5000 ዝግመቱ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቫ

2015-07-03 07:22:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2666 times

ነቲ ብኮሚሽን ምጽራይ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ንግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ኣብ ጀነቫ ተጋቢኡ ዝቐነየ ባይቶ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምድጋፍ ካብ መላእ ኤውሮጳን ካልእ ክፍልታታት ዓለምን ዝመጹ ኤርትራውያን፡ እኳደኣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብኽብ ዝበለ ድምቀትን ዓወትን ብዕለት 26 ሰነ 2015 ኣብ ከተማ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ተኻዪዱ።

እዚ ንኹሉ ዳላይ ፍትሒ ኣሕጉሱ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ድምቀትን ብዘየወላውል ትኹረትን ተማእኪሉ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዝተኻየደ ምስ ምንባሩ፡ ብርግጽ እቲ ኣንጻር ምልኪ ዝኸይድ ዘሎ ግጥምያ ናብ ዝበለጸን ዝሓሸን ደርጃ ዓሪጉ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት’ዩ።

እዚ ኣብ ማክያቨልያዊ ስልቲ ተንጠልጢሉ “መጹኹም! በልዑኹም! ፈጠሩኹም!” ብምባል፡ ንጸገማቱ ክሓብእ ዝውዕልን ዝሓድርን ቁርዲድ ሃገር ኮይኑ ዘሎ መንግስቲ’ዚ፡ ንድኽመታቱን ፈጺሙ ዘይቅበል ግናይ ስርዓት ስለዝኾነ፡ እምበኣርከስ ሕጂ’ውን ከም ቀደሙ፡ ብርኽቲ ሃገርና ደም እንዳኣንጠብጠበት፡ መንእሰያታ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዘይክዉን ኮይኖምን ኣብ ፈቐደድኡ ንዋያ ተዛሕዚሖምን ተጓሒፎምን ኣለዉ። ንሓንቲ ክልኢት’ውን ትኹን ሓላፍነት ብዘይምውሳድ፡ ክመጻደቕን ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ክትፍነንን መስሓቅ ሸራፋት ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሕጂ ዓለም ፈሊጠዮ ኣሎኹ ኢላ ንኽትምስክረሉ ድንዕ ድንዕ ትብለሉ ዘላ ተግባራት ሕሱም መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ካብ’ቲ ኣብ ጽባሕ ረፈረንዱም ዝተጋህደ ማእሰርቲ ተጋደልቲ ኣትሒዝና እንፈልጦ ዘይቅዱስ ተግባር ብምዃኑ፡ ደጊም ብዝሓጸረ ልዕሊ 20 ዓመታት እንፈልጦን እተሞኮርናዮን፡ እዩ’ሞ ኣይሕደሰናን’ዩ።

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰልፍና ተሓቢሩ ዝነበረ፡ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ብኣካልን ብገንዘብን ዝተሳተፉዎ ብዙሓት ኮይኖም፡ ብተወሳኺ’ውን ብስም ሰልፊና’ውን 1000 ዩሮ ንኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምብርካቱ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 03 July 2015 09:24