ግዜ ሓሊፉ ግዜ ክትካእ እንከሎ፡ ዓመተምህረት ጥራይ ኣይኮነን ዝሓልፍን ኣሃዝ እንዳወሰኸካ ዝቑጸርን። ካልእ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝቕየር ሓፈሻዊ ምዕባለታት’ውን ኣሎ። እዚ ኩሉ ምቅይያርን ምትኽኻእን ድማ ብናይ ሰባት ኣተሓሳስባ እዩ ዝግዛእ እምበር ግዜስ ዝሓለፈ ኮነ መጻኢ ግዜ እዩ። ምስኡ ብዘሳኒ ማዕባሊ ኣተሓሳስባ ተዘይተሰንዩ፡ ብመንጽር መዕቀኒ ግዜነቱ ዓምን ሎሚ ዘበንን ሓደ እዩ። ሓደ ተመኩሮ፡ ምስቲ ዝመጽእ ምዕባለ መሰረታዊ’’ኳ ተዘይኮነ ሓቢሩ ዝመጽእ ለውጢ ኣለዎ። ንኣብነት ፖለቲካዊ ቃልስና ኣብ ኤርትራ ከም ኣብነታዊ ተመኩሮ እንተወሰድናዮ እቲ ናይ ሎሚ ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ፍልልይ ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ሽዑ ኮነ ሎሚ ረብሓ፡ መሰልን ነጻነትን ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ ነይሩን እዩን። ኣብ ዙርያ ኣፈጻጽማኡ ዝረኣዩ ክንርዕሞም ዝግበኣና ለውጥታት ከም ዘለዉ ግና ክንክሕድ ኣይግበኣናን። ነቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ዝነበረ ኣገባብ ሎሚ ኣብ ግዜ ዓለም ለኻውነት (globalization) እውን ከም ዘለዎ ክንትግብሮ እንተፈቲንና ምስ ግዜን ዝምረሓሉ ዘሎ ከባብያውን ዓለምለኻውን ክነታት ከይንራጸም ከነስተብህል ይግበኣና። ካብቲ ክልተ ጫፋት ብሓዲኡ ጫፍ ከይንውሰድ’ውን ምጥንቃቕ የድልየና። ብጉልባብ “ምስ ህልዊ ግዜን ኩነታትን ምኻድ” ነቲ ንናይ ሎሚ ዓውትና ዝሕግዝ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንወስዶ ዝግበኣና እታዎ (input) ሓጢጥና ከይንድርብዮ’ሞ ናብ መሰረቱ ዝተፋሕቈን ሚዛኑ ዝሰሓተን ህላወ ምእንቲ ከይንምለስ።
ኣባና ዝተጀምረ’ኳ ተዘይኮነ፡ ጉዳይ ምውራስ ተመኩሮ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ኣብ ቃልስና ኣዛራቢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። እቲ ምስሕሓብ ኣብ ምውሳን ዝውረስን ዘይውረስን ዝጠቓለል እዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ኣብ’ዚ ዛዕባ’ዚ ዝፍጠር ምፍልላይ ብግቡእ ክናበብ ክሳብ ዝኸኣለ ዘበላልሕ እምበር እምብዛ ዝጐድእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ምስሕሓብ ነቲ ክልተ ጫፋት ናይ ኣውራስን ወራስን ፍልልይ ኣብ ምትዕራቕ እንተኾይኑ፡ ሃስያኡ ቀሊል እዩ። ኣብ ቃልስና ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ እውን እዚ እዩ። ገለ ወገናት እቲ ወራሲ ወይ ተካኢ ክፍሊ ሕብረተሰብ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብቲ ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ መድረኽ ቃልሲ ዝተፈጸመ መስተንክር ጅግንነትን ሓርበኝነትን “ከይቆርመመ ከይሽርመመ ክቕበሎ ኣለዎ” ዝብል ኣብ ሓደ ጫፍ ዝተጸገዐ ንውዑይን ወሳንን ብጽሒት መንእሰይ ዘደብዝዝ ርኢቶ ይሕዙ። ዝተወሰነ ካብቲ ተረካቢ ሕድሪ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ፡ ነቲ ዝሓለፈ ናይ ኣያታቱ ተመኩሮ ኣወጊዙ ካብ ናቱ ሓድሽ ቅዲ ናይ ምጅማር ካልእ ጫፍ ክሕዝ ይደናደን። ጫፍ ምሓዝ ከኣ ኣካቢ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ክንድቲ ክኾነልና እንደልዮ’ኳ ተዘይኮነ፡ ርኢቶታት ከካብቲ ዝነበሮ ጫፋት እንዳተፋሕኰ ኣብ ማእከላይ ቦታ ናይ ምርኻብ ተስፋታት ይሕዝ ኣሎ።
እዚ ምስሕሓብ ዝረአን ብግቡእ ተዘይተታሒዙ ዝጐእን ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ፖለቲካዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና እዩ። ክልተ ሰባት ብዛዕባ ንናይ ቀደም ባህሊ ከም ዘለዎ ምውሳድን ዘይምውሳድ ክከራኸሩ እንከለዉ፡ ኣቲ ኩሉ ባህሊ ከም ዘለዎ ክውረስ የብሉን ንዝብል ርኢቶ ዝማጐት ዝነበረ “ቀደም ከምዚ ናይ ሎሚ ሕግን ስርዓትን ዝሓዘ ውርዙይ መወስቦ ኣይነበረን፡ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ጾታታት ዝግበር ርክብ ግን ነይሩ እዩ፡ ሎሚ ግና ወግዕን ስርዓትን ሒዙ ኣሎ። ስለዚ ወዲ ሰብ እዚ ዳሕረዋይ ስርዓት ከይሓዘ ከምቲ ዝነበሮ ተዝቕጽል ጽቡቕዶ መኾነ?” ኢሉ ሓተቶ’ሞ እቲ ተጻራሪ ሓሳብ ዝነበሮ ጉዳያት ተሰቊርዎ፡ ዝውረሱን ዘይውረሱን ዛዕባታት ብሓባር ኮይኖም ክመምዩ ከኣሉ ይበሃል።
ድሌትን ቅሩብነትን እንተልዩ ዝተረሓሓቐ ንምቅርራብ ኣየጸግምን እዩ። ድሌትን ቅሩብነትን ህልኽ ዘይጸለዎ ሓልዮትን ተዘየልዩ ግና ክንዲ ዝኾነ ብቕዓትን ዓቕምን ይሃሉ ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ናብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ክንመጽእ እንከለና ናይ ኩለመዳዊ ዓቕሚ ውሱንነትና ዘዛርብ ኣይኮነን። ኩልና እንርደኦ ስለ ዝኾነ። ጸገማትና ክንጽብጽብን ክንሰርዕን እንከለና ግና እዚ ናይ ዓቕሚ ውስኑነት’ዚ ቅድሚት ዝስራዕ ጸገምና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቀንዲ ጸገምና፡ በታ ዘላትና ውስንቲ ዓቕሚ፡ ሓልዮትን ቅሩብነትን ሰኒቕና ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኻልና እዩ። እዚ ብኩራት እዚ ከኣ ኣብቲ ብሓባር ክንዋሰኣሉ እንብህጎ ጽላል ኮነ፡ ኣብቲ ውሱን ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ከነቕልበሉ ዝግበኣና እዩ። እዚ በዂሩና ዘሎ ግሉጽነትን ምትእምማንን እንተነማልእ ግና ነቲ ናይ ዓቕሚ ውሱንነትና ንምብዳህ ዓቕሚ ከነጥሪ መኸኣልና። ዓቕሚ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ ዝጥረ ስለ ዝኾነ። እዚ ነባራት ተቓለስቲ ንመንእሰያት፡ ወይ መንእሰያት ንገዳይም ዝድርብይሎም ተሓታትነት ዘይኮነ፡ ኩሎም ወገናት ነናብ ነብሶም ተመሊሶም ክፈትሕዎ ዝግበኦምን ማዕረ ሓላፍነት ዝወስድሉን ሕጽረት እዩ።
