Tv Demtsi Hezbi 5 July 2015 Worldwide Eritrean Demo
Who is EPDP - Eritrean People's Democratic Party
ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ ብዕለት 26 ሰነ 2015፡ ኣብ ከተማ ጀነቫ ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝተዳለወ ካብ ሃገራት ስዊድን፡ ኖርወይ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ጀርመን ዴንማርክን ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓን፡ ገለ'ውን ራሕቂ ከይገደሶም ካብ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝተሳተፍዎ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ሃገራት እስራኤልን፡ ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን'ውን ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝተሳተፍዎ፡ ካብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘካተተ፡ ንፍናን ደለይቲ ለውጢ ሓፍ ዘበለን፡ ንስርዓት ህግደፍ ዘንቀጥቀጠን ዘበርገገን እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ሰልፊ እዚ ኣገዳስን ፍሉይን ዝገብርዎ ገለ ረቛሒታት ንምጥቃስ፡
• ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ምንቅስቓስ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ወገን ብዘየገድስ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ፡ ኣብ ሓደ ዓላማ፡ ብሓድነት ከምቲ ቀደም ንናጽነት ሕጂ'ውን ንሓርነት ክሰርሑ ከምኽእሉ ዘነጸረን፡ ዘረጋገጸን ብምዃኑ
• ንኹሎም ደለይቲ ለውጢ ሞራሎምን ፍናኖምን ሰማይ ዓሪጉ፡ ንምቅልጣፍ ለውጢ ከይተሓለሉ ብዝበለጸ ክሰርሑ መዳርግቲ ዘይርከቦ ውሽጣዊ ሓይሊ ዘስነቐ ብምዃኑ
• ነቲ ካብ ዓይኒን ኣድህቦን ማሕበረሰብ ዓለም ተገሊሉን፡ ተሸፊኑን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዝጸንሐን፡ ዘሎን ጃምላዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣብ ኣጀንዳ ማሕበረሰብ ዓለም ብምምብጽኡን ክዛረበሉ ስለዝጀመረን፡ ብዝዓሞቐ ኽምርመር ይደፍእ ብምህላዉን፡
• ነቶም እንተስ ብፍርሒ፡ እንተስ ብእንታይ ገደሰኒ ክሳብ ሕጂ ክዛረቡ ዘይከኣሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዓቢ ድቃስ ዘይህብን ሕልና ዝቁስቑስን፡ መርገጺ ክወስዱ ዝድርኽን ብምዃኑ
• ናይዚ ኩሉ እኩብ ድምር ድማ ኣብ ኣእምሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጥሮ ስነኣእምሮኣዊ ስዕረት ዓቢ ብምዃኑ
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ልክዕ ከም ምድምሳስ ናደው ዕዝ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ ከም ነጥበ መቀይሮ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብፍሉይ ክዝከር ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ።
ሕጂ'ከ ናበይ?
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ እቲ ኣብ ደንበ ደለይቲ ለውጢ ውሒዱ ዝጸንሐ ፍናንን፡ እምነትን ኣብ ኤርትራውነትን፡ ሓድነት ኣብ ናይ ሓባር ዓላማን ዳግም ኣበራቢሩ ኣሎ። ለውጢ፡ ብስራሕን ውዳበን ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል። ነዚ ተበራቢሩ ዘሎ መንፈስ ከየጥፋእካ ብኸመይ ብዝበለጸ ተወዲብናን ሰሪሕናን፡ ንምልኪ ስዒርና፡ ነታ ንደልያ፡ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ፍትሒ፡ ነጻነት፡ ዝዓሰላ ብሕጊን ቅዋምን እትመሓደር ኤርትራ ጋህዲ ንገብር ዝብል ሕቶ ኩላትና ክንምልሶ ዘሎና ወሳኒ ሕቶ እዩ። ድምጺ ነፍሲወከፍና ከም ማዕበል ኰይኑ ነዚ ዘሎ ምልኪ ጸራሪግዎ ክኸይድን ነታ ንሓልማ ኤርትራ ጋህዲ ክትከውንን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ተገንዚብና ድምጽና ነስምዕ። ነፍሲወከፍና ስርሐይ ኢልና ሓደ ሰብ ናብ ደንበ ደለይቲ ለውቲ ከነምጽእ እንተኽኢልና ለውጢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክረጋገጽ ምዃኑ ዘጠራጥር የብልናን።
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ደጊሙ ደጋጊሙ ዝብሎ እንተልዩ ናይ ኤርትራ ሕቶ ናይ ሞትን ሕይወትን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ እዩ። ሕቶ ኤርትራ ናይ ሕግን ሕጋውነትን ፍትሕን ሕቶ እዩ። ሕቶ ኤርትራ ናይ መሰልን ሓርነትን ሕቶ እዩ። እሞ ኤርትራውያን ኩልና ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ዳግም ናይ ቃልሲ መንፈስና ነበራብር።
እወ ክወግሕ እዩ!
እወ ንኽእል ኢና!
ኤምዲሰመ
02 ሰነ 2015
ፕሪቶርያ
ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ) ኣብ በይ-ኤርያ ከተማ ኦክላንድ ዘካየዶ መደብ ወፍሪ ምእካብ ወፈያ ሸትኡ ሃሪሙ
Written by ኣካየድቲ ቦርድብ27 ሰነ 2015 ዓ.ም. ሓያሎይ ካብ ኣብ ከተማታት በይ-ኤርያ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ መደብ ምእካብ ወፈያ ዝተዳለወሉ ቦታ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ተረኺቦም ደገፎም ክውፍዩ ከለዉ፤ ገለ’ውን ካልእ ጉዳያት ኣጋጢምዎም ክመጹ ዘይከኣሉ ወፈያኦም ግን ዝሰደዱ ይርከብዎም።
ነቲ መደብ ዘዳለዉን ዝመርሑን ኣባላት ኣካያዲ ቦርድ ብቪድዮ፣ ድሩቕ ስእልን መግለጽን ዝተሰነየ ንታሪኽን ህልዊ ኵነታትን ትካላት ናይ መኽሰብ ኣልቦ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ)፣ ማሕበር ካብ ዝምስረት ሒዙ ነቶም ብመሰረት ኣብ ዓንዲ ሕጊ ዘስፈሮም ዕላማታትን ትካላትን ማለት ምሕጋዝ፡
- ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲሸሪፈይ
- መደበር ኣካለ-ጽጉማን ከሰላ
- መደብ ማዕዶ ወላዲ (ስፖንሰር)
ዝተኻየደ ንጥፈታትን ዘጋጥም ሕጽረታትን ብዝርዝር ኣብሪሆም። ተሳተፍቲ ብወገኖም ብፍላይ እኳ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ድሕሪ ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ብጽሞና ምክትታሎም፣ ሕልና ዘበራብር ኣፍልጦኦምን ተሞክሮኦምን ብምክፋል፤ ጸገማት እቲ መደበራት ንምፍታሕ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ክግበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።
ኤ.ደ.ማ. ምስ ዝሓለፈ እዋናት ዘክይዶም ዝነበረ ወፍርታት ምስ ናይዚ እዋን’ዚ ተሳትፎ ከነጻጽር ከሎ፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ፍሉይን ኣተባባዕን ኰይኑ ንረኽቦ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ብደለይቲ ፍትሒ ተበጊሱ ንዅሉ ምንቅስቓሳት ደንበ ተቓውሞ፣ ሲቪካዊያን ማሕበራት፣ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ብማዕረ ዘሳትፍን ዝሓቍፍን ኰይኑ፤ “ብበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በኤደለ)” ዝጽዋዕ ማሕበር ካብ ዝምስረት 2ይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ፤ ህዱእን ምርዳዳእ ዝዓሰሎ ሃዋህው ፈጢሩ ስለ ዝርከብ እዩ። ብፍላይ መንእሰያት ተሳትፎኦምን ኣገልግሎቶም ኣብ ምምራሕን ምክያድን እናዓዘዘ ክኸይድ ንርኢ። ከም ውጽኢት ናይዚ ሃዋህው እዚ ድማ ኣብ ወፍሪ ኤ.ደ.ማ. ዝተሳተፉ ካብ ኵሎም ኣካላት ምዃኖም ኣዎንታዊ ምዕብልና ኣብ ሓድነትን ስኒትን ህዝብና ብምርኣይና ንሕበን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እነካይዶ ዝነበርና ወፍርታት ኣዝዩ ንጡፍ ተራ ዝነበሮ ነብስ-ሄር ኣስገዶም ገብረመድህን (ወዲ ባሻይ)፣ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ መንጎና ዘይምርካቡ፣ ንሱ ዝዓሞ ዝነበረ ስራሓት ባዕልና ክንዓሞ ስለዝነበረና፣ ንሞያኡን ኣበርክቶኡን ብምምስጋን ደጋጊምና ካብ ምዝካር ኣየዕረፍናን። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ጽገ ክፍለ ንስድራቤት ወዲ ባሻይ ወኪላ ምሳና ውዒላን ወፈያኣ ኣበርኪታን።
ኣብ መደምደምታ፡ ዕዉት መደብ ዛዚምና። ንዅሎም ብሓልዮቶምን ልግሶምን ነቲ እንፈልጦ ሓላይን ለጋስን ባህሊ ኤርትራውያን ብተግባር ህያውን ቀጻልን ምዃኑ ዘረጋገጹልና፣ ብስም ኤ.ደ.ማን ትካላቱን ልባዊ ምስጋናና ይብጸሓዮም።
ኣካየድቲ ቦርድ
Address: EDA Tel: (408) 224-6822
5438 Giuffrida Ct Website www.eritreacare.org
San Jose, CA 95123
Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Meley - An Eritrean Poem by Ermias Tekeste
UN orders probe of alleged 'crimes against humanity' in Eritrea
Written by blink.htcsense.com
Thursday, July 2, 2015 7:43 PM GMT
The UN Human Rights Council on Thursday decided to prolong an investigation into horrendous abuses in Eritrea, and widen it to include looking into suspected crimes against humanity.
