ሃገርን ህዝብን ብጸርፍን ቆይቅን ዘይኰነስ ብምድምማጽን ብፍልጠትን ኢዮም ዝድሕኑ

2016-09-08 21:48:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3390 times

ሰባት፡ ብፍላይ ድማ መራሕቲ፡ ብዛዕባ ነፍሶም ዘለዎም ገምጋም ሚዛናዊ ክኸውን ይግባእ። ናይ ሰባት ብቕዓታት ካብ ሰብ ናብ ሰብን፡ ካብ መዳይ ናብ መዳይን ይፈላለ ኢዩ። ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ’ቲ እፈልጦ ኢየ ወይ እበቕዖ ኢየ ዝብሎ መዳይ እውን፡ ካብኡ ንታሕቲ፡ ማዕሪኡን ልዕሊኡን ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ከምዘለዉ ክፈልጥን ክኣምንን ይግባእ። ሓደ ሓረስታይ፡ ሓደ መካኒክ፡ ሓደ ሓኪምን ሓደ ወተሃደርን እውን ኣብ ነናቶም መዳይ ካብ ሕድሕዶም ዝበላለጽሉ ኵነታት ከምዘሎ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይመስለንን። ሕርሻ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እቲ መካኒክ ወይ እቲ ሓኪም ማዕረ’ቲ ሓረስታይ ብቕዓት ወይ ፍልጠት ክህልዎ ኣይንጽበን ኢና። ንጥዕና ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ሓረስታይን መካኒክን ማዕረ’ቲ ዶክተር ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። መኪና ምዕራይ እንተዀይኑ ከኣ፡ እቲ ሓረስታይን ሓኪምን ነቲ መካኒክ ኣይዳረግዎን ኢዮም። ስለ’ዚ፡ ኵሉ በብዝፈልጦ መዳይ ክዛረብን ብዛዕባ ዘይፈልጦም ነገራት ድማ ካብ ዝፈልጥዎም ሰባት ክሰምዕን ከሎ ኢዩ ነገራት ብምርድዳእን ብምድግጋፍን ክሰላሰሉ ዝኽእሉ።

 

ሰባት ንነብሶም ብግቡእ ክግምግሙ ዝኽእሉ ፍልጠት ምስ ዝቐስሙ ጥራሕ ኢዮም። ፍልጠት ግን ዘይነጽፍ ባሕሪ ስለዝዀነ፡ ፍልጠትካ ወይ ብቕዓትካ ደረት ዘለዎ ምዃኑ ወይ ድማ ሕጽረት ዘለካ ሰብ ምዃንካ ክትርዳእ ይግብኣካ። ስለዝዀነ ድማ፡ ዘይትፈልጦም ነገራት ንምፍላጥ ናይ ካልኦት ርእይቶ ምስማዕ/ምድማጽ ወይ መጽናዕቲ ምክያድ ወይ ከኣ ካልኦት ዘጽንዕዎ ነገራት ምንባብ የድልየካ። እዚ ምስ እትገብር ብቕዓትካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ኢዩ ዝኸይድ። ፍልጠትካን ብቕዓትካ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን ድማ ውሳኔኻ ካብ ቅኑዕ ንባብ ናይ ነገራት ዝተበገሰ ይኸውን። ክፈልጥን ክመሃርን ዝደሊ ሰብ ኵሉ ግዜ ሓታታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ኵሉ እፈልጥ’የ በሃላይ እንተዀይኑ ግን፡ ስለዘይሓትትን ዘየዳምጽን ካብ ካልኦት ክመሃር ኣይክእልን ኢዩ።

 

ሓድሽ እንተደኣኰንካ ወይ ሓድሽ ነገር ክትገብር እንተደኣ ደሊኻ፡ ምቕሉል ክትከውን ይግብኣካ። ትፈልጦን ዘይትፈልጦን ነገራት ከምዘሎ ክትኣምንን ክትቕበልን የድልየካ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ካብ ካልኦት ሰባት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንዘላካ ፍልጠት፡ ፍልጠት ትውስኸሉ ማለት ኢዩ።

 

