ህግደፍ ዝረገጾ መሬትን ዝተሳፈራ መርከብን እቲ ይሃምም እቲኣ ትጥሕል

2016-04-15 17:22:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2830 times

ወለድና ሓደ ጉዳይ ካብ መጀመርታኡ ከም እተበላሸወ ክገልጹ ክደልዩ እንከለዉ፡ “ቆርበት ኣበይ ተበላሽያ? ኣብ ምንፋሓ፡ ኣይኣብ ምንፍሓን ኣብ ምጥበሓ” ይብሉ። ጉጅለ ህግደፍ ናጽነት ኤርትራ ተበሲሩ፡ ህዝብን ሃገርን ክመርሕ ምስ ጀመረ ኩሉ ኣካይዳኡ ናይ ዓመጽን ሸፈጥን እዩ ኮይኑ። ንህዝቢ ኤርትራ ክሒድዎን ኣዋሲንዎን። ንማዕጾ ብዙሕነት ከኣ “ ደጊም ብውድባት ሓሸውየ የለን” ብዝብል ብደዐ ኣጽይዎ። ነቲ ሒዝዎ ዝመጸ ግንባርን ተጋደልቱን እውን ኣየናሕሰየሎምን። “ህግደፍ” ናብ ዝብል ሓድሽ ቅዲ ኣሻርዩ። እቲ ዘይግልጽነቱ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምእንቲ ናጽነት ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራን ሓርበኛታቱን ጥራይ ተደሪቱ ኣይተረፈን። ካብዚ መሊኡ ዝፈሰሰ ትዕቢትን ዘይውሕሉል ኣካይዳን ህግደፍ እምበኣር ብፍላይ ናብ ጐረባብቲ ብሓፈሻ ድማ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ጀርበብ ኢሉ እዩ።

ብዙሓት ናይ ደገ ተዓዘብቲ ወገናት፡ ናይቲ ጉጅለ ኣዚሩ ዘይሓስብን ኣርሒቑ ዘይጥምትን ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ፡ ኣብኣቶም ዝተጀመረ ይመስሎም ነበረ። በዚ መሰርት ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ በደል ዝህብዎ ዝነበሩ ቆላሕታ ካብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ንታሕቲ ምንባሩ ኩልና እንከታተሎ ዝነበርና እዩ። እቲ ጉጀለ እውን ነቲ ናይ ግዳም ሓይልታት ምዝንጋዕ መዝሚዙ፡ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ምስሊ ኤርትራን ህዝባን ዓባቢጡ ክጓዓዝ ዕድል ረኺቡ። ካብዚ ተበጊሱ ከኣ፥ ዘይክውንነታዊ ድራማታት እንዳመሃዘ ከታልል ፈቲኑ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ሕጂ እውን ሸፈጡ ኣየቋረጸን። እንተኾነ እዚ ፈጠራዊ ናይ ሓሶት ምስሊ፡ ነቲ ሓቀኛ ጸረ ህዝብን ሃገርን ባህርያቱ ክኽውሎ ኣይከኣለን። ቅትለት ኣብ ማይ ሓባር፡ ማእሰርቲ ጉጅለ 15፡ ምዕጻው ናይ’ቲ ተቐልቂሉ ዝነበረ ብሕታዊ ሚድያታትን ምእሳር ጋዜጠኛታቱን፡ ናይ ዶብ “ተኲስካ ቅተል ፖሊሲኡ፡ ኣብ ህልቂት ላምፓዱሳ ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛ፡ ምስዚ ናይ 3 ማዝያ 2016 ቅትለት መንእሰያት ወሲኽካ ካብቶም ነቲ ክሓብኦ ዝፍትን ዝነበረ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ካብ ዘቃልዑ ተረኽቦታት እዮም።

