ኣባላት መሪሕነት ኤምዲሰመ ዝርከብዎም ወ/ሮ ኣድያም ወልዳይ፡ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃምን፡ ኣቶ ኢያሱ ዓንደማርያምን "ብድሆታት ንምትካል ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃ (UNISA) ብዕለት 10 መስከረም 2015 ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዶም። ኣብዚ ብ "WIPHOLD-Birgalia Bam Research in Electoral Democracy" ዝተወደበ ሰሚናር ሓያለ ተመሃሮ፡ መማህራን ዪኒቨርሲቲን፡ ሰብ ሞያን ዝርከብዎም ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ወከልቲ ፖለቲካዊ ትካላትን ተሳቲፎም።

 እቲ ሰሚናር ብዛዕባ ኤርትራ ታሪኻውን ፖለቲካውን ሓፈሻዊ ድሕረባይታ ድሕሪ ምሃብ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጸም ዘሎ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ጭቆና፡ በደልን፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንተሳተፍቲ ብዝርዝር መብርሂ ሂቦም። ብምቕጻል እዚ ኩሉ ሓሊፉ ኤርትራ ናብ ዲሞክራሲ ክትሰጋገር ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተሳትፎ ኤርትራውያን እንዳዓዘዘ ይኸይድ ብምህላዉ ናይ ብሓቂ ተስፋ ዝህብ እዩ ድሕሪ ብምባል፡ ጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ኤርትራ ኣቃልቦ ይህቦ ብምህላዉ ነቲ ቃልሲ ተወሳኺ ድርኺት ዝህብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

 ተሳተፍቲ ነቲ ሰሚናር ብጽሞና ድሕሪ ምክትታል፡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም። ካብቲ ተሳተፍቲ ዝበልዎ ገለ ንምጥቃስ፡

"ብጽሑፍን ብገለ ገለ ማዕከናት ዜናን ብዛዕባ ኤርትራ ሰሚዐ፡ እዚ ንስኹም ዝሃብኩምና መግለጺ ግና ካብ ትጽቢተይ ንላዕሊ ኮይኑ ረኺበዮ"

"እዚ ዝሃብኩምና መግለጺ ናይ ብሓቂ ዓይኒ ከነንቁሕ ዝሕግዝ እዩ ነይሩ (It was an eye-opener)"

"ክትዛረቡ ከለኹም፡ ከምዚ ዘፍርሕ ፊልም (horror movie) ትርኢ ዘሎኻ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ"

"ሕጋውነት ስልጣን ኢሰያስ ካብ ምንታይ እዩ ምንጩ ትብሉ"

"ስለምንታይ እዩ ኢሰያስ ንሕዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝገብሮ ዘሎ፡ ኣብ ኣተዓባብይኡ ገለ ጸገምዶ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል"

"ጉዳይ ኤርትራ ብዝበለጸ ኣቃልቦን ደገፍን ማሕበረሰብ ዓለም ክረክብ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ"

"እዚ ዝሃብኩምና ሰሚናር ብዝበለጸን ብዝሰፍሐን ኣብ ካልእ መድረኽ ክድገም፡ እቲ ዝርርብ ድማ ቀጻሊ ክኸውን ተስፋ እገብር"

"ናይ ኤርትራ ኩነታት ብትብዓት ከተካፍሉና ፍቓደኛታት ብምዃንኩም ኣድናቆትና ንገልጸልኩም፡ እዚ ሰሚናር ካልኦት ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ኣህጉሮም ዝሰፍሐ ኣፍልጦ ክህልዎም ሓጋዚ ነይሩ"

ዝብሉ ይርከብዎም።

 ኣብ መወዳእታ ኣዳለውቲ ናይቲ ሰሚናር፡ ንኣቕረብቲ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም። ኣቕረብቲ ሰሚናር ብወገኖም ድማ ንተሳተፍቲ ብዓቕልን ጽሞናን ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ብምስምዖም፡ ንኣዳለዉቲ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራ ሓሳቦም ንግዱሳት ማሕበረሰብ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ከካፍሉ ዕድል ብምኽፋቶም ምስጋንኦም ድሕሪ ምምሕልላፍ እቲ ሰሚናር ብጽቡቅ መንፈስ ተዛዚሙ።

ኤምዲሰመ

11 መስከረም 2015

ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፣ ዝምድናታት ሃይማኖታት ካብ ኣርባዕታት እናተዘርገ ከም ዝመጸ ኩሉ ተኸታታሊ ታሪኽ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ። ሕመረት ናይቲ ጉዳይ ክልቲኡ ሃይማኖታት ድጋፍን ጽግዒን (Support & Protection )ክህቦ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ምድላይ ይነጥፍ ስለዝነበረ እዩ ። ኣብ ጉዑዞ ከኣ ማሕበር ኣንድነት ብ9 መስከረም 1945 ኣብ ኣስመራ ተመስሪቱ ፣ ራቢጣ ኣልእስላሚያ ከኣ ብ20-21 ጥሪ 1947 ኣብ ከረን ተመስሪቱ ። ክልቲኦም ሰልፍታት ኣብ ኣይዲሎጂ ዝሰጠመ ደረቅ ዘይዕረቕ ጽልኢ ኣይነበሮምን ። ብሓንሳብ ይዛተዩን ይላዘቡን ከም ዝነበሩ ታሪክ ይምህረና እዩ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ክልቲኦም ሃይማኖታት ናይ ስራሕ ኣወዳድባ ዝርጋሔ ነይሩዎ እዩ። እንተኾነ እቲ መንግስቲ ነቲ ዝምድናታቱ ከይደልደለ እንከሎ እቲ ፈደረላዊ ውዑል ስለ ዝጎበጦ ክፈርስ ተገዲዱ ።

እቲ ፈደረሽን ምስ ፈረሰ እቲ ብረታዊ ቓልሲ ብ1 መስከረም 1961 ተጅሚሩ ፣ ምስቲ ዝነበሮ ዘይርጉእ ሃዋሁ እቲ ሰውራ ቀጺሉ። እንደገና ኣብ ተሓኤ እቲ ሚዛን ሓይሊ ካብቲ ኢድ ጀማሪ ክወጽእ ኣብ ዝጀመረሉ እቲ ሕቅታት እንደገና ተራእዪ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ጽላል ተሓኤ ዝነብበረ ሓይለ ተደፊኡ ብ1982 ኣብ ሃገር ሱዳን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፣ ክሳብ ሕጂ ክምጠጥን ክብተኽን ድሕሪ ምጽናሕ ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዝኾነ ጉጅለ ኣብ ዘዝመስሎ ማሕበራዊ ጉጅለ ተወዲቡ እምበር ይደክም ተዘይኮኑ ይምዕብል ክምዘየሎ እናረኣየ ዓወት ዝምጽእ ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ ። ይቓለስ ከም ዘሎ ከኣ ይዛረብ ። እዚ ብማዕረ ንክልቲኡ ሃይማኖታት ዝምልከት ውደባ ምዃኑ ከኣ ክሕበር ይፈቱ ።

ሰዲህኤ ንጉዳይ ብሑሕነት ባይታ ክፈጥረሉ ካብ ምጽዓር ተቖጢቡ ኣይፈልጥን ። ምኽንያቱ እቲ እንደልዮ ሰላማውን ዲምክራሲያውን ስርዓት ክረጋገጽ እንተ ኮይኑ ተሳትፎ ናይ ኩሎም ሕብረተሰብኣውያን ሐይልታት ናብ ኩሉ ጽፍሕታት፣ ሎሚ ኣብቲ ሰልፉ፣ ጽባሕ ከኣ ኣብ መጻኢት መግስቲ ኤርትራ ኣድላዩ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ። ሰዲህኤ ነዚ ተግሶ እዚ ነቅ ዘይብል መንጻፍ ኣንጽፈሉ ይርከብ ። ቅዋም ሰዲህኤ ሃገራውን ዲምክራሲያውን ዕማማት ዘማለአ ኮይኑ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ንኩሎም ዜጋታት ክእንግድን ክሓቁፍን ዝክእል እዩ ።

