ስለያዊ መርበብ  ህግዲፍ ኣብ  ኣስመራ

2020-06-23 08:03:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3583 times

ኣብዚ እዋን’ዚ ጉጅለ ህግዲፍ ካብቲ በብኩርናዑ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞ ስለ ዝሰግኣ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ስለያዊ መርበቡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከሐይል ይጽዕር ከም ዘሎ ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት ንክከታተሉ ብላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህግዲፍ ናይ ዝተሓጽዩ ዝርዝር ኣስማት በጺሑና ኣሎ። እዞም ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ መጋበርያታት፣ ኣሰራርሓኦም ምስጢራዊ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ምስ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግዲፍ) ዝራኸቡ እዮም።

ንሳቶም ከኣ፡ ሓየሎም ገብረመስቀል፡ ሳሙኤል ገብራይ፡ ሓረጉ ፍሰሃጼን፡ መብራት ሃይለስላሴ፡ ዑቕባይ መንግስተኣብ፡ ስዩም ምሕረተኣብን ተኽለብርሃን ኣብርሃን ዝተባህሉ ከምዝርከብዎም እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ብ03 ዝፍለጥ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈላለዩ ገበናት ክፍጽም ዝጸንሐ ትካል ህግዲፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ኣስመራ ተኸታተልቲ መዲቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ  ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምንጭና ካብ ከተማ ኣስመራ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ስራሓት’ዚ ምውፋሮም ተፈሊጦም ዘለዉ ድማ፡ ምሕረተኣብ ተድላ ሓጐስ ኣብ ሓዝሓዝ፡ ከሰተ ጋይም ብሩ ኣብ ማይተመናይ፡ ሓይለኣብ ገብሩ ኣብ ጐዳይፍ፡ ባህታ ዑቕባይ ተሰማ ኣብ ሰንበል፡ ገብሩ ዕዉር ተስፉ ኣብ ኣኽርያ፡ ምሉጌታ ደብሮም ሓድገንበስ ኣብ ቀሓውታ፡ ደንደን ሰለሙን ገ/ህይወት ኣብ ገጀረት፡ መኣዛ ሰመረ ክብረኣብ ኣብ እንዳ ኣውተቡስ፡ ሃይለስላሴ ጸጋይ ማና ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተመደቡ ከም ዝርከብዎም በዞም ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢሩ።

እዚኣቶም እውን ተልእኮኦም፡  ኣብ ማእከል ህዝቢ ብስዉር ስለያዊ ምክትታል ዘካይዱ ኮይኖም፡ ጸብጻቦም ብቐጥታ ናብ ናይቲ ትካል ክፍሊ ሓበሬታ ከቕርቡ እዮም መምርሒ ተዋሂብዎም ዘሎ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ በቲ ሓደ ወገን  ህዝቢ ካብዞም ዝተጠቕሱ ሰለይቲ ክጥንቀቕ ነዘኻኽሮ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እዞም ኣስማቶም ዝተረቑሐን ካለኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን ሎሚ ህዝቢ ኣጋፊዖም ካብ ህግዲፍ ብዝረኽብዎ ግዝያዊ ሓለፋ ሰዲዖም፣ ጽባሕ ኣብ ዘጣዕሶም ሓደጋ ከይወድቁ ኣጥቢቕና እንዳኣታሓሳሰብና፡ ብቐንዱ ድማ ካልኦት ዜጋታት ኣብዚ ህግዲፍ ዘጻውዶ ዘሎ ሓደገኛ መደባት ንከይሳተፉ ነዘኻክር።

Last modified on Tuesday, 23 June 2020 10:12