ንኤርትራና’ሞ ነፍቅራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ግና ኣትሪርና ንቃወሞ!

2016-04-21 14:58:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3261 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

 

ኤርትራውያን ንሃገሮም የኽብርዋን ማዕረ ኣዲኦም ይሰርዑዋን። እዚ ጥቡቕ ምትእስሳር ኤርትራውያንን ኤርትራን ዕድሚኡ ነዊሕ፡ ክብደቱ ረዚን እዩ። ኤርትራውያን ካብ ብዙሕነቶም ዝነቅል ፍልልያቶም ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ሃይማኖት፡ ዓሌት፡ ከባብን ቋንቋን ከይገደቦም ብሓባር ንሃገሮም የፍቅርዋን የዚሙላን። ከም መግለጺ ዘለዎም ዕዙዝ ፍቕሪ ድማ ኣንጻርቶም መልክዓ ደዊኖም ህዝባ ዝረግጹ ወጻዕታ ካብ ዘመን ናብ ዘመን ክቃለሱላ ጸኒሖምን ኣለዉን።

እቶም ሰንሰለታውያን ወጻዕትን ገዛእትን ኤርትራ ነቲ ኤርትራውያን ከም መግለጺ ፍቕርን ክብርን ሃገሮም ዘካይድዎ ቃልሲ፡ ነብሶም ንምድሓን ዘይመክዑ ክህብዎ ከም ዝጸንሑ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ንኣብነት’ኳ ስርዓት ደርግ ነቶም ንናጽነት ሃገሮምን ክብሪ ህዝቦምን ዝቃለሱ ዝነበሩ ሓርበኛታት “ጡብ ኣዲኦም ነኸስቲ” ብዝብል እዩ ንመግዛእቱ ንዝተቓወመ ኤርትራዊ ኣካል ከም ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰለፈ ኣምሲሉ ከቕርቦ ዝፍትን ዝነበረ። እንተኾነ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተነጺሉ ደኣ ተሳዕረ እምበር፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ ፈታዊኡ ተመሲሉ ክድሕን ዝመሃዞ ተንኮል ኣየድሓኖን።

ኣቶም ምእንቲ ፍትሕን ኩሉ መሰላትን ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡ ነቶም ምእንቲ ክብርን ናጽነትን ኤርትራ ዝሓለፉ ሰማእታትና ነኽብሮምን ወርትግ ንዝክሮምን። እቲ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልሉ ኣርሒቑ ዝጥምት ዕላምኦም ተዓዊቱ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መስዋእትነቶም ጸጋ ተጠቃሚ ክኸውን ዘይምኽኣሉ ከኣ ንሓዝን። ሓዘና ግና ተኾርሚዃ ብምቑዛም ዘይኮነስ ነቲ ሰማእታት ዝተለምዎ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብምቅላስ እዩ። እዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከኣ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ መሰረታዊ ዕላምኡ ሕድሪ ሰማእታት ዘይምጥላም እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ካብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ኤርትራ ዝተማህሮ ተንኮላት ሓደ፡ ጸረ ህዝብነቱ ተቓሊዑ ካብቲ ህዝቢ ተፈልዩ ንከይውቃዕ ምስቲ ህዝቢ ከም ቁርዲድ ምጥባቕ እዩ። ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ንምኽዋል ከኣ ናይቲ ብተግባር ዝጠለሞ ህዝብን ዝረሰዖም ሰማእታትን ፈታውን ተሓላቕን መሲሉ ንምቕራብ ወትሩ ናይ ሓሶት ገዓር የስምዕ። “ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር” ዝብል ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ፈሊጥ ኣምሪሑ ድማ ሓድሽ ሳይንስ ክምህር ይፍትን። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘይሓልፍ ዋና ሃገሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግና ግዚያዊ ህልውና ዘለዎ ዘጥፈኦ ኣጥፊኡ ሓላፊ ክነሶም፡ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን “ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ” እዮም ይብል። ኣብቲ ሓቂ እንተመጺእና ግና ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን “ሕቕን ከብድን” እዩ።

ሕሉፍ ሓሊፎም ሓንሳብ ብህግደፍ ምስ ሰኸሩ ናብ ባህርያዊ ውነኦም ምምላስ ዝጸገሞም ኣምለኽቲ ህግደፍ “ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ ማለት ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ምስላፍ፡ ናብ ህግደፍ ዘይፈትዎም ሃገራት ምጋሽ ክድዓት’ዩ” ዝብል፡ ብኹሉ መምዘኒ ካብ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ኣካል ክመጽእ ዘይትጽበዮ ኣውያት ከስምዑ ነዳምጽ ኣለና። ምዓስ እዚ ጥራይ፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምቅላስስ ንክቡር ደም ሰማእታት ኤርትራ ምስትንዓቕ እዩ ክሳብ ምባል ዝመጣጠሩ’ውን ኣለዉ እምበር። ኣብዚ እነሆለ “ካብ በዓል ጣፍስ በዓል ኣፍ ወይ ኮር ተገልበጥ” ዘብል መስደመም። ናይ’ዚ ኩሉ ኮለል መልእኽቲ ድማ “ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ቃሕ ከም ዝበሎ ይግዘኣዮ ግደፍዎ” ንምባል እዩ።

እንተ ንዓና፡ እቲ ብዘይሕለል ፍትሓዊ ቃልሲ ዝሓልፍ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ካብቶም በብግዜኡ ዝተሳዕሩ ሓይልታት መግዛእቲ ዘውርድዎ ዝነበሩ በደል ብዘይፍለ ንህዝብና ሓመድ ድፋጫኡ ዘስትዮ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን በበይኖም፡ እኳደ ኣዝዮም ዝጻረሩ ምዃኖም ኢና ንኣምን። ቃልስና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ኣብ ድሌትን ትጽቢትን ህዝብና ዘትከለ ፍትሓዊ እዩ።

Last modified on Thursday, 21 April 2016 17:01