ስቓይ ኤርትራውያን ብሰንኪ ህግደፍ

2015-10-23 07:56:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2392 times

ወዲ ሰብ ብባህሪኡ ንጽቡቕ ኮነ ንሕማቕ ኣጋጣሚ ዝተቓለዐ እዩ። እቲ ሕማቕ ኣጋጣምን ሓደጋን ገሊኡ ባህሪያዊ ክኸውን እንከሎ ገሊኡ ድማ ሰብ ዝሰርሖ እዩ። እቲ ጽቡቕ ዕድል ኣጋጢምዎ ዝበሃል ህዝቢ እታ ንሱ ዝነብረላ ሃገር ካብ ኩሉ ሰብ ዝስርሖ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ድሒና ብሰላም እትነብር ክትከውን እንከላ እዩ።

ካብዚ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ተመኩሮ እንተተላዒልና፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ንጽቡቕ ዘይተዓደላ ሃገራት ሓንቲ ኤርትራ እያ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ህዝባ ብሰንኪ ሕሱም ጉጅለ ህግደፍ ቅሳነትን ሰላምን ተሓሪምዎ ኣብ ሻቕሎትን ድኽነትን ይነብር ኣሎ። እቲ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝወለዖ ኲናት ብዙሕ ካብ ህዝብና ሃሊቑ እዩ። ምግማቱ ዘጸግም ንብረትን ሃብትን ሃገር እውን ዓንዩ እዩ። ስደትን ሳዕቤናቱን እውን ሓደ ኣገዳሲ መግለጺ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ምምሕዳር ኮይኑ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ በቲ ጨካን ጉጅለ ዝተፈጥረ ውግእ እዛ ሃገርን ህዝባን ኣብ ዲቕ ዝበለ ድኽነት ኣትዮም ኣለዉ። ካብዚ ከርፋሕ መነባብሮ ንክሃድሙ ኤርትራውያን “ተኾርሚኻ ሞትየ ኣሳፊሕካ’ውን ሞትየ” ኢሎም ንኣደዳ ስደትን ጥፋኣትን ኮይኖም እነሆ ኣብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ጥምጥም ገጢሞም ንዕዘቦም ኣለና። ካብቲ ንሃገሩ ዘጋጠማ ዘሎ ጸገማት ከምልጥ ሓሲቡ ስደት ዝመረጸ ኤርትራዊ ኣብ ጉዕዞኡ እዚ ዘይበሃል ሽግራትን፥ መቕተልትን ከጋጥሞ ዕለታዊ ናብርኡ ኮይኑይስ እህህህ….. እንዳበልና ንዕዘቦ ኣለና።

ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብቲ ከም ግዚያዊ መዕቆቢ ኣብ ዝመረጾ ቦታ ስደት’ውን እቲ ጸገምን ግፍዕን ደድሕሪኡ እንዳሰዓቦ ጌና ኣይረሃዎን። ወትሩ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ወረ ድማ ዘሰንብድ እምበር ሰናይ ዘበስር ኣይኮነን። እቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኣብ ዓዱ ኮነ ኣብ ቦታ ሰደቱ ዘጋጥሞ ጸገማት ብዓይነቱ ከቢድ፡ ብቑጽሩ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ምዝርዛሩ ኣጸጋሚ እዩ። ዜግነታዊ ክብሩ ሓሲሩ። “ኣለኹልካ ኣነ” ዝብሎ ስኢኑ ደሙ ደመ-ከልቢ ካብ ዝኸውን ሓያለ ኮይኑ እዩ። እዚ ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ኣሉታዊ ስንብራት ዝገድፍ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሬት ድራር ኣራዊትን ጥይትን ኮይኑ። ባሕርን ምድረበዳን እውን ኣየዕቆበኦን ኣሕሊፈን ሂበንኦ። በደዊንን ነጋዶ ወድሰብን ድማ ኣካላቱ እንዳመዝሓቑ ኣብ ዕዳጋ ኣውዒለምዎ እዮም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ማለት ብ18 ጥቅምቲ 2015 ሃብቶም ዘርኦም ዝተባህለ_ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገር እስራኤል፡ በርሸቫ ኣብ እትበሃል ከተማ ኣብ መደበር ኣውቶቡስ ብሓደ ናይታ ሃገር ፖሊስ ብተመልከተለይ ተቐቲሉ። እቲ እስራኤላዊ ፖሊስ ፈጣር ራዕዲ መሲልዎ እዩ ብጌጋ ቀቲልዎ ዝብል ምኽንያት ድማ ቀሪቡ። እዚ እቲ ዘሕዝን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ እዚ ኤርትራዊ ብጥይት ተወቒዑ ወዲቑ ደሙ እንዳፈሰሰ፡ ኣብ ክንዲ ንህጹጽ ሕክምናዊ ረዲአት ናብ ሆስፒታል ምውሳዱ እስራኤላውያን ሓለፍቲ መንገዲ መሊሶም ይወቕዕዎን ይረግጽዎን ከም ዝነበሩ ብስእሊ ተሰንዩ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ እዩ። እዚ ድማ ብንጹር ዘይሰብኣውነት ዘርኢ እዩ። እዞም ኣንጻር ሰብኣውነት በደል ዝፈጸሙ እስራኤላውያን ተሓተቲ ምዃኖም ዘየዳዲ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ተሓታቲ ግና እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ሃብቶም ዘርኦም እቲ ብኣካል ሞይቱ ዘሎ ሓደ ሰብ እዩ። እቶም ብሕልና ቆሲልና ዘለና ግና ኩልና አርትራውያን ኢና።

ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ክወርደና እንከሎ፡ ክሳብ መዓስ ኢና ክንዲ ትጽቢትና ዘየድምዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥራይ ዲና ክንረዊ? ካልእ ነዚ ደድሕሬና እንዳሰዓበ ዘሳቕየና ዘሎ መከራ ንገትኣሉ ኣገባብ የለን ድዩ? ካብቲ ካብዚ መከራ ከውጸኣና ዝኽእል መንገድታት ሓደን መሰረታውን፡ ብሓባር እሞ ድማ ብንጽህና ሓላፍነትን ኮፍ ኢልካ ንክብደት እቲ ጸገም ምምዛንን መፍትሒ ምርካብን፡ ነቲ ብሓባር ዝተኣምነሉ ፍታሕ ንምትግባር ብኹሉ ዓቕምኻ ሓድነትካ ዓቂብካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምኽታት እዩ። እሞ ድማ ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ። ከምዚ ዘለናዮ፡ ብስምዒትን ጸቢብ ኣታሓሳስባታትን እንዳተሻበብና እንተቀጺልና ግና ህልቂትን ብርሰትን ክዕንድረልና ክነብር እዩ። ብኸምዚ ዘለናዮ ተቐጺልና ግና ከቶ ቀጻልነትና ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ምልክት ሕቶ ክወድቕ እዩ። ንሕና ነዚ መንገዲ ጥፍኣት ስቕ ኢልና እንተርኢናዮ ጽባሕ ብታሪኽ ተሓተቲ ክንከውን ኢና።

ከምዚ ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ፡ ሓድሽ ተርእዮ ዘይኮነስ፡ ዳርጋ ናትና ኢልና ክንርዕሞ ቁሩብ ተሪፉና ዘሎ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዘጋጠመ ወሲድና ኢና ክንቅንዘወሉ ዝግበኣና። ካብዚ ሓሊፍና ታሕቲ ወሪድና ነቲ ንኹልና ዝምልከት ጾር፡ ብኣውራጃ፡ ብወረዳ ወይ ብዓሌት ወይውን ብሃይማኖት እንዳሽረፍና ከነንኣእሶ ኣይግበኣናን እዩ። ከምዚ እንተጌርና እቲ ጸገም ብቐጻሊ ካብ ርእስና ኣይክወርድን እዩ። ብኸምዚ ቀዳዳት ዝኣትወና ሳዕቤን ድማ እንዳሓደረ ከሳቕየና ክነብር እዩ። ኣብ ምክፍፋልና ዝረብሑ ኣካላት፡ ቀንዲ ካብኦም ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ኮበሮ ሓምሓሞም ክወቕዑ እዮም። እዚ ማለት ናይ ሓደ ግዳይ ዝኾነ ኣካል፡ ቦታ ትውልድን ካልእ መንነቱን ኣይፈለጥ ንምባል ዘይኮነ፡ እቲ ዕዳ፡ ዕዳ ኩላትና ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን ንምባል ዝኣክል እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ እንተዘይርህይዎ ናይ ዝተወሰነ ከባቢ ህዝቢ በይኑ ክርህዎ ኣይክእልን እዩ። መላእ ኤርትራ ናይ ሰላም፡ ልምዓትን ቅሳነትን እንተዘይነፊስዋ፡ ውሱን ከባቢ በይኑ ገነት ክኽውን ከምዘይክእል ኣጸቢቑ ክስቆረና ይግበኦ። እንተደኣ ነቲ ቃልሲ ከምቲ ክንኮና ዝግበኣና ኮይና ሒዝናዮ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ጸገም ምፍታሕ ኣይጸገመናን። እቲ ፍታሑ እኮ ኣብ ቀራባ እዩ። ብሓባር ነቲ ንህዝብና ደም ዘንብዖ ዘሎ ጉጅለ ምውጋድን፡ ሓቀኛ ልዕልና ህዝቢ ብዘንጸባርቕ ስርዓት ምትክኡን።

ኣብ መደምደምታ ከምቲ ገለ ወገናት ጀሚረምዎ ዘለዉ ናይዚ ኣብ እስራኤል ዝሞተ ኤርትራዊ ደም ከንቱ ኮይኑ ከይተርፍ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ንክቐርቡን ግቡእ ካሕሳ ንክረክብን ጥርዓናን ድምጽናን ከነስምዕ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ንቤተሰብን ፈተውትን ናይዚ ዘህዝን ግዳይ ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልና ንመዋቲ ድማ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ ንብል።

22 ትቅምቲ 2015

Last modified on Friday, 23 October 2015 09:59