ስደት መንእሰያት ግዝያዊ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕ ኣይኮነን

2015-09-03 22:34:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2836 times

ሎሚ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እትልለየሎም ብዙሓት ተርእዮታት ኣለዉ። ኩሎም ከዓ ምስ ጸገምን መከራን እምበር ምስ ራህዋን ቅሳነትን ዝዛመድ የብሎም። ግዱድ ዕስክርና፡ ብኩራት ደሞክራስን ኩሉ መሰላትን፡ ማእሰርቲ፡ ስእነት ፍትሕን ፍትሓዊ ምምሕዳርን፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ናብ ፍልሰት ገጹ ዝምዕብል ዘሎ ስደት ቀንዲ ኤርትራ እትግለጸሎም ዘላ መለለይኣ እዮም። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ጾታ፡ ዕድመን ሞያን፡ ዘይፈሊ ዋሕዚ ናብ ስደት ብዘይካቲ ብዝሑ፡ ምስቲ ኣብ መስርሑ ዘጋጥም ዘሎ ህልቂትን ተነጊሩካ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘስካሕክሕ ፍጻመታትን ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ግና እቲ ኣዛራቢ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ናይዞም መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሳትፎ ኣብ ምውጋድ ናይቲ ንክስደዱ ዘገደዶም ጉሒላ ጉጅለ ክህልዎ ብዛዕባ ዝግባእ ግደን ተሳትፎን ኣዝዩ ተባራዒ መዛረቢና እዩ።

መንእሰይ ኣብ ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ ዘለዎ ወሳኒ ብጽሒት ከም ሓድሽ ዝንገር ዘይኮነስ ባዕሉ ዝዛረብ ርኡይ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመረ’ሞ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ምቅብባል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ወሳንነት ግደ መንእሰይ ተራእዩ እዩ። እዚ ምቅብባል ሎሚ እውን ህያው እዩ። ናይዚ ህያውነት ምቁራጽ፡ መስርሕ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነስ ህልውና ከም ህዝብን ሃገርን እውን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ ኩሉ ግዜ ብሓያል ተሳትፎ መንእሰይ ንንየትን ንተባባዕን። ብብኩራቱ ድማ ንሻቐልን ንስከፍን። ሎሚ እዚ መንእሰይ ዓዱ ገዲፉ ሃጽ ኢሉ ምስዳዱ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ማእሰርትን ዘድሕን ግዚያዊ መዕገሲ ካብ ቃንዛ እምበር መሰረታዊ ፍታሕ ከም ዘየምጸኣሉ ይፈልጥ እዩ። እቲ ድሕሪ’ዚ ዝመጽእ “እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ደኣ እሞ እንታይ’ዩ?” ዝብል ሕቶ እዩ። መልሱ ከዓ ንጹሩን ዘየዳድን “ነቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ እኩይ ሓይሊ ምእላይ” ዝብል እዩ። ከምቲ ነጻነት ኤርትራ ንክረጋገጽ ናይ ግድን መግዛእቲ ክውገድ ዝነበሮ’ሞ ዝተወገደ ማለት እዩ። ኣብ ናይዚ እዋን ጉዳይና ከዓ እቲ ጠንቂ ስደትን ኩሉ ኣበሳን ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ እዩ እሞ እቲ ፍታሕ ከዓ ውሱናት ተጣበቕቲ ጉጅለ ህግደፍ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ እንተልይ እቲ ጉጅለ ዝምረሓሉ ዘሎ ፖሊሲ ዳግማይ ከምዘይጥጥዓ ሓኺኽካ ምድርባይን ምምካኑን እዩ። ሳዕቤን ስደት ኣብቶም ኣብ ምስርሕ ስደት ኮነ ኣብ ዓዲ ስደት እዚ ዘይበሃል መከራ ዝወርዶም ዘሎ መንእሰያት፡ ህጻናትን ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም ሃገር ሓደጋ ኣንጸላልዩ ዘሎ እዩ። እቲ ፍታሕ ከዓ ከምቲ ወጽዓ ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣቲ ትውልዳዊ መሪሕ ግደ ናይቲ ቀንዲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኩልና ከም ዘይንዝገዖ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ መንእሰይ ብሓፈሻ ክንድቲ ንጽበዮ ከምዘይኮነ እቲ መንእሰይ’ውን ኣይክሕዶን’ዩ ዝብል ኣምነት ኣለና። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካለኦት ኩርነዓት ዓለምን ዝረአ ዘሎ ምልዕዓላት ኤርትራውያን መንእሰያት ግና ተስፋ ዝህብ ይመስል። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእያት ስደተኛታት ኣብ 26 ሰነ 2015 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንዘብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ዘካየዶ መርመራ ንምድጋፍን፡ እቲ መስርሕ ቀጻሊ ንክኸውን ንምጽዋዕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ-ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዘካየድዎ ሰፊሕን ኣሩምን ሰልፊ ክቕጽል ዝግበኦ ኣብነታዊ ነይሩ። ኣብቶም ነባራት ተቓለስቲ’ውን “ኣንታ ወረስቲ’ባ ኣለዉና እዮም” ዝብል ተስፋ ዘሕደረ እዩ። እዞም ስደተኛ መንእሰያት መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝካር ኣብ 30 ነሃሰ 2015 ዘካየድዎ ኩለ-መዳያዊ ናይ ምዝንጋዕ መደብ እውን ካልእ “ከምዚኸ ኣሎ ድዩ?” ዘበለ መድረኽ እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ መድረኽ፡ ብኪነጥበባዊ ስልቲ ተሰንዩ፡ ኤርትራዊ ሓርበኝነትን ናይ 60ታት ውዑይ ስምዒት ኤርትራውያን ኣዘካኺሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ መከራ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥም ጸገማትን ብውልቃዊ ጠቕሚ ዝተታለሉ ደላሎ ደቂ ሰብ ዝፍጽምዎ ገበናት ዘርኣየን እዩ ነይር። እቲ መድረኽ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ስደት ግዚያዊ’በር መሰረታዊ መፍትሒ ከም ዘይኮነ እውን ዘንጸባቕ’ዩ ነይሩ። ብርኢቶና እዚ ምብርባር ክቕጽልን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ወቒዑ ናብ ዘድሚ ውዱብ ዓቕሚ ክብርኽን ዝግበኦ እዩ።

