በብዝጥዕመካ መንገዲ ምውዳብ” ማለት ከመይ ድዩ?

2015-01-13 03:47:28 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4070 times

ኣርዓዶም በርሀ

ምውዳብ ሰፊሕን ዓብይን ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ትርጉሙ ብሓጺር ኣገባብን ውሑዳት ቃላትን ምግላጹ ከም ዘጸግም ዘካትዕ ኣይኮነን። ብመንጽር ኣቲ ስፍሓቱን ኣገዳስነቱን ዝተፈላለዩ ናይ  ፖለቲካዊ ሳይነስን ኣወዳድባን ተመራመርቲ ንትርጉም ምውዳብ ብዝተፈላለየ መልክዓት ከም ዘቕርብዎ ርዱእ እዩ። ምውዳብ ናይ ዝተወሰነ ዕላማ ጥራይ መዕወቲ ጸቢብ ኣምር ዘይኮነስ ዝተፈላለየ ዕላማታት ንምዕዋት ዝካየድ ሰፊሕ ዘይዝለል ተግባር እዩ። እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ዓይነት ውደባ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምርግጋጽ ብዛዕባ ዝግበር ምትእኽኻብ ወይ  ምውዳብ ስለ ዝኾነ፡ ካብቲ ካልእ ውደባታት ዝፍለየሉ ባህርያት ኣለውዎ። ኣብ ሓደ መጽሓፍ ዝረኸብኩዎ ንውደባ ዝምልከት ሓጺር ትርጉም “ምውዳብ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ናይ ሓባር ዕላምኦም ንምዕዋት ዝገብርዎ ናይ ኣተሓሳስባ ምጥርናፍ እዩ” ይብል። በዚ ድማ ፖለቲካዊ ውዳበ ፖለቲካዊ እምነት ማእከል ዝገበረ ሓባራዊ ባህሪ ዘለዎ ተግባር ምዃኑ ንርዳእ። ኣድላይነት ውዳበ ካልእ ነብሱ ዝኸኣለ ዝርዝር ዘድልዮ ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታትካ ጠርኒፉ ዓቕምኻ ዘሕይል፡ ናይ ኣተሓሳስባ ውህደት ዝፈጥርን ክሳራታት ዘውሕድን ንጸላኢኻ  ወቒዕካ ተድምየሉ ስልቲ እዩ ምባሉ ዝኣክል ይመስለኒ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ውዳበ ሓይሊ እዩ። ዘይተወደበ ሓይሊ ኣይዕወትን እዩ እንብል። እዚ እንብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ተመኩሮና ብተግባር ዝተረጋገጸ\ውን እዩ። ብናተይ እምነት ሰባት በበቲ ዝኣምንዎን ዝመርጽዎን ኣገባብ ተወዲቦም ክቃለሱ ኣለዎም ክበሃል እንከሎ ዝቕልሶ ሕጊ ዘየብሉ፡ ፍኑው ምትእኽኻብ እዩ ማለት ኣይኮነን።

ሓባራዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኣካላት ብሓባር ይውደቡ፡ ክበሃል እንከሎ እቶም ተወደብቲ ውጹዓት ጥራይ ክኾኑ ናይ ግድን ኣይኮነን።  ወጻዕቲ እውን ቀጻልነቶም ኣብ ምውጻዕ  ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ ኣንጻርቶም ኣንጻር ወጽዓ ተሰሊፎም ዕድሜኦም ንክሓጽሩ ዝቃለስዎም ወገናት ንምብዳህ ናይ ወጽዓ ውዳበ ከካይዱ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንናትና ተመኩሮ ከም ኣብነት ክንወስድ እንከለና፡ ንሕና እቶም ውጹዓት ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ህዝብና ንምርግጋጽ እንብህግ ጥራይ ኣይኮነና እንውደብ። እቲ ወጻዒና ጉጅለ ህግደፍ እውን ናቱ ውደባ ኣለዎ። ስለዚ ሓቀኛ ትሕዝቶ ውዳበታትና ካብቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍለ፡ በቲ ንምዕዋቱ እንቃለሰሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ባህሪ እዩ። ናትና እምነትን ውዳበን ኣንጻር ወጽዓ ይስለፍ፡ ምእንቲ ራህዋ ድማ ይቃለስ። ናይ ህግደፍ ውዳበ ንወጽዓ ይስለፍ ኣንጻር ራህዋ ድማ ይዓዪ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓፈሻዊ ኮይኑ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ሓደ ኣንጻር ኣውራጃዊ ጸቢብነት ዝትርኽን ሓደጋታቱ ዘተንብህን ርእሰ-ዓንቀጽ ኣውጺኡ ነይሩ። ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ንኣየናይ ኣውራጃ ይውክልን መን የንቅደሉን ብዘየገድስ ኣውራጃውነት ንፖለቲካዊ ሓድነትና ሃሳዪ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ሓድሽ ነገር፡ ብግሉጽ ብሰደህኤ ምቕራቡ እንተዘይኮይኑ እዚ ኣውራጃዊ ጸቢብ ስምዒት ንጉጅለ ህግደፍን መዳኸርቱን ገዲፍካ፡ ኣብ ልዕሊ ሕልና ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣንተልጢሉ ዘሎ ስኽፍታ እዩ።  እዚ ነቲ ኩሉ ከፋፋሊ ዝንባለታት ተጻዊሩ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣትኪሉ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ ሓድነትና ንድሕሪት መሊሱ ዝህድድ ምዃኑ ማንም ክሓባብኦ ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ ኣውራጃነት ዝወረሮ ጸቢብ ስምዒት፡ ዝጽለኣሉ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ፖለቲካዊ እምነት ማእከሉ ዝገብር ቅኑዕ ውዳበታት መንገዲ ዘቐይርን ዘዳኽምን ስለ ዝኾነን ብሰንኪ’ዚ ምድኻምዚ፡ ናይ ለውጢ ቃልስና መፍቶ እቲ ካብ ምብትታን ዝድረር ጉጅለ ህግደፍ ንክኸውን ዘተባብዕ ስለ ዝኾነን እዩ። እዚ ኣካይዳ እዚ ኣድቂቕና እንተተረዲእናዮ ነቶም ብጉልባብ “ ህዝቢ ኤርትራ በብዝጥ መንግዲ ብዝተወደን ዘይተወደብ ኣገባብ ንመሰሉ ዝብሮ ዘሎ  ተቓውሞ  ዘነኣእስን ኣፍልጦ  ዘይህብን ኢዩ።ብዝብሉ ቃላት ንርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ ዘናእሱ ወገናት እውን ዘርብሕ ኣይኮነን። ምናልባት እዚ “ስለምንታይ ይንቀፍ” ብዝብል  ኣውራጃዊ ጫፍ ክሕዝ ዝደናደን ዘሎ ስምዒት ጽባሕ እውን ናብ ወረዳን እንዳን ክወርድ ስለ ዝኽእል፡ ሃስያኡ ብዙሕ መልክዓት ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ መርዛም ትሕዝቶኡ፡ ንናይ ሓሳብ እሂንሚህን ኣዳኺሙ፡ ንወገናዊ ምቅርራብ ዘሰውድ እዩ። ቃልስና ኣንጻር ፖለቲካዊ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ  እዩ ካብ በልና፡ ናይ ቃልሲ መዕወቲ መሳርሒና ከዓ ፖለቲካዊ ውዳበ ጥራይን ጥራይን እዩ። ዘይ ምውዳብ ወይ ድማ ዘይፖለቲካዊ ውዳበ ምምራጽ ግና ነቲ ንህዝብና ካብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኣውጺኡ፡ ናይ ምውዳብ መሰሉ ግሂሱ ክገዝኦ ክነብር ዝደሊ ህግደፍ እዩ ዝጠቕሞ። ንፖለቲካዊ ውጽዓ ከም ኣውራጃውነት ብዝኣመሰለ ዘይፖለቲካዊ ውዳበ ክትፈጥሖ ምፍታን ከዓ፡ ንሓደ ገዛ ብዘይተዓጽወሉ መፍትሕ ክትከፍቶ ካብ ምፍታን ፈሊኻ ዝረኣይ ኣይኮነን።

