ንመርጾ ኣገባብ ስለ ንብህጎ ዘይኮነስ፡ ስለ ዘስርሕ’ዩ!

2016-03-29 19:51:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2717 times

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት ብቓልሲ ክፍታሕ ከም ዝግበኦ ንቑንጣሮ ደገፍቲ ህግደፍ ገዲፍካ፡ ናይ ኤርትራውያን ናይ ሓባር ዕግበት እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ውዳበታት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ንቃለስ ዘለና። ባህርያት ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ኣብ ምድህሳስ ብዙሕ ፍልልይ ዘለና ኣይንመስል። ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ጸገም ቀንዲ መበገሲ ጥልመትን ወጽዓን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ፍታሕ ድማ ቅድሚ ኩሉ ነዚ ጠንቂ ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ንኩለመዳያዊ ብዙሕነት ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ስርዓት ክትተክል ምብቃዕ እዩ። እዚ ጉጅለ ብጥሪኡ ጸረ-ህዝቢ ኢልካዮ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ብደቂቑ ምጽናዕ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብዚ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ኣየናይ ኣገባብ ከም እትኽተል ዝውስን። ክጽናዕ እንከሎ ከኣ ንኩሉ ከቢብዎ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እዩ።

ኣብ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ፍልልያት ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና። ገሌና ጸረ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ደሞክራስን ንብሎ። ገሌና ድማ ምስ ሃይማኖታውን ብሄራውን ጸቢብነት ኣላጊብና ንገልጾ። ብወተሃደራዊ ትምክሕቲ እንገልጾ እውን ኣለና። ካብዚ ናይ ኣገላልጻና ፍልልያት እንዳነቐልና ድማ ኣብቲ ኣንጻሩ ዝግበር ግጥሚያ እንመርጾ ኣገባብን ድሕሪ ውድቀቱ ነቕርቦ መተካእታን ንፈላለ። ገሌና ጐነጻዊ ክንብል እንከለና ገሌና ድማ ዘይጎነጻዊ ንብል። ኩልና ከምዘይንስሕቶ እዚ ኣገባባት እዚ ሎሚ ንሕና ንህንድሶ ዘለና ሓድሽ ኣገባባት ዘይኮነ፡ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን ኣንጻር ብዙሓት መለኽቲ ሓይልታት ዘዕወተን እዩ። ናይ ክልቲኡ ናይ መወዳእታ መዓርፎ ከኣ ሓደ እዩ፡ ምውጋድ ምልኪ። እዚ ኣገባባት ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ዝወስዶ ግዜ፡ ዝሓቶ ዋጋን ድሕሪ ውድቀት መላኺ ዝገድፎ ኣሰርን ከም ዝፈላለ ግና ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

እዚ ክልተ ኣገባብ ቃልሲ ከም ምርጫ ምስ ቀረበ፡ ኣየንኡ ንምምራጽ እቲ ክንምረሓሉ ዝግበኣና ኣብ ባህጊ ወይ ህርፋን ዘይኮነስ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ክውንነት ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ኣብቲ መጽናዕቲ ኣብ ግምት ክኣትዉ ካብ ዝግበኦም ነጥብታት፡ ናይ ህዝቢ ናይ ምድጋፍን ምስናቕን ቅሩብነት፡ ናይ መንእሰይ ናይ ምቕጻልን ምትኽኻእን ድልውነት፡ ናይቲ ኣንጻሩ እትቃለስ ወጻዒ ድኹምን ድልዱልን ጐድንታትን ምስቲ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድናን፡ ናትካ ኮነ ናይ ጸላኢኻ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ዓለማውን ከባብያውን ኩነታት፡ ካብቶም ቀንድታት እዮም። ውጽኢት ናይቲ ነዞም ነጥብታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝግበር መጽናዕቲ ድማ ናብቲ ቅኑዕ ኣገባብ ኣቀላልሳ ይመርሓካ። ኣብዚ መጽናዕቲ ዝፍጠር ፍልልይ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ኣገባብ ምኽታል ይወስደካ። ነዚ መጽናዕትን ገምጋምን’ዚ ጥሒስካ፡ ብስምዒት በቲ ትሃርፎ ወይ ትብህጎ ጥራይ ምኻድ ግና ኣየዕውትን ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ዘይተደላዪ መንገዲ እዩ ዝመርሓካ።

