ኣርሒቑ ዝጥምት ናይ ሓባር መድረኽ

2016-03-02 22:56:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2721 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ዝምድና: ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ዝፈጥርዎ ናይ መቃለሲ መድረኽ እዩ። ነዚ ዝምድና ንክፈጥሩ ካብ ዘገድድዎም ምኽንያታት እቲ ቀንዲ በዚ ናይ ሓባር መድረኽ ኣቢሎም ከዕውትዎ ዝደልዩ ናይ ሓባር ሸቶ ምህላው እዩ። ተዛመድቲ ነዚ ዝምድና ዝደልይሉ ካልእ ምኽንያት ነቲ በበይኖም ከረጋግጽዎ ዘይከኣሉ ዕማም ንምዕዋት ዘኽእል ዓቕሚ ምድላብ እዩ። ዝምድና ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዕዉት ንክኸውን ክማልእሉ ካብ ዘለዎም ነጥብታት ካብ ሕዝ ግድፍ ወጺእካ ቀጻሊ ከም ዝኸውን ምግባሩ እዩ።

ናይቲ ዝምድና ቀንዲ ቆላሕታ ብጐናዊ ምዕባለታት ከይተዳህለልካ፡ እቲ እተማዕድዎ ናይ ሓባር ሸቶ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ መስርሕ ክረአ ካብ ዘይብሉ ድማ፡ ምስ ሓደ ክትዛመድ እንከለኻ ምስ ካልእ ናይቲ ሎሚ ትፈጥሮ ዘለኻ ዝምድና ኣካል ዘይኮነ ጽባሕ ኣብ መስርሕ ግና ዘድልየካ ወገን ብዓይኒ ጽልኢ ምርኣይ እዩ። እዚ ማለት ማእከልካ ስሒትካ ናይ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ብሂል ግዙእ ዘይምዃን። እዚ ኣካይዳ ኣብ ክንዲ ነቲ ከተዕውቶ ዝግበኣካ ንምውዕዋት ትቃለስ፡ ናብ ምፍዳይ ሕነ ወሲዱ ስለ ዘህውትተካ። ብኻልእ ኣገላልጻ ክትዛመዶ ዝግበኣካ ነቲ ናይ ሓባር ሸቶ ኣብ ምዕዋት ዝሕግዘካ ኣምበር ነቲ ሕነ ከተፋድዮ ዝጽገዓካ ክኸውን ኣይግባእን።

እንገብሮ ዝምድና ኣብ መሰረታዊ ጉዳይ ዘትከለ ክኸውን ይግበኦ። ምስቲ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት እትዛመዶ ኣካል መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልይ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ ናይ ሓባር ዕላማ በቲ መሰረታዊ ዘይኮነ ንኡስን ኣብ መስርሕ ክፍታሕ ዝኽእልን ፍልልያት ክሰዓርን ክኹለፍን ኣይግባእን። እዚ ንክዕወት ከኣ ተጸሚምካ ናይ ምጉዓዝ ትዕግስትን ጹረትን ምውናን የድሊ። ከምቲ ሰደህኤኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኩሉ ክህልዎም ዝኽናይ ፖለቲካ ፍልልያት፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘቅንሓባራዊ ስርሓት ከካይዱ ከምዝኽሰልፍና ይኣምን። ብዝብል ኣብ መትከላቱ ዘስፈሮ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝምድናታት ክጅመሩ እንከለዉ ጸገማት የብሎምን። እቲ ጸገም ዝመጽእ መስርሕ ምስ ተጀመረ ንዘጋጥም ዕንቅፋታት እንዳጸረግካ ክትቅጽል ኣብ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ተመኩሮታትና ኣብ ምሕዝነት፡ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶን ድማ ነዚ እዩ ዘረደኣና። ቀንዲ መበቆል ናይዚ ጸገማት ድማ እቲ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ስሰዐ እዩ። ኣብቲ መስርሕ እቲ ናትካ ሓቂ ጥራይ እንዳሰዓረ ናይ ካልኦት እንዳተነጽገ ክኸይድ ናይ ምድላይ ስሰዐ።

ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትኣቱ እንከለኻ ጥራይ ኢድካ ኣይኮነን። ናትካ ርኢቶን ዓቕምን ወኒንካ ኢኻ ትኣቱ። እቲ ሒዝካዮ እትኣቱ ዓቕሚ ክወዳደር እምበር በይኑ ነቲ ናይ ሓባር ሜዳ ክዕንድረሉ ማለት ከም ዘይኮነ ምርዳእ ከኣ የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ ክትዋሳእ ዘይኮነስ ነቲ ካልኦት ዝዋስእዎ ክትዕዘብ ጥራይ፡ ዝእቶ መድረኽ ንዓኻ ኣየርብሕን ንመዋስእትኻ’ውን ከምኡ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ፡ ውድብካ ክትዓሞ ዝግበኣካ ዕዮ ከይዓመምካ ምስ ጸገማትካ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ምእታው እሞ ከኣ ናይ ጸገም ጸገም እዩ። ሓባራዊ መድረካኻት ክሰፍሕን ክጸብብን ከም ዝኽእል ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና። ናይ 3 ውድባት ናይ 7 ውድባት፡ ናይ 6 ውድባት ናይ 4+1 ውድባት፡ ናይ 4 ውድባት … ወዘተ ዝብሉ ንኹልና ልሙዳት ሓረጋት እዮም። ኣጀማምረኦምን ኣወዳድእኦምን ከመይ ነይሩ ካልእ ኮይኑ፡ እንተዝሕይሉን እንተዝቕጽሉን እውን፡ በበይኖም ነቲ ኩልና ብሓባር ክንፈጥሮ ዝግበናን ንጽዕተሉ ዘለናን ሰፊሕ ጽላል ወይ መድረኽ ዝትክኡ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ክሳብ ነዚ ንብሎ ዘለና ሰፊሕ ጽላል ዘይተጻብኡ ምህላወም ግና ዝንጸግ ኣይኮነን። ዕላምኦም ግና ብኸመይ ተኣኪብና ንመወዳድርትና ነጥቅዕን ንነጽግን ዘይኮነስ ብኸመይ ንእክብ ክኸውን ይግበኦ።

Last modified on Thursday, 03 March 2016 00:00