ዜና ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2015-09-13 07:57:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ Published in EPDP News Read 2526 times

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዕዉት 2ይ ጉባኤ ሰልፍን ፈስቲቫል 2015 ብዕለት 11 09 2015 ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ናይ ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ፈላሚ ዝኾነ ኣኼባ እቶም ካብ ምስረታ ናይዚ ሰልፊዚ ኣትሒዞም ኣብ ዝተፈላለየ ሰልፋዊ ጽፍሕታት ኣብ መንእሰያዊ ጉዳያት ተመዚዞም ክሰርሑ ዝጸንሑን ዘለዎን ካድራት ሰልፊ ተረኺቦም ነይሮም። ንሳቶም ካብ ሃብታም ተመኩሮኦምን ዓሚቍ ትዕዝብትታቶምን መጽናዕቶምን ነቂሎም ንገዚፍ ብኵራት ኤርትራዊ መንእሰይ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ቃልሲ ምኽኑይ ከምዝኾነ ይገልጹ። ንሳቶም ናይ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሓደ ወገን ኣብ ሃገሩ ብስርዓት ህግደፍ ኣገልጋሊ ናይ ስሱዕ ውልቃዊ መደባቱ ክኸውን ተፈሪዱ ካብ መኣዲ ተምህርትን ንቅሓትን ዝተኾልፈ፣ ብወለዱን ብኸባቢኡን እውን እንተኾነ እንተስ ካብ ፍርሒ እንተስ ካብ የዋህነት ተማእዛዚ ናይ ዝኾነ መርሕነትን ስልጣንን ክኸውን ዝተመልመለ፣ ካብዚ ጸቅጥታትዚ ፈንጺጉ ብምምላጥ ኣብ ዓዲ ጓና ህይወት ክምስርት ንስደት ኣብ ዘምርሓሉ እዋን እውን እንተኾነ ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ኮነ ኣብ ዕቁባ ዝሓተተሉ ሃገርን ቦታን ንኤርትራውነቱ ዘጽልእ ልዕሊ ዓቅሙ ዝኾነ ጸገማት ዘይተጋደፎ፣ ኣብ ከርፋሕ ናብራን ከርተትን ዝርከብ፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ብዛዕባ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኮነ ብዛዕባ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን እኹል ኣፍልጦ ዘይብሉ፣ ቁልሕ ኢሉ ኣብ ዝጠመተሉ እዋን እውን ኣንተኾነ ካብ ደምበ ተቃውሞ ኣብ ክንዲ ሓያል ሃገራውነትን ንቅድሚት ዝግስግስ ቃልስን፣ ኣብ ምግምማዕን ምጉጅጃልን ኣድሂቡ ዝደኸመ ሓይልታት ብምርኣይ ዝሰምበደን እዩ ብምባል ይገልጽዎ።

ካብዚ ተረድኦዚ ተበጊሶም እውን፣ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ሃገራውነት ዝጎደሎ፣ ስሱዕን ፈታው ነፍሱን እዩ ዝብል ናይ ፖለቲካዊ ህርፋን ድምጺ ተወጊዱ፣ ንመንእሰይ ኩነታቱ ብግቡእ ምርዳእን፣ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ሓገዝ ምግባርን ከምዘድሊ፣ ክንዲ ፍረ ኣድር'ውን ትኹን ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ግዜ ግን ኤርትራዊ መንእሰይ ብናይ ዓዲ ጓና ናብራ ከምዘይታለልን ኣብ ሃገራውነቱ ከምዘይዝሕትልን ምእማን የድሊ፣ ይብሉ አቶም ምኩራት ካድረታት ሰልፊ። ንሳ'ቶም ብተወሳኺ ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ንመእሰያት ኣብ ምሕጋዝን፣ ምምልማልን ዝግበር ጻዕሪ ካብ ዝጸንሐ ዝዛየደን ዝተመሓየሽን ክኸውን ከምዘለዉ የተሓሳስቡ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ቀጺሎም ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ክሕይልን ከድመዓሉን ዝኽእል መዳያትን ኣብ'ዚ ቀዳማይይ ናይ ድሕሪ ጉባኤ ዓመቱ ክዓሞም ብዛዕባ ዘለዎም መደባት ዘትዮም፣ ሓያለይ ሓጋዚ ሓሳባት እውን ኣበርኪቶም።

ዓወት ንዲሞራስያዊ ቃልስና!

ዘላዕለማዊ ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና!

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

Last modified on Sunday, 13 September 2015 09:59