Saturday, 26 July 2025 20:02

Dimtsi Harnnet Sweden 26.07.2025

Written by
Thursday, 24 July 2025 23:21

Dimtsi Harnnet Kassel 24.07.2025

Written by

“ኢሳያስ ኣፈወርቅ ን19 ሓምለ 2025፡ ምስ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ቃለ መሓትት ከካይድ’ዩ”፡ ዝብል ሓበሬታ ምስ ተዘርገሓ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ነናቶም ትጽቢት ነይርዎም። ገሊኦም “ከምቲ ዝተለምደ ኤርትራዊ ኣብ ዘይኮኑ ዛዕባታት ኮለል ካብ ምባል ሓሊፉ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር ኣይክህሉን’ዩ” ዝብል ግምት ነይርዎም።  ግምቶም ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮታቱ ዝነቅል’ዩ። ካለኦት ወገናት ግና ንትጽቢት ናይቶም ቀዳሞት’ኳ ግምት ዝህብዎ እንተነበሩ፡ “ምስዚ ንከባቢናን ሃገርናን ዘዋጥር ዘሎ ምግልባጥ ፖለትካዊ ኣሰላልፋን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ዘሎ ወስታታትን ገለ ሓድሽ ሓሳብ ደኾን ወስ የብል ይኸውን” ዝብል ትሑት ትጽቢት ነይርዎም። ናይዚኣቶም ግምት ከኣ ብመንጽርቲ ዘለናዮ እዋናዊ ተሃዋስነት ዘይስገርን ንቡርን ነይሩ። ንካልኦት ምጽራፍን ምስትንዓቕን ብልሕን መንፈዓትን መሲልዎም፡  ብዘይስኽፍታ“መጺኻለይዶ፡”  እናበሉ ዝተጸበይዎ  ኣይነበሩን ማለት’ውን  ኣይኮነን። ዕለቱ ምስ ኣኸለ ዝተራእየን ዝተሰምዐን ድማ፡ ከምቲ “ኣባጉንባሕስ ዘይግርቱ ይኾልል” ዝበሃል፡ ንቀጥታዊ ኤርትራዊ  ዛዕባታት ተሓሲሙ ደገደገ እዩ ኮለል ክብል ኣምስዩ።

ኣብቲ ብግምጥሊሽ ብዘይኤርትራዊ ዛዕባ ዝጀመሮ ቃለ መጠይቑ እምበኣር፡ ላዛ ዘየብሎም፡ ተሓይኾም ዝተወድኡ ሓረጋት ካብ ምኩምሳዕ ሓሊፉ ሓደሽ ኣየምጸአን። ኣብ ርእሲ’ቶም ልሙዳት “እንኮ ቀጽራውን ጐደቦን” ዝብሉን ዝኣመሰሉን መውጽእ ኣፉ፡ “ዞባዊ ኩነታት፡ ግዜ ዝሑል ውግእ፡ ዓለማዊ ስርዓት፡ ንናይ ህዝባዊ ርካባት ሃልኪ ዘገልግል፡ ህድማ ንቕድሚትን መርሓ ጐደና ኣፍሪቃን ዝብሉ፡ ካብቶም ብዘይውሁድ ቅኒትን ንጹር መልእኽትን ክደጋግሞም ዘምሰየ ሓረጋት እዮም። ካብዚ ከይረሓቐ፡ ኣሜሪካ፡ ውግእ ሩሲያን ዩኩረይንን፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኔቶ፡ ቻይናን ካለኦት ኣህጉራዊ ትካላትን እውን፡ ብምንእኣስን ኣብ ኣሰራርሐኦም ጣልቃ  ብምእታውን፡ ካብ ዘኳማሰዖም ነይሮም።

ኣብቲ ንኤርትራን ጐደቦኣን ይምልከት ኢሉ ዝተንከፎ፡ ንሱዳን ጅቡትን ካለኦትን በቲ ስምዒቱ ምጥቃሱ ኣይተረፈን። ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝበሎ ነቲ ኢትዮጵያውያን ከቃልሕዎ ዝጸንሑ እሞ ኩሉ ዝፈልጦ ዓዘርቆዘር ኣብ ምዝብራቕን ታራ ምጽራፍን’ዩ ኣድሂቡ። “ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ 130 ሚልዮን ዋላ 180 ሚልዮን ህዝቢ ይሃልዉዋ፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ኣጽዋር ኣለና ንበሃል ኣለና፡ ብሱዳን ኣቢልና ናብ ኤርትራ ክንኣቱ ብዝብል የፈራርሑ’ለዉ፡ ብድሮናት ኣቢልና ኣገዳሲ ዒላማታት ከነጥቅዕ ኢና ይብሉ ኣለዉ” ክብል’ዩ ስግኣቱን ስንባደኡን ኣንጸባሪቑ። “እሞ እዚ ካብ ኮነ እንታይ ክግበር ኣለዎ?” ኣብ ዝብል ግና፡ “ንሕና ድማ ኣይፋልኩምን ንብሎም”  ብዝብል እዩ ተጎርቢሱ። ካብ ጸርፊ ሓሊፉ፡ ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕንዕ ዘሎ ትንዕምንዕን ዓሻ ድፍረትን፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምምካት ሞራልን፡ ዲፕሎማስያዊ ትዕግስትን ኣየርኣየን።