እቶም ብጉዳይ ሃገር ክዝትዩ ብጉዱሳት ዜጋታት ዝውደቡ ዋዓላታት ፣ ብዙሕነት ኣየማልኡን እናተባህሉ ዝውቀሱን ዝተፈላላየ ኣስማት ዝወሃቦም ሕደት ኣይኮኑን ። እንተ ኮነ ዓደምቲ ምልኣት ከረጋግጹ ዘይምኽኣሎም ክሕመዩሉ ዝግብኦም ጉዳይ ኣይኮነን ። ምክንያቱ ተበግሶ ይውሰዱ ድኣ እምበር፣ ኣብ ምሕጻይ ሰባት ኣፍልጦ ክሓጽሮም ይኽእል እዩ ። መብዛሖም ካብቶም ዋዕላታ ነዚ ሽፍታ ስርዓት ብኸመይ ክእለ ኣሎዎ ተባሂሎም ዝኽየዱ እምበር ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምክፍፋል ወይ ከኣ በይናኣዊ አምርሃ ጉዕዞ ( road map) ከውጽኡ ዝተወደቡ መድረካት የለውን ።

ኪዳን ብደገፍቱ ሃገራት ብዝተለገሰሉ ገንዘብ ብ2010 ሃገራዊ ዋዓላ ከዋድድ እንከሎ ፡ ከም ቀንዲ ረቛሒ ዝዝረበሉ ዝነበረ ፣ ናይ ኩለን ሕብረተሰባት ኤርትራ ዘንጸባርቅ ባይቶ ምዃኑ ተነጊሩሉን ተጸንቢሉን። እቲ ጸገም ግን እቶም ተጋባእቲ ብልቦም ነቲ ብዙሕነት በቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕድል ክጥቀመሉን ክዕውትዎን ኣይበቕዑን ። እቲ ፍልልይ ኣብ ክንዲ ዝቅህም መሊሱ ተወሊዑ እናጸንሔ ከኣ ኣብዚ ሕጂ በጺሒዎ ዘሎ ኩነታት ይርከብ ። ባህሊ ናይ ተኸኣኢልካን ተጸዋውርካን ምንባር ክምዕብል ተራ ናይ ኩሎም ድለይቲ ፍትሒ ክኽውን ይግባእ።

ሕጂ እውን ዋዓላ ናይ ኩለን ውድባት እንተ ዘይገበርና ዝብሉ ወገናት ኣሎዉ። ብወገነይ ግን ገንዘብኩም ኣይተባኹኑ ኣይትኽሰሩ ክብሎም እድሊ ። እንተ ኪኢልኩም ነተን ሓደ ፖለቲካዊ ራኢ ዘለውን ውድባት ኣብ ሓደ ከምዝመጻ ግበሩ ። ነቲ ዘይተደላውን ዘይምኽንያታውን ብዝሒ ናይተን ውድባት ኣጉዱልዎ ፣ እዚ ነቲ ሲዒቡ ዝመጽእ እተኻይዱዎ ዘተ ሓጋዚ ይኽውን ። ምክንያቱ ኣቶም ቅድሚ ሕጂ እተኻየዱ ዋዓላታት ስለ ምንታይ ከምዝፈሸሉ ከም ተመክሮ ክንምሃረሉ ኣሎና። መንጎኛ ከትክውንን ተቀባልነት ክህሉወካን ክማልኡ ዘለዎም ድሕሪ ባይታታት እውን ኣገዳስነት ኣለዎም ። እዚ ነቲ ሰፊሕ ንኹሉ ዘሳትፍ ጽላል እውን ዝዕንቅፎ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 8/29/2015 ኣብ ኦክላድ ዝተኻየደ መድረኽ (Bologna Forum) ብዙሑነት ከማልእ ኣይከኣለን ። እቲ እንተታት ነዓደምቲ ገዲፈ ፣ ንሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ክትዕድሞ እንተኮይንካ ፣ከም መምዘኒ ክትጥቀመሎም እትኽእል ነጥብታት ኣለዉ ። እቲ ተዓዳማይ ነቲ እተዳልዎ መደብ ሓጋዚ ኣበርክቶ ክገበር ይክእል ዲዩ ? ተዓዳማይ ኣብ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበሩ ሰላማዊ ሰልፊታትን ሰሚናራትን ርኡይ ተራ ኣሎውዶ ? ተዓዳማይ ብጉዳይ ብዙሕነት ይኣምን ዲዩ ? … ወዘተ ። እንተ ዘኮይኑ ብሃውሪ ንዘይትፈልጦ ሰብ ንስለ ብዙሕነት ክትዕድም እንኮሎኻ ነቲ እትድልዮ ውጺኢት ከምዘይትረኽቦ ክገብረካ ይክእል እዩ።

ኣዳለውቲ Bologna Forum ካብ ዝዓደሙዎም ሓደ ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ነይሩ ። ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ኣብ ዝካየዱ ሰሚናራት ይኹኑ ሰላማዊ ሰልፍታት ክሳተፍ እንከሎ ፣ ብዝያዳ ከኣ ከም ወናኒ መርበብ ዓዋተ በቲ ዘበርክቶ ስነ ጽሑፍ ንጥፍ ተቓዋማይ እዩ ።በዚ ከኣ ተፈላጥነቱ ጎሊሁ ይርአ፣ ክዕደም ከኣ የምሕረሉ ። ብዝኾነ ካብቶም ብዙሕነት ጎዲሉ ዝብሉ ወገን ስለ ዝኾነ ፡ ነቲ ዕድመ ኣኽቢሩ ምምጽኡን ምስታፉን ነቶም ክልኦት ኣብነት ኽክውን ይኽእል።

ብዝኮነ ካብቲ መደሪኡ እታ ክትበርህ ዝደለኹዋ “ ኣነ መን እየ ኣብዚ “ እትብል ቓል ነቲ ኩሉ እንምነዮ ጉዳያት ብዙሕነት እትትንክፍ እያ ። ምኽንያቱ ኣብዚ ከም ኣማኒ ምስልምና ንበይኑ ስለ ዝመጸ ፣ ከም ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ወይ ዒራቓውያን ተዓዲሙ ዝመጸ እተስሚዕ ዘረባ እያ ። እዚ ኣታሓሳስባ እዚ እዩ ክእረም ዘለዎ። መጀመርያ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ተዓዲሙ ዝመጸ ምዃኑ ክኣምንን ንካልኦት ክእምንን ኣለዎ ። ንጉዳይ ሃገር ኣብ መንጎ ፈተውትኻን ኣዕሩኽትኻን ጥራሕ ከትርከብ የብልካን።

ኣብ መዋእል ቓልሲ ኩሉና ንሓንቲ ኤርትራ ከም ኤርትራውያን ተቓሊስና ። ኣብዚ ሕጂ ግን ቀዳማይን ካልኣይን መንነት (Identity) ኣብ ምዕዳግ ወይ ምጥራይ ንርከብ ። ኣብ ሃይማኖታዊ ፍልስፍና ሓድሓደ እምነታት ኣብ ክንዲ ሃገሮም ፣ እቲ ሃይማኖቶም ወይ እምነቶም ፍጹም ቀዳምነት ይህቡዎ እዮም ።በዚ ከኣ ኩሉ ዝምድናታቶም ምስቲ ካሊእ ሕብረተሰብ ብካልኣይ ደረጃ ይስራዕ ። ኣብ ጉዳይ ባህሊ ፣ ኣብ ጉዳይ ዲሞክራሲ ፣ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ነጻነት ፣ ወዘተ። ብሓፈሻ ኩሉ ሞራባዊ ምንጪ ዘለዎ ይነጽጉዎ ። እዚ ኣታሕሳስባ እዚ ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ ተርእዮ እዩ ።እንተኾነ ግዜ ንኹሉ ስለ ዝቅይር ክገርመና የብሉን ። ስልዚ እቲ ኣብ ሕድሕድና ዝጸንሔ ናይ ምትእምማንን ምጽውዋርን ባህሊ እናተሃስየ ይመጽእ ከም ዘሎ ተረዲእና፡ ነዚ ኣብ ዲያስፖራ ብክልቲኡ ወገን ዝጽሓፍ ዘሎ ናይ ሕሉፍነት (Extremism) ወፈራ ዘርብሓና ስለ ዘይኮነ ክንነጸጎን ክንኹኑኖን ዘሎና ኣታሕሳስባ እዩ ።