The 47-member rights body unanimously agreed to extend for another year the work of a special commission of inquiry on the human rights situation in the autocratic Horn of Africa state.
The commission should "investigate systematic, widespread and gross violations of human rights in Eritrea with a view of ensuring full accountability, including where these violations may amount to crimes against humanity," the resolution said.
The three-member team last month published a 500-page report detailing how Eritrea, under Isaias Afwerki's iron-fisted regime for the past 22 years, has created a repressive system in which people are routinely arrested at whim, detained, tortured, killed or go missing.
A system of indefinite conscription of all Eritreans also forces many to toil in slave-like conditions in the military and other state jobs, sometimes for decades, according to the report, which was flatly rejected by Eritrea.
The investigators said violations were taking place on a "scope and scale seldom witnessed elsewhere".
The report found that some of the numerous abuses committed in Eritrea "may constitute crimes against humanity," but the investigators said they had not probed that possibility, since it was not in their initial mandate.
"We didn't have the time, the resources (or) the possibility to be able to make any determination on (crimes against humanity) and we simply recommended that some mechanism could be judged to look at that issue," head of the commission Mike Smith told reporters last month.
The report provides a list of government and state entities responsible for the abuse, including the military, police, justice ministry and Isaias himself.
Thursday's resolution, which was tabled by Djibouti and Somalia, strongly condemned "the systematic, widespread and gross human rights violations that have been and are being committed by the government of Eritrea in a climate of generalised impunity."
It also lamented that the abuses were inciting "an ever-increasing number of Eritreans to leave their country."
Eritrea, which after Syria is the largest source of migrants risking their lives to cross the Mediterranean to Europe, is seeing some 5,000 people flood out of the country each month, despite a "shoot-to-kill" policy along the borders.
Thursday's text urged Eritrea to among other things release all political prisoners, halt the use of torture, end the system of indefinite national service and "end the practice of shooting at Eritrean citizens attempting to cross the border".
And it demanded that the country cooperate with the investigators, who have not been permitted to enter and who have so far mainly based their findings on interviews with Eritreans living abroad.
The resolution also said all the commission's findings should be passed on to UN chief Ban Ki-moon and the General Assembly in New York "for appropriate action".
© 2015 AFP
ነቲ ብኮሚሽን ምጽራይ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ንግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ኣብ ጀነቫ ተጋቢኡ ዝቐነየ ባይቶ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምድጋፍ ካብ መላእ ኤውሮጳን ካልእ ክፍልታታት ዓለምን ዝመጹ ኤርትራውያን፡ እኳደኣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብኽብ ዝበለ ድምቀትን ዓወትን ብዕለት 26 ሰነ 2015 ኣብ ከተማ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ተኻዪዱ።
እዚ ንኹሉ ዳላይ ፍትሒ ኣሕጉሱ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ድምቀትን ብዘየወላውል ትኹረትን ተማእኪሉ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዝተኻየደ ምስ ምንባሩ፡ ብርግጽ እቲ ኣንጻር ምልኪ ዝኸይድ ዘሎ ግጥምያ ናብ ዝበለጸን ዝሓሸን ደርጃ ዓሪጉ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት’ዩ።
እዚ ኣብ ማክያቨልያዊ ስልቲ ተንጠልጢሉ “መጹኹም! በልዑኹም! ፈጠሩኹም!” ብምባል፡ ንጸገማቱ ክሓብእ ዝውዕልን ዝሓድርን ቁርዲድ ሃገር ኮይኑ ዘሎ መንግስቲ’ዚ፡ ንድኽመታቱን ፈጺሙ ዘይቅበል ግናይ ስርዓት ስለዝኾነ፡ እምበኣርከስ ሕጂ’ውን ከም ቀደሙ፡ ብርኽቲ ሃገርና ደም እንዳኣንጠብጠበት፡ መንእሰያታ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዘይክዉን ኮይኖምን ኣብ ፈቐደድኡ ንዋያ ተዛሕዚሖምን ተጓሒፎምን ኣለዉ። ንሓንቲ ክልኢት’ውን ትኹን ሓላፍነት ብዘይምውሳድ፡ ክመጻደቕን ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ክትፍነንን መስሓቅ ሸራፋት ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ሕጂ ዓለም ፈሊጠዮ ኣሎኹ ኢላ ንኽትምስክረሉ ድንዕ ድንዕ ትብለሉ ዘላ ተግባራት ሕሱም መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ካብ’ቲ ኣብ ጽባሕ ረፈረንዱም ዝተጋህደ ማእሰርቲ ተጋደልቲ ኣትሒዝና እንፈልጦ ዘይቅዱስ ተግባር ብምዃኑ፡ ደጊም ብዝሓጸረ ልዕሊ 20 ዓመታት እንፈልጦን እተሞኮርናዮን፡ እዩ’ሞ ኣይሕደሰናን’ዩ።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰልፍና ተሓቢሩ ዝነበረ፡ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ብኣካልን ብገንዘብን ዝተሳተፉዎ ብዙሓት ኮይኖም፡ ብተወሳኺ’ውን ብስም ሰልፊና’ውን 1000 ዩሮ ንኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምብርካቱ ዝዝከር እዩ።
More...
