“ … ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ከይከውን

2015-10-30 23:40:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2454 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፈደራል ፖሊስ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ንዝፍጽሞ ነውራም ተግባራት ተኸታቲሉ ናብ ሕጋዊ ኣካል ከቕርቦ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ዝሕብር፡ ብናይታ ሃገር ማዕከናት ዝተቃልሐ ዜና ተኸታቲልና ኣለና። እቲ ፈደራል ፖሊስ መዝጊቡ ናብ ናይታ ሃገር ፍትሓዊ ኣካል ካብ ዘቕረቦ ገበናዊ ክስታት ሓደ ካብ ሓተትቲ ፖለቲካዊ ዑቑባን ካለኦትን ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ጉልባባት ሂብካ ካብ ኣታዊኦም 2% ክኸፍሉ ምግዳድ እዩ። እዚ ተግባራት እቲ ጉጅለ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ባዕልና ክነውግዞን ሕብረተሰብ ዓለም ንክኹንኖ ክንጽውዓሉን ከም ዝጸናሕና ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ንመጸዋዕታና ብምስማዕን መረረ እቲ ግዳይ ክኸውን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኣብ ዓድን ወጻእን ብምርዳእን ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኣብታ ሃገር ዝነብር ዜጋ ከምዚ ዓይነት ከትርን ሽፍትነትን ክፍጸም ስለ ዘየፍቅድ እንተላይ እዩ።

እዚ ስጉምቲ ኣብ ጽባሕ እቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣቐዲሙ ብቤት ምኽሪ ጽጥታ ውድብ ሕቡራት ዝተነብረ እገዳ ንክናዋሕ ኣብ ዝተወሰነሉ ምዃኑ፡ ኣውያት ህዝብና በብኹርናዑ ሰማዒ እዝኒ እንዳረኸበ ከም ዝመጸ ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ተረኽቦ ምስቲ ኤርትራውያን ድምጾም ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንምስማዕ ዝገብርዎ ዘለዉ ቀጻሊ ዘይሕለል ጻዕሪ ርክብ ዘየብሉ’ውን ኣይኮነን። ከምቲ ኣብቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ናይ ስዊዘርላንድ ሚዲያ ተገሊጹ ዘሎ፡ እዚ ንህግደፍ ዘሰንብዶ ተበግሶ ኣብ ፍረ ንክበጽሕ ብፖሊስን ፍትሓዊ ኣካላትን ናይታ ሃገር ዝግበር ቀጻሊ ናይቲ ጉጅለ ገበናት ዘነጽር ሓበሬታ ናይ ምእካብ ጻዕሪ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻር ሰላም፡ ህድኣትን ሰብኣውነትን ስለ ዝኾነ ሰብ ነገሩ ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና ኩሉ ምእንቲ ሰብኣውነት፡ ሰላምን ፍትሕን ዝግደስ ኣካል እውን በዓል ጉዳይ እዩ። ግና ኣይከማና ከም ኤርትራውያንን። ምኽንያቱ እቲ ንካለኦት ዘጉህን ዘተሓሳስብን ጸይቂ ተግባራት ህግደፍ ካባና መሊኡ ዝፈሰሰ ስለ ዝኾነ። እቲ ረዚን ክብደት ናይ ወጽዓኡ ድማ ኣብ እንግደዓና እዩ ዘሎ። ብመንጽር እዚ እቶም ቀንዲ ንገበናት እቲ ጉጅለ ዘቃልዕ መርትዖታት ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ ኢልና ጸብጺብና ከነቕርብ ዝግበኣና ንሕና ኢና። ምናልባት ካባና ድፍረትን ትብዓትን ተዘይበዂሩ፡ ብወገን ህግደፍ ዘይተነግረ ተዘይኮይኑ ዘይተፈጸመ ገበን የለን። ሎሚ ገበናቱ ኣዝዩ ፍሩይን ቅሉዕን እምበር ስዉር ኣይኮነን። ፖሊስ ስዊዘርላንድ ምናልባት ንሕና ኤርትራውያን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዘኽቲሞም ዝርከቡ ስድራቤተና ሕነ ከይፈዲ ፈሪሕና ሓበሬታ ካብ ምሃብ ከይንቑጠብ እሞ እቲ ክወሃብ ዝግበኦ ፍርዲ ከይፈኩስ ስግኣት ከም ዘለዎ ተገንዚብና ኣለና። ከምዚ እንተጋጢሙ ከኣ ከምቲ “ … ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል ንዓና ዘውቅስ ክኸውን እዩ። እዚ ምስ 2% ኣገዳዲ ምኽፋል ግብሪ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበጋጊሱስ ክንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ፍረ ከይሃበ ክኹለፍ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። እቲ ምኽንያታት ብዙሕ ኮይኑ ናትና ተባዕ ምትሕብባር ምጉዳል ከኣ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።

