ብኣጋጣሚ መበል 13 ዓመት ናይ ፖሎቲካውያን እሱራትና መዕልቲ

2014-09-23 14:11:34 Written by  ብመሓመድ ብርሃን ብላታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 27432 times

ብመሓመድ ብርሃን ብላታ

22/09/2014 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ንዝኽሪ መበል13 ዓመት

  ፖሎቲካውያን እሱራትና እቶም ብውሳኔ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ብዘይ ብቑዕን ቅቡልን ምኽንያት ብዘይ ሕጋዊ ፍርዲ ኣብ ቀይዲ ከእትዎም ዝጀመሩሉ ዕለት ስለዝኾነ፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ኣብ ሃገራውን ሰውራውን ዝተሞርኮሰ ንቃልሶምን ተወፋይነቶምን ብልዑል ሕልናዊ ስምዒት እንዳዘከርና፡ ነቲ ንሶም  ሕቶ ኣልዒሎም፡ ምእንትኡ ዝተኣስርሉ ቀንድን ኣገዳስን ሃገራዊ ዕማም ንምዕዋቱ ኣሰሮም ተኸቲላና ብልዑል ሃገራዊ ሕልና ንምቅላስ ክኸውን ከሎ እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም  እዚ ናይ ሎሚ መዕልቲ ሰሚናር ዘዳለዉ ሓቦኛታት ኤርትራዊያን መንእሰያት ክብ ዝበለ ምስጋናይን ኣድንቖተይን  ብሽመይን ብሽም ኩሎም ፖሎቲካዊያን እሱራትና ዓቢ  ምስጋንይ የቕርብ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ በዚ ኣጋጠሚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ንፖሎቲካውያን እሱራትና ክንዝክር ከሎና፡ እቲ ንሶም ምእንታኡ ዝተኣስርሉ ንክንፈትሖን ክንዕወተሉን ኣዝዩ ኣሸጊሩና ዘሎ ዓቢ ሃገራዊ ህመት ንኹልና ብሓባር እዩ ዝምልከተና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምርግጋጽ መሬታዊ ናጽነትን ልዕላውነት ሃገርን ወላእኳ እንተ ተዓውተ፡ ንምርግጋጽ ዜጋዊ ሓርነታዊ መሰልን ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምብጻሕ  ግን ጌና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኢዩ ዝርከብ።

ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘርኣዮ ናይ ሰላሳ ዓመት ተባዕ ቃልሱ ኣዝዩ ፍሉይን እምብዛ ዘኹርዕን ዘሕብንን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ፓሎቲካዊ ተመኩሮኡ ዝተሞርኮሰ ብከቢድ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ  ኣብ 1991 ናጽነት ክጓናጸፍ፡  ኣብ 1993 ብረፈረንዱም ኣቢሉ ልኡላውነት ሃገር ክረጋገጽ ከሎ፡ ኣብ 1994 ናይቲ በብእዋኑ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝካየድ ዝነበረ ብሓፍሽኡ ናይ ሰውራና ጉባኤታት  መቐጺልትኡ  ኣብ ናቕፋ ሳልሳይ ወድባዊ ጉባኤ ተኻይዱ ውጽኢቱ ዘኹርዕን ዘሕብንን ዝመስል ዝነበረ፡ ማለት ኣብ ንጹር ራኢ ዝተሞርኮሰ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ሃገራዊ ባይቶ (ሓጋጊ ኣካል) ክመርጽ ከሎ ቀንዲ ሓላፍነት ዝወሰደሎም ዛዕባታት እንተ ነይሮም ህዝቢ ዝተቐበሎ ቅዋም ክዳሎ ብመሰረት ቅዋም ከኣ ብዙሕነት ሰልፊ ክህሉ ነጻ ፕረስ ክስረሓሉ ዶሞክራውን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝነግሰሉ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ልምዓትን ዕብየት ሃገርን ዝሳተፈሉ ዝብል ንጹር ራእይ ምንባሩ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ  ዘኹርዕ እኳ እንተ ነበረ  ይኹን'ምበር ኩሉ እቲ ዘካየዶ ቃልሲ ውጽኢቱ ንረብሓ እቲ ዝተቓለሰ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ክትግበር ዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ዘሕዝን ዘሕፍርን ክይኑ እቶም  ናብኡ ከብጽሑ ዝኸኣሉ ቀንዲ ጠንቅታትን ዕንቅፋታትን  ክንገልጾም ኣንተ ዅና ኸኣ ማለት፡-

