Tuesday, 02 December 2014 05:48

TV Demtsi Hezbi With MedreK Zete Part II

እዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ንዝኽሪ ጃምላዊ ህልቂት ዖና  ብ 2004 ከምኡ'ውን ብ2005 ኣብ መርበብ ንሓርነት. ኦርግ  ተሓቲሙ ዝነበረ እዩ። ሕጂ ድማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡  ነቲ  ኣብ ሓደ መዓልቲ ብስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና ዝተፈጸመ  ኣስካሕካሒ ጃምላዊ ቅትለትን፡ ምንዳድ ዓድታትን ንምዝካርን፡ ምረት መግዛእቲ ብምስትብሃል ኩሉ ግዜ ተደላይነት  ሓርነታዊ ቃልሲ ንምዝኽኻርን፡ ደጊምና ከንውጽኦ መሪጽና።

ሰናይ ንባብ!

EPDP Information Office

In the evening of Saturday, 29 November 2014, a good number of well appreciated and well known Eritrean democracy and human rights activists were gathered in Geneva. Ms Elsa Chyrum was there; also Meron Estefanos. And Selam Kidane. Also present among the invited guests was the UN Human Rights Rapporteur for Eritrea, Ms Sheila Keetharuth. EPDP’s Woldeyesus Ammar was also there.

For change, no political issues were raised. It was not a human rights meeting nor was it a consultation meeting on how to promote the works of the newly established UN Commission of Inquiry on Eritrea.                       

It was a happy social event: the wedding of another democracy and human rights activist – Dr. Daniel Rezene.

Harnnet.org believes readers need no introduction to Dr. Daniel Rezene and his guests at his wedding. The EPDP and its official website wish Dr. Daniel and his bride Wegahta a very Happy Wedding.

Saturday, 29 November 2014 08:54

Eritrean TV Demtsi Hezbi Nov 30, 2014

 

ርእሰ-ዓንቀጽ

 ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ምጥቃስ፡ ምናልባት ከም መእተዊ ክትጥቀመሉ ናይ ግድን እንተዘይኮይኑ፡ ሎሚ ንኹሉ ኣብ ርሑቕን ቀርባን ንዘሎ ፈታውን ጸላእን ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ ስለ ዝኾነ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። በብግዜኡ፡ በቲ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ድኽነትን ምብኳር ፍትሕን፡ በቲ ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ተነጽሎ፡ በቲ መንእሰያትና ሃገር ገዲፎም እግሮም ነናብ ዝመርሖም ዘካይድዎ ዘለዉ ዝዛሪ ዘይመስል ዋሕዚ ናብ ስደት… ወዘተ መምስተሰከፍና ኣውያትናን ምሕጽንታናን ከነስምዕ ጸኒሕና ኢና።  ስለ ዝፈራሕና’ኳ ደፊርና እንተዘይበልናዮ፡ ብዙሓት መጽናዕትና መሪሑና ዝብሉ ወገናት፡ ንኤርትራ “ዝወደቐት፡ መንግስቲ ዘይብላ ዝበረሰት ሃገር” ዝብል ቅጽላት ክህብዋ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ሎሚ ድማ ”ኤርትራስ ሞይታ እያ” ዝብሉ ገለጻታት ይቀላቐሉ ኣለዉ። እነሆ እምበኣር ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን ኣብዚ ተበጺሑ። እንተኾነ ሕጂ እውን ተስፋ ቆሪጽና “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ኢልና ትንሳኤ ኤርትራ ኣረጋጊጽካ ለውጢ ናይ ምምጻእ ኒሕና ኣይክዓርብን እዩ።

ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ኩነታት ንክትወድቕ ጠንቂ ዝኾኑ ምኽንያታት ብዙሓት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ቅድሚት ዝስራዕ ተሓታቲ ግና ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ እዩ ንሃገርናን ንህዝባን ብኸምዚ ንሕስያ ዘየብሉ ኣገባብ ዝድህኮም ዘሎ? ዝብል ሕቶ መሰረታዊ ኮይኑ፡ ውዱእ መልሱ ንምርካብ ግና ኣጸጋሚ እዩ። ኣጸጋሚ ዝኸውን መልሲ ስለ ዘየብሉ ዘይኮነስ ንሕና እቶም ንህግደፍ ምስ ሓተትና እሞ ካብኡ ውዱእ መልሲ ስለ ዘይንረክብ፡ ነናትና ናይ እማመ መልሲ እነቕርብ ኣካላት፡ በቲ እማመ ክንሰማማዕ ከቢድ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብቲ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዝፈላልየና ቀንዲ ምኽንያት እቲ ጉጅለ ናይ ብምሉኣ ኤርትራን ህዝባን ጸላኢ ምዃኑ ንጹር ክነሱ፡ ገሌና ነቲ ጉጅለ ከም ናይ ሓደ ትሕቲ ሃገራውነት ዝመሰረቱ ኤርትራዊ ጉጅለ ወኪልን ተሓላቓይ ጌርና ከነቕርቦ ስለ እንፍትን እዩ። ንሓንሳብ ናይ ክርስትያን፡ ንሓንሳብ ናይ ትግርኛ፡ ንሓንሳብ ድማ ናይ ሓደ ኣውራጃ ተሓላቒ ብምምሳል። ብርኢቶና እዚ ነዚ ጉጅለ ምስ ኩሉ ሓጥያቱ  ንሓደ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ድማ ንሓደ ከባቢ ካብ ኤርትራ ምጽግዑ፡ ምስቲ ተወጢሕዎ ዘሎ ናይ ከፋፊልካ ምግዛእ ተንኮሉ ተደሪቡ ጠቓሚኡ እምበር ጐዳኢኡ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ሰልፍና ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉባአኡ ዝወሰኖ ፖለቲካዊ ውሳነ፡ “ሰደህኤ፡ ህሉው ስርዓት ህግደፍ፡ ድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ፡ ህዝቢ ናይ ምክፍፋል ሜላ ንተዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ክፋልካ ብህዝቢ ኤርትራ ዝቐርብን ዝርሕቕን፡ ወይ ከኣ፡ ብፍሉይ ዝውክሎ ከምዘይኮነ ምነቱ ይገልጽ፣” ብዝብል ኣስፊሩ ዘሎ።

ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከለና ብዛዕባ ብዙሕነት ምዝራብና ናይ ግድን እዩ። እዚ ኩለመዳያዊ  ብዙሕነትና ብግቡእ ክመሓደር እንከሎ መልክዕናን መሰረት ሓያልነትናን ምዃኑ ሓቂ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓቅነቱ ኣብቲ እንሕበነሉ ታሪኽ ቃልስና ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ እዩ። ብዙሕነትና ብዝተጸንዐን ሓላፍነታውን ኣገባብ እንተዘይተመሓዲሩን  እንተዘይተቓንዩን ከዓ ብኣንጻሩ ክፋእናን በታኒናን ምዃኑ እቲ ሎሚ ኣብ ሕልና ኩላትና ዘንጸላሉ ዘሎ ስኽፍታ ምስክር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንሃገርና ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መራግእቲ ዘየብሉ ሕማቕ ነገር ከም እትወድቕ ዝገበረ፡ ነቲ ኣይፋልካን ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን ክብሎ ዝግበኦ ዝነበረ ህዝቢ፡ ዘዝጥዕሞ መፈላለዪ ዘንጊ ማለት፡ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ዕድመ፡ ተሳልፎ ኣብቲ ዝሓለፈ ቃልሲ፡ ጾታ፡ ከባቢ …  ወዘተ እንዳመዘዘ፡ ነቲ ብሓባር ኣንጻሩ ወቒዑ ከድምዕ ዝግበኦ ቅልጽምን ተዛሪቡ ከስምዕ ዝግበኦ ልሳንን ኣብ ነንሕድሕዱ ከተፋንኖ ተንኮላት ክኣልም ስለ ዝጸንሐ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ንደገ ብዝስማዕ ድምጺ’ኳ “ምትፍናን ንረብሓይ ኣይኮነን” እንተዘይበለ ብውሽጡስ መጻወድያ ህግድፍ ንጥፍኣቱ እምበር ንልምዓቱ ከምዘይኮነ ኣይሰሓቶን። ካብቶም ህግደፍ ናይ ምፍልላይ መርዚ እንዳነስነሰ መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ክገብሮም ዝፍትን ኣካላት ህዝቢ፡ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ሕርጓቶ ህግደፍ ዘራኸቦም ውልቃውያን ኩሎም ተረባሕቲ ኣይኮኑን።

እሞ ትንፋስን ቀጻልነትን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝተገልጸ ዘይእሙን ባይታ ዝተሰረተ ካብ ኮነ፡ ንሕና እቶም ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ትንሳኤን ሃገርን እንቃለስ ዘለና ኣካላትከ ኣብ ዓወት ንክንበጽሕ ኣየናይ መንገዲ ኢና ክንመርጽ ዝግበኣና?። ብዓይኒ ቅንዕና እንተርኢናዮ እዚ ሕቶ እዚ ምሉስ እዩ። ንሕና ንጉጅለ ህግደፍ በቲ ንሱ ዝጽበየና ሜላ ቃልሲ ኣይኮናን ክንገጥሞ ዝግበኣና። ብኣንጻሩ በቲ ስሙ ክለዓል እንከሎ ጥራይ ዘንጸራርዎ ሓድነት ዝመሰረቱ ኣገባብ ኢና ከነጥቀዖ ዝግበኣና። ህግደፍ ረብሓኡን ቀጻልነቱን ኣብ ምርሕሓቕን ምትፍናንን ናይቲ ተሰሚሩ ከጥፍኦ ዝኽእል ህዝቢ እንተኾይኑ፡ ንሕና ድማ ነቲ ህግደፍ ዝሰግኦ ሓድነት ናይ ኩሎም እቶም ኣብ ውድቀቱ ዝረብሑ ኣካላት ከነውሕስ ኢና ክንሰርሕ ዝግበኣና። ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዘይቅዱስ መፈላለይ ቀጥዕታት ጥራይ ኣይኮነን ዝድረት። እንተላይ ናይ ውድባት ድዩ ናይ ማሕበራት ምፍንጫላት እውን ንረብሕኡ እዩ። ንረብሕኡ ካብ ኮነ ከዓ ዓቕሙ እንተዘይደሪትዎ፡ ደድሕሪ ዝኾነ ፍልልያት እንዳኸደ ከምዘይዕረ ካብ ምግባር ድሕር ከም ዘይብል ኣይንዘንግዕ።