ምውርራስ ኣኼባ ጌርካ መዓልቲ ቆጸራ ቆሪጽካ፡ ካብዚ እዋንዚ ጀሚርና ኣውሪስና ኣለና ወይ ካብዚ እዋንዚ ንደሓር ወሪስና ኣለና ኢልካ ብናይ ሓደ መዓልቲ ኣዋጅ እትገልጾ ወይ መፈላለዪ ረጒድ መስመር ወይ ሕንጻጽ ተቐምጠሉ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ብናቱ መስርሕ ዝኸይድ፡ ዘዕውቶ ጻዕሪ ዝሓትት፡ ዘድልዮ ግዜ ዝወስድን ውፉያት ተዋሳእቲ ዝሓትትን ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተባህለን ብተመኩሮ ዝተራእየን እዩ። ናይቲ ኣውራሲ ግቡኡ እንዳፈጸመ ካብ ፖለቲካዊ ሜዳ ምርሓቕን ናይቲ ወራሲ ግደ ኣብቲ ሜዳ እንዳጐለዐ ከም ዝኸይድ ዝግበር መስርሕ ኣብ ምድንጓይን ምቕልጣፍን ከኣ ግደ ክልቲኦም ዕዙዝ እዩ። ናይቲ ክወርስ ዝግበኦ ወናኒ ውዑይ ዓቕሚ ዘይምትጋህ፡ እቲ ከውርስ ዝግበኦ ከየውረሰ ክቕጽል ከገድዶ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ምስቲ ንሱ ዝመጸሉ ግዜን ኩነታትን ንዘዋህለሎ ተመኩሮኡ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ክድርብዮ ወይ ብግቡእ ክወርሶ ምዃኑ ንዘኣመነሉ ኣካል ክምጥዎ ባህርያዊ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ኣውራሲ፡ “ስሱዕ፡ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ … ወዘተ” ዝብሉ ቅጽላት ምሃብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅድሚ “ዘየውርሰኒ” ምባል ብቑዕ ወራሲ ኮይንካ ምቕራብ ዘይስገር ቅድመ ተደላይነት እዩ። እዚ ከኣ ብቓልሲ ዝጥረ እምበር ብዓቀንካ ተሰፍዩ ዝጽበየካ ኣይኮነን።
ንመንእሰይ ምውራስ ግዴታ’ምበር ተለሚንካ ወይ ዘውርሱ ወገናት ኣቀባጢሮምልካን ጸዊዖምኻን እትርከቦ ሓላፍነት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ መሰረታዊ ናይ ምውራስን ምቕጻልን ግቡኡን ግደታኡን ተዘይፈጺሙ ዘሕትቶ ስለ ዝኾነ። ነዚ ንምፍጻም ኩሉ ኣውንታዊ መዓጹ ከይኳሕኳሕካ ጋህ ኢሉ ኣይጽበየካን እዩ። ሓንሳብ ኳሕኲሕካ’ውን ዘይክኸፈተልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብቲ መንእሰይ ዝድለ “ፈቲነ ኣብዩኒ” ኢልካ ጠጠው ምባል ወይ ዘየዕውት መንግዲ ምሓዝ ዘይኮነ፡ ክሳብ እትዕወት ምቕጻልን ደጋጊምካ ምቕጻልን ጥራይ እዩ። ከምቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብጻዕቂ ዝበሃል፡ ከረክቡ ዝግበኦም ዘየረክቡን ኣብ ስልጣን ክነብሩ ዝደልዩን ፖለቲከኛታት ከጋጥሙ እንከለዉ እውን፡ ነዚ ዘይቅቡል ኣካይደኦም፡ ክሳብ ዝሓሽካ ተረካቢ ምዃንካ ብዘነጽር ቃልሲ እትረትዖም ምቅላስ እዩ እቲ ፍታሕ። እቲ ተግባር “ቃልሲ” ዝበሃለሉ ምኽንያት ድማ እዚ ክብደቱ እዩ። እዚ ሓላፍነት’ዚ ኣብቲ ተረካቢ ተደሪቱ ዝተርፍ ተሓታትነት ዘይኮነስ፡ እቲ ኣረካቢ እውን ዝርከቦ ተካኢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ገዲፍካ እቲ ጸገም ናትካ ዘይኮነስ ናይ ካለኦት ኣምሲልካ ዝግበር ህድማ ግና ሓጋዚ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ናይ ካለኦት ጌጋ ብኣራሚ መልክዑ ኣይተንከፍ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ናይ ሓባር ውፉይነት ቆላሕታ ተዘይሂብካ ግና ከምቲ “ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት ንስኽዶ ከይትበልዒ ሸዊት” ዝበሃል ረብሓ ኩልኻ እዩ ዝሃጉግ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ድሕሪ ሞት 4ይ ፓትሪያርክ ኦርተዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሕዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻ ጉባአታት ኤርትራ ሓላፍቲ ጳጳሳት ወሲኽካ ኣባላት ሲነዶስ እዮም ነይሮም። ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ነዞም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝሞቱ’ሞ ብግዝያውነት ተተኪኦም ዘለዉ 4ይ ፓትሪያርክ ብቐዋምነት “ብመን ይተክኡ” ዝብል ንምውሳን እዩ ነይሩ። ናብዚ መንፈሳዊ ኣኼባ ዝቐረቡን ነቲ ኣኼባ ዝተኸታተሉን ወገናት ካብ ኣስመራ ከም ዝገለጽዎ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ክበሃል ብዝኽእል፡ “እቶም ፓትሪኣርክ ክኾኑ ዝግበኦም ንዝሓለፈ 11 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ኣቦ እዮም“ ዝብል ርኢቶ ነይሩ።
ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ነቲ ኣኼባ ብዓመጽ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ መንግስቲ “ንሶም ናይ ሲኣይኤ መሳርሒ ስለ ዝኾኑ ቅቡል ኣይኮኑን” ብዝብል ነቶም ተሳተፍቲ ጳጳሳት ርክብ ፈጢሮም ካብ ድሌት መንግስቲ ወጻኢ ከይመኻኸሩ፡ ተንቀሳቐሲ ተለፎናቶም (ሞባይላት) ኣሕዲጎም ኣብ ዝደለናኩም ክንጽወዓኩም ኢና ብዝብል ምስምስ ነናብ ቦታኦም ከም ዘፋነውዎም፡ እዞም ንመስርሕ እቲ ኣኼባ ዝተኸታተሉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ገሊጾም።
እቶም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ፓትሪያርክ ኤርትራ በመንግስቲ ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ካብ ዝወረድሉ ምኽንያታት፡ ቀደስቲ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ውትህድርና ክኸዱ ክግደዱ ኣይግባእን። ምናልባት ኣብ ውትህድርና ተተስቲፎም ከኣ ተመሊሶም ክቕድሱ ኣይክእሉን እዮም። መንግስቲ ክኣስር ስልጣን ኣለዎ፡ ምስ ኣሰረ ግና ንጹሃት ክኾኑ ንዝኽእሉ ወገናት፡ ኣብ ክንዲ ኣጻርዩ፡ ገበን ንዘየብሉ ብነጻ ምስንባት ወይ ብመርተዖ ገበነኛ ኮይኑ ንዝረኸቦ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ከቅርቦ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ መወዳእታ ንዘየብሉ ግዜ ምድጓን ግና ኣብ ቅድሚ መንፈሳዊ ኮነ ዓለማዊ ሕጊ ቅቡል ኣይኮነን ዝብሉ ይርከብዎ።
እቲ ጉጀለ ነዞም ካብ መንፈሳዊ መስመሮም ዘይወጹ ፓትርያርክ ዝወንጀለሉ ናይ ሸፈጥ ክሲ “ከምዚ ዝብሉ ዘለዉ ብመርበብ ስለያ ኣሜሪካ ስለ ዝተላእኩ እዮም” ዝብል እዩ ነይሩ።
ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ዝያዳ 200 ናይ ብሕቲ ጋራጃት ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተዓጽዋ፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ቅድሚ ምዕጻው እዚ ገራጃት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወነንቲ ጋራጃት ካብ ከተማ ኣስመራ ወጺኦም ናብ መርሓኖ ክግዕዙ ኣዚዝዎም ከብቅዕ እኹል መስርሒ ጋራጅ ዝኸውን መሬት ክህቦም ብዘይምኽኣሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ድሕሪ እዚ ዋላኳ እቶም ዋናታት ጋራጅ መተካእታ ስለ ዝሰኣኑ ኣብቲ ጸቢብ መሬት ክሰርሑ ቅሩባት እንተነበሩ፡ ኣቲ ጉጅለ ብናቶም ፕላንን ዓቕምን ክሰርሑ ንዘቕረብዎ ሕቶ ነጺግዎ። ብኣንጻሩ ዝተሓተትዎ ዓቐን ገንዘብ ንመንግስቲ ክረክቡ እሞ መንግስታዊ ኩባንያ ሰገን ከም ድላዩ ሰሪሑ ከረክቦም ምዃኑ ነጊርዎም። ኣብዚ እውን እቶም እቶም ሰብ ጋራጅ ተቓውሞ’ኳ እንተርኣዩ ዝሰምዖም ምስ ሰኣኑ እንደጋና ክቕበልዎ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። እዞም ኣቐዲሞም ብማሕበር ተወዲቦም ዝነበሩ ሰብ ጋራጅ ኣቐዲሞም ኣብ መንግስታዊ ባንክ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም፡ እዚ ሓድሽ ጋራጅ በቲ ገንዘብ ንክስረሓሎም ኣንተውሒዱ ድማ ክውስኹ ዘቕረብዎ ሕቶ ሰማዒ ምስ ሰኣኑ፡ ናብ ዲክታቶር ኢሳያስ ንክጠርዑ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ከዱ፡ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ኢኹም ትረኽብዎ ምስ ተባህሉ ናብኡ ከይዶም። እንተኾነ ኢሳይያስ ከዛርቦም ስለ ዘይደለየ ኣድራሻታቶም ተቐቢልኩም ኣፋንውዎም ስለ ዝበለ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሱን እቲ ዝተባህልዎ ዓቐን ገንዘብ ከም ዘትሓዙን ተፈሊጡ።
ድሕሪ እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ክንመያየጥ ተባሂሎም ናብ ኣዳራሽ ማዘጋጃ ቤት ኣስመራ ምስ ተጸውዑ፡ ኣቲ ጋራጃት ምስ ኩሉ ኣብኡ ዝነበረ ንብረትን መካይንን ከም ዝተዓጽወ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም። ዋናታት ጋራጅ ድሕሪ እዚ ተረኽቦ፡ ነቲ ናይ ምዕጻው ተግባር ሓላፍነት ዝወስድን ዝጠርዕሉን ኣካል ክፈልጡ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ እቲ ሓደ ናብቲ ካልእ እንዳደርበዮ መፍትሒ ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ። በዚ ጨካን ተግባር ተስፋ ዝቖረጹ ዋናታት ጋራጅ ዓዶም ለቒቖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ጀሚሮም ከም ዘለዉ’ውን እቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ኣለዉ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ እዚ ዓመጸኛ ተግባር ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ መርኣያ ናይ ጉጅለ ህግደፍ በሓቲ ባህሪ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክበጽሑ ቪዛን ክሓቱ እንከለዉ ናይ ግድን መሊኦም ክፍርምሉ ኣለዎም ዝበሎ ቀጥዒ ኣዳልዩ የተግብር ከም ዘሎ፡ ናይዚ ሓደገኛ ኣካይዳ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ገሊጾም። እዞም ኤርትራውያን ሓተትቲ ቪዛ ድሕሪ 1998 ዝተሰዱ ምዃኖም ምስ ሓበሩ፡ ክመልእዎ ዝግደዱ ዘለዉ፡ ቀጥዒ ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ ቀንዲ ትሕዝቶኡ “ካብ ሃገረይ ዝተሰደድኩ መነባብሮይ ከመሓይሽ እምበር ፖለቲካዊ ኮነ ሰብኣዊ ጸገም ስለ ዘጋጠመኒ ኣይኮንኩን” ዝብል መልእኽቲ ምዃኑ ዞም ምእንቲ ኣብ ዓዶም በጺሖም ክምለሱ ተገዲዶም ዝፈረሙ ምእንቲ ድሕነቶም ኣስማቶም ዘይጠቐስናዮም ኤርትራውያን ገሊጾም።
እዚ ቀትዒ ተመሊኡ ምስ ተፈረመ፡ ነቶም ፈረምቲ ዝወሃብ ዘይኮነ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ናብ ኣስመራ እዩ ዝለኣኽ። ኣብ ኣስመራ ነታ ኣብታ ትነብረላ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ናይቲ ጉጅለ ዝመላእካያ ቀጥዒ ሒዞም ናይ ጸጥታ ኣካላት ህግደፍ ከም ዝጽበዩኻን ኣብኡ እውን ብዙሕ ኣጓጣጥ ከም ዝጸንሓካ እቶም ገያሾ ይገልጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ከም ናይ ግዱድ ኣታዊ መኻዕበቲ ኮይኑ ዝጸነሐ ምኽፋል 2% ናይ ኣታዊኻ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ በዚ ከይተደረተ፡ ምስሉ ንምምልኻዕ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ደገፍቱ ኤርትራውያን፡ “ መንግስትና ዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የለን” ኢልኩም ናብቲ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታትተመስሪቱ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ኮሚሽን መስክሩለይ ዝብል ወፈራ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝዝከር እዩ።
ዕድመ ንህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ብሪጣኒያ
Written by ሰልፈ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ኣቦ/ መ ሰልፊ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮምን ካልኦት ኣባላት መሪሕነት ሰልፊን ዝመርሑዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ክሳላሰሉ ተመዲቦም እንሀዉ።
ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ህሉዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ደምበ ተቓውሞን፡ ግደ ሰልፍናን፡ ኣብ ዞናና ዝምዕብሉ ዘሎዉ ኩነታትን ምስ ህዝቢ ኢሂን ምሂን ክበሃሃለሎም እዩ፡፡
እምበ’ኣር ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘሎዉ ግዜን ኣድራሻን ኣኼባታት ተረኺቡ ኣዎንታዊ ኣበርክቶኡ ክወፊ ብኽብሪ ንጽውዕ።
ኣብ ከተማ ሎንዶን / London
ዕለት ኣኼባ - 24 ጥሪ 2016 (24/01/2016)
ዝጅመረሉ ሰዓት - 03;30 ድ.ቀ. ክሳብ 7፡00 ናይ ምሸት
ኣድራሻ - ኣብራር ሃውስ / Abrar House
45 Crawford Place, London W1H 4LP
Tel.: 07884054117
ኣብ ከተማ ሊድስ / Leeds
ዕለት ኣኼባ - 30 ጥሪ 2016 (30/01/2016)
ዝጅመረሉ ሰዓት - 01:00 ድ.ቀ. ክሳብ 06:00 ናይ ምሸት
ኣድራሻ - UKRANIAN CENTRE
5 Newton Grove, Leeds
LS7 4HW
Tel.: 07446995288
ኣብ ከተማ በርሚንግሃም/ Birmingham
ዕለት ኣኼባ - 31 ጥሪ 2016 (31/01/2016)
ዝጅመረሉ ሰዓት - 03:00 ድ.ቀ. ክሳብ 08:00 ናይ ምሸት