ካብዚ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ ወዮ በቲ ባዕሉ ዝፍሕሶ ውዲታት እንዳጸገመና፡ ንዓኡ ዘገልግል ወገናዊ  ውዳበ ፈጢርና ግዳይ ወጻዒና ኣይንኹን ዝበለ ሰደህኤ፡ እንተኾነ መተናእደ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከተቆናጽቦን ረገምቲ ክትጽወዓሉን ምፍታን ቅኑዕ ኣይኮነን። ምናልባት እዚ ሰልፊ ብዛዕባ ዘየለ ኣውራጃዊ ስግኣት ወይ ጸገም ዝዛረብ እንተልዩ ከዓ፡ “ከምዚ ዝበሃል ኣውራጃ ዝመሰረቱ ምንቅስቓስ የለን” ተባሂሉ መተነግሮ እሞ፡ ወይ ከም ዘሎ መርተዖ መቕረበ ወይ ድማ “እወ ብዛዕባ ዘየለ እየ ተዛሪበ እሞ ይቕረታ” መበለ። እቲ ምስሕሓብ ከዓ ኣብኡ መተወደአ። እዚ ርእሰ-ዓንቀጽ ምስ ተዘርግሐ፡ ብመጀመርያ ክሳብ ዝኣኽሎ ምስተቓወሞ ደሓር፡ ብኢደ ወነኑ ናብ ትግርኛ ተርጒሙ ናይ ኣራግሙና መጸዋዕታ ዘቕረበ፡ ናይ ህግሓኤ ገዲም ተጋዳላይ ምንባሩ ዝንገረሉ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጥንያ ዝምቕማጡ፡ ሓው ታደሰ ኪዳነ ፊትንፊት እዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣውራጃዊ ምትእኽኻብ የለን ኣይበለን። ወይ ድማ  ብደረጃ ኣውራጃ ምውዳብ ኣድላይ እዩ ብዝብል ተቢዑ ዝበሎ የለን። ኮታ ካብ  ትሕዝቶ ናይቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ዝያዳ ኣንጻር እቲ ዋናኡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትካል ዝነደረ እዩ ዝመስል። ንትሕዝቶ እቲ  ዋናታቱ ብቕምጦም ዝተርጎሞ መልእኽቲ ብዝምልከት፡ እቲ ምትርጓሙ እቲ ዓንቀጽ ብብዙሕ ቋንቋታት ንክነበብ ምሕጋዙ፡ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ኣተረጓጉማ  ግና ምስቲ ኣቐዲሙ ዘቕረቦ ተጻባኢ ሚዛኑ ከም ዘሳንየሉ ገይሩ ሓስይዎ ከም ዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን። እንተኾነ ነቲ ናቱ ኣተረጓጉማ ከም ዘለዎ ንውሰዶ እንተበልና እውን ምናልባት ሓደሓደ ንሱ ዘተዓባበዮ ቃላት ገዲፍካ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ርእሰ-ዓንቀጽ “ኣውራጃውነት ሓይልናን ተቓውሞናን ስለ ዘዳኽም ኣይንምረጾ” ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ኣበር ዘለዎ ኣይኮንን። በዚ ኣጋጣሚ ሰደህኤ ከም ዝኾነ ኤርትራዊ ውዳበ፡ በቲ ሓደ ወገን ንደንበ ተቓውሞ ብኣሉታ  ይጸልዎ እዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ተበግሶ ክቓወምን ህዝቢ ከይስዕቦ ክጽውዕን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣውንታዊ ጽልዋ ንዘለዎ ተርእዮ ክድግፍን ህዝቢ ንክድግፎ ክጉስጉስን ናይ ዝኾነ ኣካል ፈቓድ ዘይሓተሉ መሰሉ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ንዝበሃልን ዝጸሓፍን ሓሳብ ከምምቲ ዘለዎ ካብ ምርዳእ’ሞ ኣብኡ ተመርኲስካ ሚዛንካ ካብ ምንባር ሓሊፍካ “ብቕጥታ ከምዚ ማለቶም እኮ ብተዘዋዋሪ ከምዚ ክብሉ ስለ ዝደለዩ እዮም” እንዳበልካ ጥርጣረ ፈጢርካ፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝረኣይ ትምርኮስ ኣብቲ ዘይርአ  ተንጠልጢልካ ዘይዕቱብ ሚዛን ምሃብ ብመንጽር ግሉጽነት ቅኑዕ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ኣብ ሚዛን ሓው ታደሰ ኪዳነ እቲ መግለጺ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ነቶም  ኣውራጃውያን ዝበሎም  ዝኸስስ ዘሎ  ተመሲሉ፡ ንገለ ክፋል ሕ/ሰብና ምስ ህግደፍ ክተሓባበሩን ኣንጻር`ቶም  ኣውራጃውያን ዝበሎም ክዕጠቑን ይጽውዕ።”ዝብል ንረክብ። እዚ ሓው ኣብ ክንዲ ናብቲ ዘይተባህለ ግና ድማ ንሱ ከምዚ ማለቶም እዩ ዝኸውን ዝብሎ ትርጉም ዝኸይድ፡ ነቲ ዝተባህለ እገለ ኣውራጃ ኣብ ልዕሊ እገለ ኣውራጃ ዘይብል ግና ድማ ንኣውራጃዊ ጸቢብነት ዝቓወም ሓሳብ ወሲዱ ብዛዕባኡ ሚዛኑ እንተዝህብስ ክሳብ ክንደይኮን መመልከዓሉ።

