ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ) ኣብ በይ-ኤርያ ከተማ ኦክላንድ ዘካየዶ መደብ ወፍሪ ምእካብ ወፈያ ሸትኡ ሃሪሙ

2015-07-04 05:04:22 Written by  ኣካየድቲ ቦርድ Published in EPDP News Read 3480 times

EDALogo

ብ27 ሰነ 2015 ዓ.ም. ሓያሎይ ካብ ኣብ ከተማታት በይ-ኤርያ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ መደብ ምእካብ ወፈያ ዝተዳለወሉ ቦታ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ተረኺቦም ደገፎም ክውፍዩ ከለዉ፤ ገለ’ውን ካልእ ጉዳያት ኣጋጢምዎም ክመጹ ዘይከኣሉ ወፈያኦም ግን ዝሰደዱ ይርከብዎም።

ነቲ መደብ ዘዳለዉን ዝመርሑን ኣባላት ኣካያዲ ቦርድ ብቪድዮ፣ ድሩቕ ስእልን መግለጽን ዝተሰነየ ንታሪኽን ህልዊ ኵነታትን ትካላት ናይ መኽሰብ ኣልቦ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ)፣ ማሕበር ካብ ዝምስረት ሒዙ ነቶም ብመሰረት ኣብ ዓንዲ ሕጊ ዘስፈሮም ዕላማታትን ትካላትን ማለት ምሕጋዝ

  • ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲሸሪፈይ
  • መደበር ኣካለ-ጽጉማን ከሰላ
  • መደብ ማዕዶ ወላዲ (ስፖንሰር)

ዝተኻየደ ንጥፈታትን ዘጋጥም ሕጽረታትን ብዝርዝር ኣብሪሆም። ተሳተፍቲ ብወገኖም ብፍላይ እኳ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ድሕሪ ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ብጽሞና ምክትታሎም፣ ሕልና ዘበራብር ኣፍልጦኦምን ተሞክሮኦምን ብምክፋል፤ ጸገማት እቲ መደበራት ንምፍታሕ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ክግበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ኤ.ደ.ማ. ምስ ዝሓለፈ እዋናት ዘክይዶም ዝነበረ ወፍርታት ምስ ናይዚ እዋን’ዚ ተሳትፎ ከነጻጽር ከሎ፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ፍሉይን ኣተባባዕን ኰይኑ ንረኽቦ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ብደለይቲ ፍትሒ ተበጊሱ ንዅሉ ምንቅስቓሳት ደንበ ተቓውሞ፣ ሲቪካዊያን ማሕበራት፣ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ብማዕረ ዘሳትፍን ዝሓቍፍን ኰይኑ፤ “ብበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በኤደለ)” ዝጽዋዕ ማሕበር ካብ ዝምስረት 2ይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ፤ ህዱእን ምርዳዳእ ዝዓሰሎ ሃዋህው ፈጢሩ ስለ ዝርከብ እዩ። ብፍላይ መንእሰያት ተሳትፎኦምን ኣገልግሎቶም ኣብ ምምራሕን ምክያድን እናዓዘዘ ክኸይድ ንርኢ። ከም ውጽኢት ናይዚ ሃዋህው እዚ ድማ ኣብ ወፍሪ ኤ.ደ.ማ. ዝተሳተፉ ካብ ኵሎም ኣካላት ምዃኖም ኣዎንታዊ ምዕብልና ኣብ ሓድነትን ስኒትን ህዝብና ብምርኣይና ንሕበን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እነካይዶ ዝነበርና ወፍርታት ኣዝዩ ንጡፍ ተራ ዝነበሮ ነብስ-ሄር ኣስገዶም ገብረመድህን (ወዲ ባሻይ)፣ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ መንጎና ዘይምርካቡ፣ ንሱ ዝዓሞ ዝነበረ ስራሓት ባዕልና ክንዓሞ ስለዝነበረና፣ ንሞያኡን ኣበርክቶኡን ብምምስጋን ደጋጊምና ካብ ምዝካር ኣየዕረፍናን። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ጽገ ክፍለ ንስድራቤት ወዲ ባሻይ ወኪላ ምሳና ውዒላን ወፈያኣ ኣበርኪታን።

ኣብ መደምደምታ፡ ዕዉት መደብ ዛዚምና። ንዅሎም ብሓልዮቶምን ልግሶምን ነቲ እንፈልጦ ሓላይን ለጋስን ባህሊ ኤርትራውያን ብተግባር ህያውን ቀጻልን ምዃኑ ዘረጋገጹልና፣ ብስም ኤ.ደ.ማን ትካላቱን ልባዊ ምስጋናና ይብጸሓዮም።

ኣካየድቲ ቦርድ


Address:     EDA                                                                                  Tel:   (408) 224-6822

                     5438 Giuffrida Ct                                                      Website www.eritreacare.org

                     San Jose, CA 95123                                      

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.         

Last modified on Saturday, 04 July 2015 09:50