ኣብዚ ነሰላስሎ ዘለና ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትና ካብ ዝረኣዩ ጸገማት፡ ውስኑነት ተሳትፎ መንእሰያት ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ እዩ። ኣዚ ተሳትፎ መንእሰያት ወሳኒ ስለ ዝኾነ ከዓ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ኩሎም በሃግቲ ለውጢ ኣካላት ክጭነቕሉ ናይ ግድን እዩ። መንእሰያት እውን ብኩራቶም ኣብ ቃልሲ ክፈጥሮ ዝኽእል ናይ ወለዶታት ሃጓፍ ተገንዚቦም ብዕቱብ ከስተብህልሉ ይግበኦም። ክሳብ ሕጂ ኣየስተብሃልሉን ንምባል ዘይኮነስ፡ ነቲ ትሕቲ ትጽቢት ዘሎ ደረጃ ተሳትፎኦም ኣብቲ ዘድሊ ብራኸ ከብጽሕዎ ይግባእ ማለትና እዩ። ብጋህዲ ንምዝራብ ኣብ መንጎ እቲ ክትካእ ዝግበኦ ነባር ተቓላሳይን እቲ ክትክእ ዝግበኦ መንእሰይ ሓይልን ምክሳስ ይርአ’ዩ። መብዛሕትኡ ካብዚ ምክሳሳት እትጽበዮን ተቐራሪብካ ክውገን ዝኽእልን እዩ። ብዝተወሰነ መልክዑ፡ እቲ ነባር ነቲ መንእሰይ፡ እቲ መንእሰይ ድማ ነቲ ነባር ከምቲ ዝደልዮ ዘይክኾነሉ ይኽእል እዩ። ከተረክብን ክትርከብን ድልውነት እንተልዩ ግና እዚ ፍልልያት ከመሓደር ዘይከኣል ኣይኮነን። ነቲ ናይ ግዜ ስግግር ዝፈጥሮ ፍልልይ ከም ከይተረክብ ወይ ክይትርከብ ከም መህደሚ ክትጥቀመሉ ተደሊኻ ግና ከይተፈትሓ ኣብ ዕንክሊል ከንብረካ ይኽእል እዩ። እቲ መስርሕ እምበኣር በዚ ኮነ በቲ፡ ቃልሲ ዝሓትት ኩርኳሕ እምበር ሰቲ ዝተነስነሶ ልሙጽ መንገዲ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነዚ ጉዳያት ንምቅርራብ ክልቲኡ ወገናት ናይ ዝተፈላለዩ እዋናት ትውልዲ ስለ ዝኾነ ዝፍጠር ፍልልይ ከም ዘሎ ክእመን ይግበኦ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣቐዲሙ ንግዚያውነት መፍትሒ ስደትን ዕዙዝ ግደ መንእሰይን ብዝምልከት፡ ካብ ዘለዎ ተረድኦን ሓልዮትን ነቒሉ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ 2ይ ጉባአኡ ንመንእሰያት ብዝምለት ኣብ ዘስፈሮ ውሳነ “ሰድህኤ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ናብ ክዉንነትን ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታቱ ምዃኑ የረጋግጽ።” ዝብል ሓላፍነታዊ ሓሳብ ይርከቦ። እዚ ኣበሃህላ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብዚ ሰልፊ ክጽንበሩ ዝዕድምን ዘተባብዕን ጥራይ ዘይኮነ፡ መንእሰይ ትውልዳውን ታሪኻውን ሓላፍነቱ ክርከብ ዝጠልብ ረዚን መልእኽቲ’ዩ። እቲ ግብራዊ መልሲ ከዓ ኣብ ኢድ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዓድን ኣብ ስደትን ዘሎ እዩ።

3 ነሓሰ 2015

Last modified on Friday, 04 September 2015 00:36