
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደኒማርክ ብዕለት 27/06/2020 ዕዉት መስራቲ ጉባኤ ብዓወት ኣቃኒዖም። መስራቲ ጉባኤ ጨንፈር ደንማርክ “ንዲክታተርያዊ ስርዓት ንምስዓር ዓቕምታትና ነተኣኻኽብ” !!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ እዩ ተኻይዱ።
ኣብ መኽፍቲ ጉባኤ ብኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጨንፈር፡ ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት፡ ናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም መልእኽቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕር’ዚ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰዲህኤ፡ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባሌታትን ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ ዉን ግዝያዊት ሽማግለ ካብ ትቐወም ኣትሒዛ ክሳብ ዕለት ጉባኤ፡ ናይ ዝተሰርሑ ዝርዝር ጸብጻባት ኣቕሪባ።
ተሳተፍቲ ጉባኤ፡ ንዝቐረበ ጸብጻብ ብዝርዝር ድሕሪ ምስማዕን ምዝታይን ብምሉእ ድምጺ ድገፎም ገሊጾም። ብድሕሪ እዚ ግዝያዊት ሽማግለ ሓላፍነታ ንኣምራጺት ኮሚቴ ኣረኪባ። ኣምራጺት ኮሚቴ ድማ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርሕ ምርጫ 5 ሕጹያት ከምዝርቁሑ ጌራ። ካብዞም 5 ድማ ከምእንደገና ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ 3 ቀወምቲ መሪሕነትን 2 ድማ ተጠባበቕትን ብጉባኤኛታ ተመሪጾም ። ብድሕር’ዚ ኣምራጺት ሽማግለ ሰርሓ ዛዚማ መድረኽ ንሓድሽ መሪሕነት ጨንፈር ኣርኪባ።
መሪሕነት ጨንፈር ብዕለት 4 ሓምለ 2020 ተኣኪባ፡ ንነብሳ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ሰሪዓ።
- ካሕሳይ ገብረሂወት ተኸለ …………..........ኣቦ መንበር
- ኪዳነ በርሀ ………………………………..ጻሓፊ
- ምሉእ በርሀ ……………………………….ፋይናንስ
- በረኸት ተወልደ ……………………………1ይ ተጠባባቂ
- ፊልሞን ጋፍሎ ……………………………..2ይ ተጠባባቂ
ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2020 ኣብዘሎ ግዜ ዘካየድዎም ሃገራውን ሰልፋውን ዕማማት ኣብ ስሩዕን ዘይስሩዕን ኣኼባታት ክርእዮም ዝጸንሐ እዃ እንትኾኑ፣ ካብ ዘስፈሮም መደብ ስራሓት ብተግባር ዝተሰላሰሉን ገና ኣብ መስርሕ ፍጻሜ ዝርከቡ ውጥናትን ንምግምጋም ብዕለት 26 ሰነ 2020 ኣኼባ ምክያዱ ካብ ኣቦ መንበር ኣካያዲ ሽማግለ ድሒሩ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ዝተኻየደ ኣኼባ 8 ኣባለት ካብ ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፣ ድሕሪ እዋናዊ ኲነታት ሃገርን ደምበ ተቓውም ብሓፈሻን ምዝርራብ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ምዝርራቦም እውን እቲ ዜና ኣመልኪቱ ኣሎ።
- ኲነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኤውሮጳ፡ መንእሰያት ኤርትራውያን ተካእቲ ወለዶን ቀንዲ ኣፍረይቲ ሓይሊ ሕብረተሰብን ምዃኖም ተፈሊጡ፣ ኣብ ክንዲ ብኽንክንን ሓልዮትን፣ ብሃገራውን ህዝባውን ወኒ፣ ብትምህርትን ፍልጠትን ማሃዝነትን ዝምልመሉን ዝዓብዩን፡ መሰሎምን ሪሞምን ተገፊፎም፡ ኣብ መደበር ወታሃደራዊ ታዓሊም ብሕሰምን መከራን ይበልዩ፡ ብዛዕባ ህዝቦምን ሃገሮምን መታን ከይሓስቡን፣ ኒሕን ሕልናን ከጥፍኡን ብስርዓት ህግደፍ ካብዝወርዶም ዘሎ ስቓይን ሕሰምን ከምልጡ ክብሉ፣ ከይፈተዉ ካብ ዝፈትዉዎም ስድራ ቤቶምን ሃገሮም ክወጹ ዝተገደዱን ገና ኣብ መንገዲ ስደት ምህላዎምን ርእዩ።
