ናይ ሓባር ዓቕምና፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና!

2016-02-28 21:45:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 3387 times

ከም ሰባት ኮነ ከም ንፖለቲካዊ ዕላማ ዝተሰለፈ ውድብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዘለውዎ ድሌታት ኣለዎም። እዚ ድሌታትን ባህግታትን”ዚ ብሓንሳብ ዓምጢርካ ዝረጋገጽ ዘይኮነስ ነናቱ ናይ ኣተሓሕዛ ባህርያት ዘለዎ፡ ብበበይኑ ኣገባባት ዝዕቆብ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ድሌታት ከከም ክብደቱን ወሳንነቱን ናይ ቀዳምነት መስርዕ ኣትሒዝካ ጥራይ እዮም ክትግበሩ ዝግበኦም። ድሌታት ቀዳምነታት ክሕዙ እንከለዉ ከምቲ ንህልውና ዘለዎም ጽልዋን ክብደትን ክስርዑ ይግበኦም። ካብዚ ወጻኢ ብሓደ ወስታ ንኹሉ ድሌታተይ ከዕወት ኢልካ ብሓንሳብ ኣብ ብዙሕ እቶን ምስኽታት፡ ሓይልኻ በቲኑ የድከመካ’ሞ፡ ሓዲኡ’ኳ ከየዕውትካ ትተርፍ።

ሰባት በቲ ዝተጠቕሰ ደረጃ ብውልቂ፡ ብጉጅለ፡ ብውድብ ወይ ብማሕበር ክፍታሕ ዝግበኦ ጸገም ወይ ፍልልይ ከጋጥሞም ባህርያዊ እዩ። ነዚ ጸገማት ክፈትሕዎ ወይ ከመሓድርዎ ከኣ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ናይ ህልውና ጉዳይ’ውን ስለ ዝኾነ። ከምቲ ድሌታትና ከነዕወት መልክዕ ከነትሕዝ ይግበኣና ዝተባህለ፡ ነዚ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ’ውን ነቲ ጸገማት ከከም ክብደቱ ምስራዕን ናይ ቀዳምነታት መልክዕ ምትሓዝን ግድን እዩ። እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ ጸገም፡ እቲ እንተተፈቲሑ ንብዙሓት ዘርህው ጸገም እዩ። እዚ ማለት ግና እቶም ካለኦት ጸገማት እውን ግዜን መድረኽን እንዳሓለዉ ኣይፍትሑን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዓብይ ንኹልኻ ዝጸሉ ጸገም ክፍታሕ እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ጸገማት ንክፍትሑ ኣፍደገ ዝኸፍት ምዃኑ ከኣ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ንሕና ከም ሓይልታት ደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ፖለቲካዊ ድሌታትና ብዙሕ እዩ። እቲ ቀንድን ንኹላትና ዘረዳድእ ድሌትና ከኣ ኣብ ኤርትራ ራህዋ፡ ሰላምን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ዘውሕስ ኩነታት ምፍጣር እዩ። እዚ እንተተረጋጊጹ ኩሉቲ ካልእ፡ እምነት፡ ከባቢ፡ ብሄር፡ ጾታን ቋንቋን ዝመንቀሊኡ ድሌታትና ክመሓደር ቀሊል እዩ። ኣብ ህድእትን ቅስንትን ዓዲ ኩልና ዝኾነት ኤርትራ ኩሉ ድሌታት ናይ ምርግጋጹ ዕድል ክፉት እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ራህዋ ንክወሓስ ከነወግዶ ዝግበኣና ጐንጽታትን ፍልልያትን ኣሎ። ካብዚ ጐንጽታት እቲ ቀንዲ እቲ ኣብ መንጎ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍን ደላይ ሰላምን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ እዩ። ካለኦት ንሃይማኖት፡ ብሄር፡ ከባቢ፡ … ወዘተ ዝምልከቱ ንኡሳን ፍልልያት እውን ኣለዉና። እንተኾነ እቲ ንኩልና ደለይቲ ለውጥን ራህዋን ኤርትራውያን ዓምጢሩ ሒዙና ዘሎ ሓይሊ ከየወገድና፡ ነዞም ቅሩብነት እንተልዩ ክመሓደሩ ዝኽእሉ ፍልልያት ንቕድሚት ምምጻእ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ሓቢሩ ኣንጻር ዲክታቶር ከድምዕ ዝግበኦ ዓቕምና ዘዳኽም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ሓይልና በታቲኑ ጎብለል ክኸውን ዝሓልም ወጻዒ ጉጅለ ዘህጥር ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግበኣና። ኣብ ኣሰራርዓ ፍልልያት ዝኾነ ናይ ለውጢ ሓይሊ ካብቲ ወጻዒ ጉጅለ ከም ዝቐርበና ከኣ ንቓለዓለም ዘይኮነስ ብልቢ ክንኣምነሉ ይግበኣና። ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሓባር ዓቕምና ኣንጻርዚ ናይ ኩልና ናይ ሓባር ወጻዒ ክቐንዕ ግድን እዩ።

ካብዚ ወጻኢ ከምዚ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐ፡ ናይ ፍልልያት ኣሰራርዓ ጌጋ ፈጺምና፡ ነቲ ቀንዲ ማእከል ውቅዒትና ጌርና ክንወስዶ ዝግበኣና ጸላኢና ረሲዕና፡ ዓቕምና ኣብቲ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትና ኣተኲርና እንቆራቖሶ ጌጋ ምዃኑ ንረዳእ። ኣብዚታት ከነመዝግቦ እንሕልኖ ሰዓርነት፡ ነቲ መሰረታዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምውጋድ እንገብሮ ቃልሲ፡ ኣይሕግዞንዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ንህልውና ጉጅለ ህግደፍን ወጽዓኡን እዩ ዘተባብዕ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ዝሓዝና መሲሉና፡ ነቲ ብምክፍፋልናን ዘይምትእምማንናን ዝዕንገል ስርዓት ነሕይል ምህላውና ተረዲእና ናብ ልብና ክንምለስ ናይ ጽባሕ ዘይኮነስ ናይ ሎሚ ሓላፍነትና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። “ ናይ ሓባር ዓቕምና፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና” ንብል ዘለና ድማ ምእንቲ’ዚ ኢና።

28 ለካቲት 016

Last modified on Sunday, 28 February 2016 22:47