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ነዊሕ አዝዩ መሪርን ጽንኩር ን 30 ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ዓርቢ መዓልቲ ከተማ አስመራ ናጻ ምስ ወጸት እዩ ኔሩ ናጽነቱ ዝጨበጠ። ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 ዓ.ም ድማ አብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ መወዳድርቲ ዘይርከባ ክብርቲ ዕለት እያ። ድሕሪ እታ ታሪኻዊት ዓርቢ አብ ቅድሜና ዝተራእየና መጻኢ ህንጸት ሃገር፡ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ቅሳነት እዩ ዝነበረ። ሕልምና ግና ብአግኡ በኒኑ ተሪፉ። ናጽነትና ጨቢጥና ክንስና አብ ኢድ ጠላም ውልቀ መላኺ ስለዝወደቕና፤ አብ እዋን መግዛእቲ ርእይናዮ አብ ዘይንፈልጥ ባርነትን ብቓላት ክትገልጾ አብ ዘጸግም ጭቆናን ሓሰረ መከራን ወዲቕና። ሕጂ ተመሊስካ እንክትግምግሞ ዘካየድናዮ ቃልሲ ባንዴራ ንምስቃልን ሉአላዊት ሃገር ንምውናን እምበር ዲሞክራስያዊትን ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደርን ሃገር ንኽንተክል አይሓሰብናሉን ክንብል ንደፍር። እዚ ወሪዱና ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ደቂ ሃገር ድማ ውጽኢት ናይቲ ዘይምሉእ ቃልሲ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።
ሕጂ ብዛዕባ ዝሓለፈ ምቑዛምን ነቲ ዝሓለፈ ድኽመታት ወግሐ ጸብሐ እንዳምጻኻ ምኒን ምባልን ምንም ዝርከቦ ፋይዳ የብሉን። እንታይ ደአ መለበሚ አይግበርካ መለበሚ ግና አይኽላእካ እኳ ዝበሃል፤ ትማሊ መለበሚ ስለዝኾንና ሕጂ ከይንዕሹ ሃየ ደአ ዓይንና ከም ዓይኒ ዓሳ ብዘይ ሰለም ቋሕ ነብሎ። እወ ብየማን ብጸጋም ብላዕሊ ብታሕቲ ምቁማት አይንሕመቕ። ቃልስና ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ምውራድ ጥራይ ከይከውን እሞ ወዮ ጉዳይና ወጮ እንተገምጠልካዮስ ወጮ ኮይኑ ከይተርፍ ንሕሰብ። ኢሰያስ መዓልቱን ሰዓቱን ሓልዩ ምኻዱ ዝጠራጠር ሰብ አሎ አይብልን፤ መን ንዘንተ እለት ምስ ነበረ እዩ’ሞ ኢሰያስ ንመዋእል ክነብር። ክንርስዖ ዘይብልና ኢሰያስ ዲክታቶር ወይ ጎብለል ኮይኑ አይኮነን ተወሊዱ እንታይ ደአ ጊዜን ኩነታትን ናብ ረብሕኡን ዊንታኡን ቀይሩ እዩ ናብዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኢሰያስ ዝተቐየረ።
እምበአርከስ ነታ ታሪኻዊት ዓርቢ መዓልቲ ናጽነት ዘዘኻኸረትና ዓርቢ ሰነ 26 መዓልቲ ማዕርነት ኤርትራ ክብላ ይደፍር። ነዚ ክብል ዝደረኸኒ ደምበ ተቓውሞ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ እየ በሃሊ ብማዕርነት ዘየአንግድ ገለ ከምድላዩ ዝዕንድረሉ ገለ ድማ ብዘይ ዋላ ሓደ አበሳ ብሰንኪ መበቆሉ ወይ እምነቱ ዝሽቑረረሉ ደምበ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ካብኡ ተበጊስካ ጄኔቫ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ’ያ ለጊሳትልና ሓሊፋ ክበሃል ይከአል። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ሓይሊ ሓፋሽ ዓጋቲ ከምዘይርከቦ ዝተመሃሩላ ዕለት እንተኔራ ብዘይምግናን ዓርቢ ሰነ 26 እያ ኔራ። ድሮ እኳ አብ ውሻጠ ገዝኦም ደጊም ዘመነ ኢሰያስ አብቂዑ እዩ ይብሉ ከምዘልው ይስማዕ አሎ። መዓስ ግና ሰብ ንሕና ንሱ ጥራይ፤ እቶም ብዘይብአና ደምበ ተቓውሞ ሕቖ የብሉን፤ ንሕና ዘይባረኽናዮ ሰላማዊ ሰልፍን አኼባን ብደምበ ተቓውሞ ውጉዝ’ዩ እንዳበሉ ብቃልሲ ሓፋሽ ከባጭው ዝረአናዮም፤ ንተቓለስትን ደለይቲ ፍትሒ ሃገራውያንን ከጸልሙን ክንጽሉን ጸሊም ፈላላዪ ከዋድዱ ዝጸንሑ በደልቲ ብዱላት ኩርኳሕ ቃልሲ ሓርነት ዓቢ ትምህርቲ ሂባቶም እያ ሓሊፋ ዓርቢ 