ብዕለት 07-12-14 ብኣቦወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ዝተጸውዔ ሰለስተ ቤት ጽሕፈታት

  1. ቤት ጽሕፈት ኣበወንበር 2) ቤት ጽሕፈት ሉኡኽ ወጻኢ ጉዳያት 3) ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህሊን ፣ኩለን ሓለፍቲ ትካላት ሚዲያ ሰልፊና እውን ዝተኻፈልዎ፣ ሓቢርካን ተዋሃሂድካ ምስራሕ ዝብል መደብ ዕዮ ዝኣመተ ሰሚናር ተኻይዱ።

ኣቦወንበር ሰልፊ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ኣብ ኣኼባ ተረኺቦም ዝነበሩ ኣባላት ሕውነታዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ንኣኼባ መጸዊዕዑ ምኽኒያት እቲ ድሕሪ ነዊሕ ግዜታት ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈታትናን ትካላታትናን፣ ብመደብ ዕዮ ሰልፍና ተመርዂሰን ዘካየድኦ ገና እውን ዘካይድኦ ዘለዋ ኑጡፍ ውድባዊ ስርሓት ኽምስገን ዘለዎ እኳ እንተኾነ፣ ግዚኡ ገምጋም እንግሀብረሉን ኣብ ተሞክሮና ተሞርኲስና ምምሕያሽን ተሞክሮታትና እንላዋወጠሉ ኣብ ስርሓትና ምትሕግጋዝ ኣንገብረሉ ሓዲሽን ሃናጽን መደበ-ዕዮ እነተኣታትወሉ ይጠቅም ብምባል ቤት ጽሕፈታትና ትካላትናን ንምውህሃድ ኣብ 3 ጥምሮ ምትእኽኻባት  ኸፊልናዮስ እንሆ እዚ ሎሚ ጸዊዕናዮ ዘለና ናብኡ ዝዓለመ እዩ ኽብል ኣብሪሁ ። ዘረባኡ ብምቕጻል፣ቅድሚ ኣብቲ ርእሲ ነገር ምእታው ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣነ ኣብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ፣ሓው ወልደየሱስ ክኣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንርከብ ከም ዘለና ኩሉኹም እትፈልጥዎ እዩ። ብወገነይ እቲ ምስ ግዜን ኩነታትን ኽግበር ዘለዎ ዑደት ብምምርኳስ፣ዕድመ ብጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበሩልና ምስ ሓው መሓመድ ድራር ኣኬባ ምስ ኣባላትና ሰሚናራት ምስ  ዜጋታትና ወይ ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ክፋል ህዝብናን ውድባትን ውልቀ ሰባትን ምስ ሰልፍታትን ባእታትት መንግስታውያን   ኣካላት ብሪጣንያ ወይ ኣማሓደርቲን ዘካየድናዮ ርክባት ጹቡቕ ውጺኢት ሂቡን ይህብን ኣሎ፣ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ዑደት ኣብ ሙሉእ ኤውሮጳ ፣ኣመሪካ ፣ኣውስትራልያ፣ኣሲያ፣ኣፍሪቃ ኽግበር ዘለዎ ኢልና እናኣምኖን እንደልዮን እኳ ይኹንምበር ምስ ግዜን ምቅርራብ ዞቦታትና ፣ኣብ ዓቕምታት ትሕዝቶና ዝተሞርኮሰ ኸም ዝኾነ ኹላትና እንግንዘቦ እዩ።

ሓው ወልደኢየሱስ ዓማር በቲ ን15 ሃገራት ዝውከል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (Southem African Development Community/SADC) ዝተገብረልና ዕድመ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፣ ኣባል ኣዋሃሃዲ ኣካል ኤርትራዊት መድረኽ ንዲሞክራስያዊ ዘተን ወይዘሮ ሳልዋ ኑር ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሳኢት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካብ ወሽመጥ ዓረብ፣ዝተኻፈልዎ ኹነታት ህዝብና ፣ግብሪ ውልቀ -መላኺ ስርዓተ ኢሳያስ ብደቂቕን ንጹሩን ኣብሪሆምስ ኽዋሃብ ዘለዎ ደገፍን ንተግባረ ዲክታተራዊ ስርዓተ ኢሳያስ ንምግላጽን ኣብ እቲ ዘድሊዮ ኢንስቲትዩሽን ምምልካትን ኽዝተዮ ኽንጽዕር ዝብል ፖለቲካዊን ሞራላዊ ደገፍ ረኺቦም ኸም ዘለለዉ በቲ ቐልጢፉ ዝማሓላለፈልና ሪፖርታጅ ይበርህ፣ ገና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ምንቅስቃሳት ኸምኡ ዜጋታት ኤርትራዊያን ኣኸባታትን ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ርክባት ንምግባር ይቕጽል ኣሎ ኣወንታዊ ውጽኢት ኽርከብ ዘለና ትምኒትን እምነትናን እዩ።

