፡ ብሓባር ንቕድሚት ንምምዕዳውን ንምስጓምን ዘኽእል ተባዕ ምርጫ ዝወሰደ። እዚ ስጉምቲ ብመትከል ደረጃ ቅኑዕን መተካእታ ዘየብሉን ምዃኑ ይኣምን። ምኽንያቱ መምስ ድሕረባይታና ንነብረለን ካብ ሓደ ንላዕሊ ኤርትራታት ስለ ዘይብልና። ነዚ ተመኩሮ ካለኦት ፖለቲካዊ  ወገናት’ውን ክስዕብዎ እምነቱ እዩ። እዚ ስጉምቲ መርኣያ ወሳኒ ኣድላይነት ንሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ኣገጣጥማ ምርካብ ከኣ እዩ። ዕዉት ዝኸውን ግና ስለ ዝተሓንጸጸ ዘይኮነስ፡ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ሓድገትን ተወፋይነትን ከሰንዮ እንከሎ እዩ።

ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ድኽመቱ ክንዛረብ እንከለና ቅድሚት ዝስራዕ ብሓባር ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ እዩ። እዚ ድኽመት ነቲ ተቓውሞ ብኻልኦት ዝንገሮ ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባሉ ውድብ ክምድር ኮነ ክጽሕፍ እንከሎ ዝተቐበሎ ሓቂ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ደንበ ተቓውሞ፡ ንሓደስቲ ብደሆታት ኣብ ክንዲ ብሓድሽ ኣገባብ ዝገጥሞም በቲ ዘይሰርሕ ዝኣረገን ብቕርሕንቲ ዝተላዕጠጠን ቀጥዕታት ክሕዞም ከም ዝጸንሐ ዘመልከት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ንናይ ውልቂ ኮነ እኩብ ሓሳባካ ናይ ምግላጽ መሰል ንቃለስ ኣለና እንዳበልና፡  ብመሰሎም ንዝተጠቕሙ ወገናት ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ክንወቅስን ክንከስስን ህርድግ ንብል። እዚ ከኣ ካልእ ንሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ኣገጣጥማ ከተቕርብ ናይ ዘይምብቃዕ ኣብነት እዩ። ሰደህኤ ሓደ እዋን ኣብ ብሩሰልስ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝመሰሎ ሓሳብ ብምግላጹ ጥራይ፡ በቶም ንሱ ሓይሎም ንሳቶም ድማ ሓይሉ ክኾኑ ዝነበሮም ወገናት፡ ዘጋጠሞ ውግዘት ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። እዚ ጉዳይዚ ንመጻኢ ንሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ኣጋጣጥማ ናይ ምርካብ ባህሊ ሰዊዱ መምሃሪ ክኸውን ከኣ ተስፋ ንገብር።  

Last modified on Friday, 14 October 2016 20:28