ሓደ ከነስተብህለሉ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። እንተደኣ ብኣውራጃዊ ውዳበ የዋጽእ’ዩ ኢልካ፡ እቲ ናይ ቃልሲ ውድድር ኣብ መንጎ ወጻዕን ተወጻዕን ቃልሲ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓደ ኣውራጃ ኣንጻር ካልእ ኣውራጃ ከም ዝኸውን ከሎ ጌና ርዱእ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሓደ ኣውራጃ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣውራጃ ተንሲኡ ክናቖት እሞ ጉጅለ ህግደፍ ድማ ሹሻዩ ወሪድሉ፡ “እንኳዕከ ሰብኣይን ሰበይትን ዝተባእስሉ መኣዲ ፈጠረለይ” ንክብል ፍናን ዘሕድረሉ እዩ። እዚ ዝብል ዘለኹ ንሓደ ኣውራጃ ጥራይ ዝውክል እሞ ምስቶም ካለኦት ኣውራጃታት ዘሳንዮ ፖለቲካዊ ርኢቶ ኣሎ ዝብል  እምንቶ ስለ ዘየብለይ እየ። እስኪ ንኣውርጃታትና ብሕልናና ሃሰስ ንበለን። እቶም ደቂ እገለ ኣውራጃ ኢና እንብል፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኩለን ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ካብዚ ሓሊፉ ንኣውራጃውነትና ፖለቲካዊ እምነትና በሊጽዎ ክሳብ ኣብ ደንበ ህግደፍ ፋሕ ኢልና ከም ዘለና ንዝገዖ ዲና?

ኣብዚ ለንቅነ እዚ ዝዛራበሉ ዘለኹ ዛዕባ መዛረቢ ኮይኑስ፡ ብዙሓት ሰባት ነናቶም መርተዖን ተመኩሮን እንዳቕረቡ ኣውራጃዊ ውደባ ክቃወሙ ሰሚዐ። ካብዚኣቶም ሓንቲ ሓውቲ ኣብ ፓልቶክ፡ ንሳን ካለኦት ኣሕዋታን ደቂ ሓደ ኣውራጃ ጥራይ ዘይኮነስ ደቂ ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ሰብኣይን ክንሶም፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምርጫኦም ገሊኦም ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ገሊኦም ድማ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ምስላፎም ከም ኣብነት ብምጥቃስ ንኣውራጃዊ ውደባ ኮኒና ከተብቅዕ፡ ነዚ ናይ ልባ ዝተዛረበላ ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ ግና ኣይነኣደቶን። ክትቃወሞ’ውን ተመጣጢራ። እዚስ ምስ ምንታይ ይውሰድ። እዚ ኩነታት ዘመሓላልፎ ካልእ መልእኽቲ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣውራጃ ንወደብ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ መዕቀኒ ኣውራጃነት ካብ ኮነ ነቶም መሳርሒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ንህዝብና ደም ዘንብዕዎ ዘለዉ’ውን ዝምልከቶም ምዃኡ እዩ። ምናልባት ነቲ ዝነበረና ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልይ ገዲፍና፡ ኣብቲ ሓደ ዝገብረና ከባብነት ዝማእከሉ፡ ኣውራጃዊ መዕቀኒ ንራኸብ ናብ ዝብል ከይወስደና’ሞ ናይ ለውጢ ቃልስና “እንተ ፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ከይገብሮ ምስትብሃል ከድልየና እዩ።

12 ጥሪ 2015

Last modified on Tuesday, 13 January 2015 07:24