ንቃልሲ ከም ኣካል መነባብሮኻ ምውሳድ

2016-09-09 07:07:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3179 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰባት ኣብ ህይወቶም ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ዕማማት እዮም ዘሰላስሉ። ኣብ ኩሉ’ቲ ዕማማቶም ዕዉታት ዝኾኑ ከኣ እቶም  ነቲ ዘለዎም ጸጋን ዓቕምን ናብቲ ዕማማቶም ብግቡእ ሰሊዖም ዝንቀሳቐሱ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚኡ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ዕማማት እቶም ቀንዲ መነባብሮኻ ምምራሕን፡ ምእንቲ ራህዋን ፍትሕን ኤርትራን ህዝባን ምቅላስን እዮም። እዞም ክልተ ዕማማት ነናቶም ዝርዝር ትሕዝቶ ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት መነባብሮ ምምራሕ ክበሃል እንከሎ ዝርዝሩን ምትእስሳሩን ሰፊሕ እዩ።

እዞም ዓበይቲ ማሕበራውን ሃገራውን ዕማማት ነቲ ሓደ ገዲፍካ ነቲ ሓደ ብምሓዝ ኣይኮኑን ዝሳለጡ። ሓዲኡ ሒዝካ ነቲ ሓደ ጥራይ ምሓዝ፡ ኣብቲ ዝሓዝካዮ’ኳ ተድማዕካ ኣብቲ ሓደ ዝፈጥሮ ብኩራትን ሃጓፍን ሃሳዪ እዩ። ስለዚ ክልቲኦም ኣሳንዮም ዝኸድሉ ኩነታት ምጥጣሕ ናይ ግድን ይኸውን። ኣብዚ ከኣ እዩ እቲ ውሕልነትን ሓላፍነትን ዘድሊ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓፈሻዊ ምምጥጣን ሓንሳብ ምስ ተሳእለ ከም ዘለዎ ዝነብር ዘይኮነ ምስ ባዕላዊ ኩነታት ኮነ ግዳማዊ ሓጐጽጐጽ ወይ እውን ከባብያዊ ኩነታት እንዳተኸለሰ ዝቕጽል እዩ። ንእብነት ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራ ዝነበረን ሎሚ ምእንቲ ደሞክራስን ፍትሕን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ነናቶም ኣሰራርዓን ኣተሓሕዛን ዘለዎም እዮም። ሎሚ በቲ ናይ ቀደም ናይ ተሳትፎ ኣብ ቃልሲ ኣተሓሕዛ ቀጥዒ ንኺድ እንተንብል ኣጸጋሚ መኾነ። ምስ እዚ ኩሉ ግና ቃልሲ ቀደም ይኹን ሎሚ፡ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ህዝባዊ ወገናውነት፡ ሓልዮትን ኣብ ዝሓዝካዮ ቀጻልነትን ዝሓትት እዩ።

ኣብ ቃልሲ ኮነ ኣብ ምምራሕ መነባብሮ ዓቕምና ኣካዊንና ክልቲኡ ከነዕውት ክንጽዕር ኣለና ክንብል እንከለና፡ እቲ ዓቕሚ፡  ፍልጠት ተመኩሮን፡ ገንዘብን ካልእ ንብረትን ከምኡ’ውን ግዜ ዘጠቓልል ምዃኑ ግንዛበ የድሊ። እዚ ዓቕሚ’ዚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። ዕምቆት ትምህርቲ፡ ውህሉል ተመኩሮን ንዋታዊ ሃብትን ነቲ ፍልልይ ካብ ዘጉልሑ ረቛሕታት እዮም። ብፍላይ ኣብቲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ብሓባር እነካይዶ ቃልሲ ከነድምዕ እንኽእል ብናይ ውሱናት ሰብ በሪኽ ጸጋን ዓቕምን ተሳትፎ ጥራይን ዘይኮነ፡ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ናይ ኩሉ ኣብቲ ውጽኢት ረብሓ ዘለዎ ግዱስ ዓቕምታት ብሓባር ክዋሳእ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ። ንናይ ካልኦት ዓቕሚ ኣነኣኢስካ ”በይነይ” ኢልካ ምንያት ግና በይንኻ እዩ ዘትርፍ። ብሓባር ማለት በበይኑ ኩለመዳያዊ ባህርያት ምስ ዘለዎም ብዙሓት ኮይንካ ምቅላስ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ካብቲ በይንኻ ኮይንካ መነባብሮኻ ንምስዓር ዝግበር ቃልሲ ዝኸበደ እዩ። ንብዙሕ ድሌታት፡ ትጽቢታትን ዓቕምታትን ከም ዘሳኒ ጌርካ ምውዳዱ ስለ ዘድሊ። እቲ ኣጀንዳ’ውን ቤተሰባዊ ዘይኮነስ ገዚፍን ሃገራውን ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ተገቲሩ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓንን ቀጻልነቶም ናይ ምዕቃብን ወሳኒ መድረኽ፡ ሓደን ናብ ቃልሲ ክስሕብ ሓደ ድማ ናቱ ምኽንያታት እንዳቕረበ ካብቲ ቃልሲ ክርሕቕ ምውጣጥ ዝውቱር እዩ። እቲ ናብዚ ቃልሲ ዝውጥጥ ዕላምኡን ድሌቱን ፍሉጥ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ምዝርዛር ኣድላይ ኣይመስለናን። እቲ ጸገም ናይ ኩልና፡ እቲ ዕማም ብኹልና፡ እቲ ውጽኢቱ ድማ ንረብሓ ኩልና፡ ኣብ ዝብል ዝጠቓለል እዩ። እቲ ናብቲ ካልእ ገጽ ዝሃድም ወገን ግና ምኽንያታቱ ብዙሕ እዩ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ትስፉው ዘይምዃን፡ ኣብቲ ውዱብ ቃልሲ ምስ ዘለዉ ወገናት ዘይምስናይ፡ ብዓብይኡ ድማ ንመነባብሮኻ ምቕዳም ካብቶም ዝረኣዩ ልሙዳት ምኽንያታት እዮም። እቲ ”ኤርትራ ጽቡቕ ስለ ዘላ ምእንቲ ለውጢ ቃልሲ ኣየድልን’ዩ” ዝብል ዕባራ ምኽንያት’ኳ ሎምስ ካብ ዕዳጋ ወጺኡ እዩ። እዞም ምኽንያታት ስለምንታይ ከም ምኽንያት መርሓቒ ካብ ቃልሲ ይቐርቡ’ኳ ተዘይተባህለ፡ ቅሩብነትን ሓልዮትን እንተሃልዩ ግና ክስገሩ ዘይክእሉ ኣይኮኑን። ምናዳ፡ ምናዳ  “ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ክኽእል እየ” ኢሉ ዘንቀደ ኒሕ እንተልዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ነቲ ዘለካ ካብ ጉልበትን ፍልጠትን ጀሚሩ ክሳብ ንዋትን ግዜን ዝምጠጥ ጸጋታትካ ብውሕሉል ኣገባብ ክትስለዖ ምብቃዕ የድሊ። እዚ ክበሃል እንከሎ  ግና ካብቲ ትብህጎ፡ ኣዝዩ ጥጡሕ መነባብሮ፡ ካብቲ ዘገላብጥ ሰፊሕ ግዜ፡ ካብቲ “ከምዚ ጥራይ ክኸውን ነይርዎ” እትብሎ ውልቃዊ ስምዒት ቁሩብ ኣይውሰደካን’ዩ ማለት ኣይኮነን።

 

Last modified on Friday, 09 September 2016 09:13