ንሕና ነቲ ኣካቢ ኣገባብ ክንመርጽ ናይ ግድን እዩ። ክንመርጽ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ዝመረጽናዮ ከነተግብር ድማ ዋጋ ክንከፍል ይግበኣና። ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ንተቐራሪብካ ምስራሕ ዘራጉድ እንተዘይኮይኑ ዝትክእ ምርጫ የብልናን። እዚ ክንብል እንከለና ምኽኑይ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ኣይሃልወና፡ በዚ ናይ ርኢቶ ምፍልላይና ተደሪኽና ብዙሓት ውድባት ወይ ማሕበራት ኣይሃልዋና ማለትና’ውን ኣይኮነን። ህላወ ኣብዘሓ ውደባ እሞ ከም ሓደ ደሞክራሲያዊ መሰል ተቐቢልና እንሰርሓሉ ዘለና እዩ። እዚ መሰል እዚ ግና ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘይገናዝብን ብሕጊ ውደባ ዘይግዛእን ፍኑው መሰል ኣይኮነን። ምኽኑይነት ኣብ ኩሉ ስጉምትታትና ቦታ ክረክብ ዝግበኦ ቀላሲና እዩ። እቲ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና፡ እዚ ብዙሕነትና ነቲ ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ክንገብሮ ዝግበና እሞ ክሳብ ሕጂ ብመንጽር ባህጊ ህዝብና ዘየዕወትናዮ መኸተ ብዘዳኽም ወይ ብዘዕንቅፍ መንገዲ ክተሓዝ ከም ዘይግበኦ’ዩ ። ምፍልላይና ዓቕሚ ጥራይ ኣይኮነን ዘስእነና። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እውን ተኣማንነት የስእነና። “ንርእሶም ዘይኮኑስ ህዝቢ ክእክቡ” ንበሃል። እዚ ኣበሃህላ እዚ ስንብራቱ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ጸገም ህዝብና ክንገልጽን ደገፍ ክንሓትትን እንከለና እውን ክብደትን ተሰማዕነት የስእነና። ናይ’ዚ ሓቅነት ንምርግጋጽ ኣብ ርእሲ እቲ ብሓባር ብሰንኪ ዘይምምራሽና ዘጋጥመና ዘሎ ዕንቅፋታትን ዝሕተላን ካብ ናትና ክውንነት ወጻኢ እውን ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል ናይ ከባቢ ተመኩሮታት ኣለና። ዝምኮረሉ ዘይረኸበ ተሞኩሮ ግና መኻን ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ኣብ ምንጽጻግን ተመዓዳዲኻ ምርእኣይን ኩነታት ምህላውና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ነዚ ዘተሓሳስብ ገፍጣዕ ኣተሃላልዋ ግቡእ ፖለቲካዊ መልክዕ ኣትሒዝና ክንጐዓዝ ብዘይምኽኣልና ሰንከልከል ኣብ ንብለሉ ዘሎና ኩነታት፡ ከምቲ “ንበዓል ነጐዳ ሓዊ ደብሶ” ዝበሃል ካልእ መሊሱ ናይ ሓባር ሓይልኻ ዝርምስ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ድማ ህግደፍ “መጺኻለይዶ ክጽበየካ”  እንዳደረፈ ሓንጐፋይ ዝብሎ ሓድሽ ቅዲ ምፍልላይ ክቀላቐል እንከሎ፡ እምበርዶኸ ሃለዋት ህዝብና ይስቆረና ኣሎ እዩ የብለካ። ንኣብነት ሓድሽ ቅዲ “ብደረጃ ኣውራጃ ንወደብ።” ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ ስለ ዝኾነ ኢና ኸዓ  “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ንብል ዘለና። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ውሳነ ሰደህኤ ንኣውራጃዊ ምምሕዳር ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ኣተኣታትይዎ ዘሎ ዞባዊ ምምሕዳራት ብምውድዳርጠለብ ህዝቢ  ምክፍፋል ኪግበር፤ ወይ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኣድላይነት ከም ዘይብሉ ድሌት ህዝቢ ምስዝኸውን፡ ቅድሚ 1995 ዝነበረ ስርዓተ- ኣውራጃታት ዳግም ክስርሓሉ፡ ምነትን ድሌትን ሰዲህኤ ምዃኑ ጉባኤ ኣስሚሩሉ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ምርባሕ ውድባት ከም ሓደ ሕዱር ሕማም ዝረኣ? ዝብል ሕቶ ካብቲ ብጻዕቂ ናብ ደንበ ተቓውሞ ዝለዓል ሕቶታት እዩ። ነቲ ዘሎ ብዝሒ ውዳበታት ዘይምኽኑይ ፍልልያቱ ገሊፍካ ናብ ቅርጥው ዓቐን ንምምጻእ ቃልሲ ኣብ ዝካየዱ፡ ሓድሽ ማሕበር ወይ ውድብ ተመስሪቱ ክውረይ እንከሎ’ውን ከምኡ እዚ ሕቶ ይለዓል። ገለ ወገናት ነዚ ሕቶ’ዚ ዝህብዎ መልሲ “እቲ ዝቐደመ ውዳበ ስለ ዘየድመዐ እዩ ሓድሽ ውዳበ ዘድልይ” ይብሉ። እቲ ዘይምድማዕከ ካብቲ ግኡዝ ውዳበ ድዩ ወይስ ካብ ዘይምብቃዕ ናይቶም ኣብቲ ውዳበ ዘለዉ ተዋሳእቲ? ዝብል ሕቶ ክስዕብ እንከሎ  ከዓ መልሲ ንምርካብ ውጥይጥይ ይኸውን። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና እምበኣር፡ ውድብ ናይ ብዙሓት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት መዋስኢ ሜዳ ምዃኑ እዩ። ውድብ ጥራይ ዘይኮነ ግንባራትን ልፍንትታትን’ውን ከምኡ ናይ ብዙሓት ውዳበታትን ኣተሓሳስባኦምን ናይ ሓባር መዋስኢ እዩ። ኣብዚ ሜዳዚ ካብቲ ዝምዝገብ ዓወታትን ዘጋጥም ፍሽለታትን ምስቶም መዋስእትኻ እትካፈለሉ እምበር በይንኻ ተዓዋታይ ከም ዘይትኸውን ኣሚንካ ኢኻ ናብቲ ሜዳ ትወርድ። ነቲ ሜዳ ቃልሲ ናይ ግድን ናይ በይነይ ክገብሮ እየ ኢልካ ምስ እትብገስ’ሞ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበኻዮ ኣብ ዘይኮነሉ ከዓ ፍልልያት ይፍጠር። ምናልባት’ውን እዚ ፍልልይ ናብ ምፍንጫል የምርሕ። ኣብዚ እቲ ጸገም ናይቲ ኣቐዲምካ ዝመረጽካዮ ሜዳ ቃልሲ ዘይኮነስ ናይቶም ተዋሳእቲ ዘይጸዋር ኣቀላልሳ እዩ። ውጽኢት ከም ዝደለኻዮ ኣብ ዘይኮነሉ እቲ መፍትሒ ኣብ መስርሕ ንጉዳያት ናብ ረብሓኻ ከተምጸኦ ስንኻ ነኺስካ፡ ካብ ተመኩሮኻ እንዳተመሃርካ፡ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ እንዳኸፈልካ ምቕጻል እምበር፡ ሓድሽ ሜዳ ቃልሲ ምቕያር ኣይኮነን። እቲ ዝሃደምካሉ ምዕባለ ኣብቲ ዝተዓቖብካሉ ወይ ከም ሓድሽ ዝፈጠርካዮ መድረኽ’ውን ክጸንሓካ ስለ ዝኽእል እሞ ኣብ ህድማ ክትነብር ስለ ዘጸግም።

29 ሕዳር 201

 

 

 

ርእሰ-ዓንቀጽ

ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ምጥቃስ፡ ምናልባት ከም መእተዊ ክትጥቀመሉ ናይ ግድን እንተዘይኮይኑ፡ ሎሚ ንኹሉ ኣብ ርሑቕን ቀርባን ንዘሎ ፈታውን ጸላእን ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ ስለ ዝኾነ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። በብግዜኡ፡ በቲ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ድኽነትን ምብኳር ፍትሕን፡ በቲ ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ተነጽሎ፡ በቲ መንእሰያትና ሃገር ገዲፎም እግሮም ነናብ ዝመርሖም ዘካይድዎ ዘለዉ ዝዛሪ ዘይመስል ዋሕዚ ናብ ስደት… ወዘተ መምስተሰከፍና ኣውያትናን ምሕጽንታናን ከነስምዕ ጸኒሕና ኢና።  ስለ ዝፈራሕና’ኳ ደፊርና እንተዘይበልናዮ፡ ብዙሓት መጽናዕትና መሪሑና ዝብሉ ወገናት፡ ንኤርትራ “ዝወደቐት፡ መንግስቲ ዘይብላ ዝበረሰት ሃገር” ዝብል ቅጽላት ክህብዋ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ሎሚ ድማ ”ኤርትራስ ሞይታ እያ” ዝብሉ ገለጻታት ይቀላቐሉ ኣለዉ። እነሆ እምበኣር ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን ኣብዚ ተበጺሑ። እንተኾነ ሕጂ እውን ተስፋ ቆሪጽና “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ኢልና ትንሳኤ ኤርትራ ኣረጋጊጽካ ለውጢ ናይ ምምጻእ ኒሕና ኣይክዓርብን እዩ።

ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ኩነታት ንክትወድቕ ጠንቂ ዝኾኑ ምኽንያታት ብዙሓት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ቅድሚት ዝስራዕ ተሓታቲ ግና ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ እዩ ንሃገርናን ንህዝባን ብኸምዚ ንሕስያ ዘየብሉ ኣገባብ ዝድህኮም ዘሎ? ዝብል ሕቶ መሰረታዊ ኮይኑ፡ ውዱእ መልሱ ንምርካብ ግና ኣጸጋሚ እዩ። ኣጸጋሚ ዝኸውን መልሲ ስለ ዘየብሉ ዘይኮነስ ንሕና እቶም ንህግደፍ ምስ ሓተትና እሞ ካብኡ ውዱእ መልሲ ስለ ዘይንረክብ፡ ነናትና ናይ እማመ መልሲ እነቕርብ ኣካላት፡ በቲ እማመ ክንሰማማዕ ከቢድ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብቲ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዝፈላልየና ቀንዲ ምኽንያት እቲ ጉጅለ ናይ ብምሉኣ ኤርትራን ህዝባን ጸላኢ ምዃኑ ንጹር ክነሱ፡ ገሌና ነቲ ጉጅለ ከም ናይ ሓደ ትሕቲ ሃገራውነት ዝመሰረቱ ኤርትራዊ ጉጅለ ወኪልን ተሓላቓይ ጌርና ከነቕርቦ ስለ እንፍትን እዩ። ንሓንሳብ ናይ ክርስትያን፡ ንሓንሳብ ናይ ትግርኛ፡ ንሓንሳብ ድማ ናይ ሓደ ኣውራጃ ተሓላቒ ብምምሳል። ብርኢቶና እዚ ነዚ ጉጅለ ምስ ኩሉ ሓጥያቱ  ንሓደ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ድማ ንሓደ ከባቢ ካብ ኤርትራ ምጽግዑ፡ ምስቲ ተወጢሕዎ ዘሎ ናይ ከፋፊልካ ምግዛእ ተንኮሉ ተደሪቡ ጠቓሚኡ እምበር ጐዳኢኡ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ሰልፍና ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉባአኡ ዝወሰኖ ፖለቲካዊ ውሳነ፡ “ሰደህኤ፡  ህሉው ስርዓት ህግደፍ፡ ድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ፡ ህዝቢ ናይ ምክፍፋል ሜላ ንተዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ክፋልካ ብህዝቢ ኤርትራ ዝቐርብ ንዝርሕቕን፡ ወይ ከኣ፡ ብፍሉይ ዝውክሎ ከምዘይኮነ ምነቱ ይገልጽ፣” ብዝብል ኣስፊሩ ዘሎ።

ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከለና ብዛዕባ ብዙሕነት ምዝራብና ናይ ግድን እዩ። እዚ ኩለመዳያዊ  ብዙሕነትና ብግቡእ ክመሓደር እንከሎ መልክዕናን መሰረት ሓያልነትናን ምዃኑ ሓቂ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓቅነቱ ኣብቲ እንሕበነሉ ታሪኽ ቃልስና ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ እዩ። ብዙሕነትና ብዝተጸንዐን ሓላፍነታውን ኣገባብ እንተዘይተመሓዲሩን  እንተዘይተቓንዩን ከዓ ብኣንጻሩ ክፋእናን በታኒናን ምዃኑ እቲ ሎሚ ኣብ ሕልና ኩላትና ዘንጸላሉ ዘሎ ስኽፍታ ምስክር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንሃገርና ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መራግእቲ ዘየብሉ ሕማቕ ነገር ከም እትወድቕ ዝገበረ፡ ነቲ ኣይፋልካን ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን ክብሎ ዝግበኦ ዝነበረ ህዝቢ፡ ዘዝጥዕሞ መፈላለዪ ዘንጊ ማለት፡ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ዕድመ፡ ተሳልፎ ኣብቲ ዝሓለፈ ቃልሲ፡ ጾታ፡ ከባቢ …  ወዘተ እንዳመዘዘ፡ ነቲ ብሓባር ኣንጻሩ ወቒዑ ከድምዕ ዝግበኦ ቅልጽምን ተዛሪቡ ከስምዕ ዝግበኦ ልሳንን ኣብ ነንሕድሕዱ ከተፋንኖ ተንኮላት ክኣልም ስለ ዝጸንሐ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ንደገ ብዝስማዕ ድምጺ’ኳ “ምትፍናን ንረብሓይ ኣይኮነን” እንተዘይበለ ብውሽጡስ መጻወድያ ህግድፍ ንጥፍኣቱ እምበር ንልምዓቱ ከምዘይኮነ ኣይሰሓቶን። ካብቶም ህግደፍ ናይ ምፍልላይ መርዚ እንዳነስነሰ መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ክገብሮም ዝፍትን ኣካላት ህዝቢ፡ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ሕርጓቶ ህግደፍ ዘራኸቦም ውልቃውያን ኩሎም ተረባሕቲ ኣይኮኑን።

እሞ ትንፋስን ቀጻልነትን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝተገልጸ ዘይእሙን ባይታ ዝተሰረተ ካብ ኮነ፡ ንሕና እቶም ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ትንሳኤን ሃገርን እንቃለስ ዘለና ኣካላትከ ኣብ ዓወት ንክንበጽሕ ኣየናይ መንገዲ ኢና ክንመርጽ ዝግበኣና?። ብዓይኒ ቅንዕና እንተርኢናዮ እዚ ሕቶ እዚ ምሉስ እዩ። ንሕና ንጉጅለ ህግደፍ በቲ ንሱ ዝጽበየና ሜላ ቃልሲ ኣይኮናን ክንገጥሞ ዝግበኣና። ብኣንጻሩ በቲ ስሙ ክለዓል እንከሎ ጥራይ ዘንጸራርዎ ሓድነት ዝመሰረቱ ኣገባብ ኢና ከነጥቀዖ ዝግበኣና። ህግደፍ ረብሓኡን ቀጻልነቱን ኣብ ምርሕሓቕን ምትፍናንን ናይቲ ተሰሚሩ ከጥፍኦ ዝኽእል ህዝቢ እንተኾይኑ፡ ንሕና ድማ ነቲ ህግደፍ ዝሰግኦ ሓድነት ናይ ኩሎም እቶም ኣብ ውድቀቱ ዝረብሑ ኣካላት ከነውሕስ ኢና ክንሰርሕ ዝግበኣና። ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዘይቅዱስ መፈላለይ ቀጥዕታት ጥራይ ኣይኮነን ዝድረት። እንተላይ ናይ ውድባት ድዩ ናይ ማሕበራት ምፍንጫላት እውን ንረብሕኡ እዩ። ንረብሕኡ ካብ ኮነ ከዓ ዓቕሙ እንተዘይደሪትዎ፡ ደድሕሪ ዝኾነ ፍልልያት እንዳኸደ ከምዘይዕረ ካብ ምግባር ድሕር ከም ዘይብል ኣይንዘንግዕ።