ኣብ ጉዕዞ ስደቶም፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሊብያን ከይበጽሑን ምስኣተዉን ብዘጋጥሞም ብሓፈሻኡ ናይ ሞትን ሂይወትን ኩነት፣ ማሕበራውን ስነ-ኣእምራውን ሃሰያ፡ በደላት፣ ውርደትን ሕሰምን ወሪድዎም እዩ። ኣብ ኤውሮጳ ምስ ጸበጽሑ ውን ከምቲ ዝተጸበይዎን ዝባሃግዎን ስለዘይኮነሎም፡ ስደት ከቢድዎም ስለዘይጠዓሞም፣ ብቁጽርስ እቶም ዝመሃሩን ዝሰርሑን ዘለዉ ዉሑዳት ምዃኖም ኣኼባ ርእዩ። ብሰሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ከኣ ኣብ ስደት ነብሰ ቕትለት ዝፍጽሙ ኤርትራውያን መንእሰያት ዉሕዳት ኣይኮኑን። ስነ-ኣእምራዊ ሕማማት ኣሕዲሮም ዝሳቀዩ ዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ ማለት ቀሊል ኮነ ፍኲስ ገበናት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን ውን ውሕዳት ዘምዃኖምው ሽማግለ ተመልኪቱ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት፣ እቶም ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ቃልሲ ዝግደሱ መንእሰያት ኤርትራውያን ውሑዳት ክኾኑ ባህርያዊ እዩ። ስለዚ መንእሰያት ኤርትራ ተካእቲ ወለዶታት ንኽኮኑን ክሳብ ሕጂ ዘየብቓዓና ምኽንያታት ወጊድና፡ ኣሰር ጀግንነትን ሃገራውነትን ዝሓለፈ ወለዶ ንምኽታል ሓያል ጻዕርን ምንቅስቓስን ከም ዘድሊ ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ኣጽኒዑ።
- ምጉልባት ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ይሳቐን ይብደልን ምህላዉ ብዘይካ ገለ ውሑዳት እንዳፈለጡ ዘጽቐጡ ሰብ ጠቕሚ፡ ኣብ ልዕሊ ኩልና ዝውርድ ዘሎ ግፍዒ ብምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ምስዚ ግን ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ጉዳዮም ህዝቦም እንዳጸነተን ሃገሮም እንዳተደፈረትን እንከላ ኣማዕዲካ ምርኣይ ስለዝነውሔ፡ ብማዕሪኡ ወጽዓን ጭቆናን ህዝብና ይናዋሕ ምህላዉ ተገንዚብና ኣንጻር ምልኪ ክንላዓል ይግባኣና፡ እዚውን ዕማም ናይ ውሑዳት ዘይኮነስ ናይ ኩልና ዋኒን ስለዝኮነ፡ ህዝቢ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክዓስልን ተጊሁ ክቓለስን በርቲዕካ ምስራሕ ከምዘድሊውን ኣኼባ ተገንዚቡ፡ ንምዕዋቱ ዝካኣል ዘበለ ክፍጽም ድልዊ ምህላዉ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
- ተሳትፎ ማሕበራዊ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሳላ ተሳትፎ ኩሉ ማሕበራዊ ክፍልታትን ደርባዊ ጽላታትን ህዝብና ምዕዋቱ ዝሳሓት ኣይኮነን። ሎሚውን ከምቀደም ተሳትፍፎ ናይ ኩሎም ማሕበራዊ ክፍልታት ህዝብና ብፍላይ ድማ ግደ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ክዓዝዝ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ውዳቤታት ዝግባእ ቦታ ክሕዝ ከምዘድሊ ብዝርዝርን ግዜ ሂቡን ድሕሪ ምዝርራብ ንኣኼባ ዝተታሕዘ ነጥብታት ተደምዲሙ።