1.  ብመሰርት ውሳኔ ጉባኤ ናቕፋ ንውሳኔኡ ንምትግባር፡ ምህራት ናይ ሕጊ ሰብ ሞያን  ኣብዚ መዳይ'ዚ ሃብታም ተሞኩሮ ዝነብሮም ብውፍያት ኤርትራውያን ተጋደልትን ካልኦትን፡ ኮሚሽን ቅዋም ቆይሙ፡ ኣብ ተሞኩሮታት ናይ ዝተፋላለያ ሃገራት ዝተሞርኮሰ ድህሰሳን ገይሩ ሰነዳት ተወኪሱ ድሕሪ እኹል መጽናዕቲ ምግባር ናብ ህዝቢ ወሪዱ ዳርጋ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝውሰደ መስርሕ ቁዋም፡ ብህዝቢ ርጡብ ክትዕ ተኻይዱ ኣብ ርእይቶኡን ሓቀኛ ድልየቱን ዝተሞርኮሰ ተጻፊፉ ተዳልዩ፡ ከም መሰጋገሪ ቅዋም ዝበዝሐ ህዝቢ ብነጻ ድልየቱ ዝተቐበሎ ከምቲ ዝድለ ኣብ ባይታ ንኽትግበር ኣብ ኣዳራሽ ምምሓዳር ከተማ ኣስመራ ኣብ መወዳእታ ናይ 1996 ኩሎም ኣባላት ባይቶ ሃገርን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዲፕሎማሴኛታትን ዓበይቲ ዓድን ዝተረኽብሉ ዓቢ ጽምብል ተኻይዱ፡  ብኮምሽን ዝተዳለወ ቅዋም ንኽትግበር እቲ ሰነድ ናብ ኢድ ፕራሲደንት እሰያስ ተረኪቡ።

2.   ካብቲ ግዜ'ቲ ብዘይ ንጹር ምኽንያት እቲ ተጀሙሩ ዝነበረ ናብ ራብዓይ ጉባኤ ዘብጽሕ ምድላዋት ኣደስኪሉዎ፡ ነዚ ዕመም'ዚ ንምስልሳል ቆይመን ዝነበራ ዝተፋላለያ ኮሚቲታት ውን ብውልቃዊ ውሳኔኡ   ደው ኣቢሉወን።

3.   ኣብ ኩሉ ኣርባዕተ ውርሒ ናይ ማእከላይ ሽማግለ ሃዝባዊ ግምባር፡ ኣብ ኩሉ ሹዱሽተ ወርሒ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ክካይድ ዝነበሮ ስሩዕ ኣኼባ ውን ደው  ኣቢሉዎ፡

4.   ዓበይትን ተኣፈፍትን ንሃገር ዝምልከቱ ጉዳያት ብዘይ ኣፍልጦ ሃገራዊ ባይቶ፡      ከም ንዑኡ ዝመስሎ ውሳኔታት ክወስድ  ምጅማሩ፡

5.   ብዘይ ኣፍልጦ ሓጋግን፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካል ንገለ ናብ ዝተፋለለዩ ዝለዓሉ ጽፍሕታት ክምድብን፡ ንገለ ከደስክልን ንገለ ክኣስርን ውን ብቐጻሊ ወልቃዊ ውሳኔኡ ይወስድ ምንባሩ፡