ኣገባብ ቃልሲ ክምረጽ እንከሎ፡ ንመልክዕን ርኣዩለይ ስምዑለይን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ለውጢ ንምምጻእ እዩ። ስለ ዝመረጽካዮ ጥራይ ባዕሉ ለውጢ የምጽእ ማአት’ውን ኣይኮነን። ኣብዚ መዳይ ነቲ ዝመረጽናዮ ኣገባብ ኣድማዒ ኣብ ምግባሩ ብዙሕ ከም ዝተርፈና ዝሰሓት ኣይኮነን። ዝመረጽካዮ ኣገባብ ሓንሳብ ምስ ዘራእካዮ ዘየፍሪ እንተኾይኑ፡ ዳግማይ ገምጋምን ምትዕርራይን ምግባር ኣድላዪ እዩ። እዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ጌና ዝተለምደ ኣይኮነን። በቲ ኣብ ባይታ ዝንበብ ዘይኮነስ በቲ ሓንሳብ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ጥራይ “ጅግና” መሲልካ ናይ ምቕራብ ድሌት ነስተውዕል ኢና ። ስለዚ ሕጂ እውን እቲ ዘዋጽእ፡ ንነገራት በቲ ንሃርፎን ንብህጎ ዘይኮነስ፡ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዝድህሰ መርተዖ ክትዕቅኖ ምብቃዕ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝመርጽ እምበኣር፡ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓቂ ነቒሉ ኣብ ናቱ መጽናዕትን ገምጋምን ተመስሪቱ እዩ። ናቱ ገምጋምን መጽናዕትን ናይ ግድን ናይቶም ካለኦት ኣካላት’ውን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለ ዘይኣምን፡ ካልኦት ኣካላት ካብ ናቶም ገምጋም ነቒሎም ነቲ ካልእ ኣገባብ ክመርጹ እንከለዉ ኣብ ቅድሚኦም ኣይጸንሕን እዩ። ንዓኡ ግና እቲ ቅኑዕ ኣገባብ እቲ ናቱ ምርጫ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ካብ ዝረኣዩ ጸገማት ነዚ ክልቲኡ ነናቱ ታሪኽን ናይ ተዓዋትነት ተመኩሮን ዘለዎም ኣገባባት፡ እንተ ብዘይፍላጥ ወይ ኮነ ኢልካ ብፍላጥ ብግጉይ ምትርጓሞም እዩ። ነቲ ናትካ ምርጫ ከም ናይ ሓያልን ተባዕን፡ ደላይ መሰረታዊ ለውጢ መዕቀኒ ኣምሲልካ ብምቕራብ ነቲ ናይቲ ካልእ ወገን ምርጫ ምንእኣስ። እሞ ድማ እቲ ንስኻ ዝመረጽካዮ ኣገባብ እውን ፍሕዅ ምባል ከም ዝሰኣነ ኣብቲ ባይታ እንዳመስከረ። ከም ኣብነት ንዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብባህሪኡ ኣገዳዲ ምዃኑን፡ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ኣንጻር መለኽቲ ዓወት የመዝግብ ከምዘሎን እንዳረኣኻ፡ ከም ንጸላኢ ዕታር ዕንበባ ምብርካት፡ ጸላኢ ንዘተ ክጽወዓካ ምጽባይ፡ ናይ ጽገና መንግዲ፡ ኮታ ከም ምንብርካኽ ጌርካ ምውሳዱ ይስማዕ እዩ። ነቲ ንዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ብኸምዚ ግጉይ ኣገባብ ዝገልጾ ኣካል “ንስኻኸ ኣብቲ እትንእዶ ጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ንምስላፍ ክሳብ ክንደይ ኢኻ ድልዊ?” ኢልና እንተንሓቶ፡ መልሱ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

Last modified on Tuesday, 29 March 2016 21:54