ፍልልይ መዓስ’ዩ መመልክዒ ዝኸውን?

2016-07-23 09:35:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2994 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብቲ ኣገዳስነት ፍልልይ ንምግላጽ ዝበሃል ሓደ “ዓለም ብተጻረርቲ ነገራት ዝቖመት እያ” ይብል። ፍልልይ ተዘየልዩ ህልውና የለን ዝብሉ ፈላጣት’ውን ኣለዉ። እዚ ዘመልክቶ ኣብ ፍልልይ ምንባር ናይ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ እዩ። ፍልልይ መበቆሉ ብዙሕነት እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ፡ ናይ እምነት፡ ናይ ጾታ፡ ከምኡ እውን ናይ ረብሓ ብዙሕነታት እዮም ናብ ፍልልይ ዝመርሑ።

ፍልልይ ወይ ብዙሕነት ልክዕ ከምቲ ዝተፈላለዩ ሕብሪ ዕንበባታት ንመሬት ዘወቅቡ፥ ንሕብረተሰብ ዘመልክዕ እዩ። ነዚ ዝበሃግ መልክዕ ዝህብ ግና ብግቡእ ክመሓደር እንከሎ እዩ። ክመሓደር ይግባእ ማለት ከኣ ንረብሓ ናይቶም ፍልልይ ዝፈጥሩ ብዙሕነታt  ብዝሕሉ መልክዑ ክውገን ኣለዎ ማለት እዩ። ኣብዚ ኣገባብ ምምሕዳር ምምዝባል እንተልዩ እቲ  ጽቡቕ መልክዕ ክኸውን ዝግበኦ ፍልልይ ወይ ብዙሕነት ናብ ጥፍኣት ክመርሕ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንቡዙሕነትን ፍልልይን ብማዕዶ ፈሪሕካዮ ከም ናይ ዘይምስናይን ምርሕሓቕን ጠንቂ ጥራይ ጌርካ ምውሳዱ ቅኑዕ ኣረዳድኣ ኣይኮነን።

ንሕና ኢርትራውያን ፍልልይ ዘመንጭዉ ብዙሕነታት ኣለዉና። ሃይማኖታዊ እምነትና፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና፡ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣና፡ ናይ ቃልሲ ተመኩሮና፡ ብሄራዊ መበቆልና፡ ኩሎም እዚኣቶም ፍልልያት ከመንጭዉ ናይ ግድን እዩ። ነቶም ፍልልያት፡ ማዕርነት፡ ናጽነት፡ ፍትሕን ዕቤትን መሰረት ጌርና ኣከኣኢልና እንተ ኣመሓዲርናዮ  እዮም ነቲ ካብ ብዙሕነት ዝርከብ ጽቡቕ ሕብርን መልክዕን የውህቡና። እዚ ከኣ ብዛዕባና ክንሓስብ እንከለና ማዕሪኡ ድማ ብዛዕባቲ ካብቲ ናይ ብዙሕነት መለክዒ ብሓደ ድዩ ብክልተ ካባና ዝፍለ ኣካል’ውን  ክንሓስብ እንተኽኢልና ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ። ኣብ “ነዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ” ዝብል ስስዐ ኣትኪልና ጥራይ ንሓስብ እንተኮይና ግና ብዙሕነትናን ንሱ ዝወለዶ ፍልልያትናን፡ መመልክዒና ምዃኑ ተሪፉ መዋድኢና ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ዓለም ዝረአ ዘሎ ጥፍኣትን ዕግርግርን ከኣ መንቀሊኡ ንፍልልያት ብግቡእ ከተመሓደር ዘይምኽኣል እዩ።