ንሕና ነቲ ኣካቢ ኣገባብ ክንመርጽ ናይ ግድን እዩ። ክንመርጽ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ዝመረጽናዮ ከነተግብር ድማ ዋጋ ክንከፍል ይግበኣና። ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ንተቐራሪብካ ምስራሕ ዘራጉድ እንተዘይኮይኑ ዝትክእ ምርጫ የብልናን። እዚ ክንብል እንከለና ምኽኑይ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ኣይሃልወና፡ በዚ ናይ ርኢቶ ምፍልላይና ተደሪኽና ብዙሓት ውድባት ወይ ማሕበራት ኣይሃልዋና ማለትና’ውን ኣይኮነን። ህላወ ኣብዘሓ ውደባ እሞ ከም ሓደ ደሞክራሲያዊ መሰል ተቐቢልና እንሰርሓሉ ዘለና እዩ። እዚ መሰል እዚ ግና ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘይገናዝብን ብሕጊ ውደባ ዘይግዛእን ፍኑው መሰል ኣይኮነን። ምኽኑይነት ኣብ ኩሉ ስጉምትታትና ቦታ ክረክብ ዝግበኦ ቀላሲና እዩ። እቲ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና፡ እዚ ብዙሕነትና ነቲ ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ክንገብሮ ዝግበና እሞ ክሳብ ሕጂ ብመንጽር ባህጊ ህዝብና ዘየዕወትናዮ መኸተ ብዘዳኽም ወይ ብዘዕንቅፍ መንገዲ ክተሓዝ ከም ዘይግበኦ’ዩ ። ምፍልላይና ዓቕሚ ጥራይ ኣይኮነን ዘስእነና። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እውን ተኣማንነት የስእነና። “ንርእሶም ዘይኮኑስ ህዝቢ ክእክቡ” ንበሃል። እዚ ኣበሃህላ እዚ ስንብራቱ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ጸገም ህዝብና ክንገልጽን ደገፍ ክንሓትትን እንከለና እውን ክብደትን ተሰማዕነት የስእነና። ናይ’ዚ ሓቅነት ንምርግጋጽ ኣብ ርእሲ እቲ ብሓባር ብሰንኪ ዘይምምራሽና ዘጋጥመና ዘሎ ዕንቅፋታትን ዝሕተላን ካብ ናትና ክውንነት ወጻኢ እውን ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል ናይ ከባቢ ተመኩሮታት ኣለና። ዝምኮረሉ ዘይረኸበ ተሞኩሮ ግና መኻን ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ኣብ ምንጽጻግን ተመዓዳዲኻ ምርእኣይን ኩነታት ምህላውና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ነዚ ዘተሓሳስብ ገፍጣዕ ኣተሃላልዋ ግቡእ ፖለቲካዊ መልክዕ ኣትሒዝና ክንጐዓዝ ብዘይምኽኣልና ሰንከልከል ኣብ ንብለሉ ዘሎና ኩነታት፡ ከምቲ “ንበዓል ነጐዳ ሓዊ ደብሶ” ዝበሃል ካልእ መሊሱ ናይ ሓባር ሓይልኻ ዝርምስ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ድማ ህግደፍ “መጺኻለይዶ ክጽበየካ”  እንዳደረፈ ሓንጐፋይ ዝብሎ ሓድሽ ቅዲ ምፍልላይ ክቀላቐል እንከሎ፡ እምበርዶኸ ሃለዋት ህዝብና ይስቆረና ኣሎ እዩ የብለካ። ንኣብነት ሓድሽ ቅዲ “ብደረጃ ኣውራጃ ንወደብ።” ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ ስለ ዝኾነ ኢና ኸዓ  “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ንብል ዘለና። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ውሳነ ሰደህኤ ንኣውራጃዊ ምምሕዳር ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ኣተኣታትይዎ ዘሎ ዞባዊ ምምሕዳራት ብምውድዳርጠለብ ህዝቢ ኣብ ግምት ተወን፡ ምምሕዳራዊ ስሉጥነትን ተመጣጣኒ ቁጠባውን ባህላውን ባለ ዘውሕስን መጽናተገይሩ፡ ብዝምልከቶ ሓጋጊ ኣካል ምስ ጸደቐ ሓድሽ ስርዓተ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኪግበር፤ ወይ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኣድላይነት ከም ዘይብሉ ድሌት ህዝቢ ምስ ዝኸውን፡ ቅድሚ 1995 ዝነበረስርዓተ- ኣውራጃታት ዳግም ክስርሓሉ፡ ምነትን ድሌትን ሰዲህኤ ምዃኑ ጉባኤ ኣስሚሩሉ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ምርባሕ ውድባት ከም ሓደ ሕዱር ሕማም ዝረኣ? ዝብል ሕቶ ካብቲ ብጻዕቂ ናብ ደንበ ተቓውሞ ዝለዓል ሕቶታት እዩ። ነቲ ዘሎ ብዝሒ ውዳበታት ዘይምኽኑይ ፍልልያቱ ገሊፍካ ናብ ቅርጥው ዓቐን ንምምጻእ ቃልሲ ኣብ ዝካየዱ፡ ሓድሽ ማሕበር ወይ ውድብ ተመስሪቱ ክውረይ እንከሎ’ውን ከምኡ እዚ ሕቶ ይለዓል። ገለ ወገናት ነዚ ሕቶ’ዚ ዝህብዎ መልሲ “እቲ ዝቐደመ ውዳበ ስለ ዘየድመዐ እዩ ሓድሽ ውዳበ ዘድልይ” ይብሉ። እቲ ዘይምድማዕከ ካብቲ ግኡዝ ውዳበ ድዩ ወይስ ካብ ዘይምብቃዕ ናይቶም ኣብቲ ውዳበ ዘለዉ ተዋሳእቲ? ዝብል ሕቶ ክስዕብ እንከሎ  ከዓ መልሲ ንምርካብ ውጥይጥይ ይኸውን። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና እምበኣር፡ ውድብ ናይ ብዙሓት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት መዋስኢ ሜዳ ምዃኑ እዩ። ውድብ ጥራይ ዘይኮነ ግንባራትን ልፍንትታትን’ውን ከምኡ ናይ ብዙሓት ውዳበታትን ኣተሓሳስባኦምን ናይ ሓባር መዋስኢ እዩ። ኣብዚ ሜዳዚ ካብቲ ዝምዝገብ ዓወታትን ዘጋጥም ፍሽለታትን ምስቶም መዋስእትኻ እትካፈለሉ እምበር በይንኻ ተዓዋታይ ከም ዘይትኸውን ኣሚንካ ኢኻ ናብቲ ሜዳ ትወርድ። ነቲ ሜዳ ቃልሲ ናይ ግድን ናይ በይነይ ክገብሮ እየ ኢልካ ምስ እትብገስ’ሞ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበኻዮ ኣብ ዘይኮነሉ ከዓ ፍልልያት ይፍጠር። ምናልባት’ውን እዚ ፍልልይ ናብ ምፍንጫል የምርሕ። ኣብዚ እቲ ጸገም ናይቲ ኣቐዲምካ ዝመረጽካዮ ሜዳ ቃልሲ ዘይኮነስ ናይቶም ተዋሳእቲ ዘይጸዋር ኣቀላልሳ እዩ። ውጽኢት ከም ዝደለኻዮ ኣብ ዘይኮነሉ እቲ መፍትሒ ኣብ መስርሕ ንጉዳያት ናብ ረብሓኻ ከተምጸኦ ስንኻ ነኺስካ፡ ካብ ተመኩሮኻ እንዳተመሃርካ፡ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ እንዳኸፈልካ ምቕጻል እምበር፡ ሓድሽ ሜዳ ቃልሲ ምቕያር ኣይኮነን። እቲ ዝሃደምካሉ ምዕባለ ኣብቲ ዝተዓቖብካሉ ወይ ከም ሓድሽ ዝፈጠርካዮ መድረኽ’ውን ክጸንሓካ ስለ ዝኽእል እሞ ኣብ ህድማ ክትነብር ስለ ዘጸግም።