ኣኼባ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዝተዓወቱ ዕማማትን ንዘዐወትዎም ኣባላት ሽማግለን ኣፍልጦ ብማሃብ፡ ንዘጋጠሙ ናይ ቃልሲ ዕንቅፋታትን ብፍላይ ድማ ኣብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም መሊኦም ዘይተሳለጡ ትልሚ ስራሓትን ድሕሪ ምምማይ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ብሓላፍነት ንዝተዋህቦ መደብ ስራሕን ንዝተመዘዘሉ ክፍልን ብተናጸል ኮነ ብሓባር ንምዕዋት ክሰርሕ ናይ መጻኢ ትልሚ ዕማማት ብምስራዕ ደምዲሙ። ብዘይካዚ ነዚ ኣካላዊ ርክባትን ኣኼባታት ከይግበር ከሊኡ ዘሎ ምኽንያታት ንምስዓር፡ ኣሎ ዝባሃል ዘመናውን ስሉጥን ናይ ርክብ መስኖታት ክጥቀምውን ወሲኑ።
ጉጅለ ህግዲፍ ካብ 23 ሰነ 2020 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ቀጥዒ መቆጻጸሪ ሓይልታት ምክልኻል ከም ዘውጸአ ተፈሊጡ። ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ብዝምልከት ከምዝሓበርዎ፡ በቲ ሓድሽ ቀጥዒ መሰረት፡ ሓደ ኣባል ሰራዊት ካብ ኣሃዱኡ ወጺኡ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ ኣይፍቀደሉን። ብዘይ ፈቓድ ክንቀሳቐስ ዝፈተነ ኣባል ከኣ ተግባሩ ከም ክድዓት ተወሲዱ ስጉምቲ ይውሰዶ።
እቶም ምንጭታት ሰዲህኤ፡ በቲ ሓድሽ ውሳነ መሰረት ንኣባላት ምክልኻል ዕረፍቲ ከምዘይፍቀድ ጠቒሶም፡ ኣብ ውልቃዊ ጉዳይካ ዝኾነ ሕቶ ምሕታት እውን ቅቡል ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ኣዘዝቲ ብሪገዳት ንታሕቲ ዘለዉ መራሕቲ ሰራዊት ምእንቲ ኣብ ኣባላቶም ጽኑዕ ምቁጽጻር ክገብሩ ካብቲ ዝመርሕዎ ኣሃዱ ወጻኢ ክንቀሳቐሱ ኣይፍቀዶም። እቶም ምንጭታት ነዚ ሓድሽ ቀጥዒ ጠቒሶም ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ክፍሊ ምክልኻል ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክኸውን እዩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኩሎም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር ውሻጣዊ ጉዳይ ህግደፍ ክምዝገቡ ክግደዱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣዘዝቲ ሓይልታት መካናይዝድ፡ ፍሉይ ኮማንዶን ሓይሊ ባሕርን ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ስታፍ ምምሕዳር ምክልኻል ክኾኑ ክግደዱ እዮም። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ህጹጽ ኩነታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጠቕሊሉ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክኸውን እቲ ቀጥዒ ከም ዘገድድ እውን እዞም ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ከረን ብ26 ሰነ 2020፡ ሸውዓተ ሰባት ብኣባላት ጸጥታ ህግዲፍ ኣብ ሳላት ኣልጁምዓ እንከለዉ ካብ መስጊድ ምስተወሰዱ ድሕሪኡ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን። ካብዞም ካብቲ መስጊድ ዝተወስዱ ገሊኦም ዝጽልዩ ዝነበሩ ዓበይቲ ክኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ከኣ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝቐርኡ ዝነበሩ መንእሰያት ምዃኖም ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓቢሮም። እቶም ኣባላት ጸጥታ ስጉምቶም ምኽኑይ ንምግባርን ነቶም ግዳያት ብህዝቢ ከጽልእዎምን ካብዝማሃዝዎ ምኽንያታት “ሰዓብቲ ጀሃድን ደገፍቲ ተቓወምትን እዮም” ከም ዝበልዎም እውን ምንጭታትና ብተወሳኺ ገሊጾም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ25 ሰነ 2020 ኣብ ደንጐሎ ታሕታይ ንነዊሕ ግዜ ተኣሲሮም ካብ ዘለዉ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መራሕቲ ብሪገዳት ዝነበሩ፡ 2ተ ኣስማቶም ዝዓቀብናዮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ምህላዎም ዝበጻሓና ዜና ኣፍሊጡ። ምንጭታት ሰዲህኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፡ እቲ ሓደ ግዳይ ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ5ይ ወራር እናተባህለ ዝግለጽ ዝተኣስረ እዩ። እቲ ካለኣዩ ከኣ ኣብ ከባቢ 2003ን 2004ን ኣብ ከረን ካብ ዝነበረ ሓይሊ ምድሪ ተወሲዱ ዝተኣስረ እዮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኣቑርደት ኣብቲ ናብታ ከተማ ዘእቱን ዘውጽእን ብሎኮታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝተፈላለዩ ምክልባታትን ማህርምትን ከም ዝፍጸም እዞም ምንጭታት ጠቒሶም። እቲ መውቃዕቲ ኣብ መንበሪ ገዛ እንዳ ሓደ ኣብታ ከተማ ካብ ዘለዉ ሓለፍቲ መንግስቲ ከም ዝፍጸምን ካብቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ሓደ ናይቲ መውቃዕቲ ግዳይ ዝኾኑ ባእታታት ስድራቤት እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።
ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ኣብዝርከብ 5ይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለስተ መንእሰያት፡ ናብ 22 ሰነ 2020 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ተወሲዶም ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአ ምንጭታት ሰዲህኤ ሓቢሮም። እዞም ሃብቶም የማነ ተስፎም ካብ ጸዓዘጋ፡ ሰረቐ ኣስመላሽ ክብረኣብ ካብ ባረንቱን ሰመረ ሓይለኣብ ኣብርሃ ካብ ሻንብቆን መጺኦም ኣብ ኮለጅ ማይነፍሒ እንዳተመሃሩ ከለዉ ዝተኣስሩ መንእሰያት እዮም። ናይዞም ብጸጥታ ህግዲፍ ተሰዊሮም ዘለዉ ሰለስተ መንእሰያት ክሲ ከኣ፡ “ኣብ ምንቅስቓስ ትንሳኤ ህዝባዊ ግንባር” ዝበሃል ሕቡእ ውዳበ ተሳቲፍኩም” ዝብል ምዃኑ ምንጭታትና ኣትሓሒዞም ገሊጾም።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሰንዓፈ ብወዲ ሓሊማ ዝእዘዙ ናይ ስለያ ኣባላት ብጉልባብ “ሲቪላዊ ምክትታል” ሰላማዊ ህዝቢ ኣብምግፋዕ ዝተዋፈሩ ምህላዎም ምንጭታትና ኣተሓሒዞም ገሊጾም። ካብዞም ብወዲ ሓሊማ ዝእዘዙ ኣባላት ጸጥታ፡ ምስግና ሃብተ “ዓንጃ” ዝሳጉኡን ዑስማን መሓመድ ሓምድን ዝተባህሉ ከም ዝርከብዎም እቲ ካብ ሰንዓፈ ዝበጸሓና ጥሉል ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ወዲ ሓሊማ ኣብቲ ብወገን ሰንዓፈ፡ ካብን ናብን ኤርትራን ትግራይን ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዝነበረሉ ግዜ፡ ናይ ገያሾ ንብረት ክወርስን ብላዕ/ጉቦ ክቕበልን ዝውዕል ዝነበረ፡ ናይቲ ከባቢ ናይ ህግዲፍ ናይ ጸጥታ ሓላፊ እዩ። እቶም ንሱ ዘዋፍሮም እምበኣር፡ ኣብ ክንዲ ንግዝያዊ ጠቕሚ ምስ ህዝቦም ዝበኣሱ ናብ ልቦም ክምለሱ ነተሓሳስቦም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ጉጅለ ህግዲፍ ካብቲ በብኩርናዑ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞ ስለ ዝሰግኣ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ስለያዊ መርበቡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከሐይል ይጽዕር ከም ዘሎ ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት ንክከታተሉ ብላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህግዲፍ ናይ ዝተሓጽዩ ዝርዝር ኣስማት በጺሑና ኣሎ። እዞም ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ መጋበርያታት፣ ኣሰራርሓኦም ምስጢራዊ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ምስ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግዲፍ) ዝራኸቡ እዮም።