ብዘይካቲ ግጉይ ኣተሓሕዛኡ ንዘቤታዊ ጉዳያት፡ ምስ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ኣካላት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታቱ እውን ሎሚ ዕርቃኑ ወጺኡ እዩ። ከም መርኣያ ናይ ምሒር ምንጻሉ ድማ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል “ኤርትራን ህዝባንስ እዚ ኮይኑ ዕድሎም” ዘብል ሳጓ ወጺእዎ እዩ። ካብ ብዓንተብኡ’ውን ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ሰቢሓ፡ ፍርቂ ጐና ኣይትዓብርን እያ” ዝበሃል ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፈሺሉ፡ ምስ ካለኦት ሰናይ ዝምድና ኣብ ምፍጣር ክዕወት ክትጽበዮ ዘጸግም እዩ። እነሆ ከኣ ብዓድን ብግዳምን ጸረ ህዝብን ንጹልን ክኸውን ተገዲዱ።

ምስ እዚ ኩሉ ግና ትንፋሱ ክሳብ ዘላ ትልኽ ክብል ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ናይ ጻዕረሞት ድምጽታት ናብ ውሽጢ ኮነ ናብ ግዳም ከስምዕ ንከታተሎ ኣለና። ምስዚ ኩሉ ግና ካብቶም ዘዕሽዎም ወገናት፡ እቶም መንነቱ ዝበርሃሎም ከም ዝበዝሑ ኩነታት የረደኣና’ሎ። ኣብ ቅድሚ ሕብረት ኤውሮጳ ብዙሕ ምሒሉን ጥሒሉን “ቁሩብ ገንዘብ ክትኮበለይ እዩ” ዝብል ድምጺ ክነዝሕ ጀሚሩ ነይሩ። ደሓር ግና ነቲ መዕሸዊ መብጸዓታቱ፡ እቲ ሓቀኛ መንነቱ ስለ ዝዓብለሎ እነሆ ዝሰለጦ ኣይመስልን። ነቲ “ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግዜ ከምቲ ዝተኣወጆ ክድርቶ እየ” ዝብል ሓሶቱ ጌና ቀለሙ ከይነቐጸ፡ እነሆ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ምድራት ተሪፉስ፡ ነቶም ናይቲ ደረት ዘየብሉ ባርነት ግዳያት “ብተመልከተለይ” ከም ዝቐተሎም፡ ወያ ብሕሶት ከዕሽዋ ኢሉ ዝነበረ ዓለም ትርእን ትሰምዕን ኣላ። ህዝቢ ኤርትራስ ካብ ጉጅለ ህግደፍ እምነቱ ካብ ዘልዕል ነዊሕ ግዜ ስለ ዝገበረ፡ እዚ ዳሕረዋይ ተግባር ህግደፍ መመሊሱ ዘጉህዮ እምበር ዝሕደሶስ ኣይኮነን።

ስለዚ ህግደፍ ይመስሎ ደኣ ይኸውን እምበር፡ ዝረገጾ መሬት ካብ ምህማምን ዝተሳፈራ መርከብ ካብ ምጥሓልን ዝዓግቶም ሓይሊ የለን። እቲ ምንቁልቋሉ ከኣ ቀጻሊ እዩ። እንተኾነ እቲ ናይ ቁልቁል ጉዕዞ ናብ ውድቀት ተዘይቀልጢፉ፡ ክለኻኽም ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ደፊእና ከነቐልጥፎ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሎሚ ካባና ካብ ደለይቲ ለውጢ ትጽቢት ዝግበር ምቅልጣፍ ነቲ መስርሕ ምንቁልቋል ጥራይ ኣይኮነን። እቲ መስርሕ ዝገድፎ በሰላ ጽባሕ ኣብ ኩለመዳያዊ ዳግመ ህንጻ ህዝብን ሃገርን ዝጻባእ ከምዘይከውን ምግባሩ’ውን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ። እዚ ከኣ ተኸኣኢልካ ብሓባር እምበር፡ እንዳተነጻጸግካ በበይንኻ ዝዕየ ኣይኮነን።

Last modified on Friday, 15 April 2016 19:25