ደጊፎም ተሳዕስዕዋስ ዘላ ይመስላ

2016-02-19 19:37:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2366 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ዲክታቶር ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኢንታኦም ብዙሕ እዩ። ምናልባት እውን ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካ፡ ዲፕሎማሲ፡ ምኽባር መሰል፡ ደሞክራሲ፡ ዘለዎም ግናይ ምስሊ ክትዝርዝር ካብ ምውዓል “ኩለንተናኦም ግናይ እዩ” ኢልካዮ ምሕላፍ ዝሓሸ ይኸውን። እቲ ኣዝዩ ግናይ ባህሪኦም ግና በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸምዎ እዚ ዝጐደሎ ዘይበሃል በደልን ግህሰትን ክጠቓለል ዝኽእል እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብቲ በደል ኣዝዩ ኣዕሚቑ ኣትዩ እዩ። ሕጂ ካብዚ ወጺኡ ኩነታቱ ኣዕርዩ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ንክረክብ ዘለዎ ዕድል ዕጹው እዩ። ንሱ ሕቶ ህዝቢ ዝሰምዕ ቀልቢ የብሉን። ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብቲ ጉጅለ ፍታሕ ክረክብ ኣይጽበን’ዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምርጫ “ካብ ዓበቕካስ ተቛናደፍ” ምዃኑ ብግብሪ ይነግረናን የርእየናን ኣሎ።

ኣዝዮም ውሑዳት፡ ወይ ህግደፍ ኣብ ዘዝመተረሎም ጥራይ ክዕንገሉ ዝወሰኑ ወይ ድማ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ህግደፍ ፈልዩ ዝርዳእ ቀልቢ ዝሓረሞም ወገናት፡ ሓደሓደ ነጥብታት ናይ ህግደፍ “ናይ ትንሳኤ ምልክት” እንዳበሉ ከዘንትዉልና ይረኣዩ ኣለዉ። ናይ ሓድሽ ናቕፋ ናብ ዕዳጋ ምምጻእ፡ ነቲ ኩሉ ጐቲትዎ ዘሎ ጸገማት ጓስዮም ከም ቀንዲ መቃለሲ ኣንጻር ምጥፍፋእ (coruption) ኣምሲሎም ከረድኡና ይፍትኑ። ወዮ ብቐንዱ እቲ ጉጅለ ካብ ጸጋታት ነጻነት ምጭዋይ ጀሚርካ መጠፋፍኢ እዩ። ናይ እገለ ሃገር ልኡኽ ናብ ኤርትራ መጺኡ፡ ሄርማንኮሀን ከምዚ ጽሒፉ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ከኣ ኣብ 5 ዓመታት ዝትግበር ዝያዳ 200 ሚልያን ዩሮ’ዶ ዶላር ሂብዎ ዝብሉ ወረታት እውን ከም መበሲሪ ትንሳኤ ህግደፍ ካብ ሞት ጌርካ ክውረ ክንሰምዕ ቀኒና። ኣቲ ናይ ግናያት ግናይ ዝምድና ህግደፍ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ግና እንዳገደደ ከይዱ እምበር ኣይተመሓየሸን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ዝምዝገብ ኣውንታ ይኹኑ ኣሉታ ነናቱ ሚዛን እዩ ዝህልዎ። ንኣብነት ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ተተዓወትካ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ እትፈሽሎ ኣይሽፍነልካን እዩ። ምስ ህዝቢ ዘለካ ሕማቕ ዝምድና፡ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ብዘለካ ኣውንታ ኣይዕበስን እዩ። ኩሉ ነናቱ ክብደትን ቦታን እዩ ዘለዎ። ከም ተመኩሮ ናይ ህግደፍ ኣብ ኩሉ ክትፈሽል እንከለኻ ከኣ እቲ ፍሽለታት ተደሚሩ ኣበይ ከም ዘብጽሓካ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ሓንቲ ቀጣን ፈትሊ ንሳውን ኣሲራ ዘይተጽንዕ መዚዞም “እዚ ስርዓትባ ኣሎ” ክብሉ ዝደልዩ ወገናት፡ ብመጀመርያ እታ ዝመዝዋ ፈትሊ እውን የላን። እንተትህሉ’ውን በይና ሩባ ከም ዘይተሳግር ክርድኡ ምተገብኦም።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ መሰረታዊ ጉዳይ ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ሕቶ ኣይመለሰን። እኳደኣ ከምቲ ንበዓል ነጐዳ ሓዊ ደብሶ ዝበሃል እነሆ ነታ ዝርካባ ናቕፋ ኣብ ጅባኡ ኣእትዩ፡ ኣዴታት ኤርትራ ዋላ ሓንቲ መሳለጥያታትን ግንዛበን ኣብ ዘየብሉ ጨው በርበረ’ውን ብቸክ ግዝኣ ክብለን ይደናደን’ሎ። ገለ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝነብሩ፡ እቲ ዘለዉዎ ምስ ኩነታት ኤርትራ ንዘለዎ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ዘንጊዖም ንናይ ኢሳይያስ “ናይ ቸክ ላግጺ” ናይ ዕቤትን ስልጣነን ምልክት ገይሮም ክወስድዎ ንዕዘብ። ብግምትና ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ብመንጽር እቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት ኣብ ምምራሕ የለን። ምናልባት ግና ገለ ናይ ደገ ወገናት ካብ ክውንነት እቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ባይታ ዘይኮነስ፡ ናታቶም ከባቢያዊ ረብሓ ንምሕላው “ኣጆኻ ኣለኻ” እንተበልዎ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን። ከምቲ “ደጊፎም ተሳዕስዕዋስ ዘላ ይመስላ” ዝበሃል።

18 ለካቲት 2016

Last modified on Friday, 19 February 2016 20:39