ምንጣርስ ይትረፍ፡ ፍሒዅ ኢልና ውን ክንከይድ ኣይከኣልናን

2015-01-07 18:12:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 6383 times

ኵሎም ናይ ዓለም ዲክታቶርያውያን ዝልለዩለን ናይ ሓባር ረቛሕቲ ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡

1ይ. ተፈራሕቲ ክዀኑ ይደልዩ፤

2ይ. ጸላእቲ ኣለዉና ብዝብል ምስምስ ንህዝቢ ብሃገራዊ ስምዒት የስክሩ(Nationalism)፤

3ይ. ካብ ናቶም ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ክህሉ ኣይፈቕዱን። ንስነስርዓት፡ ተማእዛዝነትን ተወፋይነትን ኢዮም ዘተባብዑ ወይ ድማ ቀዳምነት ዝህቡ፤

4ይ. ምስጡራት ክዀኑ ይደልዩ።

ኢሳያስ ኣፍወርቅን ስርዓቱን ምስ'ዚ መግለጺታት'ዚ ምሉእ ብምሉእ ይሳነዩ ኢዮም። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ'ቲ ብ30 ታሕሳስ 2014 ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት፡ እቲ ዘሎ ሰራዊት ውሒድዎስ፡ ህዝቢ ብምሉእ ሰራዊት ኢዩ ብምባል፡ ንዅሉ ህዝቢ ከዕጥቕን ክዕስክርን ዘለዎ ድሌትን ሕልናን ብዘይ ሕብእብእ ኢዩ ደርጒሕዎ። እዚ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ናይ ሎሚ መጸዋዕታ ናይ ህዝቢ ንታዕሊምን ቀውዒን ብሓደ ምምጻኡ ኣብ መቐራቕሮ ዘእቱ ኵነታት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብ ኣብ ዓውዲ ዘሎ ቅሚጦ ኣኺድካ ምእካብ፡ ታዕሊም ቀዳምነት ክውሃቦ ከምዝመርጽ ሕንኽ ከይበለ ገሊጹ (trade off)። ንኢሳያስ፡ ህዝቢ ይጥመ፡ ይሰደድ፡ ይሕመም ብዙሕ ዘገድሶ ኣይኰነን። ዘገድሶ፡ ስልጣኑ ኢዩ። ንህዝቢ ጽቡቕካ ዘይደልዩ ጸላእቲ ኣለዉኻ፡ ኣይትደቅስ፡ ኣይትቕሰን እናበለ፡ ንሃገራዊ ስምዒታቱ ብምቕስቓስ ኣንጻሩ ከይልዓል ይገብሮ።

ብተወሳኺ፡ ኢሳያስ፡ ኣብ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፡ ሰራዊት ኣብ ድፍዓት ክሓድር ከሎ፡ ንስኻ ጥዒሙካ ክትነብር ወይ ኣብ ዓራትካ ክትድቅስ መን ዝሃበካ ሓለፋ ኢዩ ብምባል ንህዝቢ ብመላኡ ብማዕረ ክዕስክሮን ከድክዮን ከምዝደሊ ከይሓብአ ሃህ ኢሉ ኢዩ ተዛሪቡ። እወ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ'ዚ ኣተሓሳስባ።ዚ ተበጊሱ፡ ንዩንቨርሲቲን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ከይተረፈ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከርን ዲሲፕሊንን ዝቐየረ (regimentalize ዝገበረ) ስርዓት ኢዩ። በዚ ኣቢሉ ክበጽሖ ዝደሊ ዕላማ ድማ፡ ንህዝብን ጐረባብትን ኣፈራሪሑን ኣማእዚዙን ጐብለል ኰይኑ ዝድላዩ እናፈጸመን ዝድላዩ እናረኸበን ምንባር ኢዩ።

ቅዋም ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ "ቅዋም ከምዘየለ ኩሉ ሰብ ስለዝፈልጦ፡ ናይ ቀደም ቅዋም ነይሩ፡ ሞይቱ፡ ተንሲኡ... ክብለካ ኣይደልን እየ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ 15  ዓመታት ኣብህላወና፡ ሉኣላውነትና፡ ዕብየትናን ልምዓትናን ከጋጥሙና ዝጸንሑ ብድሆታት ኣልዒለውን መመኻነዪ ከምጽእ ኣይደልን እየ። መብዛሕትኡ ናይ ፖለቲካ ገስጋስ ጉዕዞና፡ ብኸምዝኣመሰለ ዕልቕልቓትን ናይ ደገ ምትእትታዋትን፡ ሓንሳብ ብህቦብላ ሓንሳብ ብማዕበል ሓንሳብ ብሓጹራት እናተዓንቀፈ ስለዝኸደ፡ እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ"  ኢሉ።

