ድሕሪ 54 ዓመታት ኣብ ቃልሲኸ?

2015-08-31 06:05:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2840 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

“ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መዓስ ጀሚሩ?” ኢልካ ምስ ሓተትካ፡ ዝወሃብ መልስታት ከከም መላሲኡ በብዓይነቱ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ገላጺ ዝኸውን መልሲ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ መዓስከ ካብ ቃልሲ በዂሩ” ዝብል ኮይኑ ንረኽቦ። ህዝቢ ኤርትራ ዝተመንዘዖ ነጻነትን ኩሉ መሰረታዊ መሰላትን ንምምላስ ክቃለስ ግድን ምዃኑ’ኳ እንተኣመነ፡ “እቲ ቃልሲ ናይ ግድን ደም ዘፋስስ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ትምክሕቲ ኣይነበሮን። ምእንቲ እዚ ቅድም ዘይጐነጻዊ፡ ሰላማውን ደሞክራሲያውን ቃልሲ ኣካይዱ። ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻው እውን ምእንቲ ነጻነትን ርትዓዊ ፍታሕን መጒቱ። እንተኾነ ዓለምና ናይ ሓያል ስለ ዝነበረትን ዘላን እቲ ፍታሕ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ እስትራተጅያዊ ረብሓ ሓያላትን ድሌት ገዛእትን ብዘቐደመ ኣገባብ ተደምዲሙ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ኮይኑ፡ “ቃልሰይ ምእንቲ ነጻነትን መሰረታዊ መሰላትን ዋላ ደም ብዘፋስስዶ ክቕጽል፡ ወይስ ንዘይፍትሓዊ ውሳነ ርዒመ ከጽቅጥ?” ኢሉ ክሓትት ተገደደ። ንመግዛእትን ዘይፍትሓዊ ውሳነን ርዒሙ ተንበርኪኹ ክነብር ባህርያዊ ስለ ዘይነበረ ከዓ መሪጽዎ ዘይኮነስ ተገዲዱ ቅድሚ 54 ዓመታት ብ1961 ብረት ኣልዒሉ።

ዕላማን ኣነቓቕላን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሕ ዘዛርብ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ዝንእድዎ ብዙሓት እዮም። ዝነቕፍዎ’ውን ከምኡ። ዘይሩዘይሩ ግና ዕላማ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ ብፍትሕን ማዕርነትን እትምራሕ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ምንባሩ ዘማትእ ኣይነበረን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ ብኹሉ መምዘንታት ዘይመጣጠኑ ሓይልታት ዝተኻየደን፡ ብዙሓት ነቲ ቃልሲ ብዓይኒ ክሳዳዊ ረብሓኦም ዝርእይዎ ናይ ግዳም ሓይልታት ኢዶም ዘእተውሉ’ዩ ነይሩ። ክብደትን ስፍሓትን ናይቲ ኣብቲ መስርሕ ዝወረደ ብርሰትን ዝተኸፍለ መስዋእትነትን ዝወሰዶ ግዜን ከዓ ናይዚ መርኣያ እዩ። እቲ ዋጋ ቃልሲ ክሳብ ክንድዚ ንክኸብድ፡ ናይቲ ቃልሲ ድኽመትን ብሓባር ዘይምስራሕን እውን ናቱ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። ህዝብና ግና “ቃልስና መሪር’ዩ፡ ዓወትና ከዓ ናይ ግድን’ዩ” ዝብል ሓርበኛዊ ጭረሖ ኣምሪሑ ክምህ ከይበለ ተቓሊሱ። ነቲ መሪር ጽዋዕ መስዋእትነት ብዙሕ ግዜ ጨሊጥዎ። ነቲ ዓወትና ናይ ግድን’ዩ ዝበሎ እውን ብዝተወሰነ መልክዑ ኣዕቊብዎ። ነቲ ዘይተመለአ ክፋል ቃልሲ ንምምላእ ከዓ እነሆ ቃልሱ ኣንጻር’ቲ ንዓወቱ ዝጨወየ ጉጅለ ህግደፍ ቀጺልዎስ ኣብ መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ በጺሑ። ካብዚ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ዓመታት፡ እቲ ዝተወሰነ ዘይንጠዓሰሉ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ድኽመትና ብዘይፋይዳ ዝሓለፈን እንሓዝነሉን ግዜ ከም ዘባኸና ግና ክንእመን ይግበኣና። እዚ ማለት ግና ሕጂ’ውን ኣብ ዝባኸነ ግዜ ከነስተንትን ዘይኮነስ “ድሕሪ 54 ዓመታት ኣብ ቃልሲኸ?” ኢልና ክንሓትትን ንቕድሚት ከነማዕዱን እዩ ዝግበኣና።

