Saturday, 14 June 2025 12:03

كعادته، لم يأ ِت بجديد!

Written by

  ፈስቲቫልን  ሰሚናርን  ኤርትራ  2025

እቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ብምትሕብባር ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ሰፊሕ ፈስቲቫልን ሰሚናርን፡ እንሆ እዚ ዓመት እዚ እውን   ንማሕበራዊ፡ ፖሊቲካውን ምሕደራ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘንጸባርቅ መድረኻዊ መደባት ዝሓዘ ምድላዋት ሰሪዑ ይርከብ ። ስለዚ  ኩሉ  ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ  ንኽሳተፎ  ጸዊዒትና  ነቕርብ ። 

ፈስቲቫል ዝግበረሉ ቦታ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት Johann Wolfgang Goethe Universität Merton str 26 - 28 እዩ።

ኣብዚ ኣገዳሲ ናይ ህዝቢ ርክብ ዝካየደሉ ፈስቲቫልን ሰሚናርን ፍራንክፎርት 2025 ምስታፍ ንኩሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ኮይኑ   ንመደባትና ዝምልከት ቀጻሊ ሓበረታ ከነስዕብ ኢና።

ብሓድነት ንሓርነት !!!

ኣሳናዳኢት ሽማገለ 2025

ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ፡ ብ11 ሰነ 2025 “ጁየነ ኣፍሪቃ (Juene Afrique)  ምስ ዝተባህለት መጺሐት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ “ነቲ ኣብ 2024 ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝያዳ ኣጠቓቕማ ወደብ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድድዳእ ፈቲሕኩምዎዶ?” ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂቡ። ኣብ መልሱ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ከባቢ ዝደለኻዮ ብሓይሊ ምርግጋጽ ከምዘይከኣል ዝተረደአ ይመስለኒ። ኢትዮጵያ ወደባት ዓሰብ፡ ጅቡቲ፡ በርበራ ወይ ሶማሊያ ክትጥቀም ትኽእል እያ።” ድሕሪ ምባሉ ድማ “እዚ ግና ንጐረባብትኻ ግቡእ ትርጉም ብዘይምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ሽምግልና ሃገረ ቱርኪ ሓጋዚ እዩ ምስ በለ ከኣ፡ “ንሕና እንተኮይና ንኢትዮጵያውያን ጅቡቲ ክረሚያ ከምዘይኮነት ነጊርናዮም ኢና” ክብል ኣስዒቡ።

ነቲ “ኣብ ወደብ ታጁራ ናይ ሓባር ምምሕዳር (Joint Management) ክህልወኩም ዘቕረብኩምዎ ሓሳብከ ብወገን ኢትዮጵያ እንታይ መልሲ ተዋሂብኩም?” ንዝብል ሕቶ እውን መልሲ ሂቡ። ኣብቲ መልሱ፡ “ኢትዮጵያ ንሕና ዘይቕበሎ እማመ ዝሓዘ ልኡኽ ሰዲዳ ነይራ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሓሊፎም ወተሃደራዊ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝምስርትሉ መተሓላለፊ ክንህቦም ስለ ዝሓተቱና። ስለዚ እማመኦም ስለ ዘይንቕበሎ  እዚ ዛዕባዚ ድሕሪ ሕጂ ተዓጽዩ እዩ” ኢሉ።

“ብዛዕባቲ ንዓኻትኩም ሃሳይ ዝኾነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሱዳን ክሳብ ሶማሊያ ዝዝርጋሕ መደባት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ከመይ ትርእይዎ?” ንዝብል ድማ “ንመደባት ዲፒ ዎልድ (DP world) ተቓዊምናዮ ኢና። ድሕሪ ሕጂ እውን ናብኡ ኣይክንንብርከኽን ኢና። ብዓብይኡ ፖሊሲ ኢማራት ኣብዚ ዞባ ኣፍራሲ እዩ። ኣብዚ ርኢቶዚ ከኣ በይንና ኣይኮናን” ኢሉ።

እምበኣር እዚ ዘመልክቶ፡ ኣብዚ ኣብ ዞባና ዝገለባበጥ  ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ጅቡቲ ምስ መን ከምዘላ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ምስቲ ብጉዳይ ኣገልግሎት ወደብ ኣብ ጅቡቲ ዝተንጠጠለት ምዃ ንኢትዮጵያ ዘቕስና ኣይመስልን።

Thursday, 12 June 2025 21:41

لشعبُ مصدُر السلطا ِت

Written by
Thursday, 12 June 2025 20:12

Dimtsi Harnnet Kassel 12.06.2025

Written by

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ውግእ ካብ ዝተመዛበሉ ኣሸሓት ብኸፊል (ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ስእሊ)