6.   ኣብመጎ ኤርትራን ኢትዮጽያን  ዘይተደልየ ሃንደበታዊ ኲናት ዝተወለዐ ንምግጣሙ ይኹን ምእላዩ ሃገራዊ ባይቶ ሓላፍነት ክወስደሉ ዝግባእ ነዚ ግምት ከይህበ ንህጹጽ ስሩዕን ኣኼባ ከይጸወዐ  ብውልቁ  ንህልዊን ኣስጋእን ኩነታት ግምት ከይሃበ ዘይተጸንዑ ቁልጡ ውሳኔታት ምውሳዱ፡  እሞ ኣንፈቶም ንሃገር ናብ ሓደጋ ዘውድቑ ምንባሮም፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ዓበይትን ተኣፈፍትን ጉዳይት ንምርኣይ ገለ ካብ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ነዚ ዘስተባሃሉ ተማያይጦም እቲ ግዜኡ ሓሊፉ ዝነበረ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለን ሃገራዊ ባይቶምን ነቶም ተቐልቂሎም ዝነበሩ ሓደሽቲ ዘስግኡ ኩነታት ብዕቱብ ተራእዮም ተገምጊሞም ነቶም ኣሉታዊ ሸነኻት ኣሊኻ ናብ ኣወንታውን ኣድምዕን ንምቕያሮም ምእንቲ እዮም ኣቶም ንልዕሊ 25 ዓመት ላዕለዋይ ጽፍሒ ሒዞም ተቓሊሶም ዘቃለሱ ገዳም ተጋደልቲ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ፈርመኦም ኣንቢሮም ንኣኼባ ምሕታት ከም ኣባላት ባይቶ ንኽሓቱ ሕጊ ዘፍቅዶ መሰለሎም ምኻኑ ኣይሰሓትን።

ውጽኢቱ ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ጠለብ ግምት ተዋሂብዎ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ኣወንታዊ መልሲ ዝወሃቦ፡ ነቲ ሰፊሕ ህዝቢ ዝጽበዮ ዝነበረ ኣወንታዊ መልሲ ገዲፉ ብውልቃዊ ውሳኔኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ካልኦት ገዳይም ውፍያት ኣብ ቀዳምይ ደረጃ ዝስርዑ ካድራትን ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ክወስድ ምጅማሩ ክሳብ ሕጂ ውን ይቕጽሎ ምህላዉ ነዚ ናይሎሚ መዓልቲ ንምዝካር ተኣከብናሉ  ዘሎና መብል 13 ዓመት ዘብርሆን ዘረጋግጾን ሓቂ እዩ።

  

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፋላለዩ እዋን ብዙሓት ውልቀ መለኽቲ ተራእዮም ኣዮም እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንደርጋ 25 ዓመት ክጋደል ዝጸንሐ ሎሚ እቲ ሓቀኛ ባህርያቱ ተቐሊዑ ሓደ ካብቶም ግናያት ናይ'ዚ ዘሎናዮ ዘመን ዝኸፍአ ውልቀ መላኺ ከም ዝኾነ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውርዶ ዘሎ ንክትገልጾ ዘጸግም ግፍዕታት ባዕሉ ዘብርሆ ሓቂ'ዩ፡ እምበኣር ነዚኦም ኣብ ግምት ኣእቲና ካብኣቶም ክንመሃረሉ ንኽእል እንተሃልዮም፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ዓለምና መዳርግቲ ዘይብሎም ብኣወንታ ዝግለጹ ተሞኩሮታትን ዓወታትን፡ ከም ዘለዉ  ኣይሰሓትን ፡ ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰውራ ኣካይዱ ሃገር ወኒኑ መንግስቲ ወላኳ እንተኣቖመ ናይ መጻኢ ዕድላቱ ጽልግልግ ዝበለ ዘደናግር መታን ከይከውን ዋሕስ ክንገብረሉ ዝግባእ ዋንነት ስልጣን ንረብሓ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ጌና ክንበጽሖ ስለ ዘይከኣልና፡ ሎሚ ኢርትራ ኣብ እዝዮም ግናያት ዝኾኑ  ንኽትገልጾም ዘጸግሙ ኣእዳው ውሑዳት ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ውልቀሰባት ወዲቓ ትሳቐ  ምህላዋ ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ እዩ እቲ ጌና ዘይተዓወትናሉ መዳያት ክበሃል ዝከኣል። ናይዚ ዝተጠቕሰ ዘይምዕዋት ከም ሳዕቤናቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ከቢድ ዋጋታት ይኸፍል ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦን ዝሻቐለሉ ዘሎን ሓቂ እዩ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ተግባር’ዚ ኸኣ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና መብዛሕተኦም ናይ ኣብ ከባቢ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያት ዜጋታትና ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ባዕዳዊያን ጸላእትና ዝኽፍአ፡ ብምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.  ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕን እከይ ተግባራትን ሂወትቶም ከድሕኑ ክብሉ ተገዲዶም ዝወስድዎ ዘሎዉ ስጉምቲ ኣብ ጉዕዞኦም ዝጓነፎም ዘሎ ካብ ኩሉና ክውል ኣይኮነን፡ ነዚ ክንርእን ክንስምዕን ከሎና ከምሰባት እንታይ ዓይነት ሕልና ክህልወና ይግባእ ንዝብል ሕቶ ኩልና ደቂ ሃገር ሻቕሎት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሕልና ዝተሞርኮሰ ዘላቒ ፍታሕ ከነናዲየሉ ዝጽበየና ዘሎ  ዓቢ ሃገራዊ ዕማም  ከም ዝኾነ ንኹሉና ብሩህ እዩ። 