26 ሰነ መዓልቲ ማዕርነት ኤርትራውያን። ቀደሙ እኮ “ዘአወገዘ በከንቱ፡ ወተወገዘ ብእንቱ” ተባሂሉ እዩ። በዚ አጋጣሚ ነቶም ካብ ቃልሲ ክትንጸሉን ተስፋ ቆሪጽኩም ገዛኹም ኮፍ ንኽትብሉን ተፈሪድኩም ክንስኹም፤ እዛ ኤርትራና ንመን ቀሪባቶስ ንመንከ ትርሕቆ ኢልኩም አንጻር ኩሉ ተጻብኦ ስንኹም ነኺስኩም ዝመከትኩም ደቂ ህዝቢ ወያ ጽንዓትኩም እንሆ ፍረ ክትህብ ጀሚራ ክብል ይደልይ ዋላ’ኳ ሕጂ’ውን ገና እቲ ተንኮላት ተወዲኡ እዩ እንተዘይተባህለ። ሕጂ’ውን ፈቲና ጸሊእና ማዕርነት ህዝቢ ዘየረጋገጸ ቃልሲ ብንምን መለኪዒ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ቃልሲ ክኸውን አይክእልን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ተቓሊሱ ሓርነቱ ከም ዝጭብጥ ውዕሎ ጄኔቫ አረጋጊጹልና ክኸውን ተስፋ ይገብር። እዚ ሕጸ እዩ ደቂ ዓድና፤ ገና ጽባሕ ካልእ መርዓ ክትርእዩ ኢኹም። ወዲ መታሕት ወዲ ከበሳ፤ አስላማይ ክርስትያን፤ ወዲ ኩለን አውራጃን ብሄራትን ኤርትራ በተግ ኢሉ ምስ ወጸ፤ ወያ አይትጽርኒ ትም ሕትም ክትከውን እያ። ለባም ሰብን ርዙን ሕብረተሰብን ካብ ሕሉፍ ጌጋታት እዮም ዝመሃሩ። እቶም ገና ነዚ ብህዝባዊ ተሳትፎ ሓፋሽ ዝተዓወተ ሰላማዊ ሰልፊ ጄኔቫን ውጽኢት ጸብጻብ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብአዊ መሰላትን ኤርትራ ናብ ውልቃዊ ዝናናን ውድባዊ ረብሓን ከትውዕልዎ ህርዲግ ትብሉ ዘለኹም አደብ እንተትገብሩ ዝሓሸየ እዩ፡ ደጊምና ናብ ጭርጭር ዓበደ መታን ከይንምለስ። ይትረፍ ግዳ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ እውን ባዕሉ ይፈልጥ’ዩ መን’ዩ አብዚ ጉዳይ ሰለሎ ዘእተወትሉን ንዓመታት ዝደኸመን እሞ፤ እቶም ነዛ ዘይሕለል ጻዕሪ ዝገበረት ዋዕሮ ግቡእ ክብራ ዝኸላእኩምን ስማ ንምጽዋዕ ዝተጸየንኩም ጽባሕ ንግሆ መዛግብቲ ታሪኽ ንስማ እምበር ስማ ንምህሳስ ንዝተገብረ ሽርሒ አብ ገጻቶምን ዓንቀጻቶምን ኣይከስፍርዎን እዮም።
አብ መወዳእታ ንዓወት ጄኔቫ ከመይ ናብ ረብሓ ህዝቢ ነውዕሎ ዝብል ዕዮ ገዛ ኣብ አእምሮ ነፍሲ ወከፍና ክድይብን ክወርድን ይግባእ። ብጊዜያዊ ዓወት ሰላማዊ ሰልፊ ጄኔቫ ክንዛነ የብልናን። ሳጥናኤል ኢሰያስ ክንደይ መንቀራቕሮታት ዝሰገረ ከም ዱሙ ሸውዓተ ትንፋስ ዘለዎ ጋኔል ምዃኑ አይንረስዕ። አብ መዛዘሚ ጹሑፈይ፤ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ለባማት ቀዳሞት ወለዶ ወርቂ ሚዛን ዝበልዎ እቶት ሓንቲ ግራትን ጸባ ሓንቲ ላምን ምዃኑ ካብ ጄኔቭ ተማሂርና ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ንቕድሚት ንመርሽ። ንሳ እያ እታ እንኮ መገዲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ።
(ደቂ ሰባት ድምጾም ብዓውታ ከስምዑ እንከለው ንምንታይ ድምጾም የስምዑ ኢሉ ዝቑጣዕ ወይ ካልእ ላቔባ ዘጠምቕ እቲ ድምጺ ውጹዓት ዓፊኑ ረብሕኡ ከህጥር ዝጽዕር ጥራይ እዩ።)
ሰሎሙን ገብረእየሱስ
(ኦክላንድ ካሊፎርንያ)
EPDP Second Congress July 2015
Petition Submitted by Geneva Demonstrators On 26 June to the UN Human Rights Council
Written by Coordinating Committee of the Demonstration of Eritreans in GenevaThe organizing committee of the historic June 26 demonstration of justice-seeking Eritreans in Geneva submitted a petition to the UN Human Rights Council fully supporting the report of the UN Commission of Inquiry on Eritrea and urging for concrete action against the cruel regime in Asmara.