29 ሕዳር 201

 

 

ንመገዲ ዓወት ዝዕንቅጽን፡ ሓሊኹ ዝሕዞን መሰረታዊ ይኹን ዘይመሰረታዊ ግርጭት መሚኻ መዕለቢ ዘይምግባር ካብቲ ሽግራት ሓደ እዩ። ብተወሳኺ ሓደ ሕብረተሰብ በቲ ሕጊ ድሑር ማሕበረ ባህላዊ ዝምድናታት ተገዚኡ  ንዝጎዓዘሉ ኣተሓሳስባታት ንምእላይ ዘይምብቃዕና እውን ጸገም እዩ። ምኽንያቱ እዚ ድሑር ምትእስሳራት ዘምጽኦ ሳዕቤን  ናብቲ ቀንዲ ተልእኾ ዘብጽሕ ፖለቲካዊ ይኹን ቅኑዕ ማሕበራዊ ዝምድናታት ዝብሕጉግ ኮይኑ፡ ነቲ ንዓወትና  ዓንቃጺ ዝኾነ ጉዳይ  ንኸየነድህብ ዝጋርደና እዩ።

ዝኾነ ይኹን፡ ብድሑር  ምትእስሳራት ዝጥርነፍ ዘበለ ሕብረተሰብ፣ ነቲ ቅኑዕን ኣገዳስን ጉዳያት ግጉይ ሚዛናትን ገምጋምን ይህብ እሞ፡ ደቂ ሰባት ሓቢሮም ንዘለዎም ጸገማት ብዕምቈት ብዘይሻራነት ንኽይመራመሩ ይዓግቶም። እዚ  ከኣ ብወገኑ ነቲ ሕብረተሰብ ፖለቲካዊ ብስለት ከም ዝስእን ይገብሮ፣ ነቲ ክውንነት ብቄናን መገዲ ክፍታሕ ናብ ዝብል የምርሕ። ካብ ፖለቲካዊ ዘይብስለት ዝነቐለ ድማ፡ ንጸቢብ ረብሓታት ክብል ፈሊጥካ ምድንቋር እውን ሰለዘስዕብ፣ ነቲ ሓቅታትን ጭብጥታትን ናይ ምድፋንን ሰብ ክርድኦ ከምዘይክእል ንምግባር እውን ሓጋዚ ተራ ኣለዎ። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ናይ ቀቢላዊ ወይ ናይ ዓሌት ዝተመርኮሰ ኣተሓሳስባ ይነግስ እሞ፣ ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ ስምዒት ይሃስዮን ይቖጽዮን ንድሕሪት ይጎቶን። ውጽኢቱ ከኣ ናብ ዕዉር እምነት ማለት ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት፡ ይኹን ቀቢላዊ ወይ ብሄራዊ ወይ ኣውራጃዊ ምጥርናፋት ገጹ ከም ዝጽጋዕ ይገብሮ። ነቲ ሓቢርካ ክተዐዉቶ ዝግባእ ሃገራዊ ረብሓ ድማ ይዕንቅጽ።

እዚ ከምዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ናብ ናይ ዓሌት ወይ ሃይማኖታዊ ጥርፉነት ወይ እውን ብሄራዊ ወይ ኣውራጃዊ ጽጊዒነት ገጹ ምስ ዘምርሕ ነታ ሃገር ክትሃንጽ ይኹን በደላት ዝፍትሑሉን ግፍዕታት ዝውገዱሉን ኣይሕግዝን እዩ። ብተወሳኺ  እቲ መራኸቢ ብዙሃን ማለት ማሕበራዊ መድያ ከም ፓልቶክ፡ ፈስቡክ …ወዘተ በዚ ኣተሓሳስባታት እዚ ምስ ዝጽሎ  ስነምግባር ዝጎደሎ ኣገባብ ስለዝኽተል መሃሪ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ንፋሕ ብትን ዝዕድም ይኸውን።  እዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ነጥብታት ተደማሚሩ  ደቂ ሰባት ኣየብዚ ኣየብቲ  ላንጋላንጋ ኮይኖም ነቲ ሓቂ ንምጭባጥ ከምዝሳቐዩ ይገብሮም።  በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ጎደና ይብሕጎግን ነቲ ዓወት ድማ ኣብ ክንዲ ዝቀላጠፍ ይደናጉዮ።