ብወገን ዞባታትናን ኑኡሳት ዞባታትን ጨናፍርናን እውን ጹዑቕ ስርሓትን ጉባኤታተንን ኣኼባታትን ገምጋም ስሪሓተን ብምክያድ ፣ምቅርራብ ንዝመጽእ ጉባኤና ፣ፈስቲቫልና፣ ኸምኡ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ናይ ምቅርራብ ጉዕዞ ተጀሚሩ ኣሎ ኽብል ኣብሪሁ። ብምቕጻል ኣቦ ወንበር ሓደ ሰፊሕ ፕሮግራም ናይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን ናይ ዜናን ባህልን ዝርዝር ኣንቢቡ ናብ ኹላትና ኽበጽሕ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ድሕሪ ብጽምዋን ጥንቃቐን ምስማዕ ቓል ኣቦ ወንበር ንዝቐረበ ሓበረታን ሓድሽ ምትእትታው መደብ ዕዮ ኣድንቖትን ንተሞክሮታትናን ኣብ ስራሕ ምትሕግጋዝ ኣዚዩ ጠቓሚ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ካብ ዝቐረቡ ርእይቶ ንምጥቃስ ስጋብ ሕጂ ዝርኤ ዝጸንሔ ጻዕሪ ቤት ጽሕፈታትና ትካላታትና ኑኡድ እኳ ይኹን እምበር ተሞክሮታት ምልውዋጥን ምምልላእ ወይ ምትኽኻእ ንስርሓትና የሳልጥ ጥራይ ዘይኮነስ ብቦታ ዝኣክል ተራሓሂቕና ዘለና ሳላ ምዕቡል መራኸቢ ቡዙሃን ኽንቃራረብን ኣብ ስራሕ ተራኺብካ ኣጸቢቕካ ክትላለ ዝሕግዝ፣ ብሓቂ ዝንኣድ ሓሳብን ኣጋባብ ስራሕን እዩ ዝብል ነበረ።

ካብቶም ዝተረዳዳእናሉ ነጥብታት፣

1) ኩሉ ፕሮግራማት ነቲ ቐዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ኣለሊኻ ብምኽፋል ውሱን ግዜ ብምሃብን ጽብጻባት ስርሓት ኽቐርብን ንቕድሚት ዝኸደሉ ወይ ዝስጉመሉ ኣጋባብ ኽሕዝ ምግባር።

2) ኹሉ ዝስራሕ ስራሕ ደቒቕ ጸብጻብ ውሽጣዊ ኮይኑ ንደገ ዝወጽእ ኸም ዜና፣ ሪፖርታጅ ፣ ሓቤረታ ምትሕልላፍ፣ንስራሕ ሰልፍና ምስ ህዝቢ ምልላይ ኣገዳሲ እኳ ይኹንምበር እንጽሕፎ ሕጽር ዝበለ ክኸውን እቲ ዝተመርጸ እዩ። ኹሎም ወረ ዘመሓላኪፉ ካብ ተገዳስነት ልምድን ዝነቐለ ድኣምበር ሞያኛታት ወይ ናይ ጋዜጣ ኺኢላታት ስለ ዘይኮና ንዓቕምታትና ምድላብ የዲሊ እኳ እንተኾነ ሰልፍና ብጨናፍሩ ኣቢሉ ኣብቲ እንነብረሉ ሃገራት ብምድህሳስ ንመንእሰያትና ዕድል ትምህርትን ንስርሓትና ኽኣ ብኺኢላታት ኽስራሕ ዝጠቅም ዓውዲ ስራሕ ኸነማልእ ስል ንኽእል ንምምላኡ ኽንጽዕር ኣለና ዝብል ሓሳባት ቐረበ።

3) ዓውደ-መጽናዕቲ (workshop) ኽንገብርን ኣብ ስርሓትና ኣወንታዊ ምትሕግጋዝን ምምልላእን፣ ጽፉፍ ኣጋባብ ኣሳራርሓ ኸነኻይድ፣ ፍልጠትና ኽምዕብልን ውጺኢት ስርሓትና ኣዕጋቢ ክኸውን ምእንቲ ኸም ስራሕ ኽንትሓሓዞ ኣለና ዝብል ሓሳብ እውን ሰሚሩሉ።

4) ናይ ኹላትና ኢ-መይል፣ ስካይፐ ብምልውዋጥን ንኹላትና ዘራክበና ቦታ ኽንገብርን ኽንጥቀመሉ፣ ቑልጡፍ ሓቤረታት ኽንላዋወጥን ጡርኑፍ ኣሳራርሓ ኸነታኣታቱ እዩ ድልየትና ።

