ክብሪ ንሰውራን ሰማእታቱን ኤርትራ

2016-07-06 06:28:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3160 times

ርእሰ-ዓንቀጽ 

ሰውራ ኤርትራ ዝተበገሰሉ ዕላማ ቅኑዕን እዋናውን ምንባሩ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ቅኑዕ ካብ ዝገብርዎ ብዙሓት ምኽንያታት፡ እቲ ሰውራ ትርጉም ሓይሊ ቅድሚ ፍትሕን ሰላማዊ መስርሕን ሰሪዑ ዝመጸ ምኩሕ ዘይኮነስ፡ ኩሉቲ ካልእ መማረጽታት ምስ ተወደኦ ኤርትራዊ መሰል ንምውሓስ ካልእ መተካእታ ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ። ሰውራና ክብገስ እንከሎ ከም ኩሉ ተርእዮታት ቅድመ ምድላዋቱ 100% ኣጻፊፉ ዝነቐለ ዘይኮነስ ምስ ኣብ መስርሕ ክፍትሑ ዝነበሮም ውሱናት ሕጽረታት ዝወፈረ ምንባሩ ንጹር እዩ። ኣብቲ እዋን ነዚ ውሱን ሕጽረት መዝሚዞም ንድሕሪት ክመልስዎ ዝሕልኑ ብዙሓት ነይሮም ክነሶም፡ እንተኾነ ከደንጉይዎ እምበር ከበርዕንዎስ ኣይከኣሉን።

ናይዚ ሰውራ ጀመርቲ ምስ ኩሉ ዝነበሮም ሕጽረት፡ ትብዓትን ንኽእሎ ኢና በሃልነትን ተዓጢቖም ነቲ ጸልማት ከብርህዎ ሓሪኖም። ዓቕሞም ውሱን ንቕለኦም ግና ፍትሓዊ ብምንባሩ ከኣ እቲ ሰውራ ናይ ውሱናት ዘይኮነስ ናይ ብዙሓት ከም ክኸውን ኣብ ምኽኣል ግዜ ኣይወሰደሎምን። ፍትሕን ሓቅን እንተልዩ ውሑድን ድኹምን ጸኒሕካ ከም ዝብዛሕን ዝሕየልን፡ ሓቅን ፍትሓን ተዘየልዩ ግና ብዙሕን ሓያልን ነይርካ ክትውሕድን ክትደክምን ከም እትኽእል ከኣ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብተግባር ተጋሂዱ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዞም ሎሚ እውን ክንርሰዖም ዘይግበኣና ጀጋኑ ምሉእ ብምሉእ ካብ ጌጋ ነጻ ዝኾኑ መላእኽቲ ኣይነበሩን። ካብ ኣሉታኦም ኣውንታኦምን ህዝባዊ ሞሳኦምን ይዓቢ ከም ዝነበረ ግና ዘይስገር ሓቂ እዩ። ምእንቲ እዚ ሰማእትነቶም ወርትግ ክቡር እዩ።

ጉዕዞ ሰውራና ነዊሕ ጥራይ ኣይነበረን። ኩርኳሕ እውን ነይርዎ። ጉዕዞ ሰውራና ናብ ቀዳማይ ጸላኢ ሓይሊ መግዛእቲ ጥራይ ዝቋመት ኣይነበረን። በብግዜኡ ገንፊሎም ዝወጹን ልዕሊ’ቲ ምስ መግዛእቲ ዝነበረ ቀዳማይ ምፍጣጥ ፈንጢሶም ዝወጹ ውስጠ-ውድባውን ሕድሕድ ውድባውን ግርጭታትን ምፍንጫላትን እውን ነይረምዎ እዮም። እዞም ጐንጽታት ኣብ ደረጃ ውግእ ሕድሕድ በጺሖም ብዙሓት ጀጋኑ ዝወደቕሉ ተመኩሮ እውን ነይርዎ። እዚ ሕድሕዳዊ ውግኣት ጌና ሕጂ እውን ስንብራቱ ከም ዘይገደፈና ፍሉጥ እዩ። እዚ ኪኖ ምትፍናን ኣብ ምፍሳስ ደምን ናይ ግዳም ሓይሊ ምዕዳምን በጺሑ ዝነበረ ውድባት ኤርትራ ነናቱ ተመኩሮን ታሪኽን ክህልዎ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ንዛራበሉ ዘለና ግና ነቲ ዝፈላሊ ንታሪኽ ገዲፍና፡ ነቲ ሰውራ ብሓፈሻ  ዝምልከት ሓባራዊ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ከኣ እቲ ዝነበረ ሕጽረታት ገዲፍካ እቲ ሰውራ ኮነ እቶም ንጹሃት ሰብ ዕላማ ሰማእታቱ ኩሎም ክቡራት እዮም እንብል። እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና ከኣ፡ እቲ ሰውራ ኮነ እቶም ስዉኣት ዘምጽእዎ መዓት ዘይኮነስ፡ እቶም ንቓሎም ዝዓጺፎም ኣብ ኣስመራ ዝዓረዱ ናይ ዘርኣይዎ ጥልመት ንሕድሮም ውጽኢት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ክቡር እዩ ዝበሃለሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንምዕዋቱ በመንጽር ዝተኸፈሎ ንዋት ጥራይ ኣይኮነን። ብመንጽር ዘወፈዮ ብዝሒ ምሩጻት ጀጋኑ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። እቲ ሰውራ ኮነ እቶም ስዉኣት ክቡራት ዝበሃልሉ ቀንዲ ምኽንያት እምበኣር፡ ዋጋኡ ብዝኾነ  ክብሪ ዘይትመን ናጻነትን ልኡላውነትን ስለ ዘውሓሰልና እዩ። ስለዚ ሰማእታትና ጥራይ ዘይኮኑ ክቡራትሲ እንተላይ’ቲ ብዋጋኦም ዝመጸ ጌና ብግቡእ ዘየስተማቐርናዮ ናጽነትን ልኡላውነትን እውን ክቡርን ቀጻሊ ሓለዋን ምሕብሓብን ዘድልዮ እዩ። እቲ ሓለዋ ዝጸንዕ ድማ ብውሱናት “መን ኣሎ ከማና ንናጽነት” ዝብሉ ህንጡያት ጥራይ ዘይኮነስ ብኹሉቲ ብጸጋታት ናጽነትን ልኡላውነትን ዝፍሳህን ዝሕበንን ኤርትራዊ እዩ።