ኣድራሻ - The Zawiya
1 Jenkins Street,Birmingham B10 0QH
Tel: 07479954638
ብደሓን ምጹ፡
ጨንፈር ሰ.ደ.ህ.ኤ. ዓባይ ብሪጣንያ
Eritrea Liberty Magazine Issue No.36
Written by EPDP Information OfficeEritrea Liberty Magazine Issue No.36
Written by EPDP Information Officeኩልና ከምንፈልጦ ብሰንኪ ጭቖናን ግፍዕታትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ባርነት ዝዳረግ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትንንሱ ዘስዓቦ ናይ ስድራቤት ምብትታን፡ መወዳእታን ተስፋን ዘይብሉ ህይወትን፡ ኤርትራዊ ብኹሉ ሸነኻቱ መሰሉ ስለዝተጋህሰን፡ ካብ ኤርትራ ክስደድ ተገዲዱ፡ ኣብ ፍቀዶ ሃገር ፋሕ ኢሉይርከብ። ሃገርና ኻአ ብሰንኪ ብምኳር ሕጊ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ትኸይድ ኣላ።
እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሃገርና ብሰንኪ ማዕቀብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ስለ ዘላ፡ ሃገር ንምድሓን፡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ኢና፡ ኣብ ሃገርና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የለን፡ ብፍቓድና ኢና ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸይድ፡ ምዕማጽ ደቀንስትዮ ብሓለፍቲ ኣይፍጸምን ኢዩ፡ ኣብ ሃገርና ኮብሊልኩም ወይ ስግረዶብ ፈቲንኩም ተባሂሎም ዝተቐትሉ የለዉን ኢልኩም ፈርሙ እንዳበለ ከተዓሻሹን ከፈራርህን ይርከብ ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ሃገር ዕቁባ ከትረኽቡ ዝሃብኩሞ ምኽንያት ጽሒፍኩም ሃቡና ኢሉ ይሓትት ኣሎ።
እዚ ንኹሉ ሓታቲ ዕቁባ ኤርትራዊ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዕቁባ ዘኸልክልን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብዚ ንሂወቱን ሂወት ኤርትራውያንኣሕዋቱን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ምሙላእ ፎርም ክቁጠብ ነተሓሳስብ። እቲ ትመልእዎ ፎርም ምስ ሙሉእ ሓበሬታኹም ተሰኒዱ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ዕቁባ ዝህባሃገራትንተላኢኹ ከም ምስክርነት ኣንጻርኩም ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉን ንኽትጥረዙ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ሕሰምን፡ ጭቖናን፡ ምብትታንን፡ ውርደትን ሞትን ድፋጭኡ ዘስትዮ ዘሎ ምዃኑ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብዘይፍርሂ ከቃልዖ ድኣ እምበር ክሸፋፍኖ ፈጺሙ ኣይግባእን። እቶም ገበነኛታት ድማ ብሕጊ ክሕተቱ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ምስክርነቱ ክህብ ብትብዓት ደው ክብል ዜግንነታዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
ኤምዲሰመ
ጥሪ 2016
ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ
A response to the Disinformation Campaign Being Waged by the PFDJAgainst the Commission of Inquiry’sMission to Uncover the TruthAbout Human Rights Violations Occurring in Eritrea
Written by Eritrean Civil Associations
The Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea (COI) is a UN commissioned body with a mandate to shed light on the human rights violations being perpetrated by the Eritrean government against its people. It is carrying out its mandate by collecting oral and written testimonies of ordinary Eritrean citizens. Most Eritrean households, both at home and abroad, can bear witness to the level of brutality and inhumanity of this regime.
The Commission‘s mission is to document the horrific, widespread and systematic human rights violations that are currently taking place in Eritrea. It is an absolutely necessary endeavor because it will help to bring the People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ) to justice.
The PFDJ’s reign is a tyrannical one and continues to hold the Eritrean people hostage for no other reason except to maintain power. The threat of arbitrary arrest and detention is very real in Eritrea and has been for a very long time. This regime is ruling Eritrea with impunity. It has imprisoned and tortured all those that it deemed to be a threat to its hold on power, among them journalists, former high-ranking government officials and their family members.
There are over 300 prisons in Eritrea and conservative estimates state that there are about 35,000 political prisoners languishing in Eritrea. Never before seen footage smuggled out of Eritrea’s Adi Abeto prison shows images of 500 or so prisoners crammed into dangerously over crowded, unsanitary halls. It is worth mentioning that these prisoners are ordinary Eritrean citizens who have been denied legal due process.
