ሰዲህኤ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ

2016-10-25 08:34:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3482 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ዝምራሕ፡ ልኡኽ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ)፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 17-18 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ብሩሰልስ ዝተኻየደ ዓመታዊ ዋዕላ ምሕዝነት ገስገስቲ ተሳቲፉ። ኣብዚ ብዙሓት ወከልቲ ሰልፍታት ካብ በበይኑ ኩርነዓት ዓለም ዝተሳተፍዎ ዋዕላ  ክሳተፍ እንከሎ ሰህኤ ዘቕረቦ መልእኽቲ ኣብ ሰልፋዊ ዛዕባታት ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ዘተኮረ ምንባሩ ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሓ ዜናዊ ጸብጻባት ተገሊጹ ኣሎ። ኩሉ ከም ዘይስሕቶ ሎሚ ኣብ ዓለምና ንኤርትራ ብዝምልከት ኣዛራራቢ ኮይኑ ካብ ዘሎ ብዙሕ ጉዳያት ግህሰት ኩሉ መሰላትን ብሰንኪዚ ግህሰት ዝሰዓበ ዘይዛረየ ስደትን ምዃኑ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ልኡኽ ሰደህኤ እውን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ብስምቲ ድምጺ ከለዎ ልሳኑ ዝተዓጽወ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዓመታዊ ዋዕላ መልእኽቱ ዘመሓላለፈ።

ሰዲህኤ ኣብዚ ዋዕላ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንበይኑ ነጺልካ ዝረአ ዘይኮነ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናኡ ኣቢሉ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ናብ ዝተፈላለዩ  ዝምልከቶም ኣካላት ከቕርቦ ዝጸንሐ መዘክራት፡ ጻዕርታት መርማሪ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ፍረ ንክበጽሕ ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ጻዕሪ፡ ምስ ውልቀ መንግስታትን ሰልፍታትን ዝገብሮ ቀጻሊ ርክባት፡ ጸዋዒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘስምዑ ኣህጉራዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሮ ዝጸንሐ ተሳትፎ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ናብ መበል 71 ጠቕላላ መገባእያ ሕቡራት ሃገራትን ኣብዚ ቀረባ ግዜ  ንናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፍነት ናብ ዝተመዘዙ ናይ ቅድም ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታትን ዝጸሓፎ ንዝሓለፈ ተመኩሮ እዚ ዓለም ለኻዊ ትካል ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዘዘኻኽርን ንመጻኢ ዝእምትን መልእኽትታት ብፍላይ ዘራጉድ እዩ።

እዚ ሰልፊ ነዚ ጻዕርታት ዘካይድ ደድሕሪ ሓደስቲ ተረኽቦታት ብምስዓብ ዘይኮነ፡ ካብቲ ኣብ 2ይ ጉባአኡ ንኣገዳስነት ኣህጉራዊ መዳይ መዚኑሰዲህኤ ኣብ ኣህጕራዊ መዳይ ክብራ ዝሓለወት ሃገር ንምህናጽ፡ ኣህጕራዊ ውዕላትን ውሳኔታትን ዘኽብር፡ ንልዑላውነት ሃገራት ዘየድፍርን ናይ ሕድሕድ ኢድ ምትእትታው ዘይቕበልን ዞባውን ኣህጕራውን ዕዮታት ከካይድ እዩ።” ብዝብል ዝወሰኖ መሰረታዊ ኣረኣእያኡ ዝነቅል እዩ። ንቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ ከም ዕማም ካብ ዝተዋህበ ሓላፍነታት እቲምስኣህጉራውንዞባውንውድባትብምርኻብኮነመዘክራትብምጽሓፍብምቕራብንመሰላትኤርትራውያንስደተኛታትይከላኸልን፤ ንኣድማሳዊመሰላትኤርትራውያንይጣበቕን” ዝብል ዓንቀጽ ከኣ ካልእ መወከሲኡ እዩ። ኣብዚ ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ ብፍላይ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ምዕባለ መራኸቢ ናብ ሓንቲ ገዛ ዝተቐየረትሉን ሕድሕድ ምጽልላው ዝሓየለሉን መዋእል፡ ግደ ዝምድናታት ኣዝዩ ዓብይ’ኳ እንተኾነ፡ ዘተኣማምን ውሽጣዊ ዓቕሚ ምጥራይ ከኣ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ውሽጣዊ ዓቕምን ድልዱል ዝምድና ምስ ካለኦት ምጥራይን ተጸላለውትን ሓደ ካብቲ ሓደ ፈሊኻ ዘይረኣዩን ምዃኖም ብዘይምዝንጋዕ እዩ።