ንኣብነት ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኤርትራ ናጻ ድሕሪ ምዃና ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተኻፊሉ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ እንታይ ኢዩ ጸገምኩም ኢሉ ከይሓተተ፤ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ይኹን ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብኣልማማ ዘዝነበሎም ነቐፌታ መዳርግቲ ኣይነበሮን። . . .ንብዙሕ ዓመታት መራሕቲ መንግስታት ኰይንኩም ዘፍረኽምዎ ዝዀነ ነገር የለን። . . .ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ዝፈትሖ ሽግር የለን . . .ወዘተ ክብል ኢዩ ኣቆናጺብዎም።

 

ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ሽዑ ሓድሽ ስለዝነበረ፡ ብዛዕባ መንግስትን ምምሕዳርን እኹል ፍልጠትን ተመኵሮን ኣይነበሮን። ምናልባት እውን፡ ህዝብን ሃገርን ምምሕዳር፡ ካብ’ቲ ናይ በረኻ ምሕደርኡ ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዖን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ግብሪ ምስ መጸ ግን፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ካብ 6 ሚልዮን ዘይበዝሕ ህዝቡ ከምሓድር ኣይከኣለን። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ኣደዳ ድንቍርና፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ ስደት፡ ውግእን ወረ ውግእን ገይርዎ ይርከብ። ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ጕድኣት ካብ’ቶም ሽዑ ዘቆናጸቦም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘውረድዎ ጕድኣታት ዝበኣሰ እንተዘይኰይኑ ዝሓሸ ከምዘይኰነ ብግብሪ ኣመስኪርዎ ኢዩ። ዋላ’ቲ ኣብ’ቲ ናይ 1998 ውግእ ምስ ኢትዮጵያ፡ ዘጋጠሞ ስዕረትን ውርደትን ንነብሱን ንጸላእቱን ብግቡእ ክግምግም ካብ ዘይምኽኣሉ ዝነቅል ኢዩ ነይሩ። ናይ ምግምጋም ዓቕሙ ተመዛቢሉ ወይ ድማ ትዕቢቱ ሰማይ ዓሪጉ ነይሩ ተባሂሉ ጥራሕ ኢዩ ክግለጽ ዝከኣል።

 

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር እኹል ኣፍልጦ ዘለዎ መራሒ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ስለ’ዚ ኢዩ’ውን፡ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-መሓትት ይኹን ኣብ ዝገብሮም መደረታት፡ ከም መምህር ናይ ፖለቲካ፡ ቍጠባ፡ ፍልስፍና፡ ስነ-ልቦና፡ ሕክምና፡ ናይ ጠፈር ምርምር፡ ኢንጅኔር፡ . . .ወዘተ ኰይኑ ዝቐርብ። እቶም ኣብ’ዚ መዳያት’ዚ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎም ምሁራትን ሚኒስተራትን ድማ ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ተምሃሮ ይዀኑ። ባህርያቱ ስለዝፈልጡ ከኣ፡ ክእርምዎ ይኹን ክሓትዎ ኣይፍትኑን ኢዮም። እዚ ድማ መሊሱ ነቲ ትዕቢቱ ከምዝዛይድ ይገብሮ። በዚ ኣነ’የ ዝፈልጠልካ ዝብል ሕማም’ዚ ዝልከፍ ዘሎ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኰነን።

 

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ክኢላታትን ፈላጣትን ክነሶም ብኽቱር ምቅሉልነት ይኹን ብሸለልትነት ወይ ካልእ ምኽንያታት ነታ ዘላቶም ኣፍልጦ እውን ከንጸባርቕዋ ዘይክእሉ ሰባት ኣለዉ። ፍልጠቶም ወይ ብቕዓቶም ድሩት ምዃኑ ስለዝኣምኑ፡ ነብሶም ኣትሒቶም ይርእዩ። ንነብስኻ ካብ’ቲ ዝግብኣ ንላዕሊ ኣትሒትካ እንተደኣ ገምጊምካያ ድማ፡ ፍርሒ ተሐድር እሞ ነቲ እትኽእሎ እውን ኣብ ግብሪ ክትርጕም ናብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ትወድቕ። ብኻልእ ኣገላልጻ ከም ክኢላ ክትጻወቶ ዘሎካ ተራ ይበኵር ማለት ኢዩ። ብኽእለትካን ፍልጠትካን ክጥቀሙ ዘለዎም ኣካላት ድማ ከይተረብሑ ይተርፉ። ንዘለዎም ፍልጠት ምስ ህዝቦም ከይተኻፈልዎ ሓቝፎሞ ዝሓልፉ ምሁራትን ክኢላታትን ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኰኑን። ከም ኣብ ውሽጢ ዕትሮ እትበርህ ዘላ ሽምዓ ንኸባቢኦም ከየብርሁ ይሓልፉ ማለት ኢዩ።