5) ኣዚ ሓዲሽ መራኸቢ ቡዙሃን ከም ትዊተር፣ ፈይዝ ቡክ ፣ይቱብ ኻልእ ሓደስቲ ዝወጹ ናውቲ፣ ቢፍላይ መንእሰያትና ምስ መዘናታቶም ክራኸቡን ከም እዋኑ ዝጠልቦ ሙዕቡል ኣጋባብ ክጥቀሙ ክንታሓባበሮም ኣለና ኽብል ኣኼባ ተደምደመ።

  ሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ

 ፍትዊ ኽፍለ

ኣርዓዶም በርሀ

ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩልእዚኣበሃህላ’ዚ ኣብ ባህልና ልሙድ ኮይኑ መልእኽቱ ድማ ክልተ ድኹማት እንተተላፈኑ’ውን ኣየድምዑን እዮም ዝብል እዩ። ሎሚ ኣብ ህዝብና ናይ ለውጢ ድሌትን ቅሩብነትን ኣሎ። ኣብ ሃገርና ድማ ገሃርሃር ዝብል ናይ ለውጢ ወድዓዊ ባይታ ኣሎ። እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ እምበኣር ነቲ ብሱል ባይታ መዚኑን ሓድነቱ ኣድልዲሉን ናብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ከውዕል ዝኽእል ቃያሪ ሓይሊ ክጥረ ዘይምኽኣሉ እዩ። ከምቲ ካብቲ ክምዝገብ ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ተጠቀምቲ ብዙሓት ምዃና ዘየዳዲ፡ እቲ ለውጢ ንክረጋገጽ ክስለፍሉ ዝግበኦም ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን’ውን ብዙሓት ኢና። ካብዞም ብዙሓት ሰብ ውራይ እቶም ቅድም ቀዳድም ዝጥቀሱ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብዓብይኡ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን እውን ቅድሚት ዝስለፉ ውዱባት ኣካላት እዮም። ህዝብና ሎሚ ኣብ ትሕቲ መሰል ምውዳብ ዝነፍግ ገዛኢ ሓይሊ ስለ ዘሎ ነቲ ድሌቱን ህርፋኑን ብዝምጥን ፍጥነት ኣብ ናይ ለውጢ ጐደና ክምርሽ ኣብ ዘይክእለሉ ሃለዋት እዩ ዝርከብ።

እቲ ኣብ ዓዲ ጓና ዘሎ ውድባትን ማሕበራትን እውን፡ ብዘይካቲ ምስቲ ቀንዲ ደላይን ዋናንን ናይ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ዝባኑ ቀሊዑ ብኣካል ተራኺቡ እሂንምሂን ክብሃሃል ዘይምኽኣሉ ሓደ ንቃልሱ ካብ ዝብድህዎ ሕጽረታት እዩ። ናቱ ባዕላዊ ስንፍና እንተወሲኽሉ ኸዓ እቲ ጉዕዞ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ከም ዝኸውን እዚ ንነብረሉ ዘለና ናይ ቀንፈዘው ህይወት ባዕሉ ምስክር እዩ። እንተኾነ እዚ ሕጽረታት እዚ ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝበሃል ቅንዕናን ናይ “ክገብሮ ኣለኒ” በሃልነት ኒሕን እንተልዩ ዘይከኣል ዕማም እዩ ማለት ኣይኮነን። ብዙሕ ዋጋ ከም ዘኽፍል ግና ከሎ ጌና ከነስተብህለሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ከምቲ ንደልዮ ዘይሰለጠና መንገዲ፡ ኩሉ ግዜ መውጽኢ ኣፍና ጌርናዮም ክንስና ብተግባር ግና ዘየዕወትናዮም  መብጸዓታት ሓደ “ሓይልና ደልዲሉ ንጸላኢ ዘርዕድ ቀጺሉ ድማ ዘወግዶ ምእንቲ ክኸውን ሓቢርና ንስራሕ” ዝብል ምሉእ ሓሳብ ምዃኑ ኩልና ንሰማማዓሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ መብጸዓዚ ምምብጻዕን ከምቲ ዝተመባጻዕካዮ ኮይንካ ምቕራብን በበይኑ፡  እኳደኣ ኣዝዩ ዝረሓሓቕ ምዃኑ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ምሂሩና እዩ። እንተኾነ ነዚ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኩሮ እውን ክንድቲ ዝድለ ኣይተመሃርናሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ብዛዕባኡ ወርትግ ደጋጊምና ክንዛረበሉን ክንጽሕፈሉን ተገዲድና ዘለና። ገለገለ ወገና ነቲ ጉዕዞና “ስብራ ዘየብሉ ጓይላ” ዝብልዎ’ውን ካብዚ ብምንቃል እዩ።