The petition stated that the thousands of demonstrators were “glad to know that the international community is now paying due attention to the dire state of human rights in Eritrea”. It further noted that although the UN report was an important step forward in the fight to end impunity but demanded that those perpetrators of so many crimes in Eritrea for a prolonged period of time should be brought to a court of justice.
Below is the full petition submitted on behalf of thousands of Eritreans who trekked to Geneva that day from many countries in Europe as well as some from North America and the Middle East.
***
To the President of the United Nations Human Rights Council
Geneva
Adopt appropriate measures to end impunity in Eritrea
Your Excellency,
This letter is addressed to you by a huge crowd of justice-seeking Eritrean exiles, who are congregating in Geneva on the 26th of June 2015, for a mass demonstration that coveys our unflinching support to the report of the UN-mandated Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea (COIE).
We are conducting our mass demonstration at a time when the crisis of human rights in Eritrea has reached a very crucial level, which involves a possible situation of crimes against humanity. We are glad to know that the international community is now paying due attention to the dire state of human rights in Eritrea. While we see this as a very important development in our fight to end impunity, we also note that some crucial measures still need to be taken urgently in order to avoid further human suffering in our country.
We therefore call on the Human Rights Council to ensure that those most responsible for a possible situation of crimes against humanity in Eritrea are held accountable pursuant to the existing legal framework of international criminal justice. Indeed, it is time for the international community to devise appropriate methods by which accountability for gross human rights violations is ensured meaningfully. Such measures shall include, among other things, the adoption of effective targeted sanctions against those who appear to be most responsible for a possible situation of crimes against humanity in Eritrea.
As noted by the report of the COIE, we also urge the Human Right Council to adopt appropriate follow-up measures, with a view to providing conclusive findings on the issue of crimes against humanity in Eritrea. In this regard, we also believe that the renewal of the mandate of the Special Rapporteur (Ms. Sheila B Keetharuth) is another important step.
Pending the adoption of appropriate accountability measures, we urge the Human Rights Council to give due consideration to the Eritrean refugee crisis, by advising recipient countries to continue providing appropriate legal protection to all Eritrean asylum seekers and refugees wherever they are.
Your Excellency, we hope that you will give your utmost consideration to the issues of concern we have pointed out above, and we look forward to reading a resolution of your Council that adequately captures these considerations.
