ኣብ ክንዲ ደድሕሪ ኣጀንዳ ህግደፍ፡… !

2016-06-29 08:11:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2800 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ምልስ ኢልና እንተረኣና፡ መብዛሕትኡ ምንቅስቓሳትና ደድሕሪ ህግደፍ ዝነደፎ ኣጀንዳታት ምስዓብ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ምርዳእ ይከኣል። እዚ ማለት  ህግደፍ ደድሕሬና ንክስዕብ ከገድዱ ዘይምኽእሎም እምበር፡ ንሕና እውን ተዝዕወቱስ ህግደፍ ደድሕሬና ንክስዕብ ዘገድድዎ ዝኽእሉ ኣጀንዳታት ክንሕዝ ኣይጸናሕናን ማለት ኣይኮነን። ተበግሶ፡ ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣመሰሉ ኣጀንዳታት ነዲፍና፡ ግና ንህግደፍ ከገድዱ ብዝኽእልሉ ደረጃ ዘየዕወትናዮም እዮም።

ህግደፍ ካብ ናቱ ጸረ ህዝቢ ባህርያት ነቒሉ፡ ግዱድ ዕስክርና ኣዊጁ፡ ዝተቓወምዎ ኣሲሩን ሰዊሩን፡ ኩሉ ዓይነት መሰላት ብእዉጅ ዓጽዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይረብሓሉ ውግኣት ኣዊጁ … ወዘተ። ንሕና ድማ ነዚ ተግባራቱ ክንቃወምን ከነቃልዕን እነሆ ንነዊሕ ዓምታት ደድሕሪ ኣጀንዳታቱ ክንስዕብ ጸኒሕና። እቲ ተበግሶ ናትና ተዝኸውን ኣጀንዳታትና እዚኣቶም ኣይመኾኑን። ብመሰረቱ ኣንጻር ህግደፍን ባህርያቱን ተቓሊስና ክንዕወት፡ ንሱ ናትና ኣጀንዳ ግዙእ ኮይኑ ደድሕሬና ከም ዝኸይድ ምግዳዱን ዘይምግዳዱን ናይ ምጽላው ዓቕምና መለክዒ እዩ።

ነቲ ኩነታት ቀይርና፡ ህግደፍ ደድሕሪ ኣጀንዳና ክም ዝኸይድ ናይ ምግባሩ ዕድል ሕጂ እውን ጠቕሊሉ ካብ ኢድና ኣይወጸን። እቲ ዕድል ይጸብብ ከም ዘሎ ግና ክንርስዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ዕጽዊ ዘይኮነ ዕድል ክንጥቀመሉ ግና ክንሕይል ይግበኣና። ክንሕይል ክንብል እንከለና ንትርጉም ሓይሊ በቲ ህግደፍ ዝርደኦ ምርዳእ ማለት ኣይኮነን። ሓይሊ ህግደፍ ንህዝቢ ካብ ምፍርራሕ፡ ምግዳድን ምዕማጽን እዩ ዝቕዳሕ። እዚ ሓይሊ እዚ ግዝያውን ዘይወሳንን እዩ። እቲ ንሕና ክንግለጸሉን ከነጥርዮን ዝግበኣና ሓያልነት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝሰርዕ ውዱብን ቀጻልነት ዘለዎን ክኸውን ይግበኦ። እዚ ሓይሊዚ ኣጥሪና ምስ ህዝብናን ባህግታቱን ማዕረ ተዘይሰጒምና እቲ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ክንምንጥሎ ዝግበኣና ልዕልና ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና።