ውድብ ኮነ ማሕበር ወነንቲ ጽቡቕ ድሌት ውልቀሰባት ተኣኪቦም እዮም ዝምስርትዎን ዘዕውትዎን። ብርታዐን ዓቕምን ናይዚ ውዳበታት ድማ ካብ ዓቕምን ብርታዐን ናይዞም መስረቱን ኣንቀሳቐስቱን እዩ ዝቕዳሕ። ንሳቶም ብቑዓትን ውፉያትን እንተኾይኖም ወዮ ውድቦም ወይ ማሕበሮም ብኽንድኡ ደረጃ የድምዕ። ንሳቶም ሰነፋት ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩን ናይ ህዝቦም ጸበባ ዘየሳሕዮምን እንተኾይኖም ከዓ ብኽንድኡ ደረጃ ይደክም ምናልባት እውን ጠቕሊሉ ካብ መስርዕ ቃልሲ ይወጽእ። ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ዝያዳ ከድምዑ ከም ዝግበኦም ምስ ተረድኡ ክገብርዎ ካብ ዝግበኦም ብዙሕ ሓላፍነታዊ ስጉምታት ሓደ ከምቲ “ዝሓበራ ኣጻብዕ ኣርቃይ የዘንብዓ” ዝበሃል ሓደ ዝዕማሙ ክንሱ በበይኑ ንዝወፍር ዓቕምታት ኣብ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መኣዲ ከም ዝቕረብ ምግባሩ እዩ። ከምቲ ብቕዓት ውድባት ኣባላተን ካብ መጀመርታኡ ጀሚሮም ብዝመርጽዎ መንገድን ዘርእይዎ ተወፋይነትን’ዩ ዝውሰን ዝበልናዮ፡ ግንባራት፡ ምሕዝነታት፡ ኪዳናትን ባይቶታት ኣውን ዓቕመን ኮነ መልከዐን ነቲ ዘቑመን ውድባት ይኹን ማሕበራት ዝመስል ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ውድባትን ማሕበራትን ናብዚ ዝተጠቕሰ ናይ ሓባር መድረኻት ከንቅዱ እንከለዉ፡ ዕላማኦም ብኻለኦት ኣብ ዝተኣጉደ መጋርያ ንምስሓን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መጋርያ ውልዕ ኢሉ ከየብሰለ ወይ ከየሞቕ ምእንቲ ከይጠፍእ ነናቶም መጻኢ ራእይ ዘንጸባርቕ መወዓዓዪ ሓሳብ ሒዞም ክቐርቡ ይግበኦም። ኣብ’ዚ ግና እቲ ሒዘምዎ ዝቐርቡ ራእይ፡ ናብቲ ናይ ሓባር ዕዳጋ ቀሪቡ ናይ ምሻጥን ዘይምሻጥን ዕድል ዘለዎ እምበር፡ ናይ ግድን ናተይ ቅቡል እንተዘይኮነ ኢልካ እምባጋሮ እትፈጥረሉ ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ሓባር መድረኽ ራእይካ ብርኡይ ምኽንያት ክሰዓር እንከሎ፡ ግዚያዊ ስዕረትካ ተቐቢልካ፡ ነቲ ካብ ናትካ ዝያዳ ልዕልና ረኺቡ ናይ ሓባር ክኸውን ዝተመርጸ ሓሳብ ከም ናትካ ጌርካ ምቕባሉን ብምሉእ ልብን ዓቕምን ምትግባሩን ካብ ሓደ ዕቱብ ናይ ለውጢ ሓይሊ እትጽበዮ እዩ።

ናብቲ ኣርእስተይ ክምለስ። እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበኦ ቅድሚ ብኸመይን ምስ መንን ልፍንቲ ምቑጻር፡ እንታይ መላፈኒ ዓቕሚ ከም ዘለካ ምፍላጥን ካባኻ ዝድለ ዕጥቂ ክትዕጠቕ ክትበቅዕን ናይ ግድነት እዩ። ሓደ ውድብ ከም ስሙ ውድብ ንክበሃል ጥራይ ዘይኮነስ ውድብ ንክትከውን ከተማለኦ ብዛዕባ ዝግበኣካ መምዘኒ ዝምልከት ምናልባት ኩልኻ ኣብ ሓደ ዘይቅየር መዕቀኒ ቀትዒ ምርድዳድ ኣይከኣልን  ይኸውን። ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም መምዘኒ ኩነት ንምስኣል ኣብ ግምት ዘይእትዉዎም ነጥብታት ክፈላለዩ ስለ ዝኽእሉ። ብውሕዱ ግና፡ ኣብ ቀጻሊ ኣባላት ናይ ምምልማል፡ ጥቡቕ ዝምድና ምስቲ ምእንታኡ እየ ዝቃለስ ዘለኹ እትብሎ ህዝብ ምፍጣርን ድሌቱ ምርዳእን፡ በብግዜኡ ንዘጋጥሙ ምዕባሌታት ዝርዕም ሜላታት ምህንዳስ፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ዝመረጽካዮ ሜላ ብተግባር ዘየሰጉም ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ግዜ ከየባኸንካ ሓድሽ መዋጸኦ ሃሰስ ምባል፡ እትምረሓሉ ነጻ ራእይ ምውናን፡ ኣባላትካ ምስቲ ዝፍጠር ምዕባለታት ዘሰጉሞም ብቕዓት ከም ዝውንኑ ምኽኣል … ወዘተ ናይ ሓደ ውድብ ተግባራት ክኾኑ ይግበኦም። እዚ ንጥፈታት ኣብ ዝበኾረሉ፡ ዝተወሰነ ሓይሊ ሰብ ሒዝካ፡ ጉባአ ኣካይድና፡ ኣኼባ ሓጋጊ ኣካል ኣሳሊጥና፡ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ቀኒና እንዳበልካ ደድሕሪ’ዚ ፍጻመታት ሓድሽ ጉዳይ ዘይንበበሉ ደምዳሚ መግለጽታት ብምውጻእ ጥራይ ውድባዊ ፖለቲካዊ ህይወት ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ።