ዘለኣለማዊ ዝክሪ ንስዉእትና

9/15/15

           

               

“ብሄራዊ ናይ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣገልግሎትን ፈደራል ፖሊስን ሓባራዊ ጸረ-ራዕዲ ሓይሊ ዕማም” ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ መንግስታዊ ኣካል  ብ13 መስከረም 2015 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ደምህት” ብዝብል ስም ብመንግስቲ ኤርትራ ክሕገዝ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ተቓዋሚ ሓይሉን ዕጥቁን ጠርኒፉ ብ12 መከረም 2015 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ከም ዝሓበሮ እዚ ፍጻመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ግዱሳት መራሕቲ ናይ ደምህት ኣቦምንበሩ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ብምርድዳእ ንዝያዳ ሓደ ዓመት ግዜ ክሰርሓሉ ምስ ጸንሐ፡ ኣብቲ ዝተደልየ ግዜ ዝተተግበረ እዩ። ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ናይቲ ብዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ዝተመርሓ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ግንባር ምክትል ኣቦመንበር ኮይኑ ተመዲቢ ዝነበረ እዩ።

በቲ መግለጺ መሰረት ኣስታት 800 ዝኾኑ ግቡእ ዕጥቂ ዘለዎም ኣባላት ደምህት ብሓንሳብ ብወገን ሑመራ ናብ ኢትዪጵያ ክሰግሩኳ መደብ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳታ ሰዓት እዚ ምስጢር ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ሰለ ዝበጽሐን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ርክብ ስለ ዝተቋረጸን፡ ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ብፍሉይ ውሕልነት ከም ዝተፈጸመ ኣብዚ መግለጺ ተጠቒሱ’ሎ። መንግስቲ ኤርትራ እዚ ሓበሬታ ምስ በጸሖ ናብ ከባቢ እሞሓጀር ሰራዊ ኣንቀሳቒሱ ዶብ ክዓጹ ከም ዝፍተነ፡ እንተኾነ እዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሰ ሓይሊ ደምህት ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ናይ ኤርትራ ሓይሊ፡ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ከይወድቕ ዝበሎ ንብረትን ተሽከርከርትን ኣንዲዱ ናብ ሓምዳይት ከም ዝኣተወ’ውን እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ከምኡ እውን እዚ ሓይሊ ውግእ ምስ ኣጋጠሞ ገሊኡ እንዳተጓዕዘ ገሊኡ ድማ እንዳ ተኸላኸለ ኣብቲ ዝድለ ቦታ ከም ዝበጸሐ ተገሊጹ። ኣብቲ ዝተፈጥረ ጐንጺ ኣብ ክልቲኡ ወገናት ጉድኣት ከም ዝወረደ’ውን እቲ መግለጺ ኣይሓበአን። እቲ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን ምእታው ሕጂ’ውን ዘርጠብጠብ እንዳበ ይቕጽል ምህላዉ ከዓ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ኤርትራ ምውጻእ ዘይከኣሉ ናይ ደምህት ኣካላት፡ ሕሙማት፡ እሱራት፡ ናይ ኪነት ኣባላትን ካለኦት ዓቕሚ ዝሰኣኑን ጥራይ ምዃኖም ኣብዚ መገለጺ ተሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ሱዳን ነቶም ኣብ ሱዳን ዝኣተዉ ግቡእ ኣቀባብላ ብምግባርን ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ብምፍናውን ንዝገበሮ ምትሕብባር እዚ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ናይ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣገልግሎትን ዝወጸ መግለጺ ምስጋንኡ ገሊጽሉ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ወገናት፡ መንግስቲ ኤርትራ ስልጣኑ ንምሕላው ኮነ፡ ከም ግፋ መንእሰያት ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ኣብ ዝኣመሰሉ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ዕጡቓት ኣባላት ደምህት ብምውፋሩ ዝሓደሮም ስግኣት ክገልጹ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ውን ማዕረ ደምህት ዕጥቅን ራሽንን ኣይንወሃብናን’ዩ ዝብል ቅሬታ ከም ዝጸነሖ ዝፍለጥ’ዩ።

S Photo

ነዚ በዓል ረዚን ታሪኽ ሰራሕ ቅያ፡ ትማሊ ትማሊ ብጅግንነቱ ዓለም ብዓለማ ዝተደነቐትሉ ህዝቢ ሎሚ ብደገን ብውሽጥን ከይተፈራረሙ ዝተወዓዓሉ አእሿኽ ምድሪ ቤትን ጎረቤትን ክጻወቱሉ ክትርእይስ ክንደይ መዓንጣ ከብድኻ ይኹምትር። ትማሊ ትማሊ ንቐርኒ አፍሪቃ ብመንፊት ሚሔ ዘጻርይ ዝነበረ ግንባርን ህዝብን ከም ቁሚጦ ሓሰር እባ በለል በለል የብልዎ አለው በዓል ሕኸኸኒ ክሓከካ። ሓቁ እንድዩ ደአ ኪሮስ ዮውሃንስ ብውሽጢ ደምህት ብደገ ደምህት ህዝቢ ኤርትራ በዚሕዎ ርግሒት ክብል። እቶም ናይ ምድሪ ቤትና ደምህት ነቶም ናይ ደገ መርሓብ ኢሎም ተቐቢሎሞም። አሕዋትና አሓትና ብዕርቖም ተስፋ ተሓሪምዎም ዓዲ ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ምስተዓዝሩ፤ አቦታትና አዴታትና ብሕሱም ጥምየት ኣብ ምድሪ ቤት ተዓጺፎም ምስ ተኾርመዩ፤ ደምህት እዮም ነዛ ሃገር ከም ቁርዲድ ክሓልብዋ ጸኒሖም።

እቲ ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሳቐ ዘሎ አብ እዋን ስኽራኑ ከይሓፈረ ዓው ኢሉ “ናይዛ ዓጋመ እትብላኒ ስራሕክን ከርእየክን እየ” ኢሉ ዝፍክር ዘሎ አይተ ኢሰያስ ምስቶም መርሓባ ኢሉ ክልተ አእዳው ዘርጊሑ ዝተቐበሎም ደምህት ዳርጋ ዝተቓደወ አይመስልን። አብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ዜና ቀርኒ አፍሪቃ ደምህትን ሞላ አስገደሞን ኮይና ትርከብ። ሞላ ምስ ልዕሊ 700 ዓሳክራቱ ብሱዳን አቢሉ ንኢትዮጵያ ተዓዚሩ ኣሎ። እንታይ ይበሃል ኮይኑ እንትርፎ ግርም። ሓደ አባል ደምህት ንኤርትራ ገዲፉ ናብ ወላዲት ሃገሩ ተመሊሱ እንድሕር ሰሚዕና፤ ወዮ ደአ ዓቕሚ ዘየልቦ ኮይኑ እምበር ንሕና ደቀባት ኤርትራ ሓንቲ መድፍዕ ቶኪስና ኢና ከነፋንዎን ሓጎስና ክንገልጽን ዝግበአና፤ ከምይሲ ደምህት መድሃኒት ኮነ መከላኸሊ ዘይተረኽቦ ኤርትራዊ መንነትን ክብክልን ክብርዝ ዝመጸ ብኽልተ መሓውር ዝጎዓዝ ቫይረስ እዩ።

