ሓድነት ኣጽኒዕና ክንሕዞ ዝግበኣና ዓንዲማእከልና’ዩ

2015-09-07 11:12:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2774 times

“ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ይተዓቀብ” ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ረዚን ጭረሖ እዩ። ስለምታይ እዚ ጭረሖ’ዚ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ቦታ ከም ዝሕዝ፡ በቲ ሓደ ወገን ንኹሉ ብሩህ እዩ ኢልና ስለ እንኣምን በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝርዝሩ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ኣብ እምብዛ ዓሚቒ ዝርዝር ኣይክንኣቱን ኢና። ብሓጺሩ ግና ሓድነት ሃገር ብፍላይ ንዓና ኤርትራውያን፡ ኩሉ መግዛእታዊ ውዲታትን ተጻብኦታትን ፈንጢስና፡ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢልና ነጻነትና ከነረጋግጽ ዘኽኣለና ምስጢር ዓወትና ስለ ዝኾነ ኣጽኒዕና ክንሕዞ ዝግበኣና ዋሕስ ህልውናናን ቀጻልነትናን እዩ። እዚ ኣባና ዝድረት ዘይኮነስ “ሓድነት ሓይሊ’ዩ” ብዝልብ ኣበሃህላ ኣድማሳዊ ክብደት ዘለዎ እዩ።

ሃገራዊ ሓድነት ኣንጻር ብዙሕነት ዘይኮነስ ናይቲ ዝሓቖፎ፡ ብሃይማኖት፡ ብቋንቋ፡ ብባህሊ፡ ቦታዊ ኣሰፋፍራ … ወዘተ ዝግለጽ ብዙሕነት መሰልን ናጽነት ከይገሃሰ ናይ ሓባር ዋልታን ድርዕን ኮይኑ ዝሓቁፍ ናይ ሓባር ዓንዲ እዩ። ተትእምኖ እምነት ትስዕብ’ሞ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓባር ትዋሳእ። ኣብቲ ካልእ ናይ ብዙሕነት መግለጽታት እውን ከምኡ፡ ሓድነት ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ እቲ መስርሕ ህልውናን ዕቤትን ይቕጽል። ሓድነት ኣብ ጽላሉ ናይ ዘሎ ብዙሕነት መሰላትን ነጻነታትን፡ እንዳገሃሰ ዝጸዓን ዘይኮነስ፡ መዓስን ኣየናይ ቅድሚት ይስራዕን እንዳ ኣነጸረ ኣብ ሕድሕድ እቲ ናይ ብዙሕነት መግለጽታት ዘሎ ምንባብ ከመይ ይስራዕን ዝቕይስ ፍትሓዊ ዓንዲ ማእከል እዩ። ብጉልባብ ሓድነት ምጉዕጻጽን፡ ብጉዳይ መሰል ንሓድነት ሃገር ድሕሪት ምስራዕን ከዓ ክልቲኦም ርትዓውያን ኣይኮኑን።

ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝነበረ መድረኽ እውን እንተኾነ፡ እቲ ቅድሚት ዝስራዕ ዝነበረን ዘሎን ሓድነት ሃገር እዩ። ኣብ ኤርትራ ሓድነት ሃገር ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ እቶም ንኤርትራ ኣዳኺሞም ህልውነኣ ከቕህሙ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ወገናት ቅድሚ ኩሉ ነቕኒቖም ከውድቕዎ ዝፈተኑ ነዚ ናይ ሓድነት ዓንዲ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል ድሕሪ ሓድነቱ ህልውና ከምዘይህልዎ ስለ ዝተአንዘብ ብዓንተብኡ ምእንቲ ሓድነቱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ምእንቲ ሓድነት ነይሩን ኣሎን ተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን። እዚ ሓድነት ናይ ምዕቃብ ቃልሲ ሎሚ ኮነ ጽባሕ’ውን ህያው እዩ። ቃልሲ ምእንቲ ሓድነት ቀጻሊ መስርሕ እምበር ኣብ ሓደ ምዕራፍ ወዲአዮ ኢልካ ትሓልፎ ኣይኮነን። ናይዚ ቀጻልነት ቀንዲ ምኽንያት ሓድነት ዝጻብኡ ተርእዮታት፡ መልክዕ እንዳቐየሩ በብግዜኡ ስለ ዝቕልቀሉ’ዩ። ከከም ኩነታቱ፡ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ቋንቋ ወይ ካልእ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት ቅድሚ ሃገራዊ ዕማም ክስርዑ ኣብ ዝቀላቐልሉ ግቡእ መልክዖምን ቦታኦምን ምትሓዞም ናይ ግድን እዩ።