Thank you in anticipation of your kind cooperation, and we will look forward to hearing from you.
Coordinating Committee of the Demonstration of Eritreans in Geneva
26 June 2015
Geneva
Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
CC: To all Members of the Human Rights Council(through their diplomatic missions in Geneva)
ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ
Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ኖርወይሰልፊ ዲሚክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብ21 ሰኔ 2015 ከም መቀጸልታ ሰሚናር ኣባላቱ ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣንፈት ፖለቲካዊ ሃገራዊ ቃልስና ናበይ ገጹ ናብ ዝብሉ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዘዛተየ ኮይኑ፣ ካብ ሰዓት 5 30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 9 ናይ ምሸት ብዉዕዉዕ መንፈስ ቀጺሉ። ኣባላት ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራትን ውልቀ ተቃለስትን ዝኾኑ ብቁጽሮም ሓያለይ ዝኾኑ ሰባት ድማ ተሳቲፎም።
ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ነቲ ኣኼባ ብዝኽረ ሰማዕታትን ብምዉቅ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃልን ከፊቱ መድረኽ ንመደርትን ካድራት፣ ወኪል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ብጸይቲ ገርጊሽ ነጋሽን ብጸይቲ ኣልጋነጽ ኢሳቅን ብጻይ ሹማይ በርሀን ኣረኪቡ።
ወሃብቲ መደረ ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብዝብል ዛዕባ ብምፍላም በቢእብረ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቦም። ቀጺሉ ኣብ ካልኣይ ኣርእስተ ኣኼባ ቅድሚ ምስጋር ናይ ሕቶን፣ ምልስን፣ ርኢቶን መድረኽ ተኸፊቱ። ግዜ ዝደረቶ ማኣለያ ዘይብሉ ሃብታምን ሃናጽን ሪኢቶታትን ሕቶታትን ድማ ካብ ተኻፈልቲ ኣኼባ ዘነበ። ገለ ካብ ሪቶኢቶታት ተሳተፍቲ፣
ኣባል በርገሳዊ ማሕበር ህብረት ኤርትራውያን ዝኾነ ብጻይ ወልደኣብ ፍሰሃጼን ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክፋል ቃልስና ክኸውን ዝግብኦ ግን ከኣ ዳርጋ ዝተረሰዐን ዝተዘንገዐን ኣርእስቲ ኣልዒሉ ከዘኻኽረናን ከበራብብረናን ምፍታኑ ብልበይ ይምጉስ ድሕሪ ምባል፣ ቀጺሉ ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ እንዳተመሓየሸ ኣብ ክንዲ ዝመጽእ አንዳ ተሓላለኸን እንዳ በኣሰን ከምዝመጽእ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ኣብ ሃገርናን ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብን መውስቦኣዊ መልክዕ ዝሓዘ ርኡይ መሸጣ ደቂ ኣንስትዮ ይካየድ ከምዘሎ ብጭቡጥ ኣብነት ኣብሪሁ። ኣብ መብሪሂኡ ኣቶ ወልድኣብ ንነውሕ ግዜ ተሰዲዶም ኣብ ሃገራት ቀዳማይ ዓለም ዝርከቡ ኣብ ናይ ጥሮታን እርግናን ዕድመ ዝርከቡ ኣቦታት ዓዲ ይኸዱ፣ እሞ ናብ ሓንቲ ድኻ ስድራቤት ቀሪቦም ካብ ቦታ ስደቶም ዝተማልእዎ ዶላራት ኣርእዮም ክንዲ ጓል ጓሎም አትኸውን ሓንቲ ዘይትፈልጥ ጓል ድኻታት ተመርዒዮም ይምለሱ። ንዘይርትዓውነቱ ምኽኑይ ክገብሩ ክልተ መዋስብቲ ኤውሮጳ አንተኸደት ይሓልፈላ ንስድረኣ እውን ተኣሊ ብዝብል መመኽነይታ ብምስናይ ድንጋጸን ርሕራሐን ናይታ ውጽዕቲ ጓል ኮነ ናይታ ድኻ ስድራቤት ከምዝነበሮም ኣምሲሎም ብምዝራብ፣ ነቲ ርኡይ ጌጋታቶም ክሸፋፍኑን ከመኽንዩሉን ከምዝርከቡን ገሊጹ። እቲ ዘገርም ይብል ንሱ እቲ ዘገርም ነገር ግን ዋላ አቲ ኣቦ ጓል እውን ካብ ዝኣተዎ ናይ ድኽነት ኩነታት ንመውስቦ ሽፋን ተጠቂሙ ዓይኑ አንዳ ረኣየ ንጓሉ ናብ ሓደ ኣቦሓጎኣ ዝኸውን በዓል ዶላራት ሸይጡ ካብ ቁጠባዊ ጸገማቱ ክገላገል ምፍታኑ አዩ ክብል ኣስሚርሉ። ኣብ መወዳአታ ኣቶ ወልደኣብ እዚ ተግባራትዚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ከም ክፋል ቃልስና ወሲድና ብዝተፈላለየ መልክዕን ውዳበን ክንውግዶን ክንኩንኖን ዘሎና ጉዳይ አዩ ክብል ኣተሓሳሲቡን ንናይ ሓባር ግብራዊ ስጉምቲ ጸዊዑን።
ዝበዝሐ ክፋል ዕድሚኣ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፋ ተቃሊሳን ኣቃሊሳን ድሕሪ መስዋኣቲ ኣሽሓት መቃልስታ ዓወትን ናጽነት ሒዛ ዝኣተወት፣ ሎሚ ግን ኣብታ ዝተቃለሰትላ ሃገር ኣብ ክንዲ ትነብርን ትኸብርን ኣብ ሃገረ ስደት ከርተት ትብል ዘላን፣ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፋ ሕጂውን ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃማ እተበርክት ዘላ ብጸይቲ መብራት፠ ጓል ብርሂን ብወገና ንኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብባህልን ብድሑርነት ወይ ካብ ዘይምንቃሕ ሕብረተሰብ ዘወረደን ዘሎ ወጽዓ በቲ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ የኽብር ኣየ ዝብል ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝነብር ዘሎ ስርዓት ዝወርደን ዘሎ ወጽዓ ብዝተዓጻጸፈ ከም ዝዛይድ ኣብሪሃ። ጓል ብርሂን ኣስፊሓ ኣብ ዝሃበቶ መብሪሂ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ውጹዓት ኳ እንተኾና፣ ህዝብን ሃገርን ናጻ ኣብ ናይ ምግብር ናይ ነዊሕዝየን መሪርን ዓውደ ኲናት ተሳቲፈን ተሰዊአን፣ ሰንኪለን፣ ናይ መርዓን፣ ሓዳርን፣ ውላድን ዕድላተን ንስለ ህዝብን ሃገርን ኣምኪነን ናጽነት ዘምጽኣ እንክንሰን ካብ ርእሳ ጀሚርካ ኣብ ክንዲ ተደቢሰንን ተኻሒሰንን ኣብ ሃገረን ዝነብራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ስደት ናይ ከርተት ናብራ የሕልፋ ከምዘለዋ ብምረት ገሊጻ፣ ንልቢ ኩሉ ኣኼበኛውን ተንኪፋ። ጓል ብርሂን ኣብ መደረኣ፣ ድሒሪ ናጽነት ሃገር ያኢይሲ ሓለፋ ተቆጺርለይ፣ ቀዳምነት ንተጋደልቲ ነበር ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉስ፣ ኣብ ፓርከሪንግ መኻይን ናይ ምሕላውን ምሕጻብን ስረሓት፣ ውሕስነቱ ብዘየተኣማምን ኣገባብ ናብ ሃገራት ኣዕራብ ንኽድማና ምስዳድ ዝኣመሰሉ ዕድላት ከምዝተዋበን ብምሕባር እዚ ግን ንኤርትራዊ ጓል ኣንስተይቲ አሞኻኣ ንተጋደሊት ነበር ዋዕሮ፣ ሓገዝን ሓለፋን ዘይኮነስ ድርብ ወጽዓ እዩ አንክትብል ተንቲና። ንሳ ቀጺላ ቪዛ ንኽድምና አሞኸኣ ናብቲ መሰል ጓል ኣንስተይቲ ይትረፍስ ክሕሎ ከም ሕቶውን ፈጺሙ ዘይለዓለሉ ሃገራት ኣዕራብ፣ ቪዛ ዓውደ ትምህርቲ/ስኮላር ኣይነበረን ከም ሓለፋ ክቁጸር ድሕሪ ምባል ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ሓቢረን ክሰርሓን፣ ብንቅሓት ክምክታን ከምዘለወን ገሊጻ።
ኣብ መወዳእታ ተኣተፍቲ ኣኼባ ኣባላት ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት ዝኾኑ ኣብ ኖርወይ ንማዕርነታዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቅ ነጻ ምንቅስቃስ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ንምምስራት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኖርወይ ኮይኖም ከመያየጡን ዝከኣል ክገብሩን ተዘራሪቦም።
ኣኼበኛታት ናብታ ኣንፈት ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቃልስና ናበይ ገጹ አዩ ናብ ዝብል ዛዕባ ሰጊሮም። ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ኣብ መእተዊ ናይዛ ካልኣይቲ ኣርእስቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ፍልልያት ቀንዲ መለለዪኡኳ አንተኾኾነ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኢልና ኣብ ክልተ ክፍለ ግዜ መቂልና ኣንተሪኢናዮ ግን፣ እቲ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ዝረአ ዘሎፍ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ዝስፈሕን ዝበዝሐን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሊዕሊ ሓድነትን ስኒትን ህዝብን ሃገርን ዘለዎ ሓደገኛነት አውን ብኡ መጠን ኣሰካፊ አዩ፣ ከመይሲ ኣብ ምጅማር ሃገራዊ ፖለቲካና ማለት ኣብ 1950ታት ዝነበረ ፍልልያት ናጻ ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓበረት ኤርትራ ዝብሉን ካልእን ገፋሕቲ ግን ከኣ ብደረጃ ሃገር ዝጠመቱ አንክኾኑ መሰረት ናይ ሎሚ ፍልልያትና ግን ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ቀኢላ፣ አንዳ፣ ዞባን ከባብን አዮም። ስለዚ ጉዕዞ ቃልስና ናብ ሃገራዊ ሓድነትን ናይ ህዝቢ ስኒትን ድዩ ዝመርሓና ወላስ ናብ ዝገደደ ፍልልያት ክንሓስበሉን ክንዘራረበሉ ዝግበኣና ጉዳይ አዩ ምባል መድረኽ ንሰመዕቲ ኣረኪቡ።
ብጻይ ሹማይ ወሲኹ አቲ ፍልልያት ከምዘሎን ሓደገኛነቱን ኣስሚሩ፣ ቅድም እሞ ንስርዓት ህግዲፍ ሓግሒግና ካብ ስልጣኑ ንእለዮ፣ ንፍልልያትና ድማ ድሕሪኡ ንፈትሖ ዝብል ናይ ዝበሐ ክፋል ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣዘራርባውን የዋህ ኣዘራርባ ምኳኑ ሓቢሩ ሰፊሕ መሪሂ ሂቡ።
ተጋባእቲ በቢወገኖም ንሓቅነት ናይዚ ኣርእስቲዚ ዘይከሓድ ምዃኑ ብምሕባር፣ አዚ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ኣብ ኖርወይ ተመስሪቱ ዝስረሓሉ ሰሎ ጽላል ሎሚ ኣብ ቃልሲ ጽባሕ ኣብ ልምዓት ሃገር ከስረሓና ዝኽእል ጎደና/ሮድ ማፕ/ እዩ ሒዙ ዘሎ እሞ ንሱ ኽሕይልን ክሰፍሕን ካብ ዶባት ኖርወይ ሰጊሩ ኣብ ካልኦት ቦታታትውን ጽልዋ ከምዘሕድር ክንገብሮ ንጽዓር ብምባል፣ ፍልልያትና ንሓይልና ዘየድክም፣ ንሓድነትናን ስኒትና ድማ ዘየቁስል ክንገብሮ ንፈትን ኢሎም።
ኣብ መወዳአታ ድሕሪ ናይ ሓያለይ ውርቃዊ ሃናጺ ሪኢቶታትን ለበዋታትን ናይ ግዜ ድሩትነት ንከይዲ ኣኼባውን ደሪትዎ፣ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ብምስጋናን ብዝኽረ ሰማዕታትን ተዓጽዩ።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና!!! ክብርን ሞገስን ድማ ንሰማዕታትናን ንስንኩላትናን!!!
ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ኖርወይ