እዚ ንሕና ኤርትራውያን ተመኩሮ ሰውራና ንምጽብባቕ እንብሎ ዘይኮነ፡ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ እውን ንሰውራ ኤርትራ ኮነ ጀጋንኡ ብተደጋጋሚ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ዝኸኣሉ” ብዝብል ምዕሩግ ኣበሃህላ ገሊጸምዎ እዮም። ብዙሓት ምእንቲ መሰልካ ምቅላስ ሓርቢትዎም ዝነበሩ ወገናት እውን ብኣውንታዊ ሃልሃልታ ሰውራና ተጸልዮም ኣብ ዓወት በጺሖም እዮም። ሓይልታት መግዛእቲ እውን ኣፎም መሊኦም’ኳ “ሰውራ ኤርትራ ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ ስዒሩና” ተዘይበሉ ነዚ ክዉንነትሲ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ተኣሚነምሉ እዮም።

ደሓር ግና ውሑዳት ነቲ ህዝብን ሃገርን ማእከሉ ገይሩ ክመጽእ ዝጸንሐ ሰውራ ኤርትራ ብግቡእ ጉዕዘኡ ወዲኡ ቀንዲ ሸቶኡ ከይወቐዐ፡ ናብ ኢዶም ክስሕብዎ ስለ ዝፈተኑ እነሆ ኣብቲ ሎሚ ዘለናዮ ኣዘራራቢ ሃለዋት ኣለና። ኣብዚ ዘለናዮ ሃለዋት ክንህሉ እቲ ጠንቂ እቲ ሰውራ ወይ ሰማእታቱ ስለ ዘይኮኑ፡ ንክቡርነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ኣይኮነን። እቶም ቃሎም ከነተግብር ዝግበኣና ህልዋት ከኣ ሕድሮም ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ናይ ሎሚ ሃለዋት ክንዛራብ እንከለና ኣብ ክንዲ ንሰውራናን ሰማእታቱን ንኸስስን ነራኽስን ነናይ ገዛእ ርእስና ወይ ትካላትና ግቡእ ፈሊጥና እንተንፍጽም ርትዓዊ መኾነ ንብል።

ሕሉፍ ሓሊፍካ ክንዲ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሖም ቃሎም ከይነዕብር ሕድሪ ሂቦም ዝሓለፉ፡ ንኽብሪ ሰውራን ሰማእታቱን ምንእኣስ፡ ብሓጺሩ ቅቡልን ርትዓውን ኣይኮነን’ሞ ኣብ ከምዚ ዓይነት ግንዛበ ዘለዉ ወገናት “ሰይጣን ወሰደኒ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሎም ናብ ልቦም ክምለሱ፡ ኣብ ርእሲ ልቦም ንመኽሮም። “ሕማቕ ናትካ እዩ ዎሆይ ዝብለካ” ዝብል ምስላ ከኣ ኣይንዘንግዕ። ውሕጅ እንዳሰሓሓቐ ከም ዝወስድ’ውን ነስተብህል።

ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር 

Last modified on Wednesday, 06 July 2016 08:37