እቲ ጉጅለ ሰባት ዝኣምንዎ ናይ ምባል መሰልን ነጻነትን ስለ ዘየኽብር፡ ንሓደ ኣካል ክቐጽዕ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ኣብ ልዕሊ ዘየብሎም ወገናት ስጉምቲ ኣይወስድን እዩ ኢልና ኣይንከራኸርን ኢና። ንዓቕመ-ሄዋንን ኣዳምን ዝበጽሑ ኤርትራውያን ዜጋታት ብሰንኪ ኣግላልን ነጻግን ምምሕዳሩ ክስደዱ እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ክስለዖ ዝጸንሐ ሓፍ ዘይብል ዕዳ ስለ እንፈልጥ። በዚ ኮነ በቲ ህዝብና ካብ በደል ናይቲ ጉጅለ ዓዲ ውዒሉ ስለ ዘይፈልጥ፡ ካብ ምፍዳይ ሕነ ፈሪሕና ነቲ ጉጅለ ዘቃልዕ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ንድሕሪት ክንብል ኣይግበኣናን። ክልተ ዓይኒ ርኢኻ ከኣ ኣይከውንን እዩ።ጉጅለ ህግደፍ እቲ ገበናቱ ንምሕባእ ክወስዶ ዝኽእል ቀጻዒ ስጉምቲ ተመሊሱ ንዓኡ ዝቐጽዕ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እቲ ጉጅለ ሓንሳብ ኣብ ገበናት ኣንጻር ህዝቢ ጥሒሉ ብኣኡ ስኺሩ ስለ ዘሎ ተቃላዕካዮ ኮነ ተሓባእካሉ፡ ከም ዝቖሰለ ኣራዊት ካብ ምንኻስ ዝምለስ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ዓለም-ለኻዊ ኩነኔ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ብምሕላፍ ንሓንሳብ እገዳ ክለዓለሉ፡ ንሓንሳብ ድማ ዶላራት ክወሃቦ’ሞ ስደተኛታት ተመሊሰምሉስ ከጣይሶም ይማጣጠር ምህላዉ ዘገርም ጥራይ ዘይኮነ ብጥንቃቐ ክንከታተሎ ዝግበኣና እዩ። ከምቲ “ንመን ኣለዋ፡ መን ኣላቶ ኣለዋ” ዝበሃል፡ ገበነኛነቱ ጠፊእዎም ዘይኮነስ ከካብ ናታቶም ሚዛናት እንዳነቐሉ፡ እዚ ጉጅለ መሳርሒ ክኾነና ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ሕሳብ ከምቲ ናቱ መዝሙር ዝዝምሩ፡ ቁንጣሮ እንዳተኾቡ ክነብረሎም ዝጽልይሉ ቃንዛ ህዝብና ዘየቐንዝዎም ውሱናት ኣካላት ክህልዎ ከም ዝኽእሉ ኣይንዘንግዕ። ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም’ኳ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተጋብአ ዓውደ-መጽናዕቲ ንምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዳርጋ “ተባዕን ደሞክራስያውን” ኢለምዎ። “ዒራ ዘይኢድካስ ናብ ተመነ-ዕንቅርቢት” ማለት ከምዚ እዩ። እዞም ወገናት ብናትና ድኽመትን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዘይምጭካናን ከም ዝዕንገሉ ከኣ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ምስዚ ሓላፊ ጉጅለ   ብምውድኽዳኽ ጽባሕ ክንዲ ምጥዓስ፡ ናይቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ስቓይ ቃንዛና ጌርና ክንወስድ ጽባሕ ከኣ ክንሕበንን ይግበኣና። ናይቶም ፍትሒ ንብህግ ድኽመት ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ እዩ። እቲ ቀንድን ናይቲ ካልእ ድኽመታትና መንቀልን ከኣ ድሌትናን ትምኒትናን ሓደ፡ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ክነሱ፡ ብሓደ ከነድምጽን ክንወፍርን ዘይምኽኣልና እዩ።

30 ጥቅምቲ 2015

Last modified on Saturday, 31 October 2015 00:43