መገዲ ዓወት ደኣ ከመይ ዝበለ ጥጡሕን ልሙጽን ጎደና ክኸውን ይከኣል? ዝብል ሕቶ ከቀላቐል ናይ ግድን እዩ።  መጀመርያ ትልሚ መገዲ ዓወት ውዳቤ እዩ። ዋላ እኳ ውዳቤ ግጉይን ቅኑዕን ውደባ እንተሃለወ፡  ውዳቤ ካብ ናይ ሓባር ዕላማን ራእን ዝብግስ ስለዝኾነ ደቂ ሰባት ነቲ ዝኣመኑሉ ንኸዕዉቱ ተኾይኖም ክውደቡ ኣለዎም። ምኽንያቱ  ካብ ውዳቤ ወጻኢ ዝካየድ ቃልሲ እቲ ህዝቢ መምዩ ዘርብሖ ኣየናይ እዩ ግጉይ ኣየናይከ እዩ ቅኑኦ ክፈሊ ስለዘይክእል ብዙሕ ሓደጋታትን ጉድኣታትን  ከስዕብ ይኽእል። እቲ ወጻኢ ካብ ውደባ ዝንቀሳቐስ ማለት ብደገ ኰንካ ንውደባ ምስንኻሉን ወይ  ኣየድልን ብምባል ምቁንጻቡን ነቲ ስነፍልጠት ዝጻረር ኮይኑ ብቐንዱ ድማ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ምድጋፍ መለሳ የብሉን። ከምይሲ፡ ጨቋኒ ስርዓት ኩሉ ግዜ ንውደባ እዩ ዝጻረርን ዝጸልእን።

እዚ ውዳበ እዚ ፖለቲካዊ ይኹን በርጌሳዊ ብመሰረቱ (hierarchy) ጽፍሕታት መስርዕ ሓለፍነት ወይ መዝነት ዝስከምን ዝመርሕን እንተዘይሃልይዎ ብፍንው መገዲ ዝኸይድ  መደብን ዕላማን ዝዕወት የሎን። ከመይሲ ‘’ዘራጊት ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ’’ እዩ ክኸውን ነገሩ። ነቲ ዝተተለመ ትልሚ ኣቕጣጭኡ ሒዙ ንኽጎዓዝ ዘኽእሎ ስትራተጂ ወይ ክሳድ ውጥን ምስ ኣውጻእካሉ፡ ነቲ ውጥን  ዝከታተሎን ዝኣልዮን ወይ ዝመርሖን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ዕላማን መደብን  ክሕንጸጽ ከሎ ናብቲ እትደልዮ ሸቶ የብጽሕ ድዩ ኣይብጽሕን ብእትቕይሶ ኣወዳድባን  ስትራተጂን (ክሳድ) ብእትምዝዞ መሪሕነትን እዩ። ንኣብነት ሰላማውን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ፡ ወይ ከኣ ምልኪ ንምልጋስ እንተኾይኑ እቲ ዕላማ፡ ናብዚ ከብጻሓካ ዝኽእል ኣወዳድባ ኣውራጃዊ፡ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ዝይኮነስ ሃገራዊ ውደባ እዩ ክኽውን ዝግበኦ። እቲ እትኽተሎ  ስትራተጂ ድማ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ዝኸውን ከኣ ናብ ፖለቲካዊ ፋታሕን ፍትሕን ኣየብጽሕን እዩ። ከመይሲ ካብ ሃገራዊ ውደባ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ነታ ሃገር ብቦምብታት ክሳብ ሓሪጭ ትኸውን እንተደብደባ  ናብ ፍትሒን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ወይ ግዝኣተ-ሕጊ  የብጽሓካ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ እምበኣር ናብ ስልጣኔ ገጹ ዘምርሕ ኣገባብ ብምኽታል ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዕላማ ዘውሕስ ጥጡሕን ዘተኣማምንን  ባይታ ብምፍጣር እዩ ንዓወት ዝምርሕ። ካብኡ ብዝተረፈ ስትራተጂና ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም  ወይ እውን ውዳቤና ንሃገር ዝይሓቍፍ መሰለይ እንዲዩ እልካ ፊን ብዝበለካ ምውዳብን ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዘየብጽሕ መገዲ ዕንወት እዩ ክኸውን።

ካብዚ ብምንቃል እምበኣር፡ ነቲ መጠርስታ ክትበጽሖ እትደሊ ዕላማ ብግቡእ ክተጽንዖን ክትመራመረሉን ብኡ መጠን ከኣ ህዝቢ ሓንጎፋይ እሉ ዝቕበሎን ክኸውን ኣለዎ። እዚ እቲ ናይ መጠርስታ ውጽኢት ምስቲ ኣገባብ እትወስዶ ምስ ዘይወሃሃድን ብእወንታውን  ስነፍልጠታውን  ኣተሓሳስባ  ምስ ዘይስነን ግና ዝጭበጥ ዓወት ንዕላማ ሃገራዊ ረብሓ ከውሕስ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ንምግባር እምበኣር፡ ሓደ እቲ  እንደልዮ ዕላማ ንዘሎና ግድላትን ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታትን  ክፍጠሩ ዝኽእሉ ስግኣታትን ዘጓሃህር ድዩ ወይ ዘደቓቕስ ማለት ፍታሕ ዘምጽእ ኢልና ኣቐዲምና ክንሓስበሉ ይግባእ። ከምኡ እውን ነቲ እንደልዮ ዕላማ ንህዝቢ ዘዕግብን ንህዝቢ ዘቕስንን ውጽኢት ክህብ ድዩ ኣይክህብን ክምርመርን ክጽናዕን ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ነዚታት ከየጽናዕና እንወስዶ ኣገባብ ይኹን እንትልሞ ዕላማ፣  ሰላም፡ ቅሳነት ምርግጋእ፡ ሓድነት፡ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ።  ካልእ ምስ እዚ ዝኸይድ ድማ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ምምስራትን ምዕንባብን የድሊ። ብዚ መሰረት እቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ ምፍላላይ፣  ንጉዳያቱ ባዕሉ ፍታሕ ናይ ምርካብ ኣንፈት ክሕዝን፡ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ርጉእ ባይታ ንኽምድምድ ይሕግዞ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ዝርከብ ህዝብና ኩሉ ውጹዕ ብምዃኑ ደጋፍን ተቓዋምን ብምባል ኣብ ክልተ መቒልና ክንዋሳእ ከሎና ብምልኣት እታ ሃገር ንቋመር ኣሎና እዩ ዘስምዕ። ምኽንያቱ እቲ ደጋፊ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ፍርሂ፡ ውልቃዊ ረብሓ፡ ወይ ክቱር መግዛእቲ ዘስረጾ ተማእዛዝነት ንምልኪ ኣንተዘይከይኑ፡ ከም ሰቡ ካብቶም ግፉዓት ክፍሊ ናይ ሕብረተሰብና እዩ። ስለ'ዚ ድማ ከም ናብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ንኽጽንበር፡  ተኸታታሊ ጻዕርታት ምክያድ እምበር፡ ከም ዝርሕቕ ምግባሩ ኣየድልን። ደገፍቲ ምልኪ፡ ግዜ ዘታለሎም፡ ኣካል ጭቑን ክፍሊ ሕብረተሰባን እዮም። በዚ መሰረት እዚ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ጥራሕ  ብምምቃል ዝካየድ ወፈራ ንልቦና ደምበ ተቓውሞ የህስሶ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ክድሕን ኣንደልዮ ዘሎና ሃገርን ህዝብን እውን፡ የሰናኽሎ ወይ ኣንተወሓደ ንምዕዋትና የደናጒዮ እዩ ዝእምት። ካልኣይ ነጥቢ ድማ ነቲ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ጉዳይ ሃገር፡ ኣበየና መስርዕ ኣሎ ብዘየግድስ፡ ንኹሉ ሃገራዊ ዝምልከት ምዃኑ ክዝንግዕ የኽእል እዩ። ዘይነዓቕ ኣካል ናይ ህዝብና ድማ ኣብ ክንዲ ተግባራዊ ምውሳእን ምሕጋዝን፡ እዘን ውድባት ጸጸኒሔን ብምጭጭሐንን፡ ሓደ ብዘይምዃነንን፣ እዚ ኣይገበራን ሓንቲ ኣይሰርሓን ኢሉ ኣብ ምምራርን ምጥራዕን ከምዝሕጸር ክገብሮ ይኽእል እዩ። ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ፋሕፋሕ ኢሉ ዘሎ ደምበ ፍትሒ ክሰምርን ሓደ ክኸውንን ተጽዕኖ ክገብር ናቱ ሓላፍነት ጌሩ ዝሰርሓሉ፡ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ከም ዝስሕትን ከም ጉዳዩ ገይሩ ንኸይወስዶን ይገብሮ። ስለዚ፡ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓባር ኮይኑ ነዛ ሃገርን ንኹልና ብሓባር ክጠምርናን ከቀራርበናን ዝኽእል ጎደና ክጸርግ የድሊ። እቲ ኣብ መገዲ ዓወት ዘብጻሕና ከኣ ሓባራውን ሃገራውን ረብሓ እምበር ብናይ ዓብላልን ተዓብላልን፣ ወይ እውን ብደጋፍን ተቓዋምን ዝምስረት  ዕላማ  ናብቲ እንደልዮ ምህናጽ ዲሞክራሲያዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ኣየኺደናን እዩ።