እቶም ዝተረፉ ቫይረስ ደምህት ድማ ከምዛ ናይ በዓል ሞላ አስገዶም የማስሎም ካብ ምባል ሓሊፍና እንታይ ክንብል፤ ንስለኦም ዘይኮነስ ንስለ እዚ ሓላል ህዝብና። ምድኻም ደምህት ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ አወንታዊ ጽልዋ አለዎ። ንዝኾነ ይኹን ተበግሶ ናይ ለውጢ ዕሱባት ደምህት ከየፍሽልዎ ዝብል ስግአት ብመጠኑ እንተኾነ ከፍኩሶ ግድነት እዩ። እቲ ዘገርም በዓል ሞላ እትዋት ወርቂ ብሻ ብፍቓድ ወዲ እንኦም ንዓመታት ድሕሪ ምህንኳት ናብ ዓዶም ብሰላም ኬድና ከይብሉስ ነቲ ውጹዕ ወዲ ውጹዕ ዋርሳይ ንእግረ መንገዶም ከምዝደምሰስዎ ሓቢሮም። ዋርሳይ ካን ምንችፕዮ ናይ ከተማ ኮይኑ ንሳቶም ብጥይት ክምንጥልዎ ዋርሳይ በትሪ ፖሊስ ሒዙ ደአ ከይከውን። ምናልባት እውን ከም ሰራዊት አሉላ ኣባ ነጋ፤ ዋርሳይ በርበረን ጉራዴን ከይከውን ዕጥቁ። እዚ ኩሉ ድራማ ግና ናብ ምንታይ ንምብጻሕ እዩ። ካን እቶም ኣብ ምድሪ ቤትና ተኾዲጮም ሞራልናን ክሳድናን ዘድነኑና ከይአኽለናስ ወሰኽ ደሊናሉ።

አስተውዕል ህዝበይ እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ በዓል ክልተ ገጸ ባህርይ ቀጻሊ ተዋስኦ፤ ብውሽጢ ይምጻእ ብደገ ኮነ ኢልካ ሕልናኻ ንምዕራብ ተስፋ ቆሪጽካ ዘፍ ንኽትብል ዝተደርሰ እዩ። ነዛ ብቀይሕ ደም ክቡር ዋጋ ዝረኸብካያ ሃገር፤ ብዋዛ ስኮሜሳ ክዋገዩላ እንቋዕ እቲ ንስለኻ በጃ ዝሓለፈ ወይ ዝሓለፈት ተመሊሶም ኣይርእይዎ። በዓል ንሕና ንሱ ሕጂኸ ቁሩብ ደኾን አይስቆረኩምን፤ አንታ እንታይ ዓይነት መደንዘዚ ዲኹም ተወጊእኩም። ናይ ኢሰያስ ደርሆ ፋሕቲራ ተውጽኦ ሽጣራ ተወዲኡ እንተበልናስ ሕጂ ድማ ምፍሕታር ዘይድልዮ ኡፍ ኢልካ ትጋልሆ ሽጣራ ሕሞራ ሸራሮ ንሰምዕ አለና።

አይተ ሞላ ናይ ክልል ትግራይ ሰላይ ኮይኑ ድሕሪ ምጽንሑ ልዕሊ 700 ዝኾኑ አባላት ሒዙ ናብ ወላዲት ሃገሩ ብሰላም ተመሊሱ ዝብል ስብራ ወረ ሰሚዕና። ሰላዪ ንውልቁ ሰላሕ ኢሉ ይአትው ወይ ይወጽእ እምበር ከመይ ደአሉ ናይ ሎሚ ስለያ ልዕሊ 700 ሰብ ሒዝካ፤ ወይ ጉድ እዚ ቅያ እዚ ብቐጥታ አብ ጊነስ ወርልድ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ ክአትው አለዎ ይብል ብወገነይ። ኣብ ኤርትራ ሓው ንሓው ኣይተአማመንን እዩ ከምዘይተባህለ ደአ ካን ሞላ ምስ ጭፍርኡ ደአ ከመይ ክዕንድሩ ተፈቒዱሎም ? ሞላን ጭፍርኡን እንድሕር ስራሕ ስለያ ይሰርሑ ኔሮም ደቂ አንስትዮና ምግሳስ ንምንታይ አድለዮም ? ነቲ ዘውረድዎ አካልውን ስነ አእምሮአውን በደልከ ክልል ትግራይ ክትሕተተሉ ዲያ ?

እንድሕር ብሓቂ አይተ ሞላ ሰላይ ኮይኑ ኣይ ሕጂ እንድዩ ደአ ናይ ብሓቂ ስርሑ ክጅምር ዝግብኦ፤ ምኽንያቱ ኩሎም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ አብ ሓደ አብ ዝተጠርነፍሉ እዋን። ዶስ ቀደም ሓላፊ ደምህት ኮይኑ ንነብሱ ባዕሉ ድሕሪ ምስላይ ስርሑ ብዓወት ዛዚሙ ኢልና ነዚ ተዋስኦ ንሕና’ውን ክንዛዝሞ። ሓደ መንግስታዊ መግለጺ አብ ፖለቲካውን ስለያውን መኽሰባት ተሞርኵሱ መግለጺ ከውጽእ እምበር፤ ከምዚ ናይ መንግስቲ ኢትይጵያ ዝሃቦ ንሻዕብያ መዓንጣ ከብዱ ኮምቲርናዮ ዝብል መግለጺ ናይ ክልተ ስኒት ዘይብለን ነጋርም ጎረባብቲ ዝኾና አንስቲ ኮይኑ ይስመዓካ። ብተወሳኺ ሓደ ካብ ተልእኾታት አይተ ሞላ ሕንፍሽፍሽ ፈጢርካ ንፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኤርትራ ከም ዝአትው ምግባር እዩ ኔሩ ይብል እቲ መግለጺ። ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣብ ኣሜሪካ ሃልዩ ኣብ ኤርትራ አትዩ እንታይ ለውጢ አለዎ። እዚ ናይ ኣሜሪካ ድርብ ዜግነት ዝውንን ሓላፊ አርበኞች ግንቦት 7 እንድሕር ደልዩ ካብ ኤርትራ ወጺኡ ናብ ኣሜሪካ ንምኻድ ዘድልዮ’ኮ ናይ ሽሕ ዶላር አየር ቲኬት ጥራይ እዩ። ብውልቀ ሰብ ደው ዝብል ምንቅስቓስ እንድሕር ኮይኑ ድሕሪ ምጭዋይ አንዳርጋቸው ጽገ እንታይ ደአ አርበኞች ግንባር ደው ዘይበለ?

እዚ ኩሉ ዝብሎ ዘለኹ ፖለቲካ በዓል ሞላ ወይ መንግስቲ ኢትዮጵያ አገዲሱኒ ዘይኮነስ እንታይ ደአ እዚ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ አሽካዕላል ዕላምኡ ስለ ዘተሓሳሰበኒ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ብሞራል ደቝስካ ጠመትኡ አንጻር ገባቲ ኢሰያስ ከይከውን ብእንተታት ክትሽርሽሮን ሃገራዊ ኒሕ ንምስባር ዝግበር ዘሎ ውሁድ መጥቃዕቲ ከነስተባህለሉ ይግባእ። ንሕና ከም ሃገር ወይ ከም ህዝቢ ጸገምና ውልቀ ምልኪ ክንሱ፤ አብዛ መራር መላግቦ ዝሕግዘና እምበር ንኢሰያስ አምሲልካ ብቐጥታ ናብ ህዝብና ዘቕንዔ ሕልና ህዝቢ ንምዕራብ ዝተአልመ ብደውና ክቐብሩና ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ተዓዚብናዮ አሎና። ምድኻም ደምህት ንዓና ዓብይ እፎይታን ብስራትን እዩ፤ እቶም ዝተረፉ ደምህት ንአይተ ኢሰያስ ሓዊስካ ከምታ አሕዋቶም ንምዕራብ የህትፎም። ሓንቲ ናይ መዛዘሚ ለበዋ አላትኒ። ሰብ ጊዜ አብ ውሽጢ ኤርትራ አቲና ክንስልን ክንዝርግን ጸኒሕና ካብ በሉና ነዞም አብ ኢዶም ዘለና የዋሃት ንስለ ፍትሒ ስጋብ ዝደልወና ከም ዝብኢ ክንሕንክስ ዝመረጽና ማዕረ ክንደይ ከም ዝንዕቁናን ዝሓቑኑናን ካብዚ ንላዕሊ እንታይ መምሃሪ ንጽበይ አሎና ?

ሕጂ’ውን ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን !!!