ነቶም ክቡር ህይወት ከፊሎም፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣዕዊትና፡ ናብ ካለኣይ ምዕራፍ ቃልሲ ከነቋምት ዘኽኣሉና ሰማእታት ዘለና ክብሪ ኣዝዩ ዕዙዝ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከዓ ወርትግ “ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ” ኢልና እንጭርሕ። እንተኾነ “ንኽብሪ ሰማእታትና ብጭረሖ ጥራይ ዲና እንገልጾ?” ኢልና ነብስና ክንሓትት ይግበኣና። ምሕታት ጥራይ ኣይኮነን እቲ መልሲ እውን ኣብ ኢድና ከም ዘሎ ከይዘንጋዕና ክንምልሶ ንግደድ ኢና። ንሰማእታትና ዘለና ኣኽብሮት እንገልጾ ጀሚሮሞ ከይመልእዎ ንዝሓለፉ፡ ምርግጋጽ ሰላማዊት፡ ፍትሓዊት፡ ደሞክራሲያዊትን ምዕብልትን ኤርትራ ከነውሕስ እንተ ኽኢልና ጥራይ እዩ። ዘተኣማምን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽ ኣብ ሓደ ትውልዲ ዘይውዳእን ኣብ መስርሕ ምቅብባል ዝምዕብል ኮይኑ፡ ንሕና ኣብታ ናትና መድረኽ “እንታይ ኢና ንገብር ዘለና? ንቀጻሊ ትውልዲኸ እንታይ ኢና ከነውርሶ?” ኢልና ክንሓትት ናይ ግድን እዩ። መልስና ብብዙሕ ውሽጣውን ግዳማውን ምኽንያታት ኣበርክቶና ትሕቲ ትጽቢትናን ትጽቢት ህዝብናን እዩ ዝብል ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። እስኪ ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክንደይ ተኸታታሊ ዓመታት ኣብ ሓደ ዓይነት ፌርማታ ኮይና ክንቅበላን ከነፋንዋን ከም ዝጸናሕናን ዘለናን ንዘክር። እቲ ምስኡ ክንስጉም ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ገዲፉና ይኸይድ፡ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብጉጅለ ህግደፍ ድማ ብኽንድኡ እንዳሳዕረረ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣሉ እንብሎ ኣይኮነን።

ዝተባህለ ክንደግም እምበር እነምጸኦ ሓድሽ ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን ገለ ክንብል ናይ ግድን እዩ። ኩሉ እቲ እንብሎ ግና ናይ ጭንቂ፡ መከራ፡ ክቱር ወጽዓ፡ ሓደጋ ብርሰትን እምበር ናይ ራህዋን ቅሳነትን ምልክትን ዛንታን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣቲ ዋላ ጉጅለ ህግደፍ ክኽውሎ ተደለየ ባዕሉ ዝዛረብ ኩነታት ኤርትራ ከምኡ ስለ ዝኾነ። ጉጅለ ህግደፍ ምናልባት ነቲ ክዛረብ ዝግበኦ ህዝቢ ክዓብስ ይፍትን ይኸውን። ነቲ ዝረአ ዝዝረበሉ ኩነታት ኤርትራ ግና ክሓብኦ ኣይከኣለን። ሎሚ ህዝብዚ ኤርትራ ኩሉ ነገራት ገሪብዎ ይጣራዕ እዩ ዘሎ። ይሓይሽ እዩ ብዝበሎ መንግዲ ናይ “ርድኡኒ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉልና እዩ። ንሕና ግና ኣብ ድሕሪ ሃገርን ህዝብን ክስርዑ ዝግበኦም ቀዳምነት ብዘይወሃቦም ናይ ጽባሕ ዕማማት ክንሰሓሓብ “ኣለናልካ” ክንብሎ ኣይበቓዕናን። ህዝብና ከም መግለጺ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ብፍላይ እቲ ተካኢ መንእሰይ ሓደገኛ ዘይውሑስ ምርጫታት ይወስድ ኣሎ። እዚ ምርጫ ኣብ ልዕሊ እቲ መራጺኡ መንእሰይ ወለዶ ዘውርዶ ዘሎ ሓደጋታት ንዕዘቦ ኣለና። ናይዚ ጉዳይ ሳዕቤን ኣብ ህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ተጽዕኖኡ ሓደገኛ ምዃኑ’ውን ምልክታት ንርኢ ኣለና። በዚ ዘለናዮ እንተቐጺልና ህዝብና ኣፉ መኢኡ “ካብ ተዋጋኢት ላም ዘየድሕኑ” ክብለና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ፍታሕ ናይ ምርካብ ኣርዑ ኣብ ክሳድና ምህላዉ’ውን ንዘክር።

ሕጂ እውን ኣቲ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ዕድል ኣይተዓጽወን እሞ ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ኮይንና ብውልቂ ኮነ ብእኩብ ንሕሰብ። ንመጻኢ ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብዛ ዘለናያ ናይ ደውታ ፌርማታ ኮይና ከይንጽበያ ንጠንቀቕ። ካብ ህልኽን ናብ ዓዲ ደሓን ዘይወስድ ኒሕን ክንወጽእ ይግበኣና። ሎሚ ከምዚ ኣየ ዝኣምን፡ ከምዚ’ባ ይደሊ” እንዳበልካ ምእዋጅ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ። እቲ ዝድለ ዘሎ “ከምዚ እየ ዝገብር” ዝብል ናይ ተግባር ድልውነት ምርኣይ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ጉባአኡ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ ሻቕሎት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ሓደ ካብ ውሳነታቱ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ አእጃሙ ከበርክት ዘኽእልን  ዘተባብዕን፡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ፡ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ። ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሓ፡ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ።” ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ። እዚ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ኩልና ንተኣከብ ድልውነት፡ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ክኸውን ከዓ ሰልፍና ትስፍው እዩ።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

30 ነሃሰ 2015

Last modified on Monday, 31 August 2015 08:11