ከም ኤርትራውያን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆታት፡ እቲ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዘለና ግጥሚያ ኮነ ከም ተቓውሞ ኣብ ውሽጥና ዘይሰገርናዮ ሓጹር ኮይኑ ዘሎ’ውን መንቀሊኡ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ብዙሕነት ዘሎ ድኽመት እምበር ካልእ ኣይኮነን። ሓደሓደ ብዛዕባ ተቓውሞና ክዛረቡ እንከለዉ ካብቲ ቅድሚት ዝሰርዕዎ ጸገም ብዙሓት ምዃና እዩ። ርግጽ እዩ ዘይተደላይ ምርባሕ ውድባትን ማሕበራትን ዝተባባዕ ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጸገምናሲ ነቲ ብዙሕነት መሰሓሓቢ ዘይኮነስ መመልክዕን መሕየልን ከም ዝኸውን ጌርና ክንሰርዖ ዘይምኽኣልና እዩ። ስለዚ እቶም ብማዕዶ ብዙሕነት ዘሰንብዶም፡ ቀሪቦም ነቲ ብዙሕነት መልክዕ ኣብ ምትሓዙ እዮም ክጽዕቱ ዝግበኦም። ብዙሓት ኮይንካ ኣብቲ ትሰማመዓሉ ኣትኪልካ ንሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ምቅላስን ምዕዋትን ኣባና ኣይኮነን ተጀሚሩ። እዚ ኣቀላልሳ’ዚ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ጽቡቕ መልክዕ ኮይኑ ዓወታት ዘመዝገበን እዩ። ብፍላይ ከኣ እዚ ንነብረሉ ዘለና ዘመን ናይ ብዙሕነት ዘመን እዩ። ናይ ንብዙሕነት ወይ ፍልልይ ኣመሓዲርካ ኣብ ዓወት ምብጻሕ ተመኩሮ’ውን ሎሚ ኣብ ርሑቕ ኮነ  ቀረባ ብዙሕ እዩ።

ብዛዕባ ብዙሕነትን ፍልልይን ክንዛረብ እንከለና ሓደ ክንዝንገዖ ዘይግበኣና ዓብይ ጉዳይ ኣሎ። ውድድር። ውድድር ኣብ ህላወ ብዙሕነት ጥራይ እዩ ዝረአ። ብዙሕነት ኣብ ዘየብሉ ንውድድር ዝቐርብ ናይ ሓሳባት ብዙሕነት ስለ ዘየለ ውድድር የለን። ውድድር ዘይምህላዉ ድማ ንህዝቢ ዝቐርብ ኣማራጽታት ስለ ዘየለ፡  ህዝቢ እታ ዝቐረበትሉ ይፍተዋ ይጽለኣያ ከምዘላቶ  ክወስድ ጥራይ’ዩ ዝግደድ። ስለዚ ብዙሕነት ወይ ፍልልይ ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያት ምርጫታት ክረክብ ስለ ዝኽእሎ፡ ካልእ ናይ ምምልኻዕ ጐድኑ እዩ። ሕጂ እውን ከምቲ ብዙሕነት መልክዕ ምእንቲ ክኸውን ብግቡእ ክመሓደር ይግበኦ ዝበልናዮ፡ ውድድር ሓቀኛ ዝሓሸ ምርጫ መርከቢ ምእንቲ ክኸውን፡ ብሕጋውን ሰላማውን ቀጥዒ ተገሪሑ ክካየድ ይግበኦ። እቲ መወዳደሪ ሜዳ ከኣ ናጻን ንኹሎም ንሕጊ ውድድር ኣኽቢሮም ዝወዳደሩን ናይ ሓባር መድረኽ ክኸውን ይግበኦ።

እዚ ንፍልልይ መመልክዒ ገይርካ ናይ ምቕራጹ ዕማም ናይ ኩልና እቶም ኣብ ናይ ፍልልይ መድረኽ ተሰሊፍና ዘለና ሓላፍነት እዩ። ሓላፍነትና ጥራይ ዘይኮነስ ብቕዓትና ኣብ ቅድሚ ትጽቢት ህዝቢ ዝምዘነሉ’ውን እዩ። ኣብዚ ተዘይኣድሚዕና ከኣ ሓደ መሰረታዊ ጉዳይ ከም ዝጐደለና ክንእመንን ነዚ ጐደሎ ክንመልእ ክንቃለስን ይግበኣና። ኣብዚ ምቅላስ ማለት ኣብታ ንዓኻ ሓቂ ኮይና ትረኣየካ ምንቃጽ ጥራይ ኣይኮነን። ናይ ካልኦት ሓቂ ክትርኢ ዓይንኻ ምኽፋትን ንኩልኻ ቅቡል ዝኾነ ማእከላይ ሓቂ ምርካብን ናይ ግድን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ንኹሉ ፍልልያት ብሓንሳብ ሓግሒግካ ተወግዶ ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ነቲ ዘሰማመዓካ እንዳስፋሕካ ነቲ ዝፈላልየካ ድማ ምጽባብ ማለት እዩ። እዚ ከም ዝከኣል ብብዙሕ ተመኩሮታት ተረጋጊጹ ስለ ዝኾነ ኣባና በጺሑ ከም ዘይከኣል ጌርና ክንወስዶ ይግበኣና። ንግዜና ከኣ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። ናይ ሎሚ ጽቡቕ ዕድል ጽባሕ ከም ዝርከብ ርግጸኛታት ስለ ዘይኮና።

                

Last modified on Saturday, 23 July 2016 11:44