እቲ ዝያዳ ዘገርምን ሕጂ’ውን ከእረም ዝግበኦን ከዓ ኣብዞም ዝተጠቕሱ መምዘንታት ሰሪሕካ ከምቲ እትጽወዓሉ ህይወት ዘለዎ ውድብ ድዩ ማሕበር ክትከውን ዘይበቃዕካ ክንስኻ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጢ ናብ ደገ እንዳማዕደኻ ብዛዕባ ካለኦት ክትወራዘ ምፍታን እዩ። እቲ ካልእ ግጉይ ጉዳይ ንገዛእ ርእስኻ ከም ውድብ ወይ ማሕበር ትንፋስ ሰዂዕካ ክትቀውም ስለ ዘይከኣልካ ረይረይ እንዳበልካ እንከለኻ ምስ ካለኦት ክትላፈን ዝግበር ሃቐነ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝፍጠር መላፈኒ መድረኽ ክትቃለሰሉ ዲኻ ወይስ ክትዕቆበሉ ፍሉጥ ኣይኮነን። እቲ ምሳኻ ዝላፈን ከማኻ ድኹም እንተኾይኑ እሞ ድማ ውጽኢቱ  ብሓቂ “ ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ኮይኑ ናብ ዓዲ ውድቀት መገሻ እዩ ዝኸውን።

”ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ” ዝብል ምስላ ወለድና ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሃለዋት እውን ዝሰርሕ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ሓደ ነገር ክንጅምር እንከለና ውድብ ድዩ ግንባር እቲ ዝድኮነሉ ባይታ “ክሳብ ክንደይ እዩ ጥጡሕ” ንዝብል ሕቶ ካብ ልቢ ክንሻቐለሉ እዩ ዝግበኣና።  ብሰንኪ ታህዋኽ ድዩ ካልእ ምኽንያት ከም መንቀሊ ዝመረጽናዮ ባይታ ዘይጽኑዕ እንተኾይኑ፡ ደሓር ዝፍጠር ነቓዕ ንምልጋብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባት እውን ኣይከኣልን ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ታህዋኽን ኣቋራጭ መንገዲ ምምራጽን ዝፈጠሮ ጸገም ኣብ ብዙሕ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ዘጋጥም እዩ። ንሕና ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነዚ ብዝምልከት ተመኩሮ ንምንዳይ ኣርሒቕካ ምጋሽ ወይ ዓበይቲ መዛግብ ምግንጻል ዘድልየና ኣይኮነን። ንተመኩሮና ኣብ ግዜ ምትእኽኻብ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኮሚሽ ኣቃቂ፡ ባይቶ ኣዋሳ ብኽፉት ኣእምሮ ሃሰስ እንተንብሎም ካባና ሓሊፉ ካለኦት ዘይኤርትራዊ ኣካላት’ውን ክመሃርሉ ዝኽእሉ ምስጢራት ኣለዎም። ነቲ በብግዜኡ ኣብ መንጎ ውሱናት ውድባት ከጋጥም ዝጸንሐ ናይ “ስርሕ ብትን” ተመኩሮ ሓድነታትን ልፍንትታትን  እንተወሲኽናሉ’ሞ ኸዓ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣዝዩ ሰፊሕ መኾነ። መን’ዩ እሞ ክይመሃረሉ?

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝመረጽካዮ ናይ ሓባር መድረኽ ምስራሕ ይኣቢ። ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት ናይቲ ኣብያ፡ ቅድም ክትብገስ እንከለኻ ዘይዳህሰስካዮም ምዕባለታት ደሓር ግዜኦም ጸብጺቦም ስለ ዝመጹ’ሞ ፍታሕ ስለ ዝደልዩ ሓደ ምኽንያት እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክትከፍቶ ፈቲንካ ምኽፋት ዝኣበየካ ማዕጾ ክትኩሕኩሕ ግዜን ጉልበትን ምብኻን ውሕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣይኮነን። እቲ ውሕሉል መፍትሕስ ብዓንተብኡ ካልእ መማረጺ ምድላይ እዩ። ምናልባት እቲ ደሓር ዝምረጽ መዋጸኦ ናይቲ ቀዳማይ ግና ምስራሕ ዝኣበየ መድረኽ ምፍራስ የስዕብ ይኸውን። ኣብዚ እዩ እምበኣር ኣብ ልዕሊ ከም ዘይስርሕ ባዕሉ ዝተዛረበ መድረኽ ከይትጭክን ክትብል፡ ካልእ ከስርሕ ዝኽእል ዕድልን ግዜን ከይሃድመካ ንምድሓኑ  ትብዓትን ውሕልነትን ዝሓትትን።