ምዕቃብ ሓድነት ኣንጻር ብግዳም ዝመጽእ ተጻባኢ ኣብ ዝግበር ምክልኻል ዝድረት ዘይኮነስ ኣውራ እኳደኣ ኣብ ምሽጥኻ ብዝካየድ ምትሕስሳብ እዩ ክዕኩኽ ዝግበኦ። እዚ ሓድነት ኣብ ውሽጣዊ ምትሕስሳብ እንተደኣ ተሪሩ ብናይ ግዳም ሓይሊ ክንቕነቕ ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ካብ ሓድነትና እንርባሕ ንሕና ኤርትራውያን ስለ ዝኾና ኣብ ትሕቲ ሓድነት ሃገር ዘሎ ኩለመዳያዊ ብዝሑነትና ኣመሓዲርና ከነደልድሎ ዝግበኣና እውን ባዕልና ንሕና ኢና። እዚ ውጣዊ ምትሕስሳብ ዘድልየሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ሓድነት ሓደ ዝጸቕጠሉ፡ እቲ ሓደ ድማ ዝጽቀጠሉ ከም ዘይከውን ጌርካ ኣደልዲልካ ኣብ ምትካሉ ምእንቲ ክኽእል እዩ። ሓድነት ክንድቲ ወሳኒ ኣድላይነቱ፡ ምዕቃቡ’ውን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ናብ ናይ 40ታትን 60ታትን ታሪኽና ከይከድና እዚ ሎሚ ንነብረሉ ዘለና ኩነታት እውን መስካሪ እዩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ብክለሳሓሳብ እንዳተረዳዳእና ብተግባር ግና ብሓባር ክንሰርሕ ምኽኣል ስኢናሉ ዘለና ኩነታት፡ ሓድነት ኣብ ድልዱል ባይታ ተኺልካ ምዕቃብ ክቡር ዋጋ ከም ዘኽፍል ዘመልክት’ዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ሕቶ ሓድነት ሃገር ናይ ኩሎም ደቂ ሃገር ዋኒንን ሕላፍነትን እዩ። ብናይ ኩሎም ጻዕሪ ደልዲሉ፡ ናይ ኩላቶም ክብርን መሰልን ዝሕይል ምዃኑ ከዓ ንጹር እዩ። በቲ ዝደለኻዮ መንገድን ኣብቲ ዝተጸበኻዮ ግዜን ተዘይተረጋገጸልካ እውን ኣንጸርጺርካን ተስፋ ከይቆረጽካን ትገድፎን ካልእ ኣቋራጭ መንግዲ ትመርጸሉን ዘይኮነስ፡ ስንኻ ነኺስካ እትቕጽሎ እዩ። እዚ ማለት ካብዚ መስርሕ ምዕቃብ ሓድነት ወጺእካ ናትካ ውሱን ድሌት ቅድሚት ብምስራዕ ዝትካእ ኣይኮነን። ሃገር ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ስለ ዝኾነት ሓድነታ ከዓ ናይ ኩሎም ደቃ ባህጊ ዘንጸባርቕ ክኸውን ግድን እዩ። ኣብ ትሕቲ እዚ ድልዱል ዓንዲ ሓድነት ዝፍጠሩ ምስሕሓባትን ዘይምቅዳዋትን ክህልዉ ባህርያዊ እዩ። እዞም ዘበላልሑ ምስሕሓባት ክፍትሑን ክውገኑን ድማ ናይ ግድን እዩ። ክፍትሑ እንከለዉ ግና ነቲ ኩሎም ተዓቚበምሉ ዘለዉ ጽላል ሓድነት ብዘየነቓንቕ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ናይ ግድን ዝኸውን ናይ ህልውና ጉዳይ እውን ስለ ዝኸውን እዩ።

ኣብዚ ሎሚ ግዜ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ “ተረዳዲእና ሓድነት ሃገርና ዓቂብና ክንከይድ ስለ ዘይከኣልና፡ መመንገድና ሒዝና ኣስላምን ክርስትያንን ድዩ ከበሳን መታሕትን እንዳተበሃሃልና ንኺድ” ዝቓንኡ ዝመስል ስምዒታት ዝቀላቐል ዘሎ ይመስል። ምናልባት ነዚ ስምዒታት ዝፈጠሮ ኣብቲ “ፍልልያትና ኣመሓዲርና፡ ሓድነት ሃገርናን ህዝብናን ዓቂብና ናብ ለውጥን ህንጸት ሃገርን ንኺድ” ዝብል ንቕሎ ስሉጥ ውጽኢት ዘይምርካብ ክኸውን ይኽእል። ብርግጽ እዚ ንነብሮ ዘለና ዘይተገርሐ ህይወት ቃልሲ ዘየንጸርጽር ኣይኮነን። ግና ድማ ራህዋን ቅሳነትን ከተምጽእ ወፊርካስ ዝገደድ ሕማቕ ዘስዕብ ናይ እንጽርጽሮት መንግዲ ምምራጽ፡ መፍቶ እቶም ካብ ምድኻም ሓድነት ሃገርና ክርብሑ ጭልም ዝብሉ ኣካላት ምዃን ምዃኑ ፈጺምካ ንሓንቲ ካልኢት’ውን ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። ሃገርና ኣብዚ ዘስገድግድ ኩነታት እንከላ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ግዜ ንበልዕ ምህላውና’ኳ ዘየሕጉስ እንተኾነ፡ ሓድነት አርትራ ጸኒዑ ከም ዝትከልን ጉጅለ ኢሳይያስን ካልኦት ንሓድነት ሃገርና ብረቂቕ ስልቲ ክዳኽሙ ዝሃልኩ ወገናትን ከም ዝሰዓሩ ርግጸኛታት ክንከውን ይግበኣና።

ሓድነት ሃገርና ዋሕስ ኩሉ ዓወታትና እዩ

Last modified on Monday, 07 September 2015 13:15