ሰሎሙን ገብረእየሱስ (EYSC)

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

  

Sesadu 2ብምኽንያት 18 መስከረም መዓልቲ እሱራት ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ስለዝኾና ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ሰልፊዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት፣ ዓርቢ 18 መስከረም 2015

ግዜ፣ ካብ ሰዓት 11.00 ክሳብ 14.00

ቦታ፣ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ኤርትራ ሊዲንጎ

ብድሓን ምጹ

ኣዳለውቲ ሰልፊ ሰሳዱ ምስ ብጾቶም

Rally commemorating Eritrean Prisoners Day in Stockholm Sweden

We kindly invite all democracy and human rights activists to a rally commemorating the dark day of 18 September where Eritrean members of the leadership and journalists were detained by the totalitarian regime in Eritrea.

Date: Friday 18th, September 2015

Time: from 11.00 to 14.00 local time

Place: In front of the Eritrean Embassy - Stjärnvägen 2 B Lidingö- Ropsten Underground

Welcome All!!!!!!!!!

Rally organizers/ SESADU in co-operation with others

ክቡር ኣቦ ወንበር EPDP መንግስትኣብ ኣስመሮም

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት EPDP

ክቡራት ዕዱማት

ብስም መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን (Network Of Eritrean Women) ቃልና ከነስምዕ ዕድል ምሃብኩም እመስግን።

ዓሚ ኣብ ኤርትራ የራኽበና ኢለ ትምኒተይን ትምኒት ብዙሓትን ኣተብቢሄ ነይረ። ኣብ ክንድኡ ኣብ ጀነቫ ተራኺብና። እዚ ናይ መን ኮይኑ።

መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እቲ መብዝሕትና ንፈልጦ ኣቀዲምና ዝሰምናዕናዮን ዝረኣናዮን ሰኒዳ። ንዓና ናኤርትራውያን ዳግማይ መርድእ ታሪኽ ግፍዒ ታሪኽ ሕገኣልቦነት ታሪኽ ዓመጻ ታሪኽ ቅትለትን ጥፋአትን ስደትን።

ጀነቫ ካብ ተላዕለ ክልተ ካብቲ ንመርማሪት ኮምሽን ዝቕረበ ሓጺር ምስክርነት ክጠቅስ ፍቀዱለይ። እታ መስካሪት ብዛዕባ ናይ ሓንቲ ምስ ህጻን ወዳ ዝተኣስረት መንእሰይ ኣደ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:

„ ኣብቲ መጀመርያ ዝረኣኹዋ ግዜ የእዳዋ ብመቑሕ ተኣሲራ ጸኒሓትኒ። እቲ አተአሳስራ ናይ አእዳዋ ተሪር ስለዝነበረ በጻብዕታ ደም ቲፍቲፍ ይብል ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ውላዳ ከተጥቡ ስለዘይፈቕዱላ ዝነበሩ ብቓንዛ ናይ ኣጥባታን በቲ ብመቑሕ ዝተኣስረን አእዳዋ ኣዝያ ትሳቀ ነይራ። እተን ምስአ ዝነበራ ደቂኣንስትዮ ንኸይሕግዝአ ስለዘፈራርህወን ክገብርኦ ዝኽእላ ነገር ኣይነበረን“።

ሓንቲ ካልእ ብምኽንያት ካብ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ደቃ ዝተአስረት ኣደ „ንኽልተ ሰሙናት ተአሲረ ክልተ ግዜ ድማ ብአማሓዳሪ ናይቲ ቦታ ተዕሚጸ። ብሰንኪ ፍርሂ ግን ከምዚተዕመጽኩ ኣይነገርኩን“ ትብል።

ነዚ እዩ ኣብ አርትራ ፍርሒ እምበር ሕጊ ኣይኮነን ነጊሱ ዘሎ ዝተባህለ።

ብመንጽር እዚ ስርዓት ኢሳያስ አፈወርቂ ብሃማድኤ ኣቢሉ ዓሚ ናብ CEDAW/UN ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ „ኣብ ኤርትራ ጾታዊ ዓመጻ የለን“ ዝብል ኢዩ ነይሩ። መሰል ጓልኣንስተይቲ ኣይንታዩን ሲለዚኾነ። ዓመጻ ቑሒምካ ትም በል ዚብል ስርዓት ስለዚኾነ። ወልቀመለኽቲ ንደቂኣንስትዮ ከም መሳርሒ (Object) ኢዮም ዝሪኡወን።

ስርዕተ ኢሳያስ እፈወርቂ ምሕደራ ሃገርን ህዝብን እንዋስአሉ: ክእለትናን ዕቕምናን ንምዕብልናን ሃገርናን ነበርክተሉ ግዜ ዘባኾረ ብኽብረትናን መንነትናን ዝተጣልዔ ህይወትና ብሰላም ንመርሓሉ መዋእል ዝሰረቐ ስርዓት ኢዩ።

በዚ ኣንጻር ክርኤ እንከሎ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ምዕብልናታት ይኹን ኣብ ሱታፌ ደቂኣንስትዮ ብዝምልከት ገዲፈናና ኢየን ንቕድሚት ዝውንጨፋ ዘለዋ። ንኹነታት ደቂኣንስትዮ ብዝምልከት 30-40% ቦትኤን ኣብ ፓርላማ ትሑዝ ኮይኑ ኣገዳሲ ናይ ሚኒስተር ቦታታት ክሕዛ በቒዒን ኣለዋ። ናይ ኬንያን ሶማልያን ናይ ወጻኤ ጉዳይ ሚኒስተራት ደቂኣንስትዮ ኢየን። ኣብ ሶማልያ ንዝመጽእ ዓመት ንፕረሲደንታዊ ምርጫ ነብሳ ሓጺያ ዘላ ፋዱማ ዳዪብ ኢያ።

ንሕና ኣብ ደምበ ፍትሒኸ ከመይ ኣለና? ካብ ዓሚ ሎምዘመን ንሓይሽ። ኣብ መብዝሕትኡ ተበግሶታት ተጸዊዔን ዶ እዘን ኣሓትና ተባሂሉ ይሕተት ኣሎ። ቁጽሪ ተሳተፍቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝኸድካዮ ይልለ ኣሎ። EPDP ሎሚ ኣብ መደብኩም ብዛዕባ ሱታፌ ደቂኣንስትዮ ከም ኣርእስቲ ምስፋርኩም ዝናኣ ኢዩ።

ብወገንና ኣብዚ ዓመት በዓቕምና ንኩነታት ኤርትራን ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ምቅላሕን ደቂኣንስትዮ ንምርግጋጽ መሰለን ኪብገሳ ከነተባብዕ ኸሪምና። ካልኣይ ሲምፖዝዩም ኣብ ፍራንክፉርት ኣብ መጋቢት ናይዚ ዓመት ኣባላት ናይ ተበግሶ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመንን ነጻ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ንዲሞክራስን ሰላምን ዚተሳተፍኦ ጽቡቅ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ዝዓሰሎ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይድና። ኣወሃሃዲት ኮሚተ መሪጽና። ገላ ክፋል ናቱ ብራድዮ መድረኽ ተዘርጊሑ ናይሩ። ኣባላት ናይዘን ሰለስተ ማሕበራት ኣቀዲምና ብሓባር 8 ማጋቢት ኣብ ፍራንክፉርት ኣብዒልናዮ።እዚ ኩሉ ግን ገና መባኢታዊ ኢዩ።

ንደምበ ፍትሒ ዝጽበየና ዘሎ ብድሆታት ገና ኣይነከየን። ዋሕዚ ስደት አርትራውያን ኣባና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ማእኸናት ዜና ብፍላይ ድማ ኣብ አውሮጳ ኣሪእስቲ ኮይኑ ኣሎ።

ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንኽውንነትና ብጥርኑፍ ዝገልጽ ናይ መወከሲ ሰነድ ኢዩ። እዚ ግን ንዋንነት ናይ ጉዳይና መተካአታ ኣይኮነን። መመላእታ ጥራይ ኢዩ።