ኣብቲ መንጎ “ጅቡቲ ካብ ወደባ ኣብ ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትረክብ ኣላ’ሞ፡ ንዓኣ ንምውድዳር ኢልና ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን ከነማዕብል ኢና ማለት ሓራም እዩ”  ዝበሎ ከኣ ንብዙሓት ካብ ዘደንጸዉ ተንበርካኺ ብሂላቱ ሓደ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላኡ፡ ዓለም ኣብ ውድድር እትነብር ከምዘላ ዝዘንገዐ፡ ምናልባት ኣብ ኣሰላልፋ ጅቡቲ ንምኽሳብ ዝተኣለሞ ውዲት’ውን ዝመስል። እንተዘይኮይኑ፡ ከምዘይትግብሮ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ “ንሕናውን ወደባትና ንኣገልግሎት ድሉዋት ክንገብር ኢና” ዝብል መዋጸኦ’ውን ነይርዎ። ኣብቲ ማእከል ኣብ ክንዲ መርገጽን ግደን ናይቲ “ይመርሖ ኣለኹ” ዝብሎ መንግስቲ  ዘንጸባርቕ ክኢላ ተንታኒ መሲሉ ክቐርብ ይፍትን ነይሩ።     

ኢሳያስ ካብቲ ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ድኻምን ስግኣትን ምልክታት ወጺኡ፡ ህዝቢ ካብቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ዜቤታዊ ኮነ ከባብያዊ ስግኣታት ዘህድእን ተስፋ ዝሰኩዕን ሓሳብ ኣየቕረበን። ነቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ፡ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወገናት ዝቃላሕ ዘሎ ግጉይ ቅኒት በዲሁ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ዝኹልዕን ህያውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉ ዘበርኽን ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መርትዖታት ክትንትን ይግበኦ ነይሩ፡ ግና ኣይበቐዖን። ሕብረተሰብ ዓለም ኣብዚ መዳይዚ ግንዛበ ንክረክብን ግደኡ ክጻወትን ዘይምዝኽኻሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣብ ሰፋሕቲ ኣህጉራዊ መድረኻት ዝተኸሰሶ፡ ኣብ ክንዲ ርትዓዊ መልሲ ምሃብ ከነኣእሶ እንከሎ፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት  ጥርዓን ምቕራብ፡ “ዘስገድግድ ዕሸላዊ፡ ስልበጣ” ብዝብል ሸፈጥ’ዩ  ኣስፊርዎ። ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዝተጻረፎ ወሲኽካ ከኣ፡ ዲፕሎማሲያዊ ድኽመቱ  ኣብቲ  ቃለ መጠይቕ ዝተቓለዓሉ  ገጽ ነይሩ።

ብዙሓት ወገናት፡ ምስቲ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝውጠር ዘሎ ምትፍናን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ መንጎ ህግደፍን ህወሓትን ክፍጠር’ዩ ዝበሃል ዘሎ ተልእኮኡ ዘይነጸረ ጽምዶ ኣብ ዝዛመድ ብቐጥታ “ክዛረብ እዩ” ብዝብል ንዝነበረ ትጽቢት ጓስይዎ ክሓልፍ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ “ኣርሒቑን ኣስፊሑን ዝሓስብ ብቑዕ መራሒ” ንምምሳል፡  ምስ’ታ ሎሚ ናይ ዓለም ሃብታምን ሓያልን ኣይኮነትን ዝበላ ኣሜሪካ፡ እሞ ድማ ብደረጃ ከባቢ ቀይሕ ባሕርዶ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢና ጽምዶ ክንፈጥር ኢሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ ካብቲ “መን ተመሊሱ ከይሓተንን ከይጸባጸበንን” ካብ ዝብል  ልሙድ ትምክሕቱ ነቒሉ፡ ነቲ ጽምዶ ካብ 2026 ክንጅምሮ ኢና እውን ኢሉ።  በዚ ንዕቀቱ ዘጉረምርሙ ዘለዉ ደገፍቱ ዝነበሩ ከይተረፉ ብዙሓት እዮም።