ክንደይ ገንዘብን ጕልበትን ህዝብን ፈተወቲ መንግስታትን ዝባኸነሉ መስርሕ፡ ብባይቶ ኤርትራ ጸዲቑ ተባሂሉ ዝተኣወጀን ዝተዘመረሉን ሰነድ ብኸም'ዚ ዝኣመሰለ ናይ በጋሚንዶ ኣገባብ ሞይቱ'ዩ ተቐቢሩ'ዩ ኢልካ ምዝራብ ብሓቂ ዘስደምምን ንኽትርድኦ ዘጸግምን ጕዳይ ኢዩ። ነቲ ነዚ ሰነድ ዘጽደቐ ባይቶን ህዝብን ድዩ ረሲዕዎም ወይስ እዚኦም ውን የለውን፡ መይቶም ኢዮም ኢዩ ክብለና ዝፍትን ዘሎ?!!!! ከም'ዚ ምስ ተረኽበ ድማ ኢዩ "ኣብ ክንዳኺ ሓፊረልኪ፤ ወይ ኣብ ክንዳኻ ሓፊረልካ" እናተባህለ ዝዝረብ።

ቀጺሉ፡ "...ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትና፡ ዕብየትና፡ ልምዓትና ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝተገብሩልና ዕንቅፋታት ከም መማኻናዪ ከምጽኦም ኣይደልን'የ..."ክብል ጸኒሑ፡ ተመሊሱ ድማ ከም'ዚኦም ዝኣመሰሉ ዕልቕልቓት፡ ሓንሳብ ህቦብላ፡ ሓንሳብ ድማ ማዕበል ኰይኖም ስለዓንቀፉና ኢዩ ቅዋምና ከይተኣወጀ መይቱ ዝብል ተጋራጫዊ መግለጺታት ክህብ ተሰሚዑ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ቅዋም ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ግዳም ምትእትታውን ዕልቕልቕን ኢዮም ቀቲሎሞ ኢዩ ክብለና ዝፍትን ዘሎ።

ቅዋም ኣብ መንጐ ህዝብን መንግስትን ዝእቶ ማሕበራዊ ውዕል ወይ ኪዳን (social contract) ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ክንደፍ፡ ክጸድቕ፡ ክመሓየሽ፡ ወይ ከም'ዚ ስርዓት ኢሳያስ ዝገበሮ ክቕተልን ክቕበርን ከሎ ህዝቢ ብእዉጅ መንገዲ ክፈልጦ ይግባእ። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝግበር ውግኣት ውን ከምኡ፡ ብዘይኣፍልጦ ናይ ህዝቢ ወይ ህዝቢ ዝወከሎ ትካል ክካየድ የብሉን። ነዚ ሓቅታት'ዚ ንምድፋን... ክእወጅ ነይርዎ'ዶ ኣይነበሮን ዝብል ሕቶታት ወይ ክትዓት ንህዝቢ ምድንጋር እንተዘይኰይኑ ካልእ ትርጕም የብሉን። ነዚ ሕጂ ብምስጢር ዝዳሎ ዘሎ ናይ ኢሳያስ ቅዋም ባይታ ንምምድማድ ተባሂሉ ኢዩ እምበኣር ክእወጅ ነይርዎ'ዶ ኣይነበሮን? መን'ዩ ነዲፍዎ...ወዘተ ናብ ዝብሉ ቈይቊታት ክንኣቱ ኣይንደልን ኢና ዝብሃል ዘሎ። ቅዋም ከም'ዚ ኢሳያስ ዝገበሮ ዘሎ ኣብ ጸላም ወይ ኣብ ዕጽው ገዛ ኰይንካ ኣይንደፍ፡ ኣይጸድቕ፡ ኣይትግበር ። ቅዋም ክንደፍ፡ ክጸድቕ፡ ክትግበር እንተተደልዩ ናብ ዋናኡ ዝዀነ ህዝቢ ክምለስ ኣለዎ።