10 ታሕሳስ 2014

ብዕለት 05-12-14 ናይ ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ብመራኸቢ ብዙሃን ፓል ኣቢሎም ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣቦ ወንበር ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ህሉው ኹነታት ሃገርና ኻብቲ ናይ ቅድም እናገደደ ቀረብ ዘይርከበሉ ብነፍሒ ወይ ፕሮፓጋንዳ ስርዓተ ውልቀ መላኺ  ዓይኒ ህዝብና ንምድፋንን እዝኑ ንምጽማምን ዕለታዊ መደበ-ስርሑ ኣብ ርእሲ ምዃኑ  ኣብዚ እዋን እዚ ኽኣኸምቲ ሉሙድ ሓሶቱ ሓዲሽ ወረ ወተሃደራዊ ኣጎልጉሎት ሓደ-ዓመቲን ሾመንተ ወሪሒን ኪከውን ኢዩ ዝብል ኽነፍሕ ጀሚሩ ኣሎ ።እዚ ወረ እዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ኸደናግር ዘይክእል እኳ ኣንተኾነ ኒቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ምስ ዲክታተር ዝዳናገጽ ዝዓለመ እዩ፣እዚ ሽጣራ በቢግዚኡ ዝጥቀመሉ፣ ግዜ ምንዋሕ ግዝኣቱ ንምንዋሕ ኢሉ ፉሹል ስራሕ፣ ኑኹሉ ቡሩህ ኮይኑ ቓልስኻ ብዘይ ምድኻም ምቕጻል እዩ።እታ ሓንትን መጠርሽታ ኽገብራ ዘለዎ ስልጣን ንህዝቢ ምስርካብ እዩ ፣እዚ ግን ኣብ ርእስን ሓሳብን ውልቀ መላኺ ስለ ዘየሎ ህዝቢና ብቓልሱ ኣቢሉ ባዕሉ ስልጣን ኻብ እዚ ዲክታተር መንጢሉ ህዝባዊን ዲሞክራሲያዊት ስርዓትን ሉእላዊት ሃገርን ሓድነቱን ዘጠንክረልሉ ባዕሉ እዩ።   

ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብ ደኒማርክ ነዞም ሓደሽቲ ዕቑባ ዝሓተቱ ኣስጋኢ ወረ ይስማዕ ኣሎ፣ መንግስቲ ደኒማርክ ኸም ዝብሎ ሉኡኹ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ ምስ ስርዓተ ኢሳያስ ተራኺብና ዝረኸብናዮ መረጋገጺ ምሕረት ኽግበረልሎምን ብሓገዝ መንግስቲ ደኒማርክ ናብርኦም ከጣጥሑ ይኽእሉ ብምብእል ንቡዙሓት ዜጋታትና ናብ ሃገሮም ኽመልሶም ይቃራረብ ምህላዉ እንሰምዖ ዘለና ወረ እዩ።

ንሕና ብወገና እዚ ምትላል ስርዓተ ኢሳያስ መጀመርታን መጠረሽታን ኣይክኸውንን እዩ፣ስለዚ ንምድሓን ዜጋታትና ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ማሕበራትን ፣ ዲሞክራሲያን ውድባትን ፣ ምስ ኹሎም ዉዑል ጅነቭራ ዝቕበሉ ባእትታትን። ዝተፋላለዩ ኣመንቲ ቤተ ክርስትያናት ደቂ ደኒማርክ ብምትሕብባር ናይ ዕቑበኛ ሰባዊ መሰላቶም ኽሕሎ ኽንጽዕር ኣለና።

ብዛዕባ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ፣ኹሉ ናብ ጉባኤታቱ ዝኸይድን ገሊኡ ኽኣ ድሮ ዝገብርን ብሚዲያ እንሰምዖ ዘሎና ሃዋሁው እዩ፣ ብወገና እቲ ሓቢርካ ምስራሕን ኣብ ሓደ ንኹላትና ኽጥርንፍ ዝኽእል ጽላል ንምብጻሕ ጺዕርናን ኽንጽዕርን ምዃና ደጊምና እነራጋግጾ ጉዳይ እዩ።