Furthermore, under the guise of military service, tens of thousands of Eritrean men and women have been subjected to forced labor and indefinite military service. In a 2015 Amnesty International report, the following was stated about Eritreans fleeing national service:
“These people, many of them children, are refugees fleeing a system that amounts to forced labour on a national scale and that robs them of choice over key aspects of their lives”
The situation in Eritrean can be best described as a form of slavery that deprives Eritreans of the basic human right to live their lives free from exploitation and abuse. These inhumane conditions have left Eritreans with no other option but to flee in order to save their lives.
The PFDJ usually responds to the mass exodus out of Eritrea by implementing an inhumane shoot to kill policy on its borders; as a result, Eritrean men, women and children are being met with a barrage of bullets as they seek to escape the open-air prison that is Eritrea today.
Sadly, Eritreans feel that they would have a far greater chance of survival if they risked the wrath of human traffickers, militants or even the sea as opposed to staying at home and continuing to suffer abuse at the hands of their government.
It is of no surprise that the PFDJ is seeking to level a smear campaign against the COI and the sincere individuals assisting them in their efforts to give a voice to millions of subjugated Eritreans. This same regime would like to have us believe that the tens of thousands of Eritreans escaping the country (an estimated figure of 5,000 a month) are doing so purely for economic gains and not because of the PFDJ’s tyrannical policies.
As advocates for human rights in Eritrea, we are extremely concerned about the PFDJ’s mounting efforts to pressure Eritreans living in the diaspora to attend its meetings and fill out forms designed to undermine the COIE’s work. The regime and its agents are doing this with the intention of delaying the inevitable, the prosecution of criminal government officials at the International Criminal Court.
As a moral obligation, we urge all Eritrean refugees in their respective host nations to remain vigilant and steadfast in the wake of such aggressive disinformation campaign. We request that you stand in solidarity with your oppressed people and to extend your hands to the COI. Only with your support can we solve our problem and make the dream of a prosperous and thriving Eritrea a reality.
Thank You!
Eritrean Solidarity Movement for National Salvation
Eritrean Youth Solidarity for Change – North America
Eritrean Law Society
Freedom Friday Project (Arbi Harnet)
Stop Slavery in Eritrea Campaign
More...
قبل عشر سنوات من الآن قضى المناضل/ سيوم عقبا ميكائيل رئيس جبهة التحرير الارترية – المجلس الثوري آنذاك يوم السادس عشر من ديسمبر 2005م بمكتب التنظيم بأديس أبابا، كان سيوم قد قدم الي العاصمة الاثيوبية أديس أبابا في السابع والعشرين من نوفمبر 2005م في مهمة تنظيمية ونزل بفندق يوردانوس – الغرفة ( 206 ) وفي ذلك اليوم ( 16 / 12 / 2005م ) تغدَّى مع رفاقه أعضاء المكتب وفي الثالثة والنصف عصراً اتجه الي الفندق حيث يقيم، وَوَعَـدَنا أن يعود الينا مساء ذات اليوم وفي حال تعذر ذلك أن يأتينا صباح الغد. لكن لأنه كان يشكو من إحساس بالفتور والتوَعُّـك لم يأتنا في موعده المسائي وانتظرنا موعده الآخر الصباحي بغير قلق.

صادف اليوم التالي الأحد العطلة الأسبوعية، وبينما كنت أتأهب للذهاب الي مكتب التحالف الديمقراطي الارتري (حيث مقر العمل المشترك للمعارضة ) اتصل بي سيوم طالباً مني الحضور اليه في الفندق، وكانت الساعة تشير الي السابعة، ولأن الفندق كان قريباً من مكتبنا لم ألبث أن وصلت اليه، وفي غرفته اجتمعنا نحن الثلاث، شخصه وأنا ومنقستئاب أسمروم (رئيس حزب الشعب الديمقراطي) الذي أتى معه الي اثيوبيا في نفس المهمة التنظيمية، وجدنا سيوم وقد ترك السرير وجلس علي كرسيٍّ مضاعِـفاً علي جسده الأغطية، وأخبرنا أنه بالفعل قد توعـَّــكَ، ووصف لنا حاله بالقول: إنه يشعر بالبرد وآلام (طعنات) في الصدر، وأضاف: قلتُ قد تتحسن حالتي بالاستحمام فما ازددت إلا سوءاً. لذلك قررنا التعجيل بأخذه الي أقرب مكان للعلاج، فأخذته أنا وذهبت به الي أقرب عيادة، لكن للأسف وجدنا العيادة مغلقة نسبةً للعطلة الأسبوعية، فذهبنا بالتاكسي الي أخرى، ونسبةً لأن الوقت كان ما يزال فجراً حيث تقل زحمة السيارات سرعان ما وصلنا الموقع، ولأن الدوام لم يبدأ بعد لم نحصل علي الطاقم الطبي المسئول من العلاج، نصحنا الطبيب المناوب بأن نعطي المريض حقنة مهدئة للألم تمكنه من انتظار الطبيب المختص وبالفعل أحضرت الحقنة من صيدلية العيادة وحُــقـِــنَ بها.
وأثناء انتظارنا للطبيب سألته ما إذا كانت الحقنة قد حسنت من وضعه؟ فأجابني: نعم، ولكنه قال متبرماً من تأخر الطبيب: لقد تأخر، متى موعده؟ حضر الطبيب في حوالي الثامنة والربع،وبما أننا كنا أول الواصلين للعيادة كنا أول من دخل الي الطبيب. وبعد تفحصه قليلاً قرأت في وجه الطبيب تعبيرات تدل علي هلعه وانزعاجه مما وجد عليه المريض سيوم من تأخر حالته، أنا الآخر وبعد أن كنت أستسهل الحالة أثر عليَّ ما قرأته في وجه الطبيب من انزعاج فانتابتني المخاوف وبعد أن تفحص الطبيب مريضنا بمختلف الأدوات الطبية أخذه علي كرسيٍّ متحرك الي غرفة أخرى، وهناك توقفت أقدام سيوم عن الحركة وهي التي لم تعرف السكون والتوقف يوماً، ومن تلك التغيرات المتلاحقة علي حالة سيوم تصاعدت مخاوفي أكثر فأكثر، وبعد قليل كتب الطبيب أمراً في قصاصة ورقة بأخذ سيوم بسيارة الإسعاف الي مستشفىً كبير يقع بالقرب من الإستاد. وبحكم قرب موقع تواجدنا ذاك من مكتب المجلس الثوري حينها سرعان ما أخذت معي من المكتب مبلغاً مالياً إضافياً لشعوري بقلة ما كان لديَّ من النقود، وبعدها وصلت بنا السيارة الي المستشفي المذكور الذي لم يكن يبعد عن مكتبنا كثيراً. في الطريق الي المستشفي سألته عن حاله، فأجابني بصوته المعتاد: أنه لا بأس به، لكن أزيز صدره لم يتوقف، ثم أمرني بالاتصال بالسيد/ قبراي كي يأتينا في المستشفى بسيارة، وبالفعل وصل قبراي وانتظرَنا هناك، بعد ذلك وحتى لا أسبب له المزيد من التعب والألم لم أوجه له المزيد من الأسئلة، وكان كلانا أنا وسيوم نحدث أنفسنا ساكتين، وصلنا بسرعة لقرب المكان وسرعة السيارة، وكالمعتاد بمجرد سماع طاقم المستشفى صوت السيارة المألوف لديهم كثفوا من استعداداتهم لاستقبال سيارة الإسعاف وساعدوني علي إنزال المريض وأخذه الي سرير بقسم الطوارئ والحالات المستعجلة، وقبل وصول الطبيب سألني سيوم ما إذا كان المستشفى حكومياً أم خاصاً؟ فأجبته أنه خاص، فأجابني: إذاً سوف تكون فاتورته عالية، ألا نذهب الي مستشفىً حكومي أقل تكلفةً من الخاص؟ فرددت عليه أن هذا أمر ننظر اليه في وقتٍ أوسع، لنكشف علي حالتك هنا أولاً ثم نقرر الخطوة التالية. بعد ذلك قطعنا الحديث الذي قطعه علينا الطبيب الشاب الدكتور/ يوناس الذي أتانا مسرعاً بعد نظره القصاصة القادمة من الطبيب السابق، الدكتور يوناس أمرني بالخروج من الغرفة فخرجت، كانت تلك النظرات القلقة التي ألقيها عليه وأنا أغادر الغرفة آخر عهدي بالشهيد سيوم.
