ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ጀርመን ንቐተልቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ፍርዲ ከቕርብ መጸዋዕታ ተገይርሉ

2015-01-15 22:45:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3222 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ጀርመን፡ ኣቶ ፍራንክ ቫልተር ሽታይንማየር፡ ኣብ ዝጸሓፎ መዘክር፡ እብ ከተማ ድረስደን፡ ብ10 ጥሪ 2015 ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኻልድ ኢድሪስ ባህራይ፡ ቅትለት ንዝፈጸሙ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ከቕርቦም ጸዊዑ።

Frank Walter Steinmeier20 ዓመት ዝዕድሚኡ ኻልድ ኢድሪስ፡ ብሰኑይ ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ሽጋራ ክገዝእ ኢሉ ካብ ገዝኡ ምስ ወጸ ንገዝኡ ኣይተመልሰን። ሬሳኡ፡ ንጽባሒቱ ኢዩ ኣብ ቅድሚ ዝነብረሉ ገዛ ከምእተረኽበን ብኻራ ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ናይ ኣካላቱ ተወጊኡ ምሟቱን ናይ ዜና ማዕከናት ሓቢሮም።

ሰዲህኤ ብ13 ጥሪ 2015 ናብ ሚኒስተር ፈደራላዊ ሪፑብሊክ ጀርመን ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ጀርመን፡ ነዚ ኣሕዛኒ ቅትለት ንምጽራይ ዘድሊ ምርመራታት ክገብሩን፡ ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርቡን ጸዊዑ።

እቲ ናብ ሚኒስትሪ ወጻእን ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያትን ናብ ሚኒስትሪ ፍትሕን ዝተላእከ መዘክር፡ ፈጸምቲ ናይ'ቲ ገበን፡ ኣብ ድረስደን ዝርከቡ ዓሌታውያን ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዘመልክት ጥርጠራ ከምዘለዎ እውን ኣይሓብአን።

Last modified on Thursday, 15 January 2015 23:46