ምርግጋጽ መሰረታዊ ለውጢ ብባህሪኡ ሓባራዊ’ዩ!

2016-07-02 05:41:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2721 times

 ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደለይቲ ለውጢ፡ ፍትሕን ደሞክራስን ብዝተፈላለዩ መልከዓት ክውደቡ ንቡር እዩ። ምውዳብ ኣገዳሲ ዝኾነሉ  ምኽንያት ዘይተወደበ  ሓይሊ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ዓቕሚ ክኸውን ስለ ዘይክእል’ዩ። ኣብዚ ክንጸሩ ካብ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ዝኾነ ውዳበ፡ ማሕበር ይኹን ፖለቲካዊ ትካል ንህዝቢ ክትክእ ዘይክእል ምዃኑ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ህዝብን ናይቲ ካብ ህዝቢ ዝወጽእ ውዳበታትን ምምግጋብ ህያው ምዃኑ ብዘይምዝንጋዕ እዩ።

ውዳበታት ካብ ዝቖምሉ መሰረታዊ ነጥብታት ሓደ ናይ ህዝቢ ባህጊ፡ ድሌትን ትጽቢትን ኣብ ግምት ምእታው እዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብመሰረቱ ናይ ህዝቢ መሳርሒ ስለዝኾና። ውዳበታት ነዚ ከማልኡ እንከለዉ ጥራይ እዮም ክስስኑ ዝኽእሉ። ካብ ድሌት ህዝቢ ዘይነቅል ወይ ድማ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ውክልና ወሲዱ፡ ኣብ ቦታ ህዝቢ ከቐምጥ ዝሕልን ውዳበ ግና ናይ ለውጢ ሓይሊ ክኸውንስ ይትረፍ ክህልው እውን ንጋዳ እዩ። ሰደህኤ ነዚ ብግቡእ ስለ ዝርዳእ ኣብቲ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ሓላፍነት ሲዲህኤ ብመጀምርያ ንሃገረ ኤርትራን ህዝባን እሙን ምዃን እዩ።”  ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እሙን ምዃን ብጭረሖታት ዘይኮነስ ብግብሪ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ መንጎ ህዝብን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ማሕበራትን ዝፍጠር ዝምድና ንክድልድል ሓላፍነት ናይተን ውድባት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ምእንቲ ድሌቱ ውዳበታትን ማሕበራትን ዝፍጠራሉ ህዝቢ እውን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣየናይ ውዳበ እዩ ብግቡእ ንባህጉ፡ ክብሩ፡ ልኡላውነቱን ትጽቢቱን ዝተሰለፈ ከነጽር ናይ ግድን እዩ።  ምንጻር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጐኒ እቲ ዝሓረዮ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ኮይኑ ከሕይሎን ክሕብሕቦን ናይ ግድን እዩ። ነቲ ኣንጻር ድሌታቱ ዝኸይድ ውዳበ ድማ ብኽንድኡ ደረጃ ክገንሖን ኣብቲ ቅኑዕ መንገዲ ክመጽእ ተጽዕኖ ከንብረሉን ሓላፍነት ህዝቢ’ዩ።