بعد تفحصه لسيوم أشار الدكتور يوناس لزملائه الأطباء فرأيتهم يتسابقون نحو غرفة الطوارئ التي يوجد بها سيوم، واستبد بي القلق والهلع، وبدأت أذهب مذاهب أبعد من كون الأمر أم مرض، أي وضعت في خاطري الموت أيضاً، ومن خلال الباب الذي لم يحكم إغلاقه شاهدت الأطباء محيطين بسرير الشهيد/ سيوم، ومن حركة الأطباء أدركت أن سيوم في أنفاسه الأخيرة، وبعد دقائق وفي حوالي العاشرة صباحاً سمعت من مدير المستشفى الذي لا يحضرني الآن اسمه ينادي علي مرافق السيد/ سيوم عقباميكائيل، أنا والسيد/ قبراي قبريسوس صديق ورفيق نضال الشهيد/ سيوم القديم يحدونا الأمل في شفاء مريضنا خففنا ملبين نداء المدير، لكنه أجابنا أن قلب السيد/ سيوم قد توقف عن العمل لكن الأطباء إذا حالفهم العون من الله تعالى فإنهم يبذلون أقصى مساعيهم لتدارك حالته، السيد/ قبراي سأل المدير: هل من الممكن التعاون معنا بنقله الي مستشفىً أكثر تقدماً أو حتى نقله الي الخارج؟ لكن الطبيب الذي كان يعرف المدى الحقيقي لما وصلت اليه الحالة أجابه باقتضاب: أن القيام بذلك قد فات أوانه، ثم عاد الي الغرفة التي كان يصارع فيها الشهيد الأنفاس الأخيرة من عمره، عند ذلك حدَّث كلٌّ منا نفسه أن سيوم والموت قد تقاربا، لكن لم يجرؤ أيٌّ منا أن يعلن أن سيوم سوف يموت أو قد مات بالفعل.
في الأثناء وبعد أن شرحت لهم حراجة الموقف تقاطر الي المستشفى كل المتواجدين حينها بالمكتب من رفاقنا، منقستئاب أسمروم، جمع أحمد، قبرهيوت طقاي، تخلاي تسفاقابر وأخذوا يتابعون معنا وضع المريض عن قرب.
في حوالي الحادية عشرة والنصف دعانا المدير ثانيةً، وذهبنا اليه مسرعين فسلمنا فاتورة بمبلغ 194 بر اثيوبي لنسلمها لقسم الحسابات ونعود اليه بالإيصال المالي، استلم الإيصال وأخبرني بصوتٍ حزين ومتألم لألمنا أن جهودهم في إنقاذ مريضنا السيد سيوم لم يحالفها النجاح ومن ثم دعا لنا بالصبر وحسن العزاء وتركنا وانصرف الي عمله. بذلك كـُـتِــبَ عليَّ أن أكون الشاهد والسامع الأول لآخر كلمات سيوم ومشهد وفاته، وفور ذلك قمت بإبلاغ الخبر لمجموعة الزملاء الذين ذكرت أسماءهم أعلاه ويومها ( 17 / 12 / 2005م ) وإن كانت الشمس مشرقةً والجو صحواً أظلمت الدنيا في أعيننا.
بعد أن تجاوزنا تلك اللحظات العصيبة انتقلنا الي المشكلة الكبرى التي تصادف كل من يموت خارج وطنه، ألا وهي تعقيدات إجراءات الدفن وما اليه، نحن الأحياء وضعتنا الأقدار وفجائية الموت أمام مهام جديدة كان لابد لنا من إنجازها دون إبطاء. بعضنا من قيادة التنظيم ذهب الي السفارة الهولندية لإبلاغ الجهة التي يحمل الشهيد جوازها، بعضنا شرع في إجراءات تجهيز وإخراج الجثمان، ولأن إجراءات الدفن يسبقها فحص الجنازة فقد أحضرنا من حانوتي بالقرب من المستشفى صندوق النعش وعربة خاصة بحمل الجثمان، ثم طلبنا نقلنا لمستشفىً حكومي للفحص الطبي، لكن صادف اليوم العطلة الأسبوعية فأخذنا موعداً ليوم غدٍ الاثنين، وتركنا شهيدنا بين الموتى وخرجنا نجرجر الخطى في حوالي الثالثة عصراً واجتمعنا جميعاً في مكتبنا لنعقد اجتماعاً ترأَّسه منقستئاب أسمروم، وهناك تمالكنا حزننا وتقاسمنا المهام بيننا، صباح الاثنين ذهب البعض الي حيث الفحص الطبي بمستشفى منليك الحكومي والبعض ذهب الي كلٍّ من السفارة الهولندية ووزارة الخارجية الاثيوبية لتدبير أمر ترحيل الجثمان الي هولندا، قِــسـْـمُـنا الثالث كان عليه التواجد بالمكتب لاستقبال المعزين وخدمة الضيوف.