 

ስለ’ዚ፡ መራሕቲ/ክኢላታት ሚዛናዊ ዝዀነ ገምጋም ብዛዕባ ነብሶም ክህልዎ፤ ኵሉ ክፈልጡ ከምዘይክእሉ ተረዲኦም፡ ናይ ካልኦት ርእይቶን ምኽርን ከድምጹን ብኣገዳስነት መጽናዕቲ ክኣምኑን ብሓደ ሸነኽ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ንዘላቶም ፍልጠት ወይ ብቕዓት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኣብ ረብሓ ህዝቦም ከውዕልዋ ክብገሱ ይግባእ። ናይ ህዝቡ ርእይቶ ዘይሰምዕ መንግስቲ፡ ንሽግራት ክፈትሕ ይኹን ንሃገሩ ንቕድሚት ከስጕም ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። ሽግራት ምስ ህዝብኻ ብምምኽኻርን ምድምማጽን ጥራሕ ኢዮም ዘላቒ መፍትሒታት ክረኽቡ ዝኽእሉ።

 

ናይ ደምበ ተቓውሞ ጸገም እውን ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ነፍስወከፍ ውድብ ይኹን መራሒ፡ ንነብሱ ከም ኵሉ ዝፈልጥን ዝኽእልን ብምቕጻር፡ ካልእ ኵሉ ክሰምዖን ክስዕቦን ጥራሕ ይደሊ። ናይ ካልኦት ርእይቶን ድሌትን ከኽብርን ክሰምዕን ከምዘለዎ ኣብ ግምት ኣየእቱን። ገለ ድማ፡ ንተመኵሮታቶም ምግምጋምን መጽናዕቲ ምግባርን ከም ግዜ ምጥፋእ ገይሮም ይቖጽሮዎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ እቲ ሃዋህው ይጕድፍ እሞ ምድምማጽ ይኹን ምጽውዋር ይበኵር፤ ኣብ ህልኽ፡ ምጥምማትን ወጥርን ድማ ይእቶ። መፍትሒ ዘይርከቦ ዕንክሊል ኰይኑ ድማ ይቕጽል።

 

ፓልቶክ ሩማት፡ ከም ናይ ርእይቶታትን ሓሳባትን እንለዋወጠሎም መድረኻት ምዃን ተሪፎም፡ ናብ መታዀሲ ድፍዓት ወይ መዛግብቲ ኢዮም ተቐይሮም ዘለዉ። ገለገለ ሰባት ከኣ’ሞ ብዛዕባ ኤርትራ ኵሉ ዝፈልጡ፡ ናይ ዝዀነ ሽግር መፍትሒ ኣብ ኢዶም ከምዘሎ ኰይኑ ዝስምዖም፡ ዘምጻእካ ኣርእስቲ እንተምጻእካ ከየስተንፈሱ ኣድራጋ ዝትኵሱ ኣለዉ። ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዝተላዕለ ኣርእስቲ 100% ርግጸኛታት ኰይኖም ይዛረቡ፡ ካብ ናቶም ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዘለዎም ክሰምዑ ድማ ኣይደልዩን። ኣብ ክንዲ ዝፈልጥዎን ተመኵሮኦምን ጥራሕ ዝገልጹ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ይኹን ብዛዕባ ውድባት ዝፈልጥዎን ዘይፈልጥዎን ታሪኻት ሓዋዊሶም ከዘንትዉ ይስምዑ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እናበዝሑ ስለዝኸዱ ድማ፡ ሓቅን ሓሶትን ምፍልላይ ጸገም ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ምድምማጽን ምጽውዋርን ይበኵር፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ጸርፍን ቆይቍን ይሰፍን፡ ሃገርን ህዝብን ድማ ንሓደጋ ብርሰት ይቃልዑ።

Last modified on Thursday, 08 September 2016 23:55