ኣብ ከምዚ ንሕና ንነብረሉ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ መንጎ ውድባት ካብ በበይኑ ኩርነዓት ዝነቅል ፍልልይ ክህሉ ባህርያዊ እዩ። ዘመሳስለን ክህሉ’ውን ከምኡ። ዕዉት ፖለቲካዊ ትካላት ኮይና ክንበቅዕ ከኣ ክፍታሕ ዝግበኦ ፍልልይ እንዳፈታሕና፡ ክፍታሕ ንዘይከኣለ ድማ ግዜ ንምሃብ እንዳመሓድርና፡ ኣብቲ ዘሰማመዓና ነጥብታት ከነድምዕ ምኽኣልን ዘይምኽልን ቀንዲ ናይ ብቕዓትና መምዘኒ እዩ። ነዚ ክንበቅዕ፡ ምጽውዋር ቀንዲ መሳርሒና እዩ። ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ካብ እምነት፡ ብሄር፡ ተመኩሮን ከባብን፡ ኮታ ብሓፈሻ ካብ በበይኑ ፖለቲካዊ እምነት ክመጽእ ይኽእል። እዚ ፍልልይ ምስ ብዙሕነት ናይቲ ምእንታኻ እንብሎ  ህዝቢ ዝምድና ስለ ዝህልዎ ኢና ኣብ ኣተሓሕዛኡ እንግደስን እንጥንቀቕን። ሰደህኤ ነዚ ኩሉ ኣመሓዲርካ ብሓብር ምስራሕ ዘይስገር ምዃኑ ስለ ዝኣምን እዩ ቀንዲ መትከል ቀጻልነቱን ዓወቱን፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተበታቲኖም፡ ፍትሒ ዘናድዩ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ጸጋታቶምን ዓቕምታቶምን ዝጥርንፍ ድልዱል፡ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ሓይሊ ምህናጽ ኰይኑ፣ በዚ ኣቢልካ ንሃገር ዘብርስ ዘሎ ስርዓትን ከምኡ ዝኣመሰለ ኣታሓሳስባን ካብ ስሩ ንምብንቋስ፡”  ዝብል ሓሳብ ኣብ’ቲ መሰረታዊ ሰነዱ ኣስፊሩ ዘሎ። እዚ ቀሊል ዝመስል  ፍልልያታካ ዓቂብካ ብሓባር ናይ ምስራሕ ክእለት ግዜ፡ ትዕግስትን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተወፋይነትን ዝሓትት መሰረታዊ ዕማም እዩ። ብህዱእ ናይ እንካን ሃባን መስርሕን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ብምስትብሃል ከኣ እዩ ዝረጋገጽ።

ተደጋጊሙ ከም ዝግለጽ ብዙሕነትና መልክዕናን ናይ ሓያልነትና ምንጭን እዩ። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ግና ኣቲ ሓደ ነቲ ካልእ ግቡእ ኣፍልጦ ክህቦ እንከሎ እምበር ክነጻጸግ እንከሎ ኣይኮነን። ከምቲ ሰልፍና “ሰዲህኤ፡ ንብዙሕነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍን ኣለልዩ ዝቃለስን ሰልፊ እዩ።” ኢሉ ዝኣምኖ። ነዚ ሓሳብ ከም እምነት ኣብ ሰነዳት ምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰደህኤ ዝምድና ሰልፍታትን ህዝብን ምእንቲ ጎሊሁ ክረአ  ኣብ ዓመታዊ ፈስቲቫላቱን መሰል ኣጋጣምታት’ውን ንምንጽብራቑ ዝግበሮ ጻዕሪ ቀጻሊ እዩ።

ናይ ኩሉ ጻዕርናን ቃልስናን መዛዘሚ ንምልኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ ኣብ ክንዳኡ ናጽነትን ፍትሕን ዘንግስ ኣተኣማማኒ ባይታ ንምምድማድ እዩ። ከምቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰደህኤ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ከም ኣካል ሃገራውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ሓይልታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ፡ ንምልክን ሰረታቱን ካብስሩ ኣልጊሱ፡ ኣብ ቦታኡ፡ ንኹሉ ናጽነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ፡ ንኤርትራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ዝከላኸል፡ ስሙርን ብልጹግን ቅዋማውን ሃገረ ኤርትራ ክሃንጽ ዝቃለስ ሰልፊ እዩ።” ኢልዎ ዘሎ።

ከምቲ ኩልና ዘይንስሕቶ እዚ መስርሕ ጉዕዞ ናብ ምትካል ዘተኣማምን ደሞክራሲ፡ ናይ ብዙሓት እምበር ናይ ውሱናት ኣይኮነን። እዚ ብግብሪ ክሰርሕ ከኣ ናይቶም ተዋሳእቲ፡ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ክህልው ናይ ግድን እዩ። ዋላ ኣብቲ ሓድሽ ዘይኮነ ኣጀንዳ ንስኻ ጀማሪ መሲልካ ናይ ምቕራብ ኒሕ ግና ኣብ ፍረ ዘብጽሕ ኣይኮነን።

Last modified on Saturday, 02 July 2016 07:49