ሰዲህኤ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ጸገምን ዝተሓላለኸ ዝምድናን፡ ብናቱ ፍሉይ ጻዕሪ ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ዝብል እምነት የብሉን። ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘለዎ ናይ ሓሳብ ዘይኮነስ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት እውን ይርዳእ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ መዳይዚ ነቲ ስርዓት ኣብ ምቅላዕ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ኮነ ንመጻኢ ዝምዝገብ ዓወት እኩብ ድምር ጻዕርን ኣበርክቶን ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኑ ከኣ ይኣምን። እቲ ጻዕሪ ምእንቲ ኣብቲ ዝድለ ዓወት ክበጽሕ ከኣ ሰዲህኤ  ካብኡ ዝድለ መሪሕ ኣበርክቶ ብምግባር ኣብነት ክትከውን ምኽኣል ግቡኡን ሓላፍነቱን ምዃኑ ኣሚኑ’ዩ ዝሰርሕ። ነዚ ንምዕዋት ውሱናት ኣባላት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኩሉ ኣካላቱን  መላእ ደምበ ተቓውሞ’ውን ከይተረፈ ሓቢሩ ክንቀሳቐስሉ ናይ ወርትግ እምነቱ እዩ። ከም ኣብቲ ካልእ መዳያት ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ በቲ ሓደ ወገን ብዘለና ዓቕሚ ብሓባር ክንሰርሕ፡ እንተዘየለ ከኣ ነቶም ኤርትራዊ ዛዕባ ማእከል ገይሮም ዓቕሞም ዘወፍዩ ውገናትና ከነተባብዕ ዘይምብቃዓና ኣብ ምስሊ ቃልስና ሕማቕ ነጥቢ እዩ። ካብዚ ስግንጢር’ዚ ክንወጽእ ከኣ ቃልሲ ኣብ ወውሽጥና ይጽበየና ኣሎ።

ዲፕሎማሲያዊ ስረሓት ረቂቕን ምስ ናይ ካለኦት ረብሓ እንዳተፈሓፋሕካ ዝካየድን ብምዃኑ ውጽኢቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ጐሊሑ ዝረአ ኣይኮነን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ገለ ወገናት፡ ቅልጡፍ ውጽኢት ካብ ናይ ምርካብ ጽቡቕ ድሌት ነቒሎም፡ ነቲ ጻዕርታት ”እንታይ ቁምነገር እሞ ተረኾብዎ’ዩ” ክብልዎ ይስማዕ እዩ። እዚ መዳይ ቃልሲዚ ዘዝበሃግካዮ ከም ድላይካ ትሓፍሰሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሜዳ ናይ ሓባር ስለ ዝኾነ እቲ ውጽኢት እውን ኣብ ሂብካ ምቕባል እሞ ካብ መሰረታዊ መትከልካ ከይለቕቕካ ዝተሰረተ ናይ ሓባር እዩ። ንሕና ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ክንሓስብ እንከለና፡ እቲ ንዛመዶ ከኣ ብዛዕባ ረብሓ ሃገሩን ህዝቡን እዩ ዝሓስብ። ካብ 50ታት ጀሚርና ፖለቲካዊ ኣመጻጸኣና እንተዳህሲስና ከኣ እዚ ኮለል ኢሉ እዩ ዝረኣየና። ግን ከኣ እዚ መዳይዚ ይኽበድ ይፍኮስ፡ ቃልስና ዕዉት ንክኸውን ዘይዝለል ስለ ዝኾነ፡ ሰዲህኤ ጻዕሩ ከም ኣብ ኩሉ መዳያት ኣብዚ መዳይዚ’ውን ቀጻሊ እዩ።

Last modified on Tuesday, 25 October 2016 10:42