ካልእ  ንህዝብን መንእሰያትን ዘደናግሩ ክነስተውዕለሎም ይግባእ። እዚ ማለት ኩልና ደለይቲ ፍትሒ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ንገበነኛን ንተጠቃዕን ብማዕረ ዝርኢ ሕጊ ንምሕንጻጽን ብኡኡ ምምእዛዝን  እምበር ሕነ-ንምፍዳይ ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ እቲ ቀዳማይ ዕላማና ግደፍዶ እቲ ንስልጣን ራሕርሑ ክጽምበረኩም ዝበለ  ሓላፊ ይኩን ተራ፣  ነቲ ምስቲ ስርዓት ዝደጋገፍ ኣካል ካብቲ ስርዓት ናይ ምምምዝሓቑ እዩ ቃልስና። በዚ ምኽያት እቲ ኣብ ድምበ ፍትሒ ክጽምበር ዝሃቀነ ኣካል ነቲ ሕሉፍ ታሪኹ ዝምርምር እቲ ህዝቢ ዝመረጾ ቅዋም ምስ ተሓንጸጸ እምበር ሎሚ ንህዝቢ ይቕረታ ስለዝበለ ካብ ደሙ ነጺሁ ማለት ስለዘይኮነ መርሓባ ኢልና ክነሳትፎ እዩ ዝግባእ።  ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ  ፍረ ኣድሪ ዝደቐቐት እውን ትኹን ትፈላልይና ነጥቢ ክነቐልቅል ኣይግባእን። ምኽንያቱ ጸላኢ ብኡ ኣቢሉ እዩ ኣብ ጉዳይና ፎግፊጉ ክኣቱን ክፈላልየናን ዝጽዕር። እሞ ብፍላይኳ ምሁራትና ነቲ ስርዓት ራሕሪሖሞ ንዝመጹ ኣብ ክንዲ ይቕረ ኣይበሉን ዝብል ኣበር ዘለዎ ኣስተምህሮ ዝህቡና ገዲፍና፣ ንገዛእ ርእሱ እቲ ምሁር እንታይ እጃም የብርክት ኣሎ እልና  ክንጸባጸብ ይግባእ። እዚ ይቕረ ኣይበሉን ኢልካ ናይ ምኽሳስ ብቐጥታ ነቲ ስርዓት ኣይትራሕርሕዎ እንታይ ደኣ ህዝቢ ንኽጭቆንን ክግፋዕን ኣገልግልዎ ዝብል ኣስተምህሮ እዩ ዘስምዕ።

ብተወሳኺ ኩልና ከም እንርድኦ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ እቲ ጉድለታት ኣብ ኩልና ከምዘሎና ንኣምን እና። እቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ግን ነቲ ጎደሎታትን ጌጋታትን ኣሎና ምባል እምበር መንን ስለምንታይከ እዩ እቲ ናብ ከምዚ ዘብጸሐ ክንመራመርሉ ኣይንደልን። እዚ ከኣ ከም ጋሻ ውሒጅ ንኹሉ ብኣልማማ ኣሕቢርካ ምጽራጉ፣ ነታ ሓቂ ምድፋን ስለዝኾነ ጌጋታት ኣሎ ካብ ተባህለ ዛንጣ -መዓንጥኡ ክነውጽኡ ናይ ኩልና ግደ እዩ። እዚ ምስ ንገብር ድማ እዩ እቲ መገዲ ዓወት ጥጡሕ ባይታ ረኺቡ እቲ ኣሎ ዝበሃል ኵርኳሕ ዝጽረግን ብዘይዕንቅፋት ዝቀላጠፍን።

ሎሚ እምበኣር፡ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ፣ ኣብቲ ስርዓት ኢስያስ ዝነበሮ እምንቶ እናጎደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስርዓት ኢሳያስ እውን እንተኾነ፡ እቲ ዝነበሮ ክብሪ ኣዝዩ እናጎደለን እናሓሰረን ይኸይድ ስለዘሎ እቶም  ጽባሕ ገዲፎሞ ዝኸዱ ዉሑዳት መጋበርያታቱ፡  ጥራሕ እዩ ሒዙ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ህሞት እዚ፡  ኣብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ ሕጊ ረብሓ ዘለዎም እቶም ውጹዓትን እንተላይ እቶም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ ኩሎም ማሕበራዊ ሓይልታት ዘጠቓልል ዕላማን መደብን ምሕንጻጽ ንመገዲ ዓወት ጥጡሕን ልሙጽን ይገብሮ።

ብድራር መንታይ