ገበናት ህግደፍ ክትምርምር ንዝቖመት ኮሚሽን ብዝምልከት ኣብ ጅኔብ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ

2014-09-23 21:14:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 62430 times

ንዕላማታት መርማሪት ኮሚሽን ንምግላጽን ንመደባታ ንምዕዋት እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ንምብራህን፡ ብዕለት 21 መስከረም 2014:ኣብ ከተማ ጅኔቭ ብዙሓት ካብ ግዳያት ህግደፍ እተረኽቡዎ ኣገሳሲ ኣኼባ ተካይዱ። ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ዝኾና ኣሓት ኤልሳ ጭሩምን: ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝዓበየት መንእሰይ ቨሮኒካ ኣልመዶምን ነቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ኣኼባ ንምብራህ ሰፊሕን ኣገድሳስን መግለጽታት ብትግርኛን ብእንግሊዝን ኣቕሪበን።

እዚ ብመንእሰይ ስዊስ-ኤርትራ ንምዕባለን ሓድነትን (Swiss-Eritrean Youth for Progress and Solidarity - SEYPS) እተጸውዐ ኣኼባ: ብጨንፈር ስዊስ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን እተደገፈ ነይሩ።


ኣቕረብቲ መደረ: እቲ ብናይ 27 ሰነ 2014 ኣኼባ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቖመ መርማሪ ኮሚሽን ኤርትራ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ብስርዓት ህግደፍ ተፈጺሙ ንዝብሃል ገበናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብምሉኡ ንምምርማርን ንምምዝጋብን ከም ዝኾነ ሓቢረን።

እቲ ንህግደፍ ዝምርምር ኮሚሽን ዕድሚኡ ሓደ ዓመት ጥራይ ከምዝኾነን: ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒምና ነቲ ተገይሩ ዝብሃል ፓለቲካውን ሰብኣውን ግህሰታት ስርዓት ኤርትራ ንዓለም ከነብርህ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ኣሓት ኤልሳን ቨሮኒካን ናብ ኩሉ ተቓላሳይ ፍትሒ ተሪር ጻውዒት ኣቕሪበን።


ግዱሳት ደቂ ሃገር ዘለዎም ሓበረታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት መንግስታት ይኹን ናብቲ ብሓፍቲ ኤልሳ እትመርሖ ተጣባቒ ማሕበር መሰላት ደቂ ሰብ እተዳለወ ሓዲሽ መርበብ (WWW.coi-eritrea.org) ከመሓላልፉ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

መንእሰይ ቨሮኒካ ኣልመዶም ከም ዝሓበረቶ: ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ጥራይ 4,823 ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስዊስ ኣትዮም፣ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ስዊስ ዕቝባ ናይ ዝሓተቱ ቊጽሪ ኤርትራውያን ድማ 22,674 በጺሑ ኣሎ። ካብዞም ኣብ ሃገረ ስዊስ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣገዳሲ ሓበረታታት ክርከብ ትጽቢት ኣሎ።  

ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ጅኔቭ ሓደስትን ናይ ቀደምን ስደተኛታት፣ ኣብ ወጻኢ እተወልዱ መንእሰይን ኣባላት ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ተረኺቦም ነይሮም። ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ ሰዲህኤ ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሓላፊ ዝኾነ ኣቶ ወልደሱስ ዓማርን፣ ናይ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ተንቀሳቓሲ ዶክቶር ዳኒኤል ረዘነን እውን ይርከብዎም ነይሮም።

Last modified on Thursday, 25 September 2014 07:24