 እምበኣር ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ሕድገታት ጌርና ንሃገር ቀዳምነት ሂብና ኣብ ድልዱል ሓድነት ሃዝቢ ዝተሞርኮሰ ሓድሽ ማሕበራዊ ሰውራ ንምህናጽ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ሃገርን ሕብረተሰብን ንኽንከውን ብተግባር ክንብገስን ክንቃለስን ይግባኣና፡ እዚ ሕጂ ከነካይዶ ዝግበኣና ማሕበራዊ ሰውራ ኣገዳስነቱ ካብቲ ኣብ ኣዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘሰላሰልናዮ ቃልሲ ዝንእስ ኣይኮነን ብኣንጻሩ ከምዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና ዝተሓላለኹን ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታት ከጋጥሙና እዮም። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ጉዳይ ምርግጋጽ ሰላምን ራህዋን ምዕሩይ ዝኾነ ቁጠባዊ ኣተዕዳድላን ከምኡ ዉን ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት፡ ማዕረ ዕዳላ ምርግጋጽ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝተማልአ ተሳትፎ ኣብ ምውሳን ጉዕዞ ሃገሩን ምምሕያሽ ነገራውን መንፈሳውን ባህላውን ድልየታቱን ጠለባቱን ብዝተሓተ ደረጃ ዝረጋገጸሉ ህመት እንተዘይ ፈጢርናሉ ኤርትራ ንውሉድ ወሎዶ ወትሩ ኣብ ናይ ጽልግልግ ጎደና ሓደጋታት ዝተሰጥሐት ኮይና ክትርፍ ማለት፡ ንዓና ነቶም ንነዊሕ ዝተቓለስና ዓቢ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኮይኑ መልሲ ክንረኽበሉ ዝብደሃና ዘሎ ግዙፍ ሓገራዊ  ህመት ከምዝኾነ ውን ኣይሰሓትን።

ዝኺበርኩምን ዝኸበክንን፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተቓባልነት ከምዘይብሉ እዚ ናይ መንእሰያት ክሳብ ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ  ብኣሻሓት ገዲፎሞ ናብ ስግር ዶብ ዝጓዕዙ ዘሎዉ ብቑዕ ምስክር እዩ፡ እሞኸደኣ ስለምንታይ ዕድመ ናይዚ ሽፍታ መንግስቲ ነዊሑ ንዝብል ሕቶ፡ ብርእይቶይ፡ ስለስተ ረቛሒታት ክጥቀሱ ይኻሉ፡-

1 ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ይኹን ህዝቢ ብዝተጸንዐን ዝተወደበን ሓያል ናይ ተቓውሞ ስርርዕ ዛጊት ዘይ ምህላው፡

2 ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ትርጉም ዘብሉ ብኣሉታ ዝግለጽ ናይ ውድባት ምርባሕ ደምበ ኮይኑ ኮለል ዝብል፡ ንጹር ራኢ ሃልዩዎ  ሓድነቱ ኣደልዲሉን ኣረጋጊጹን ሓያል ግንባር ፈጢሩ ክቃለስ ዘይምኽኣሉ፡

3 ማሕበረሰብ ዓለም ብውድቡን ሕግታቱን ኣቢሉ ኣብልዒ'ዚ ሽፍታ መንግስቲ ምስ'ቲ ዝረአ ዘሎ ንሕግታት ዓለም ዝጻረር ምግሃስ ሰብእዊ መሰልን እንዳረኣየ  ዝኾነ ጸቕጢ ከይገበረ ትም ኢሉ ምርኣዩ፡

4 ብመሰረት ስምምዕ ኣልጅሪ ዶብ ተሓንጺጹ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ደስኪሉ ምህላዉ፡ ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ጉዳያት እዮም ንዕኡ ኣሻዲኖም ምልካውነቱ ክናዋሕ ኣኽኢሎሞ ዘሎዉ።

እዚ ክብል ከሎኹ ካብ እንውንኖ ሃብታም ተመኩሮን ናይ ነዊሕ ቃልስናን ከምኡ  ውን ብቐረባ ናይ ጎረባብትና መንግስትታን ሕብረተሰባትን፡ ሃገራት ዓለምና ዝሓለፍኦን ዘጋጠመንን ዘሎ ዝተሓላለኸ ሽግራተን ብምርኣይን ምንቃልን እቲ ሓደጋታት ንዓና ውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝብድሁና ዘሎዉ፡  ኣብ ንራብሓ ህዝቢ ዘይምልከት ህውታታ ንኾልል ከይንህሉ ኣዝዩ ዘስክፍ እዩ። ወትሩ ኣብ ግዝየን ዝተፋላለዩ ኩነታት ዝቀያየሩ ወድዓውን ባዕላውን ተርእዮታት ክቕልቀሉ ይኽእሉ እዮም፡ ነዚኦም ከምዚ ብሽም ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ክሕግዙና ዘይከኣሉ ጸቢብ ኣተሓሳስባ እሞ ንታሪኽን ቃልሲ ሰፊሕ ህዝብና ዘይውክል፡ ብሽም ዶሞክራሲ ናይ ወገሐ ጸብሐ ናይ ውድባት ምርባሕን ምምቕቓልን  ከዕውተና ስለ ዘይከኣሉ ብሃገራዊ ሕልና ብዑምቀት ፈሊጥና፡ ንጹር ራእይን ሃልዩና  ቃልስና ኣመዓራሪና፡  ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ድልየትን ሕልምን እንተዘይብልና ነቲ ብሕልናናን ኣካልናን ንሓስቦ ዘሎና ሃገራዊ ስትራተጂካዊ መደባትና ክንበጽሖን ከነዐውቶን ከምዘይበቓዕና እዚ ዝረአ ዘሎ ኩኑታት ተቓውሞና ብቑዕ ምስክርነት እዩ።

እምበኣር ነዞም ኩሉም ዝተጠቕሱ ኣብ ግምት ኣእቲና ብሓድሽ ቅዲ ክንብገስ ናይ ዝሓልፈን ህልውን ብቑዕ ገምጋም ክንገብር ካብኡ ተበጊስና ኣብ ንጹር ሃገራዊ ራኢ ዝተሞርኮሰ ሓያል ግንባር ክንፈጥር መድረኽ ይሓተና ከም ዘሎ ኣይሰሓትን ብፍላይ ንመንእሰይ ኣብ መሪሕ ግዴኡ ዝተሞርኮሰ ኣወንታውን ኣድማዕን ተረኡ መታን ክጻወት ካብ እንውንኖ ሃብታም ተሞኩሮና ተበጊስና ነተባብዓዮም ንሓግዞም ክብል ከሎኹ ህልዊ መንእሰይ ከኣ ናቱ ተበጉሶ ውሲዱ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ናይ ለውጢ ሰውራ ከካይድ ግዜኡ እዩ  እንዳበልኩ ሓሳበይ  ቅድሚ ምድምዳም ኩሎም ፖሎቲካውያን እሱራትና ሓብርቲ ጽንዓትናን ቃልስናን እዮም ኣስሮም ተኸቲልና ጉዕዞ ቃልስና ክንቅጽሎ ኢና።

                               ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና፡

                               ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።

                                          መሓመድ ብርሃን ብላታ።

 

Last modified on Tuesday, 23 September 2014 18:50