ንሕና እውን ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ስልፋዊ፣ ዞባዊ፣ ጉባኤታትን ፈስቲቫልን ከነካውን ስለ ዝኾንና መደባትን፣ ምቅሊት ስርሓትን ጌርና ጉዕዞ ስራሕ ብምጅማር ኑጡፉን እሩሙን ኣጋባብ ምኽታል ኸድሊየና እዩ ኽብል መድሩ ደምደመ።

ሓለፍቲ ዞባ ነቲ ዝተዋህበ ኣርእስቲ ዘትዮም ዘድሊ ስጉምትታት መደብ ስራሕ ኣውጺኦም ንስራሕ ንምጓዓዝ ብሙሉ ሓይሎም ኽሰርሑ ተራዲዶም።

ሓላፊ ዜናን ባህሊን ዞባ ኤውሮጳ

ፍትዊ ክፍለ 

Wednesday, 10 December 2014 07:18

From Dictatorship to Democracy by Gene Sharp

LETTER FROM THE EXECUTIVE DIRECTOR - In recent years, we have witnessed major new developments in the field of strategic nonviolent struggle, which have greatly impacted our work at the Albert Einstein Institution. 
Tuesday, 09 December 2014 20:15

Interview Mr.W. Ammar with Medrek Part III

Tuesday, 09 December 2014 20:11

Interview Mr. W. Ammar with Medrek Part II

ብዕለት 06-12-2014 ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 18.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ጨንፈር ከሎንን ከባቢኡን ብዓወት ከምዝዛመ ካብኡ ዝተመሓላለፈ ዜና እነሆ።

Koln-EPDP1ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምጅማር ነቶም ኣኼበኛታት ብናይ ሕድሕድ ምልላይ ገይሩ ነቲ ኣኼባ ከፈትዎ።

ሓው ዓንደብርሃን ዮሃንስ ብዛዕባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኵሉ መዳይ ዘካይዶ ቃልሲ ሰፊሕ መግለጺ ንጨንፈር ገሊጹ።                                                                                                                    ብድሕሪዚ ጨንፈር ኮሎን ብዛዕባ ውሽጣዊ ምምሕዳሩ ዝምልከት  ምምይያጥ ብምግባር  ኣሰራርሓ ጨንፈር ክግምግምን ክሰርሓሉ ዘለዎ መንገዲን ተዘራሪብሉ። ኣብ ርእሲኡ ኣኸበኛ ጨንፈር ብዛዕባ ዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ዓመት 2015 መደብ ዕዮ ሰልፊ ብምክትታል ሕኑን ቃልሲ ከካይድ  ብዃኑ ቃል ኣትዩ።

Koln-EPDP2ኣስዒቡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣውጺእዎ ዘሎ እማሜ መሰረት ምስ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ናይ ምስራሕ ዝብል ኣምር ጨንፈር ከሎንን ከባቢኡን ነዚ እማሜ ኣዚ ከም ዝደገፎን ኣብ ስራሕ ከተግብሮ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣኸበኛ ርእይቶታቱን ለበዋኡን ብምሃብ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ፈጸመ።

اعلام حزب الشعب

الديمقراطي الارتري

5 / 12 / 2014م

من خلال مشاركته في اجتماعات ورشة العمل التي عقدت مدة يومين بجوهانسبيرج/ جنوب افريقيا لمناقشة أوضاع الحقوق السياسية والانسانية في كلٍّ من ارتريا، فلسطين، سوازيلندا والصحراء الغربية، أشاد الوفد الارتري في تصريحه الصحفي الصادر في الخامس من ديسمبر 2014م بقرار الجمعية التنموية لدول الجنوب الافريقي ((SADC المكونة من 15 دولة تكوين فريق عمل لدعم ارتريا في مجالات تلك الحقوق، ووصف الخطوة بالتاريخية والعظيمة.

في خطابه أمام الحضور الذي ضم دبلوماسيين وممثلين لمنظمات مجتمع مدني وآخرين أعرب السيد/ آبي ديتلهاك المدير التنفيذي للجمعية عن قلقه إزاء تقاعس القادة الافارقة في مواجهة التحديات والمعاناة التي تعيشها شعوب القارة.

وقال آبي: علي القوى الديمقراطية الافريقية و منظمات المجتمع المدني أن تواجه بجدٍّ وإخلاص تحديات ما يعيشه الارتريون اليوم من اضطهاد وتشرد. وعلينا كشعوب افريقية أن نحافظ علي مكتسبات نضالنا في سبيل التحرر من قوى الاحتلال والاستعمار الأجنبي ونجدد العهد بتلك النضالات.

أضاف مدير منظمة (SADC-CNGO) غير الحكومية أنه سوف يعتبر الشأن الارتري شأناً افريقياً يستحق خدمة شعبه والانتباه لقضاياه، وفي تلخيص لمناقشات الورشة التي عقدت في 3- 4/ 12/ 2014م أكد أن الورشة التضامنية مع الشعوب الأربعة المذكرة أعلاه تأتي ضمن أجندتنا لإنفاذ إعلان المؤتمر العاشر لاتحاد منظمات المجتمع المدني الجنوب افريقية المعقود في يوليو 2014م، عقب ذلك قدم ديتلهاك المندوب الارتري لتقديم خطابه أمام الصحفيين.

