“ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ”

2016-06-03 07:12:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2797 times

ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዝብሎን ዝገብሮን በበይኑ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንሕና ህግደፍ ባዕሉ’ውን ኣይክሕዶን እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ብሓፈሻ ኩሉ ግዜ፡ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝሓለፈ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ጽኑዕ፡ ጅግና፡ ምእንቲ መሰሉ ኣብ ግንባሩ ዝውጋእ፡ ብገዛእቲ ዘይንብርከኸን ፈታው ሃገሩን ገይሩ የቕርቦ። ነዚ ንምድማቕ ድማ፡ ይደርሰሉ፡ ይገጥመሉ: ይደርፈሉን ይምድረሉን። ብርኢቶና እዚ ዝተገልጸ ናእዳ ንህዝቢ ኤርትራ እንተዘይውሒድዎ ኣይበዝሖን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መረርቲ ምዕራፋት ብተግባር ዘመስከሮ ስለ ዝኾነ።

እቲ ኣብዚ ዝለዓል ኣገዳሲ ጉዳይ “ኣብ ተግባርከ?” ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ስለምንታይ ናይ ቃል ናእዳን ኣጋንኖን ብተግባር እንተዘይተሰንዩ “ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ስለ ዝኸውን። ጉጅለ ህግደፍ ብተግባር ንህዝቢ ኤርትራ ብጸጋ ናይቲ ብመስዋእትነቱ ዝመጸ ናጽነት ተጠቃሚ ናይ ምዃኑ መሰል ገፊፍዎ እዩ። ንሱ ብዘይፈልጦ ኣገዳዲ ሕግታት ይገዝኦ ኣሎ። ኣብ ዘይኣምነሉ ዝተፈላለየ ውግኣት ኣእትዩ ምስ ናይ ርሑቕ ኮነ ናይ ቀረባ ፈተውቱ ኣባኢስዎ። ደቁ ደረት ኣብ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ዳጒንዎም። ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰሉ ነፊግዎ። እቲ ሓደ እዋን ብጽንዓትን መኸተን ዝግለጽ ዝነበረ ምስሉ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ብንዓድኻ ገዲፍካ ምስዳድ ከም ዝግለጽ ገይርዎ። ነቲ ብሰንክዚ ጉጅለ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዘሎ፡ ግህሰት ኩሉ መሰላት፡ ጥምየት፡ ሕማም፡ ዕርቃንን ድንቁርናን ወሲኽካ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ተደዊኑ፡ ቀጻልነት ኤርትራ ከም ሃገር ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

እሞ ኣብዚ ንዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ዝምልከት ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ። እቲ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝንእዶዶ ወይስ እቲ ብተግባር ዝድህኮ ዘሎ። ከምቲ “እዝኒ’ውን ትእመን እሞ ግና ኣይከም ዓይንን” ዝበሃል፡ እቲ ሓቂ እቲ ኣቐዲምና ዝዘርዘርናዮ ብተግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደል ኣምበር እቲ ናይ ሓሶት መደረን ባዶ ውዳስን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብባዕዳውያን ዝፍጸሞ ዝነበረ ግፍዒ፡ ሓድሽ ይኾኖ ኣይነበረን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወስድዎ ዝነበሩ እቲ ዝብልዎን ንሱ እውን ካብ ጸላኢ ዝጽበዮን ስለ ዝነበረ። ነዚ ሎሚ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ በደል ግና ከም ቅቡል ክወስዶ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ምስቲ እቲ ጉጅለ ዝደርፎ ዝጻረር ስለ ዝኾነ፡ ቀንዲ ከኣ ህልዊ ገፋዒ መሰልን ሓርነትን ከም ዘኽብር እንዳመሓለን እንዳጠሓለን መጺኡ ደሓር ዝጠለመ ወዲ ሃገር ብምዃኑ።

እዚ ምስ ረኣና ኢና እምበኣር፡ “እሞ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ ድዩ ወይ ፈታዊኡ?” ኢልና ክንሓትት እንግደድ። ብርኢቶና እዚ ሕቶ’ዚ ካብቲ ዝረአ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ምሉስ እዩ። ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ እዩ። እቲ ጉጅለ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ንቃለ-ዓለም ዝጽሕፎን ዝምድሮን ነቲ ግብራዊ ፍንፉን ባህርያቱ ዝኽውለሉ ይመስሎ ይኸውን። እንተኾነ ህዝብና “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ደኣ ይብሎ እምበር ጸላኢኡ ምዃኑ ምርድኡስ ዘጸግሞ ኣይኮነን። ህልዊ ኩነታት ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ከኣ ነዚ እዩ ዘነጽረልና። እቲ ጉጅለ እውን እንተስ ጃህራን ሓሶትን ተወዲእዎ ወይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም ጠባቢርካ ከም ዘይዕሾ ተረዲእዎ ኣፉ ክሕዝ ዝጀመረ ይመስል። ንኣብነት እቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት፡ “ሎምስ ለቢምና ኢና፡ ኣብ ሕርሻ እንታይ ከም እንሰርሕ ከነርእየኩም ናይ ኣዋርሕ ቆጸራ ሃቡና፡ ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና … ወዘተ” ዝብል ዝነበረ ናይቲ ጉጅለ ስማዊ ፕረሲደንት ኣብ ዝኽሪ ብሩራዊ እዮበሉ ናጽነት ኤርትራስ፡ ብዛዕባዚ ቅድም መውጽእ ኣፉ ዝነበረ ጉዳያት ዋላ ሓንቲ’ኳ ከይበለ ሓሊፉ። እዚ ናይ ምሕያሉ ዘይኮነስ ተስፋ ናይ ምቑራጹ መርኣያ እዩ።

እቲ ዘገርም ከኣ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን እቲ ጉጅለን ኣብ ከምዚ ዝገለጽናዮ ባዕሉ ዝዛረብ ደረጃ እንዳሃለወ፡ ውሑዳት ዘይቀበጹ ክቆጻጸይሉን ያኢ ኣብ ወርቃዊ እዮበልዩ ክራኸቡ ቆጸራ ክሕዙ እንከለዉ እዩ። ብርግጽ ህይወት ንክሰኹዕሉ ብዙሕ ገንዘብን ክኢላ ዓቕምን ዘፍሰስሉ ውሱን ጓይልታት ርኢና። እቲ ጓይላታት ንዝኽሪ ናጽነትን ንኽብሪ እቶም ምእንታኡ ዝተሰውኡ ሰማእታትን እንተዝኸውን ኣይመፈላለየናን። እቲ ጓይላ “ምስ ምምሕዳር ህግደፍ ጽቡቕ ኣለና” ዝቓንኡ እንተኾይኑ ግና ብሓቂ ዘተዓዛዝብን ንተዋሳእቱ ዘጣዕስን እዩ።

Last modified on Friday, 03 June 2016 09:19