ከምቲ “ጉዳይ ኤርትራ ዝተወደኦ መራሒ” ዝተባህለ፡ እዚ ቃለ-መጠይቑ ከምቲ ልሙድ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ ብኣሽካዕላል ትኹረት ነፊጉ እዩ ከም መመላእታ ሰሪዕዎ። ቅድሚ ሕጂ ንነዊሕ ሰዓታት ምኒን ክብል ዘምሲ ዝነበረ ኢሳያስ፡  ንኤርትራ ናብ ዝምልከት ውሽጣዊ ዛዕባ ክኣቱ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት እዩ ነቲ ቃለመጠይቕ ኣቋሪጽዎ። ኣቐዲሙ ኣፋሊጥዎ ክነሱ ብምቁራጹ ዝደንጸዎም ጋዜጠኛታት በዓል ሱሌን ዑስማን ዓበ፡ ኣብ ቃልዕ መዓስ ከም ዝቕጽልዎ ንዝሓተትዎ ዝሃቦም “ጽባሕ ኣይጥዕመንን’ዩ፡ መዓስ ከም ዝጥዕመኒ ክነግረኩም እየ” ዝብል ናይ ትዕቢትን ንዕቀትን መልሱ  “ኣተሃዳድማ ዕቡያት”  እዩ።

ከምዚ ናይ ምግባሩ ምኽንያት፡ ግዜ ናይ ዘይምርካብ ጸገም ገይሮም ዝርድእዎ ወገናት ይህልዉ ይኾኑ። እቲ ሓቂ ግና ግዜ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ዝዛረበሉ ሓሳብን ሞራልን እዩ ተወዲእዎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብተን ዝረኸበን ኣጋጣምታት፡  ኣዋርሕን ዓመትን እናጠቐሰ ከይተረፈ፡ “ክንሃንጽ ኢና፡ ከነልምዕ ኢና፡ ክነፍቅድ ኢና፡ ወፍሪ ከነጀምር ኢና….ወዘተ” እናበለ፡ ዝኣተዎ ቃላት ክጠልም ከምዝጸንሐ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን። ስለዚ ነዚ መህደሚኡ ምኽንያት ዝተዓዘቡ ወገናት’ዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ዝኣምኖ ከምዘየለ  ተገንዚቡ፡ ቁምነገር ኣብ ዘይብሉ “ምኒን ምባል ዘድሓነና’ውን ግርም እዩ” ኢሎም፡  “ብዛዕባ ኤርትራ ዝተወድኦ፡ መራሒ ኤርትራ” ዝበልዎ።  

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ

ሶማሊያ ኣብ ገማግም ባሕራ ንክካየደ ተመዲቡ ዘሎ ብዙሓት ሃገራት ዝሳተፈኦ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኢትዮጵያ ንክትሳትፍ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ “ምጥሓስ ናይ ዓለምን ሶማሊያን ሕጊ ማያዊ ልኡላውነት እዩ፡”  ብዝብል ከም ዝነጸገቶ “ሂራን ኦንላይን (HIRAAN ONLINE)”  ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ20 ሓምለ 2025 ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቃድሾ ዝተኻየደ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጠባባቒ ሓይሊ ኣዘዝቲ ኮንፈረንስ እዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ፡ መንግስቲ ሶማሊ ነዚ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብቲ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ዝነጽግ መገግለጺ ዘውጽኤ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ተሳትፎ ሕቶ ምስ ኣቕረበት ምዃኑ ሓቢሩ። ቃል ብቓል ከኣ “ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ማያዊ ግዝኣትና ሓይሊ ባሕሪ ከተንቀሳቕስ ኣይንፈቅድን ኢና። ምኽንያቱ ሶማሊያ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ልኡላውነታ ስለ እትዕቅብ ናይ ኢትዮጵያ ምስታፍ ከኣ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጥሕስ ስለ ዝኾነ”  ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብቲ መግለጺ ናይቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኢትዮጵያ ኣብ መቃድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ኣኼባ፡ ከም ኣካል ዓቃብ ሰላም ሶማሊያ ሓይሊ ባሕራ ከተሳትፍ ዘቕረበቶ ርኢቶ፡ ምስቲ ብ1 ጥሪ 2024 ሓይሊ ባሕሪ እተስፍረሉ ገምገም ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሃሳብ ዝተሓሓዝ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ማያት ሶማሊያ ክንቀሳቕሶ ዘኽእል ዝኾነ ይኹንናይ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ኮነ ኣህጉራዊ ሕጊ ከምዘየለ ብሰፊሑ ምጥቃሱ እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።

ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምሕርፋፍ ጠንቂ፡ ኢትዮጵያ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ መቃድሾ ምስ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ምስምመዓ እሞ፡ መቃድሾ ከኣ ነቲ ተግባር ምግሃስ ልኡላውነተይ እዩ ብዝብል ብኣዋጅ መልክዕ ብምስራዝ ስለ ዝተቖጠዐት ምዃኑ ይፍለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝካየድ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ማያዊ ልኡላውነት ሶማሊያ ንምድልዳል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተንጸባሪቑ።

Page 1 of 608