ጨንፈር ደንማርክ መስራቲ ጕባኤኡ ኣቃኒዑ

2020-07-10 17:49:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2228 times

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደኒማርክ ብዕለት 27/06/2020 ዕዉት  መስራቲ ጉባኤ ብዓወት ኣቃኒዖም። መስራቲ ጉባኤ ጨንፈር ደንማርክ ዲክታተርያዊ ስርዓት ንምስዓር ዓቕምታትና ነተኣኻኽብ!!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ እዩ ተኻይዱ።

ኣብ መኽፍቲ ጉባኤ ብኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጨንፈር፡ ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት፡ ናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም መልእኽቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕር’ዚ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰዲህኤ፡ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባሌታትን ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ ዉን ግዝያዊት ሽማግለ ካብ ትቐወም ኣትሒዛ ክሳብ ዕለት ጉባኤ፡ ናይ ዝተሰርሑ ዝርዝር ጸብጻባት ኣቕሪባ።

ተሳተፍቲ ጉባኤ፡ ንዝቐረበ ጸብጻብ ብዝርዝር ድሕሪ ምስማዕን ምዝታይን ብምሉእ ድምጺ ድገፎም ገሊጾም። ብድሕሪ እዚ ግዝያዊት ሽማግለ ሓላፍነታ ንኣምራጺት ኮሚቴ ኣረኪባ። ኣምራጺት ኮሚቴ ድማ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርሕ ምርጫ 5 ሕጹያት ከምዝርቁሑ ጌራ። ካብዞም 5 ድማ ከምእንደገና ብዲሞክራስያዊ  ኣገባብ 3 ቀወምቲ መሪሕነትን 2 ድማ ተጠባበቕትን ብጉባኤኛታ ተመሪጾም ። ብድሕር’ዚ ኣምራጺት ሽማግለ ሰርሓ ዛዚማ መድረኽ ንሓድሽ መሪሕነት ጨንፈር ኣርኪባ።

መሪሕነት ጨንፈር ብዕለት 4 ሓምለ 2020 ተኣኪባ፡ ንነብሳ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ሰሪዓ።

  1. ካሕሳይ ገብረሂወት ተኸለ …………..........ኣቦ መንበር
  2. ኪዳነ በርሀ ………………………………..ጻሓፊ
  3. ምሉእ በርሀ ……………………………….ፋይናንስ
  4. በረኸት ተወልደ ……………………………1ይ ተጠባባቂ
  5. ፊልሞን ጋፍሎ ……………………………..2ይ ተጠባባቂ
Last modified on Friday, 10 July 2020 22:15