 السفير/ عند برهان ولد جرجيس عضو الهيئة التنسيقية للمنبر الارتري للحوار الديمقراطي بعد التعريف بأعضاء وفده تلى علي الحضور بياناً صحفياً يشيد فيه بالموقف المشرف لمنظمة (SADC-CNGO)الافريقيةمن قضايا الشعب الارتري الراهنة. وأضاف أن هذا الموقف المطالب بالدعم الاقليمي والدولي لقضية الشعب الارتري إنما يؤكد ضرورة التضامن الدولي والاقليمي مع الشعب الارتري لتمكينه من إحداث التغيير الإيجابي في بلاده.

ضم الوفد الي جانب رئيسه كلاًّ من: السيد/ ولد يسوس عمار مسئول العلاقات الخارجية بحزب الشعب الديمقراطي الارتري، السيد/ كلو برهان أبراهام رئيس الحركة الارترية للديمقراطية وحقوق الانسان، السيدة/ سلوى نور الناشطة الحقوقية في مجالات التغيير الديمقراطي وحقوق الانسان. بعد أن شرح الوفد بالتفصيل الأحوال المزرية والانهيار المتسارع الخطى في ارتريا أجاب علي أسئلة الحضور.

خلال اليومين القادمين سوف يقوم الوفد بجولات تنويرية بمدينتي ديربن وجوهانسبيرج يعقد فيها ندوات تنويرية مفتوحة (نوافيكم بتقاريرها لاحقاً). أدناه تفضلوا بقراءة البيان الصحفي للوفد الارتري.

بيان صحفي ( هام وعاجل )

النظام الدكتاتوري في بلادنا يعيث في ارتريا فساداً ودماراً وأنزل بشعبها ما لا مثيل له من البؤس والعناء. حيث تعيش ارتريا أسوأ الأوضاع سياسياً واجتماعياً واقتصادياً. فقد تحولت البلاد الي جحيم لا يطاق يسوده الاعتقال والسجن بلا تهمة ولا محاكمة، السجن غير محدد الأجل، الاختفاء، القتل خارج القانون. وهذا ما أدى الي تشرد شعبها عموماً وشبابها خصوصاً والذي فاقت معدلات هجرته وتشرده كل خيال.

التغيير وسقوط النظام لا شك أمرٌ حتمي، أما مسئولية إنقاذ البلاد من الانهيار فتقع علي عاتق قوى المعارضة بالداخل والخارج. إن غياب الحقوق والحريات الأساسية أصبح من أشرس عوامل الهدم والتمزيق لبلادنا، إلا أن (تحقيق وحدة الهدف) بين مكونات المعارضة سوف يحيي فينا مجدداً روح الأمل والتفاؤل التي حققنا بها من قبل أحلامنا وآمالنا في التحرر من ربقة المحتلين الأجانب. لذا يجب أن نتفانى في نقل شعبنا وبلادنا الي التحول الديمقراطي بالطرق القانونية والدستورية الآمنة.

إننا علي قناعة بضرورة الدعم الدولي والاقليمي لقضيتنا النضالية العادلة في تحقيق التغيير الإيجابي، لذا نحيي ونشيد بما أبداه المؤتمر العاشر لمنبر اتحاد منظمات المجتمع المدني الجنوب افريقية من تعاطف قوي مع الشعب الارتري وقراره الشجاع بتكوين فريق عمل خاص بارتريا.

فيما يلي يتقدم الوفد الارتري المشارك في هذه الورشة بالمطالب والنداءات التالية:

  • أن تقوم حكومة جنوب افريقيا الموقرة بمنح اللاجئين الارتريين بجنوب افريقيا الوثائق الرسمية التي تكفل لهم حقوق اللجوء السياسي والإقامة في أراضيها آمنين والعمل والإسهام في بناء وتنمية البلاد.
  • أن ترفع منظمات المجتمع المدني الجنوب افريقية من معدلات دعمها لنضال المنظمات الارترية في سبيل الديمقراطية والعدالة والكرامة الانسانية.
  • أن يتصدى الاتحاد الافريقي لدوره التمهيدي المساند للتحول الديمقراطي كما ينص دستوره.
  • أن تقوم دول الجوار الارتري وسائر دول منطقة القرن الافريقي بما يمليه عليها الالتزام بالاتفاقات الدولية من حفظ ومراعاة حقوق وسلامة اللاجئين الارتريين اللائذين بحماها.

الجمعة/ 5 ديسمبر 2014م

جوهانسبيرج/ جنوب افريقيا

الوفد الارتري المشارك بورشة الجمعية التنموية لدول الجنوب الافريقي غير الحكومية

Southern African Development Community (SADC-CNGO)