እቲ በብጉጅለኻ በበይንኻ ዝግበር ተበግሶታትን ስርሒታትን ናብ ተጠርኒፍካ ስርሓትካ አተወሃህደሉ ክሰጋገር ይድለ ኣሎ። ዘሎና ምንጭታት ግዜን ብግቡእ ክንትቀመሉ፣ ካብ ተደጋጋምነትን ምስሉይ ውድድራትን ንኽንወጽእ ደምበ ፍትሒ ዚመርሖ ኣካል የድልዮ ኣሎ። ናይ ሚልዮናት ድሌትን ባህግን ዘንጸባርቕ ዝጠምር መሪሕነት። ሓደ ካብቲ ፍሽለት ኣመራርሓ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዑኡ ዝትክእ መራሒ ዝሊለየሉ ኩነት ዘይምፍጣሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ ሓላፍነት ናባና ናይ ኩልና ኢዩ። ኤርትራ ዋሕዲ ክኢላታትን ሰብ ደለይቲ ፍትሕን ኣይኮነን እቲ ጸገማ። ብዘይ ኣማእካሊ መሪሕነት ኣብ ንበጽሖ የብልናን። ወሃብቲ ዕድልን ተጠቀምቲ ዕድልን ንኹን። ከይተጸባጸብና። እቲ ኣብ መእተዊ ዘንበብኩልኩም ዓመጻ ከይድገም ምእንቲ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ናይ ተስፋ ንፋስ ከነስንቖ እንተኾይንና ነዛ ቀሪብኩማ ዘለኹም ጭርሖ „ዘተ ብዘይ ቅድመኩነት“ ተግባራዊት ንግበራ፣ ትማሊ፣ ሎሚ። ጩራ ናታ ኣብ ጀነቫ ሪኢናያ ኢና።

ዕዉት ኮንፈረንስ ይምነየልኩም።

የቀንየለይ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዕዉት 2ይ ጉባኤ ሰልፍን ፈስቲቫል 2015 ብዕለት 11 09 2015 ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ናይ ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ፈላሚ ዝኾነ ኣኼባ እቶም ካብ ምስረታ ናይዚ ሰልፊዚ ኣትሒዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሰልፋዊ ጽፍሕታት ኣብ መንእሰያዊ ጉዳያት ተመዚዞም ክሰርሑ ዝጸንሑን ዘለዎን ካድራት ሰልፊ ተረኺቦም ነይሮም። ንሳቶም ካብ ሃብታም ተመኩሮኦምን ዓሚቍ ትዕዝብትታቶምን መጽናዕቶምን ነቂሎም ንገዚፍ ብኵራት ኤርትራዊ መንእሰይ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ቃልሲ ምኽኑይ ከምዝኾነ ይገልጹ። ንሳቶም ናይ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሓደ ወገን ኣብ ሃገሩ ብስርዓት ህግደፍ ኣገልጋሊ ናይ ስሱዕ ውልቃዊ መደባቱ ክኸውን ተፈሪዱ ካብ መኣዲ ተምህርትን ንቅሓትን ዝተኾልፈ፣ ብወለዱን ብኸባቢኡን እውን እንተኾነ እንተስ ካብ ፍርሒ እንተስ ካብ የዋህነት ተማእዛዚ ናይ ዝኾነ መርሕነትን ስልጣንን ክኸውን ዝተመልመለ፣ ካብዚ ጸቅጥታትዚ ፈንጺጉ ብምምላጥ ኣብ ዓዲ ጓና ህይወት ክምስርት ንስደት ኣብ ዘምርሓሉ እዋን እውን እንተኾነ ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ኮነ ኣብ ዕቁባ ዝሓተተሉ ሃገርን ቦታን ንኤርትራውነቱ ዘጽልእ ልዕሊ ዓቅሙ ዝኾነ ጸገማት ዘይተጋደፎ፣ ኣብ ከርፋሕ ናብራን ከርተትን ዝርከብ፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ብዛዕባ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኮነ ብዛዕባ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን እኹል ኣፍልጦ ዘይብሉ፣ ቁልሕ ኢሉ ኣብ ዝጠመተሉ እዋን እውን ኣንተኾነ ካብ ደምበ ተቃውሞ ኣብ ክንዲ ሓያል ሃገራውነትን ንቅድሚት ዝግስግስ ቃልስን፣ ኣብ ምግምማዕን ምጉጅጃልን ኣድሂቡ ዝደኸመ ሓይልታት ብምርኣይ ዝሰምበደን እዩ ብምባል ይገልጽዎ።

ካብዚ ተረድኦዚ ተበጊሶም እውን፣ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ሃገራውነት ዝጎደሎ፣ ስሱዕን ፈታው ነፍሱን እዩ ዝብል ናይ ፖለቲካዊ ህርፋን ድምጺ ተወጊዱ፣ ንመንእሰይ ኩነታቱ ብግቡእ ምርዳእን፣ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ሓገዝ ምግባርን ከምዘድሊ፣ ክንዲ ፍረ ኣድር'ውን ትኹን ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ግዜ ግን ኤርትራዊ መንእሰይ ብናይ ዓዲ ጓና ናብራ ከምዘይታለልን ኣብ ሃገራውነቱ ከምዘይዝሕትልን ምእማን የድሊ፣ ይብሉ አቶም ምኩራት ካድረታት ሰልፊ። ንሳ'ቶም ብተወሳኺ ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ንመእሰያት ኣብ ምሕጋዝን፣ ምምልማልን ዝግበር ጻዕሪ ካብ ዝጸንሐ ዝዛየደን ዝተመሓየሽን ክኸውን ከምዘለዉ የተሓሳስቡ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ቀጺሎም ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ክሕይልን ከድመዓሉን ዝኽእል መዳያትን ኣብ'ዚ ቀዳማይይ ናይ ድሕሪ ጉባኤ ዓመቱ ክዓሞም ብዛዕባ ዘለዎም መደባት ዘትዮም፣ ሓያለይ ሓጋዚ ሓሳባት እውን ኣበርኪቶም።

ዓወት ንዲሞራስያዊ ቃልስና!

ዘላዕለማዊ ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና!

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

 

The Solidarity with Refugees march is thought to be the biggest national show of support for refugees in living memory

 

Thousands of people have begun marching through the streets of central London today in support of refugees, calling on the British government to take a stronger stance in their handling of the crisis.

The Solidarity with Refugees march is thought to be the biggest national show of support for refugees in living memory, with a number of refugees leading the march to Parliament Square.

A "conservative" for numbers attending the demonstration was 50,000 Almost 90,000 people have registered online to say they are attending in London and thousands more are expected in similar events across the country.

Bronze commander Chief Inspector Graham Price of Met Police said a "conservative" for numbers attending the demonstration as it arrived at Trafalgar Square was 50,000 but that number could rise.

He said: "So far the march has gone off smoothly. There have been no arrests and the atmosphere has been cheerful."

Since the photograph of the drowned Syrian toddler Aylan al-Kurdi was shared around the world last week, support for refugees has reached new prominence, while many feel David Cameron’s pledge to resettle 20,000 refugees by 2020 falls short of the appropriate action needed.

The Independent has encouraged readers to sign our Change.org petition urging the Government to accept Britain's fair share of refugees seeking safety in Europe. To date, more than 380,000 people have signed up in support.

The new Labour Party leader Jeremy Corbyn joined the march in the wake of his landslide victory in the Labour leadership election.

Speaking at the march, Mr Corbyn said that there is a “popular uprising” across Europe “in favour of decency and humanity”.

He said that the nation must “spend our resources on helping and not hindering people and to bring about that world of human rights and justice.”

“We are all human beings on the same planet,” he added.

The speech ended to huge cheers from the teaming crowd, with Mr Corbyn joining musician Billy Bragg to sing The Red Flag - a socialist song and the semi-official anthem of the Labour party.

Beginning at Park Lane the march proceeded to Downing Street with speeches in Parliament Square, from a number of speakers including Tim Farron, leader of the Liberal Democrats, Billy Bragg and Green Party leader Natalie Bennett.

Tim Farron, leader of the Liberal Democrats speaking at the march Mr Farron said David Cameron should be "ashamed" and that Britain's response had "not been good enough".