يوم الاثنين الموافق للتاسع عشر من ديسمبر 2005م أنجز المكلفون منا بمتابعة الجثمان مهام الفحص والتحنيط بما يتناسب والرحلة الطويلة نسبياً التي سوف يقطعها من اثيوبيا الي هولندا، بالتالي فرغ الكل من إنجاز مهمته. وبعد التأكد من جاهزية الجثمان للتسفير في يوم الثلاثاء الموافق للعشرين من ديسمبر 2005م قمنا بالحجز علي طائرة الخطوط الاثيوبية المتجهة الي هولندا. وفي ظهيرة ذلك اليوم أتاح لنا مستشفى حياة الحانوتي الذي تولى تجهيز الجثمان للسفر قاعة لترتيب برنامج توديع الجثمان بإقامة برنامج تأبين مختصر الفقرات، حيث تليت السيرة الذاتية للشهيد وألقيت بعض القصائد الشعرية، لقد امتلأ المكان بالبشر ارتريين واثيوبيين رسميين وشعبيين يتقدمهم قادة وكوادر وأعضاء جميع التنظيمات السياسية الارترية، وحضر من الجانب الرسمي الاثيوبي كلٌّ من السيد/ سبحت نقا من جبهة الإهودق (الائتلاف الحاكم) والسيد/ سليمان السفير بوزارة الخارجية الإثيوبية والسيد/ هيليكيروس قسسي سفير اثيوبيا بالصين حينها، والسيد/ حبور قبركدان مدير منتدى صنعاء (صنعا فورَم) وآخرون.
في العاشرة مساءاً من ذلك اليوم وَدَّعْــنا الجثمان الي هولندا برفقة الأخ/ جمع أحمد ليكون في استقباله رفاق الشهيد من قيادة التنظيم وزوجته السيدة/ أزمارا هيلي، ومن ثم طوينا سرادق العزاء المقام بأديس أبابا.
طغمة الهقدف الحاكمة تجبر الارتريين بالخارج علي
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريأفادت مصادر محلية أن مكتب الهقدف (الحزب الحاكم في إرتريا) بالعاصمة السودانية الخرطوم قد أجبر المواطنين الإرتريين المقيمين هناك علي التوقيع على إقرار أعد سلفا ينص على إقرار الموقـِّـع بأن أسباب وجوده هنا اقتصادية ولا علاقة لها بالشأن السياسي. وأضافت المصادر أن الإقرار سبق أن تم توزيعه علي رجال الكنيسة الأرثوذكسية بالخرطوم والمدارس التابعة لها، لكن الطلبة بالذات رفضوا التوقيع عليه بحجة أن محتواه لا يطابق الواقع. وأكدت المصادر أيضاً أن كل حملة جواز السفر الإرتري في مواقع عدة من العالم قد أجبروا علي ملء ذات الإقرار، وذلك في محاولة فاشلة لسفارات النظام تدارك ما لطخ صورة النظام من إدانة سياسية وحقوقية دولية.
مرت عشر سنوات علي استشهاد المناضل/ سيوم عقبا ميكائيل رئيس جبهة التحرير الارترية – المجلس الثوري، والذي وافته المنية فجأة في السابع عشر من ديسمبر 2005م وهو في قمة أدائه لعمله الوطني. منذ نشأته نذر سيوم عمره كله لوطنه وشعبه، قضى الشهيد عشرة أعوام من حياته معتقلاً في سجون العدو المحتل ومرَّ قبل وبعد ذلك بكل مصاعب ومصائب النضال التحرري واجتاز ذلك كله بصمودٍ نادر المثال يعرفه عنه رفاق السلاح والطفولة. ولأنه كان يؤمن بأن السيادة والقوة للشعب وأن في التنظيم والتأطـُّــر قوة، لـُـقـِّــبَ أثناء رئاسته لاتحاد الفلاحين الارتريين ضمن المنظمات الجماهيرية لجبهة التحرير الارترية، لقب ب(سيوم حرستوت أو حرستاي)، أي سيوم الفلاح. وانطلاقاً من إيمانه العميق بضرورة أن تكون ارتريا
الغد مصونة الكبرياء والسيادة اشتهر الشهيد بأنه كان واحداً من أكثر المناضلين شراسةً في الدفاع عن استقلالية القرار السياسي للمعارضة الوطنية التي تتصدى لنظام اسمرا الدكتاتوري. لذلك كان في تحذيره من رهن القرار السياسي للمعارضة يصف الخضوع للأجنبي بأقسى وأبلغ العبارات. كان سيوم راسخ القناعة بأن الوحدة قوة، لذلك بدلاً من الائتلافات والاندماجات الصورية كان يسعى الي تقارب حقيقي بين القوى السياسية الارترية ينظر للأمام ويعمل بفعالية، وبذات الروح الوحدوية والوطنية لم يكن يساوم في وحدة ارتريا أرضاً وشعباً. وكان يطبق نفس النظرة الوطنية علي علاقات ارتريا الخارجية والتي لابد لها في رأيه أن تبنى علي سعة الأفق وتبادل المصالح والاحترام وعدم التدخل في الشؤون الداخلية.

بعد أن صال وجال في حقول السياسة والنضال داخل تنظيمه وفي عموم محيط المعارضة الوطنية توفي قبل عشرة أعوام إثر علة طارئة وهو في قمة العطاء والتألــُّــق الوطني. لقد أنفق سيوم كامل حياته في سبيل شعبه ووطنه ومات راضياً فداء أمانيه في الحرية والانعتاق، لكنه بالتأكيد ترك لنا العديد من الوصايا والمهام الواجب علينا تنفيذها، نحن بدورنا نتقبل ذلك بكل الرحب والسعة ونقول له فلترقد بأمان، فأنت وإن فارقتنا جسداً ما زلت تعيش بيننا مبادئ وأهدافاً سامية عشناها ونعيشها معاً. لقد كان من حق الشهيد علينا أن نتساءل: كم يا ترى حققنا من وصاياه طيلة هذه المدة من وفاته التي تعادل ثلث ما استغرقه نضالنا التحرري؟ بيد أن الإجابة علي هذا السؤال الجريء والواقعي لا تخصنا وحدنا نحن رفاقه السابقين في جبهة التحرير الارترية – المجلس الثوري سابقاً وحزب الشعب الديمقراطي الارتري الآن، إنما هو سؤال يشاركنا الإجابة عليه سائر معسكر المعارضة وطلاب التغيير في ارتريا. كما تعوَّدَ أن يدهش الناس في حياته بتفرد أدائه أدهش الكثيرين بتألقه بعد موته أيضاً حيث أثبت سيوم للكثيرين أن من يفقدونه ويبكونه كثيرون وليسوا قلة منزوية. بل قال من فجعوا بموته: وما فائدة وهوية ارتريا التي لا يجد فيها أمثال سيوم أشباراً من أرضها تحتضن رفاتهم!!؟ لقد تكرر مشهد أن لا تستقبل ارتريا جثامين من يموتون ويستشهدون من أبنائها وأبطالها خارجها دعك من أن تتيح لهم فرص وفوائد أخرى في حياتهم الدنيوية.

