መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ደምህት መግለጺ ኣውጺኡ

2015-09-14 23:42:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 5239 times

“ብሄራዊ ናይ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣገልግሎትን ፈደራል ፖሊስን ሓባራዊ ጸረ-ራዕዲ ሓይሊ ዕማም” ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ መንግስታዊ ኣካል  ብ13 መስከረም 2015 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ደምህት” ብዝብል ስም ብመንግስቲ ኤርትራ ክሕገዝ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ተቓዋሚ ሓይሉን ዕጥቁን ጠርኒፉ ብ12 መከረም 2015 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ከም ዝሓበሮ እዚ ፍጻመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ግዱሳት መራሕቲ ናይ ደምህት ኣቦምንበሩ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ብምርድዳእ ንዝያዳ ሓደ ዓመት ግዜ ክሰርሓሉ ምስ ጸንሐ፡ ኣብቲ ዝተደልየ ግዜ ዝተተግበረ እዩ። ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ናይቲ ብዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ዝተመርሓ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ግንባር ምክትል ኣቦመንበር ኮይኑ ተመዲቢ ዝነበረ እዩ።

በቲ መግለጺ መሰረት ኣስታት 800 ዝኾኑ ግቡእ ዕጥቂ ዘለዎም ኣባላት ደምህት ብሓንሳብ ብወገን ሑመራ ናብ ኢትዪጵያ ክሰግሩኳ መደብ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳታ ሰዓት እዚ ምስጢር ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ሰለ ዝበጽሐን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ርክብ ስለ ዝተቋረጸን፡ ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ብፍሉይ ውሕልነት ከም ዝተፈጸመ ኣብዚ መግለጺ ተጠቒሱ’ሎ። መንግስቲ ኤርትራ እዚ ሓበሬታ ምስ በጸሖ ናብ ከባቢ እሞሓጀር ሰራዊ ኣንቀሳቒሱ ዶብ ክዓጹ ከም ዝፍተነ፡ እንተኾነ እዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሰ ሓይሊ ደምህት ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ናይ ኤርትራ ሓይሊ፡ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ከይወድቕ ዝበሎ ንብረትን ተሽከርከርትን ኣንዲዱ ናብ ሓምዳይት ከም ዝኣተወ’ውን እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ከምኡ እውን እዚ ሓይሊ ውግእ ምስ ኣጋጠሞ ገሊኡ እንዳተጓዕዘ ገሊኡ ድማ እንዳ ተኸላኸለ ኣብቲ ዝድለ ቦታ ከም ዝበጸሐ ተገሊጹ። ኣብቲ ዝተፈጥረ ጐንጺ ኣብ ክልቲኡ ወገናት ጉድኣት ከም ዝወረደ’ውን እቲ መግለጺ ኣይሓበአን። እቲ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን ምእታው ሕጂ’ውን ዘርጠብጠብ እንዳበ ይቕጽል ምህላዉ ከዓ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ኤርትራ ምውጻእ ዘይከኣሉ ናይ ደምህት ኣካላት፡ ሕሙማት፡ እሱራት፡ ናይ ኪነት ኣባላትን ካለኦት ዓቕሚ ዝሰኣኑን ጥራይ ምዃኖም ኣብዚ መገለጺ ተሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ሱዳን ነቶም ኣብ ሱዳን ዝኣተዉ ግቡእ ኣቀባብላ ብምግባርን ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ብምፍናውን ንዝገበሮ ምትሕብባር እዚ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ናይ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣገልግሎትን ዝወጸ መግለጺ ምስጋንኡ ገሊጽሉ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ወገናት፡ መንግስቲ ኤርትራ ስልጣኑ ንምሕላው ኮነ፡ ከም ግፋ መንእሰያት ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ኣብ ዝኣመሰሉ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ዕጡቓት ኣባላት ደምህት ብምውፋሩ ዝሓደሮም ስግኣት ክገልጹ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ውን ማዕረ ደምህት ዕጥቅን ራሽንን ኣይንወሃብናን’ዩ ዝብል ቅሬታ ከም ዝጸነሖ ዝፍለጥ’ዩ።

Last modified on Tuesday, 15 September 2015 01:51