Ms Bennett said the refugee crisis was "yet another example of the Prime Minister acting along" and "ignoring a possible European solution".

Marching from Hyde Park Corner on to Parliament the chant from the crowd was “say it clear, say it proud, refugees are welcome here”.

Leading the chant on Piccadilly was nine-year-old Maya, the daughter of a Chilean refugee. She led the call and response as her mother Isabelle Cortes, 43, looked on proudly, wrapped in Chilean flag.

“I came here in 1978 as a child," said Ms Cortes. "My daughter is a daughter of a refugee. Britain opened its doors to my mother. She studied English and worked hard to raise me."

"Cameron's 20,000 is a joke. We must do more. I hope Corbyn is the start of that.”

The rally comes two days ahead of a summit of European leaders in Brussels to deal with the crisis, which is escalating across Europe.

The protest is backed by organisations including Amnesty International. London News Pictures The number of refugees and migrants that have crossed the Mediterranean so far has already doubled the total for last year, with around 432,761 estimated to have made the journey.

The protest is backed by organisations including Amnesty International, the Syria Solidarity Movement, Stand Up To Racism and Refugee Action.

Almost 90,000 people registered online to say that they would attend Solidarity with Refugees march in London on 12 September Almost 90,000 people registered online to say that they would attend Solidarity with Refugees march in London on 12 September Stephen Hale, Chief Executive of Refugee Action said: “Today's message could not be clearer. Britain welcomes refugees. In a hundred ways in a hundred towns and cities, people are stepping up to help. Today they are asking all our political leaders to do the same."

"David Cameron has made a clear initial commitment to welcome Syrian refugees. But this is not just about Syria. The government must work with many other countries to deliver support and fair treatment to all those caught up in the global refugee crisis.”

Read more: Refugee solidarity march in London set to attract some unlikely protesters
Humanity on the march: Join the protests across Britain and say 'refugees welcome'  

The Solidarity with Refugees Facebook page states: “This event has been called in response to various reports of refugees fleeing war, persecution, torture and poverty losing their lives or struggling to find a safe haven.”

“The government response to this has been disgraceful. Unlike Germany, Italy and Greece, Britain has not offered a safe haven for these people.”

Kate Allen, director of Amnesty International, said: “This is a critical moment ahead of the EU leaders meeting on Monday to make our voices heard loud and clear."

"We should remember the proud moments in the UK's history when we have opened our doors to people when they are most in need, and we should not be turning our backs now on those caught up in what has become the biggest refugee crisis since the Second World War.“

Source=http://www.independent.co.uk/news/uk/home-news/solidarity-with-refugees-march-tens-of-thousands-take-to-the-streets-along-with-new-labour-leader-jeremy-corbyn-10497907.html

ሎሚ ዓለምና ኣብ ንእሽቶ ቆሸት እናተቐየረት ትጓዓዘሉ ዘላ እዋን፥ ናይ መንነት ይኹን ናይ ዜግነት ወይ መበቆል መምዘኒ ኣልዒልካ ናብ ቅልውላው ዘእቱ ሃዋህው ምፍጣር ኣይግባእን። ከመይሲ ዓለም ብእተፍርዮ ፍርያትን ተወዳዲራ ብእተምጽኦ ምዕብልናን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፥ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን፡ ጠቕምን ዝደጋገፍ ግዜ፡ ወይ ከኣ ብዓውለማ ወይ ግሎባላይዘሽን ዝፍልጥ መድረኽ ኢያ ትርከብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ እዚ፡ ኩለን ሃገራት ዓለም ከመይ ይተሓባበራን፥ ዶባት እውን ኣብ ነንሓድሕደን ክፉት ኰይኑ፡ እቲ ዘፍርይኦ ፍርያት ዕዳጋ ረኺቡ፡ ብመሰረት ዝቐርቦ ጠለብ ከማልኣ ክጽዕራ ኣለወን። ካብኡ ሓሊፉ፥ ምዕብልና ይኹን ስልጣኔ ብዓብላልነት ወይ እውን ብኣግላልነት ሓሳብ ተዋሒጥካ ክብጻሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ዓለምና ኣብ እሂን ምሂን ኢልካ፥ ንተፈጥሮ ኣብ ጥቕምኻ ከመይ ተውዕሎ ደኣ ምሕሳብ እምበር፥ ጉጅላዊ ባህሪ ሒዝካ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ይኹን ንተክኖሎጂካዊ ዕቤት ምግጣም ኮቶ ኣይከኣልን።

ተኽኖሎጂ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ተራ ዘለዎ ኰይኑ፥ ከም ኣብነት ኢንተርነትን፡ ሞባይልን ጂኦግራፊካዊ ርሕቀት ከይዓንቀጾ ኣብ መላእ ከፍለዓለማት ዝርከባ ሃገራት ብደቒቅ ከምዝራኽባን ዝተኣሳሰራን ይገብር ኣሎ። ህዝቢ እውን ከምኡ ናብ ቃሕ ዝበሎ ክገይሽን፥ ኒየው ነጀው ክብልን ክንቀሳቐስን ከሎ፥ ነናቱ ዝተፈላለየ ሓሳባትን፡ ጠመተን፡ ልምድን ሒዙ ናብቲ ዝኸዶ ሃገር፥ ጠቓሚ ዝኾነ ነገራት ይዝርጋሕን የስፋሕፍሕን ኣሎ ማለት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ጠቓምን ጎዳእን ዝኾነ ልምዲ ብሓንሳብ ስለዝዝርጋሕ፥ ዓውሎማ ዝስዕቦ መዝዝ እውን ክህልዎ ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ነቲ ዝነበረ ባህሊ ወይ ከማዕብሎ ወይ እውን ከህስሶ ይኽእል ኢዩ።

ብዝተረፈ ዓውለማ ናይ ንግድን ስራሓትን ውድድራትን ስለዘበርክት፥ ዕዳጋታት ኣዝዩ ክነጥፍን፡ እቲ ሃላኺ ነገራት እውን ክምዕብል ዕዳጋ ክረክብን ሓደ ካብቲ እወንታዊ ናይ ዓውለማ ኢዩ። ክምኡ እውን ብምኽንያት ዝፍጸም ውድድር ዝሓሸ ኣቑሑትን ጸጋታትን ንመላእ ዓለም ዝኸውን ከማዕብልን ክሃንጽን ይርከብ። እዚ ብመጠኑ ጠቕሚ ናይ ዓውለማ ክኸውን ከሎ፥ ዓውለማ ብግቡእ ክኸይድ እንተኾይኑ ግን፥ ምትእምማንን፡ ቅሳነትን፡ ናጽነትን ዲሞክራሲያዊ ሕጊ የድሊ። እዚ እንተዘየልዩ ናይ ምትዕምማጽ ወይ ስርቂ ወይ ከኣ ናይ ምጥልላም መንፈስ ወይ ምጉጅጃል ከስፋሕፍሕ ምዃኑ ዘይተርፍ ኢዩ።

ካልእ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ናይ መንነት ይኹን ዜግነት ብሕጋዊ መንገዲ ክሳብ ዝስራዕ፥ እዚ ወዲ ዓዲ ኣይኮነን፥ እዚ ከምዚ ኢዩ ተባሂሉ ክነፋፈግን ክረሓሓቕን እንተኾይኑ፡ እቲ ናይ ሓድሕድ ዝተፈላለየ ክእለትን ፍልጠትን ክወራረስን ክምዕብልን ኣይኽእልን ኢዩ። ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ቁጠባውን ስነኣእምሮኣውን መዳይ ዘስዕቦ ዓቢ ጸገማት እውን ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ደቀቕትን ዓበይትን ፍልልያት፥ ከምኡ እውን ዘይምዕቡል ኣተሓሳስባ ኩሉ ግዜ ነቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕብልና ንድሕሪት ክጎቶ ስለዝኽእል፥ ብዝተኻእለ መጠን ምዕቡልን ስልጡንን ኣተሓሳስባ ክነዘውትር ኢዩ ዝግባእ።