مما ترك لنا الشهيد من مهام بدأها وعاجله الموت قبل إتمامها توحيد المعارضة علي أساس مبدأ تناغم الوحدة والتعدد بما يخدم قضية العمل المشترك، وإتمام الوحدة الاندماجية بين حزبي الشعب والديمقراطي الارتريَّــيـْــن. وبالفعل تمت هذه الأخيرة وأثمرت حزب الشعب الديمقراطي الارتري الذي مضى علي تأسيسه أكثر من خمسة أعوام، وهذا بالفعل سوف يبعث برسالة تهنئة الي قبر الشهيد، ولا شك ستتواصل أعمال بناء هذا الحزب حتى يتطور الي قوة تغيير حقيقية وفعالة، كما ستتواصل جهود الحزب من أجل إقامة مظلة وطنية جامعة لكافة قوى التغيير، هذا وإن لم نستطع بلوغ كامل أمنيات الشهيد في هذا المجال، إلا أننا لن ندخر جهداً في مواصلة هذا المسعى، ولا خيار أمامنا سوى المواصلة. لكن بما أن هذه مهمة مشتركة بيننا وبين لاعبين آخرين لن يكون بإمكاننا إنجازها وحدنا ما لم يشاركنا في هم إتمامها كل من يهمهم أمر التغيير فنجتمع علي برنامج الحد الأدنى للعمل المشترك. نحن من جانبنا برهنـَّــا علي الالتزام بهذه المهمة في كل مؤتمراتنا التي عقدت بعد رحيل الشهيد سيوم وسيظل هذا ديدننا اليوم وغداً.

اليوم نُحيـِـي ونُحيـِّـي الذكرى العاشرة لرحيل الشهيد/ سيوم، ومن هذا الإحياء والتحية لابد لنا من ذكر النزر اليسير من بطولاته وإنجازاته النضالية. لكننا لا نقتصر علي ذلك فقط، بل سنسأل أنفسنا هل وَفـَـيـْـنا ما تعهدنا به عند قبره علي أفضل ما كان يتمناه؟ نعم نحن علي عهدنا نعمل كل ما في الوسع من أجل إتمام وتحقيق أحلام الشهيد الوطنية. إن الوفاء بعهدنا لشهيدنا لا يحتمه مجرد الوفاء للشهداء فحسب، بل تحتمه علينا المرحلة الحرجة التي تمر بها مجمل أوضاع الوطن ومعسكر المعارضة علي وجه الخصوص. لذا وبهذه المناسبة نؤكد لشهدينا مجدداً أننا علي دربه سائرون.

الشهيد/ سيوم كان في كل ما قدمه في سبيل وطنه حتى الدقائق الأخيرة من حياته يتمتع بمؤازرة أسرته التي ساندته ووقفت معه في تحقيق كل ما آمن به من مبادئ. كذلك فإن سيوم الذي سهر علي تربية أبنائه تربية وطنية صحيحة ترك خلفه ذرية وفية بالعهد والمسئولية الأسرية والوطنية وها هي اليوم تنظم هذه الاحتفالية الجميلة بهذه الصورة المشرفة. إنه لم يورث أسرته مالاً ولا عقاراً، بل أورثهم ما يتشرفون به من المجد والسؤدد، ونحن شركاؤهم في ذلك الإرث الوطني العظيم.
إحياء الذكرى العاشرة لرحيل الشهيد/ سيوم عقباميكائيل
Written by إعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي السابع عشر من ديسمبر 2015م تقاطرت الجموع الي ضاحية فلاردينقن بمدينة روتردام الهولندية لإحياء الذكرى العاشرة لرحيل المناضل الشهيد/ سيوم عقباميكائيل.
هذا وبعد وضع الزهور علي قبر الشهيد من قبل أسرته وأقاربه ورفاق نضاله وزملاء دراسته رفع قساوسة المذهب الأرثوذكسي الصلوات المقدسة علي روحه.

عقب تناول وجبة الغداء التي أعدتها أسرة الشهيد تابع الحضور كلمات الخطباء الذين تناولوا نواحي شتى من سيرة الشهيد كما شاهدوا لقطات فيديوية تعكس صوراً من أنشطته المختلفة في حياته العامرة بالنضال.

اعتلى المنصة تقديماً وتعريفاً بصور ومواقف للشهيد كلٌّ من رفيقة دربه ونضاله السيدة/ أزمارا هيلو والمناضل السيد/ أسفاو برهي عضو قيادة حزب الشعب الديمقراطي الارتري.
ثم قام الأستاذ الكاتب/ أنتونيو تسفاي بعرضٍ منسق لبعض الوثائق السمع – بصرية التي احتوت علي عدة محاضرات وخطب للشهيد في مناسبات سياسية نضالية شتى، وبذلك أكدت تلك الوثائق الحية الناطقة أن إسهام الشهيد النضالي والتوعوي لم يقتصر علي حياته فقط، إنما امتد وسيمتد بعد موته أيضاً.

رفاق نضاله ومعارفه من مختلف الانتماءات السياسية والأطر التنظيمية أبرقوا أو ألقوا كلماتهم في حفل التأبين منهم: الأستاذ/ ولد يسوس عمار، الدكتور يوسف برهانو، السيدة/ حرقو برهي، أفورقي أباي (قصيدة)، طقزئاب قبرقرقيس، السيد/سعيد رئيس الجالية الارترية بروتردام، السيدة/ إيلسا عقباميكائيل شقيقة الشهيد، الأستاذ/ درار منتاي. هذا وقد حالت أسباب فنية عن عرض كلمتي الأستاذ/ قرزقهير تولدي والسيدة طقي أسفها وقد ألقيت الكلمتان في قداس في امريكا الشمالية عن ذات المناسبة.

في كلمته شكر عمار أسرة الشهيد علي تنظيمها هذا الحفل التأبيني مذكراً الجميع أن إحياء ذكرى الشهداء مناسبات وطنية وليست مناسبات للبكاء والعويل واجترار الأحزان، ثم قام بتسليم عميدة الأسرة كتيباً من أربعين صفحة جمع فيه مقالاته عن الشهيد ومقابلاته الصحفية معه منذ العام 1978م وحتى قبيل وفاته. أفورقي أباي هو الآخر سلم الأسرة سفراً ضخماً من 800 صفحة حشد فيه مقالات وكلمات عن الشهيد كتبها عنه باللغات الثلاثة أناس من شتى المشارب. الأخ/ طقزئاب قبرقرقيس أيضاً ملقباً الشهيد بمانديلا ارتريا أهدى كريمة الشهيد/ عايدة سيوم كتاباً عن نيلسون مانديلا بطل الحرية والانعتاق في افريقيا. السيد/ طهايي كبروم بدوره وزع علي الأسرة والحضور كتيباً من الورق المصقول الفاخر يحتوي في غلافه علي صورة الشهيد وبعض الشعارات وصور معبرة عن أحزان الجمهور حين وفاته قبل عشرة أعوام ويحتوي بداخله علي كلمات وبرقيات التعازي والتأبين من شتى معارفه وأصدقائه. كما أن الأخت/ ألقانيش قبري وضعت علي القبر لوحة ذات صور وشعارات معبرة علي شكل حزام ملون ملتف حول القبر.

ابنة الشهيد/ عايدة ووالدتها تتقدمان الصفوف في زيارة قبر الشهيد

شقيقتا الشهيد إيلسا وهيوت ونجلاه سامسون وباولوس بالمقبرة