ንሳቶም ከኣ፡ ሓየሎም ገብረመስቀል፡ ሳሙኤል ገብራይ፡ ሓረጉ ፍሰሃጼን፡ መብራት ሃይለስላሴ፡ ዑቕባይ መንግስተኣብ፡ ስዩም ምሕረተኣብን ተኽለብርሃን ኣብርሃን ዝተባህሉ ከምዝርከብዎም እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።
ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ብ03 ዝፍለጥ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈላለዩ ገበናት ክፍጽም ዝጸንሐ ትካል ህግዲፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ኣስመራ ተኸታተልቲ መዲቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምንጭና ካብ ከተማ ኣስመራ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ስራሓት’ዚ ምውፋሮም ተፈሊጦም ዘለዉ ድማ፡ ምሕረተኣብ ተድላ ሓጐስ ኣብ ሓዝሓዝ፡ ከሰተ ጋይም ብሩ ኣብ ማይተመናይ፡ ሓይለኣብ ገብሩ ኣብ ጐዳይፍ፡ ባህታ ዑቕባይ ተሰማ ኣብ ሰንበል፡ ገብሩ ዕዉር ተስፉ ኣብ ኣኽርያ፡ ምሉጌታ ደብሮም ሓድገንበስ ኣብ ቀሓውታ፡ ደንደን ሰለሙን ገ/ህይወት ኣብ ገጀረት፡ መኣዛ ሰመረ ክብረኣብ ኣብ እንዳ ኣውተቡስ፡ ሃይለስላሴ ጸጋይ ማና ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተመደቡ ከም ዝርከብዎም በዞም ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢሩ።
እዚኣቶም እውን ተልእኮኦም፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ብስዉር ስለያዊ ምክትታል ዘካይዱ ኮይኖም፡ ጸብጻቦም ብቐጥታ ናብ ናይቲ ትካል ክፍሊ ሓበሬታ ከቕርቡ እዮም መምርሒ ተዋሂብዎም ዘሎ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ካብዞም ዝተጠቕሱ ሰለይቲ ክጥንቀቕ ነዘኻኽሮ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እዞም ኣስማቶም ዝተረቑሐን ካለኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን ሎሚ ህዝቢ ኣጋፊዖም ካብ ህግዲፍ ብዝረኽብዎ ግዝያዊ ሓለፋ ሰዲዖም፣ ጽባሕ ኣብ ዘጣዕሶም ሓደጋ ከይወድቁ ኣጥቢቕና እንዳኣታሓሳሰብና፡ ብቐንዱ ድማ ካልኦት ዜጋታት ኣብዚ ህግዲፍ ዘጻውዶ ዘሎ ሓደገኛ መደባት ንከይሳተፉ ነዘኻክር።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ስሙ ዝዓቀብናዮ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣባል 3ይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተቐቲሉ፡ ንቡር ሓመድ ኣዳም ንኸይለብስ ድማ ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ግራር ኣብ ባሕሪ ከም ዝተደርበየ ተገሊጹ። ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከም ዝገለጽዎ እዚ መንእሰይ ኣብ ወደብዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ህግዲፍ ነቲ መንእሰይ ባዕላቶም ቀቲለም ክንሶም፡ ገበኖም ናብ ካልእ ንምልጋብ ምስቲ ቅትለት ብዝተተሓሓዘ ገበን ንዘየብሎም ነበርቲ፡ ከባቢ ግራር፡ ርእሲ ምድርን ሆስፒታልን “ቀታሊ ኣምጽኡ” እንዳበሉ ከምዘከላበትዎም እቲ ዝበጻሓና ዜና ሓቢሩ። ምንጭና ከም ዝጠቐሶ ዝተቐትለ መንእሰይ፡ ብዘይካ ብሓንቲ ጓለ-ኣንስተይቲ ዝተላዕለ ምስ ሓላፊኡ ዝነበሮ ንኡስ ውልቃዊ ምስሕሓብ ካልእ ዝፈጸሞ ገበን ከምዘይነበሮ ኣመልኪቶም።
ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከባብያዊ ምምሕዳር ቢንቢና፡ ኣሸሹ ካብ ዝበሃል ቦታ፡ ብ17 ሰነ 2020 ሓሙሽተ ሰባት ካብ ገዝኦም ብኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግዲፍ ከም ዝተጨውዩ ምንጭታት ሰዲህኤ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቶም ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ኢሳያስ ኩኪ ዝበሃል ወዲ ተባዕታይን ሉችያ እትበሃል ጓለንስተይትን ዝርከብዎም እዮም። ድሕሪ መጭወይቶም ኩነታት ናይዞም ግዳያት ከም ዘይተፈልጠ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ከረን ከባቢ ሓመልማሎን ጀንገረርንን ልዕሊ 200 ዝኾኑ፡ ቋንቋታት ኣምሓርኛን ሱማልን ዝዛረቡ ኢትዮጵያውያን እዮም ተባሂሎም ዝግመቱ መንእሰያት ሰፊሮም ከም ዘለዉ እዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ምንጭታት ሓቢሮም። ምንጭታት ሰዲህኤ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ሚዕጥርን ገርገራን ኣብ ዝበሃል ቦታታት ኤርትራ እውን ልክዕ ከምቲ ምስቶም ኣብ ሓመልማሎ ስፊሮም ዘለዉ ዝመሳሰሉ መንእሰያት ነቊጦም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ናይዞም ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኣብ ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ መንእሰያት ዕላማ፡ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ምስ ወሰዱ ኣብ ስሩዕ መዛግብ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ክስለፉ እዮም ዝብል ግምት ከም ዘሎውን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣርባዕተ ናይ ኮለነል መዓርግ ዘለዎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዘይድሌቶም ከም ዝተጣየሱን ካብኣቶም እቶም ክልተ ኣብ ዓሰብ ካብ ዘሎ ሰራዊት ምዃኖምን ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓቢሮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ ኣብ ዓሰብ ዘሎ ሰራዊት በዘይካ ፖሊስ ኩሉ ኪሎ 37 ኣብ ዝተባህለ ቦታ ክእከብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራዊ መደበራትን ክዕጾ እውን ተኣዚዚ። እንተኾነ ኣዘዝቲ ናይቲ ሰራዊት ነቲ ብሓለፍቲ ህግዲፍ ዝተዋህበ ትእዛዝ ከም ዝነጸግዎ ተፈሊጡ’ሎ።
ብኻልእ ወገን ከኣ ቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ኤርትራ፡ ናብ ኩሉ ኣካላቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ዘዋሪ መልእኽቲ ኩሎም ብስም ሕክምና፡ ንግድን ካልእ ተመሳሳሊ ምኽንያታትን ናብ ሱዳን ዝመላለሱ ፈቓድ ከይወሃቦም ዝብል ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣመሓደርቲ ዝተፈላለያ ትካላትን ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበር ኣብቲ ዘዋሪ መልእኽቲ ከም ዝሰፈረ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናብ ኩለን ብሎኮታት ኤርትራ፡ ንካብን ናብን ምንቅስቓስ ህዝቢ ብዝምልከት መምርሒ ተመሓላሊፉ ። በቲ መምርሒ መሰረት ሓደ መራሕ መኪና ኣብቲ ዝብገሰሉ ቦታ ምስ ጸዓነ ኣብቲ መወዳእታ ጉዕዘኡ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ኣብ መንጎ ክሳፍር ወይ ከውርድ ኣይክእልን እዩ። እተን ህዝቢ ዘጓዕዛ መካይን ብኣፍልጦ ሃገራዊ ድሕነት ዝቐርባ ኮይነን፡ ኩሉቲ መስርሕ ምጉዕዓዝን ኣብቲ መስርሕ ዝሳተፉ ኣካላትን ከኣ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ይኾኑ። ነዚ መምርሒ ዝጠሓሰ መራሒ መኪና ከኣ ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ድሕነት ተሓታቲ ክኸውን ከም ዝተወሰነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ጉጅለ ህግዲፍ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ከየጋጥሞ ስለ ዝሰገአ፡ ነዚ ተቓውሞ ንምቁጽጻርን ንምዕጋትን ናይ ከባብን ዓድታትን ምምሕዳራት ዳግመ-ስርርዕ ክካየድ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። በዚ መሰረት ብ16 ሰነ 2020 ኣብ ብሪማካንትሪ ሓላፊ ዞባ ጋሽ ባርካ ኮለኔል ዮናስ ዝመርሖ ናይ ወከልቲ ህዝቢ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ እቲ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ በቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ህግዲፍ፡ ብዛዕባ ሕማም ኮረና ንምቁጽጻር ካብን ናብን ምንቅስቓስ ሰባት ምእጋድ፡ ብዛዕባ ብወያነ ዝተጐበጠ መሬት ኤርትራ ዘይምምላስ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዝደፈረ ንምምካት ዘሎ ድልዉነትን ካልእ ዛዕባታትን ተዘሪቡ። እንተኾነ በተሳተፍቲ ኣኼባ ዝተዋህበ ርኢቶታት፤ ሓለፍቲ ህግዲፍ ዘይተጸበይዎን ዘሰንበዶምን ከም ዝነበረ እቶም ነቲ ኣኼባ ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ምንጭታት ሰዲህኤ ገሊጾም።
ሓደ ካብቶም ካብ ጐልጅ መጺኦም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉን ርኢይቶ ዝሃቡን ኣቦ፡ ንሕና ከም ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ውሽጥና ዘሎ እምበር ካብ ደገ ዝመጸ ጸላኢ የብልናን። ኣብዚ እዋንዚ ጸላእትና፡ ጥሜት፡ ዕርቃንን ሕማምን እዮም። ስለዚ መንግስቲ ነዚ ጸገምዚ እዩ ክፈትሓልና ዝግበኦ ዝብልን ተሳተፍቲ ብሓያል ጣቓዒት ዘሰነይዎን ነይሩ። ካብ ተሰነይ ዝመጸ ካልእ ተሳታፋይ ብወገኑ፡ ንሕና ቀዳማይ ስግኣትና ኮሮናቫይረስ ዘይኮነ ጥሜት እዩ፡ ምስ በለ፡ ህዝቢ መግቢ ክደሊ ኣብ ዶብት ኤርትራን ሱዳንን ይሓድር ኣሎ። ናይ መግቢ ጸገሙ እንተዝፍታሕ ከኣ ደገ ኣይመሓደረን፡ ንስኻትኩም ግና መተካእታ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ኢኹም ዕጸዉን ምንቅስቓስ ተቖጻጸሩን ትብሉና ዘለኹም ኢሉ። ብዙሓት ተሳተፍቲ እውን ተመሳሳሊ ንሓለፍቲ ህግዲፍ ዘሰንበደ ርኢቶታት ስለ ዝሃቡ እቲ ኣኼባ ሓለፍቲ ህግዲፍ ብዘይተጸበይዎ ከም ዝተዛዘመ ምጭታትና ካብቲ ኣኼባ ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ከተማ ባረንቱ፡ ናይ ህግዲፍ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ስለያ ሓለፍትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ፡ ነቲ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ሰባት መሰረታዊ ሕቶኦም ከይፈታሕካ ኣትሪርካ ምቁጽጻርን ኣብ መጻኢ እውን እቲ ምቁጽጻር ክሕይል ኣለዎ ምባልን ብመንጽርቲ ህዝቢ ዘስመዖ ዘሎ ተቓውሞ ስግኣት ከም ዘሕደረሎም ኣንጸባሪቖም። ናይቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደገኛ ዝበልዎ ተቓውሞን ስግኣትን ጠንቂ ኣብቲ ህዝቢ ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገም ምዃኑ ከኣ ተገሊጹ።