ኣብ መድረኽ ዓውለማ መብቆል ዘይኮነ ዘገድስ፥ እንታይ ደኣ፡ ግጉይ ኣተሓስስባን ጭቖናን ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ድማ ዲሞክራሲያዊ ምሕድራን፡ ፍትሓዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽን ዘሎ ድልውነትን ተቐባልነትን ኢዩ ወሳኒ። እዚ ማለት ግን፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝበጽሕ ድረጃ ክኸውን ኣይግባእን።  ንጸረ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ዝብገሰሉ እዋን ግና በቲ ናይታ ዝቕመጣ ሃገር ሕጊ ዘፍቅዶ መሰረት ክዳነን ክፍረድን ድማ ናይ ግድን ኢዩ። ንኣብነት ኣመሪካ እንተርኢና፥ ዳርጋ ህዝቢ ናይ መላእ ከፍለዓለም ዝርከባ ሃገራት ዝሓቘፈት ኢያ። ኩሉ እኳ እንተዘይተባህለ መብዛሕትኡ መበቆሉ ብዝየገድስ ኣመሪካዊ ዜግነት ሒዙ ነታ ሃገር ብቑጠባ ይኹን ብሓሳብ ወይ እውን ብናይ ተክኖሎጂ ምዕብልና ኮታ በቲ ዘለዎ ዓቕሚ ንሃገረ ኣመሪካን ህዝባን የገልግል ኣሎ። ንሃገረ ኣመሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ንሃገሩን ንቤተሰቡን ንዕኡን ይረብሕ ኣሎ።

ንኣብነት፡ ፕረሲደንት በራክ ሑሴን ኦባማ እንተወሲድና፥ ብቡኡ ኬንያዊ፡ በዲኡ ድማ ኣመሪካዊ ኮይኑ፡ ብመብቆሉ ኣፍሪቃዊ ኢኻ ተባሂሉ መሰል ኣይተነፍገን። በታ ናይ ክብርቲ ወላዲቱ ኣመሬካዊ ዜግነት ከኣ መበቆሉ ብዘየገድስ ኣመሪካዊ ዜግነት ረኺቡ እነሆ ክሳብ ኣብ መሪሕነት ደራጃ በጺሑ እንርእዮ ዘሎና ናይ ዓይኒ ምስክር ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ድማ እዛ ሎሚ እንነብረላ ዘሎና ሃገር፥ ናይ ብዙሓት ዓሌታትን መበቆላትን ዘለዎም ስድራቤታት ዝሓቘፈት ሃገር ኢያ። ስለዚ ኣሽንኳይዶ በቡኡ ወይ በዲኡ ኤርትራዊ መወለድ ዘለዎ ብኤርትራውነት ኣሚኑ ክነብር ዝደሊ ኤርትራዊ መበቆሉ ምጽብጻብ ብፍጹም ርትዓዊ ኣይኮነን።

መጻኢት ኤርትራና እምበኣር፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘሰፈና ሃገር ኮይና፥ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን፡ ፖለቲካውን ክምዕብል እንተኾይኑ፥ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕግን ዝኸብሩሉ ባይታ ክምድመድ ኣለዎ። እዚ ባይታ እዚ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምምስራት ስለዝኾነ ንኣሎ ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዝገብር መስርሕ ኣሳታፍነት ሒዙ ክጎዓዝ ከሎ ኣብ መበቆልን፥ ዓሌትን ክምርኰስ የብሉን ማለት ኢዩ። ብናይ መበቆል ፍልልይ ዝግዛእ ሕብረተሰብ ተሓቛቚፉን ተኸባቢሩን ንኽነብር ስለዘጸግሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ክገራጮን ክመናጨትን ኢዩ ግዜኡ ዘሕልፎ። ብዘይካ እዚ ነታ ኤርትራ እትበሃል ሃገር ፋሕፋሕ ከእትወላ ዝኽእል ሽግራት እውን ይፍጠር። እዚ ማለት፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝሰርሖ ታሪኽን ሓርበኝነትን ድኣ ኢዩ ሃገራውነቱ እምበር ብመበቆሉ ወይ ብመንነቱ ጥራሕ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ብመበቆል ይኹን፥ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣን ሃይማኖትን ብምፍልላይ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ክመቕላ ዝኽእል ዝእንፍት ብምዃኑ ምጥንቃቕ የድሊ። ምኽንያቱ ሰላምን ቅሳነትን ዝኸልእ መድረኽ ስለዝፈጥር፥ እታ ሃገር ክትብልጽግን፥ ክትምዕብልን ዝግበኣ ብኹለንተናኣ ማለት፡ ብፍልጠት፥ ብእተሓሳስባ፡ ብምህዞ፡ ዝደኸየት ትኸውን እሞ ተሳንዩን ተኸባቢሩን ክነብር ዝኽእል ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ዝፍጠር ወርትግ ኣብ ምግርጫውን ምፍልላያትን ተነቚታ ከምትነብር ይገብራ።

እሞኸ ደኣ እንታይ ክግበር ኣለዎ እንታይ ኢዩኸ እቲ ፍታሕ? ዝብል ክንምልሶ ንግደድ። ነዚ እንተዘይመሊስና ሓንቲ ስጉምቲ እኳ ትኹን ንቕድሚት ክንስጉም ኣይክንክእልን ኢና። እቲ ፍታሕ ከይዱ ከይዱ ኣብ እምንቶን ኣብ ኣተሓሳስባን እዩ። ንመበቆሉ ከም ቀንዲ መሳርሒ ገርካ ካብ ምውሳድ ምቚጣብ። ካልኣይ ነጥቢ ኣብ ናይ ሓድሕድ መናፍሓትን ምቅንጻላትን ናይ ስም ምክፋእን ደው ክብልን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምድምማጽን ስነስርዓት ዝመልኦ ኣገባብን ስነፍልጠታዊ ዝኾነ ፖለቲካ ምኽታል። ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብተናጸል ወይ ብውልቂ ወይ እውን ካልእ ትሕተ ሃገራዊ ዝኾነ ጥርናፈ ፍታሕ ከምዘየምጽእ ተረዲእና ዓሌት ወገን ኣውራጃ ወይ መበቆል ከይተጸባጸብናን ከይፈለናን ብስም ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ክንተሓባበርን፥ ተኸኣኢልናን ተጸዋዊርናን ምስራሕ። ከምኡ እውን ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሃገራዊ ወንን ስምዒቱን፥ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ሕልናን ንኸይጠፍእ ወይ ከይድምሰስ ፈላላዪ ዝኾነ ሓሳባት ካብ ምዝውታር ምቑጣብ።

ኣብ ምወዳእታ ንጹህ ኣእምሮን ንጹህ መንፈስን ክህልወናን ካብ መሃዪምነት ዝተበገሰ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ናጻ ክንከውን የድሊ። ከምኡ እውን ንመንእሰይ ወለዶ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ንኽወርስ እምበር ኣንጻር እቲ ቅድሚኡ ዘነበረ ወለዶ ክጉስጐስ ወይ ክጉስጉስ የብሉን። ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ዘቆናጽብን ዘስተናዕቕን እንተኾይኑ እቲ ሓርበኘትን ሃገራውነትን እውን ብኸምኡ ክሃስስን ክጠፍእን ኢዩ። ስለዚ ሓዲሽ ወለዶ ኣርሒቑ ክሓስብ ክኽእል ኣለዎ፥ ኣርሒቑ ክሓስብ እንተኾይኑ ድማ በቲ ዝቐስሞ ጽጹይ ፍልጠትን ዘይተዛበዐ ታሪኽን ኢዩ። ነዚ እውን ብዝሰምዖ ጥራሕ ከይተወሰነ ነቲ ዝሰምዖ ክመራመረሉን ክድህስሶን፡ ሚዛናዊ ዝኾነ ኣረኣእያ ክህልዎን ይግባእ። ካብኡ ብዝተረፈ ኣብ ኣጉል ናይ ዕንኪላሎ ዘይስነፍልጠታዊ ተንታን እናሃብካ ወይ እናኣቕረብካ ንሓንጎል መንእስያት ምብካልን ምድንዛዝን እምበር ሃገር ክትድሕን ኣይትኽእልን።

ድራር መንታይ