 ፈረንሳዊ ተጣባቒ ጉጅለ  (French advocacy group)፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ጠጠው ንከብሉ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራታ ሃገራትን ዋና ጸሓፊኡ ኣንቶኒዮ ጉተርዝን ብጉዳይ ሱዳን ህጹጽ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ሬድዮ-ደባንጋ ኣፍሊጣ። እቲ ጉጅለ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ንምባል ፖለቲካዊ ቅሩብነት ከም ዘድሊ ኣብቲ ናይ 8 ሰነ 2025 ህጹጽ ምሕጽንታኡ ኣስፊሩ። ቅድሚ ሕጂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት “ካብ ዓለምና ዝለዓለ ምምዝባል ዝተራእየሉ” ብዝብል ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ከኣ ኣብቲ መጸዋዕታኡ ጠቒስዎ።

እቲ ጉጅለ ብወኪሉ ኣብ ዳርፉር ኣቢሉ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ብኣድራሻ ናብተን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዋና ጸሓፊ ናይቲ ቤት ምኽርን ዝተላእከ ኮይኑ፡ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ከኣ ብቕልጡፍ ተኹሲ ጠጠው ንክብልን ናይ ኣጽዋር እገዳ ክውሰንን ከምኡ ከኣ ነቶም ብሚልዮና ዝግመቱ ኣብ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ሱዳናውያን ረዲአት ክበጽሓሉ ዝኽእል ኩነታት ንክፍጠር ዝጽውዕ እዩ። እቲ ወኪል ናይቲ ተጣባቒ ጉጅለ፡ ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት፡ ብፍላይ ንቀረብ መግብን ሕክምናን ብዝምልከት “እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድኩም’ዩ ዘሎ” ከም ዝበሎም እቲ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ዜና ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጀነራላት ዝመርሕዎ ዝካየደ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነታ ሃገር ከም ዘዕነዉዋ ብምጥቃስ፡ ብሰኪ’ቲ ውግእ 150 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ 13 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን 14 ሚልዮን ግዳያት ከኣ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝርከቡ ኣስፊሩ።  ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቶም 11.5 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ 25 ሚልዮን ሰባት ከኣ ብድምር  ሰብኣዊ ረዲአት ዘድልዮም ምዃኖም ይሕበር

እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣብ ክንዲ “ብሰንኪ እምቢታ ክልቲኦም ጀነራላት ክንሕግዝ ፈቲና ኣይከኣልናን” ምባል፡ ንክቲኦም ኣጊድካ ነቲ ዕንቅፋት ምውጋድ ከም ዝግባእ ጠቒሱ። እቲ መጸዋዕታ ጉዳይ ሕማም ሸሮኽ ኣብ ከባቢ ካርቱምን ህጹጽ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ምምሕዳራት ዋይት ናይል፡ ሰሜን ኮርዶፋንን ዳርፎርን ብፍሉይነት ጠቒሱ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ግንቦት 2025 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ ብማንዛ (zoom) ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብቐዳምነት ካብ’ተን 8 ኣብያተ-ጽሕፈት ዝቐረበ ጸብጻባት ንጥፈታተን ሰሚዑ። ከምኡ’ውን፡ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ፖ.ሓ.ኤ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ብደምበ ተቓውሞ ዝተመዝገበ ዓበይቲ ፓለቲካዊ ዓወታትን ዘጋጠሙ ሕጽረታትን ብዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ’ቲ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝተኻየደ ንጥፈታት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ዝተመዝገበ እወንታታትን ሕጽረታትን ገምጊሙ። ከምኡ ውን፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ስርዓት ኣስመራ ትሓልፎ ዘላ ጽንኩር ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ ማሕበራውን ጸጥታውን ሃለዋትን ብዝርዝር ተመያይጡ። ኣስዒቡ ብደረጃ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላዋትን ውሽጣዊ ናይ ሕድሕድ ውግኣትን ብዕምቆት ዘትይሉ። ናይ’ዚ ጸገማት’ዚ እንኮ መፍትሒ፡ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን ኣገባባት ጥራሕ ምዃኑ ብኣንክሮ ኣስሚርሉ።

ቀጺሉ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ  ዕለት 1-3 ነሓሰ 2025 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብምትሕብባር ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ንምዕዋት ክግበር ዘለዎ ምድላዋትን ዘድሊ ምትሕብባራትን ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብኣጽንዖት ተመልኪትዎ። ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይ ዘሳትፍ ውራይ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፥ ነዚ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ንምዕዋት፡ ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ንጡፍን እወንታውን ተኻፋልነቶም ከበርክቱ ጸዊዑ።

ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ሓቢሮም ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብጽንዓት ክቃለሱ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖ.ሓ.ኤ መጸዋዕታኡን ምሕጽንታኡን ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝገብሮ ጸቕጥታት ብምሕያል ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣውን ሕጋውን መሰላትን ቅልውላዋትን ደው ክብል ተርኡ ክጻወትን ማዕረ ሓላፍነቱ ክብ ኢሉ ክርከብን ኣዘኻኺሩ።

እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላዋት እናዛየደ፥ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከኣ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከብ ዓቕምታተን ንምጥርናፍ ጽዓታተን ኣብ ዘበርኻሉ ዘለዋ እዋን ኢዩ ተኻይዱ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ

10 ሰነ 2025

Page 7 of 610