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ14 ሰነ 2020 ናይ ኣባላቱ ሕድሕድ ምልላይ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ናይ ምልላይ ኣኼባ ዝተኻየደ ድሕርቲ ብ20 ጉንበት 2020 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ምሉእ ሓድነት ምኽታሙ፡ ነዚ ስምምዕ ተኸቲሉ ናይ ዝቖመ ማእከላይ ባይቶ ምልላይ ኣገዳስነት ብምርኣይ እዩ።
ኣብዚ ናይ ምልላይ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ፡ ክልቱኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንሓድነት ዘርእዮ ቅሩብነትን ነቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምዕዋት ካብ ክልቲኡ ወገን ናይ ዝተመዛ ሽማግለታት ጻዕርን ተገዳስነትን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ፡ ኣብዚ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘይስገር ወሳኒ ኣጀንዳ ዝኾነሉ መድረ ኣብዚ ደረጃዚ ምብጻሑ ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ ሰዲህኤ ዘዕቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስ ካለኦት ኣካላት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ እውን ዘተባብዕ ኣብነት እዩ ኢሉ።
ድሕሪ እዚ፡ እቶም ንክልቲኡ ውድባት ክመርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ሓገግቲ ኣካላት ዝቖመ ማእከላይ ባይቶ ነፍሲ ወከፎም ሓጺር ድሕረ ባይተኦምን ናይ ቃልሲ ተመኩሮኦምን ብንጥቃስ ተላልዮም። ኣባላት ባይቶ ኣብቲ ናይ ምልላይ ቃላቶም ንኣገዳስነትን እዋናውነትን ናይቲ ዝተዓወተ ምሉእ ሓድነት ብምጥቃስ፡ ነቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብዝተፈልየ ከዕውትዎ ምኽኣሎም ኣመጒሶም። ብምትሕሓዝ ከኣ ንሰዲህኤ ብዛዕባ ዝጽበዮ ዕማም ጠቒሶም ብኹሉ ዓቕሞም መሪሕነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ድሉዋት ምህላዎም ኣመልኪቶም። ኣብ ርእሲዚ፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓድነት ክልቲኡ ኣካላት መጀመሪ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ስለ ዘይኮነ፡ ንሓድነት ኣብቲ ዝድለ ደረጃኡ ንምብጻሕ ማእከላይ ባይቶ ከም ሓደ ቀንዲ ዛዕባ ክሰርሓሉ ምዃኑ ቅርቡነቶም ኣረጋጊጾም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ፡ እዚ ሓድነት ኣብ ጽኑዕ ንድሕሪት ዘይምለስ ባይታ ክድኮን ብጽሒት መሰረታት ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ኣብ ምስራጹ ዕቱብ ስራሕ ክሰርሑ ተላብዩ። መሪሕነት ሰልፊ ንመስርሕ ሓድነት ኣጻፊፉ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክኣቱ ቅሩብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ኣብ ኩሉ ትካላት ሰልፊ ናይ ምትሕንፋጽ ስራሓት ክካየድ ክትልም ከምዝኮነ ብምሕባር ኣኼባ ተደምዲሙ።