ሓድነት ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ንጉጅለ ህግደፍ ሕማም ርእሱ ምዃኑ ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ እንተደልዲሉ ከምዘይጸዓደሉ ስለ ዝፈልጥ ኣንጻርዚ ሓድነት ከይሰልከየ እዩ ዝሰርሕ። ኣብ ዓዲ ዘሎን ወጻኢ ዘሎን፡ ኣብ ከተማ ዝነብርን ኣብ ገጠር ዝነብርን፡ ንዕኡ ዝቃወምን ንዕኡ ዝድግፍን፡ ዝተማህረን ዘይተማህረን፡ ሃብታምን ድኻን፡ ወዲ ሓደ ከባብን ወዲቲ ካልእ ከባብን፡ ኣማኒ እዚ ሃይማኖት ኣማኒ እቲ ካልእ ሃይማኖት .. ወዘተ እንዳበለ ኣብ ሕድሕድ ምትእምማን የጥፍእ። ዕላማ ናይዚ ምንቛት ስሙር ሓይሊ ህዝቢ ካብ ምድኻም ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ንሕና ኣንጻርዚ ዘራጊ ተግባራት ህግደፍ ብሓባር ኣብ ምውፋር እንተንዕወት ህግደፍ “ጠፋእኩ” ኢሉ ኣብ ኣጀንዳና ክጽመድ መተገደደ። ንሕና ክንዲ ህግደፍ ዝኣክል ህዝብና ዝብትን፡ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ምስልና ዝድውንን ጸላኢ ኣቐሚጥና፡ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ኣቲና ክንውግኖ ብንኽእል ፍልልያት እንዳተሃላለኽና፡ ንህግደፍ ናይ ኣጀንዳና ግዱድ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ “ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ብርኢቶ ምፍልላይ ብኣና ኣይተጀመረን፡ ኣብቲ ዘሰማማዓካ ብሓባር ምስራሕ እውን ከምኡ። ስለዚ ኣንጻር ህግደፍ ብሓባር ተቓሊስና ናይ ዓወት ባይታ ኣብ ምምድማድ ንብቃዕ” ንብል ዘለና። ናይ ብሓባር ምስላፍ ኣድላይነት ንኹልና ይርደኣና እዩ። እንተኾነ ኣብ ምትግባሩ ነንዘልሕጥ። እዚ ከምዚ ፈውስኻ እንዳፈለጥካ ተፈዊስካ ክትድሕን ቅሩብ ዘይምዃን ዝውሰድ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጀነቫ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ እስራኤልን ካልእ ከባብታትን ክረአ ዝቐነየ ማዕበላዊ ሰልፍታት ንህግደፍ ዘየቕስኖ ምዃኑ ባዕሉ እቲ ጉጅለ ይምስክር ኣሎ። ነዚ ምልዕዓልዚ ኣሕይልና፡ ንቐጻልነቱ ዘውሕስ ውዳበ ፈጢርና ተነዕውቶ ንህግደፍ መሰንበዶ እሞ  ደድሕሪዚ ኣጀንዳና ክኸይድ መተገደደ። እዚ በብኹርናዑ ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓሳትን “ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንሰለፍ” ዝብል ጭረሖን ብግቡእ ሓብሒብና፡ ንጹር ፖለቲካዊ ራኢ ከነትሕዞ እንተበቒዕና ስዕረት ህግደፍ ዘጠራጥር ኣይመኾነን። ምኽንያቱ ንኹሉቲ ህግደፍ ዕድሜኡ ንምንዋሕ ዝሕበኣሉ በዓትታት ዘቃልዕ ስለ ዝኾነ።

ሎሚ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲያዊ ለውጥን በይንና ኣይኮናን። ህዝብና ገሊኡ ብጋህዲ ገሊኡ ድማ ኩነታት ኣገዲድዎ ብውሽጡ ምሳና እዩ ዘሎ። ሕብረተሰብ ዓለም ከኣ ንጸረ ደሞክራስን ጸረ መሰረታዊ መሰላትን ጉጅለ ህግደፍ ንቕድሚት ኣምጺኡ ተገዲሱ ኣብ ዝዛረበሉ ደረጃ በጺሑ እነሆ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ደድሕሪ ኣጀንዳ መርማሪት ኮሚሽን ዘብዘብ ክብል ተገዲዱ ወልደፍደፍ ይብል ኣሎ። እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ግና ህግደፍ ንሕና ኤርትራውያን ብዝፈጠርናዮ ባይታ ክግደድ እንከሎ እዩ። ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ዘይኤርትራዊ ወገናት ኣንጻር ህግደፍ ክስለፉ እንከለዉ መንቀሊኦም እንተላይ ናታቶም ሃገራዊ ረብሓ እምበር ኤርትራዊ ሕሳብ ጥራይ ስለ ዘይኮነ። ስለዚ ንህግደፍ ቀንዲ ዘቐንዝዎ እቲ ንሕና ሰብ ጉዳይ እንፈጥሮ ንዕኡ ዘይቅበል ባይታ እምበር እቲ ናይ ግዳም ኣይኮነን። ነዚ ክንበቅዕ እምበኣር ህግደፍ ደድሕሪ ኣጀንዳና ከም ዝስዕብ ክንገብሮ ክንበቅዕ ይግበኣና።

Last modified on Wednesday, 29 June 2016 10:17