ከም ልምዲ፡ ዝዀነት ዓመት ክትዛዘም እንከላ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ እዛ ዓመት'ዚኣ ናብ ዝመጽእ ዓመት መንጠሪት ንምዃን ዘኽእላ ስርሓት ተኻይዱላ ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዓበይቲ ለውጥታት ክምዝገቡ ኢዮም እናበለ ከይተማባጽዓላን ተስፋ ከይሃበላን ዝሓለፈት ዓመት ኣይነበረትን። ናይ ሎምዘበን ውን ከምአን፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ሕተተኒ፡ ሰለስተ ዓመት ኣይብለካን ኣብ ውሽጢ 2015 ዓበይቲ ስርሓት ክምዝገቡ ኢዮም ኢሉ ንሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ኢንዱስትሪ፡ ማዕድን ... ወዘተ ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ። ብግብሪ ግን፡ ምንጣርስ ይትረፈና ፍሑኽ ኢልና ክንከይድ ውን ኣይከኣልናን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ወይ ኣብ ዝነበርናያ ደውታ፡ ወይ ድማ ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል ኢና ንኸይድ ዘለና።

ከም ነፋሒቶ መልክዓቱ ምቅይያር ዘይእግሞ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ምስ ህዝቡ ዝብሎ ካልእ ምስ ናይ ዓለም መንግስታት ዝብሎ ድማ ካልእ ኰይኑ ኣሎ። ብሓደ ሸነኽ፡ ካብ ተነጽሎን እገዳን ክወጽእ፡ ንምዕራባውያን መንግስታት ቅዋም ክገብር ኢየ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ክሓጽሮ ኢየ፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ኢየ እናበለ ኢዩ ክምሕልን ክጥሕልን ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ምስ ኤርትራውያን ክዛረብ ከሎ፡ ብኣንጻሩ ንሃገሮም ብዘይ ፍቓድ ራሕሪሖም ዝኸዱ ዜጋታት ተጣዒስና ኢሎም ክልምኑ ኣለዎም፡ እንተዘይኰይኑ ጽባሕ የራኽበና ክፍክር ኢዩ ኣብ ቃለመሓትቱ ተሰሚዑ። ከምኡ'ውን፡ ነብሲ ከምዘለዎ ክመስል፡ ንነብሱ ልዕሊ ሃገራትን መንግስታትን ምዕራብ ገይሩ ክፋላሰፍ ኢዩ ዝፍትን። እታ ተለቪዥኑ እኳ ብዘይካ ሕማቕ ናይ ካልኦት ጽቡቕ ኣይተምጽእን ኢያ።

ጥልመት ናይ ኢሳያስ ዝፈልጥ ሰብ በዚ ኵሉ ብስም ቃለመሓትት ወይ ብስም ሓድሽ ዓመት ዝግበር ዳንኬራን ትያትርን ክደናገር ኣይኽእል ኢዩ። ትማሊ ንስርዓት ብዙሓን ሰልፍታት ፋሽን ኰይኰነ ኢና ተቐቢልናዮ ክብል ጸኒሑ፡ ንጽባሒቱ ብዘይካይ ህግዲፍ ካልእ የለን፤ ካብ ህግዲፍ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣሎኒ ዝብል እንተሃልዩ ኣብ ጠፈር ክድለ ኣለዎ ክብል ተሰሚዑ። ተጣባቒ ቅዋም ኰይኑ ትማሊ ንህዝብን ፈተውትን ከድክምን ከህልኽን ጸኒሑ ሎሚ፡ ቅዋም ከይተኣወጀ መይቱ ኢዩ ክብለና ንሰምዖ ኣለና። ነቲ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ዲሞክራስን ከጓናጽፈካ ኢየ ዝበሎ ህዝቢ ጠሊሙ ሎሚ መላኺ ኰይኑ ክጭፍጭፎ ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ። ነቶም ትማሊ ናብ ስልጣን ዘምጽእዎ ብጾቱ፡ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ኣብ ማእሰርቲ የብልዮም ኣሎ። ስለ'ዚ፡ ባሻይ መን ኣመኖ፡ ጽባሕ ውን፡ ብዛዕባ'ዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ መብጽዓታት ካልእ ክዛረብ ምዃኑ ኣይንጠራጠር።

Last modified on Wednesday, 07 January 2015 19:21