ግዜ ሓሊፉ ግዜ ክትካእ እንከሎ፡ ዓመተምህረት ጥራይ ኣይኮነን ዝሓልፍን ኣሃዝ እንዳወሰኸካ ዝቑጸርን። ካልእ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝቕየር ሓፈሻዊ ምዕባለታት’ውን ኣሎ። እዚ ኩሉ ምቅይያርን ምትኽኻእን ድማ ብናይ ሰባት ኣተሓሳስባ እዩ ዝግዛእ እምበር ግዜስ ዝሓለፈ ኮነ መጻኢ ግዜ እዩ። ምስኡ ብዘሳኒ ማዕባሊ ኣተሓሳስባ ተዘይተሰንዩ፡ ብመንጽር መዕቀኒ ግዜነቱ ዓምን ሎሚ ዘበንን ሓደ እዩ። ሓደ ተመኩሮ፡ ምስቲ ዝመጽእ ምዕባለ መሰረታዊ’’ኳ ተዘይኮነ ሓቢሩ ዝመጽእ ለውጢ ኣለዎ። ንኣብነት ፖለቲካዊ ቃልስና ኣብ ኤርትራ ከም ኣብነታዊ ተመኩሮ እንተወሰድናዮ እቲ ናይ ሎሚ ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ፍልልይ ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ሽዑ ኮነ ሎሚ ረብሓ፡ መሰልን ነጻነትን ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ ነይሩን እዩን። ኣብ ዙርያ ኣፈጻጽማኡ ዝረኣዩ ክንርዕሞም ዝግበኣና ለውጥታት ከም ዘለዉ ግና ክንክሕድ ኣይግበኣናን። ነቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ዝነበረ ኣገባብ ሎሚ ኣብ ግዜ ዓለም ለኻውነት (globalization) እውን ከም ዘለዎ ክንትግብሮ እንተፈቲንና ምስ ግዜን ዝምረሓሉ ዘሎ ከባብያውን ዓለምለኻውን ክነታት ከይንራጸም ከነስተብህል ይግበኣና። ካብቲ ክልተ ጫፋት ብሓዲኡ ጫፍ ከይንውሰድ’ውን ምጥንቃቕ የድልየና። ብጉልባብ “ምስ ህልዊ ግዜን ኩነታትን ምኻድ” ነቲ ንናይ ሎሚ ዓውትና ዝሕግዝ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንወስዶ ዝግበኣና እታዎ (input) ሓጢጥና ከይንድርብዮ’ሞ ናብ መሰረቱ ዝተፋሕቈን ሚዛኑ ዝሰሓተን ህላወ ምእንቲ ከይንምለስ።

ኣባና ዝተጀምረ’ኳ ተዘይኮነ፡ ጉዳይ ምውራስ ተመኩሮ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ኣብ ቃልስና ኣዛራቢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። እቲ ምስሕሓብ ኣብ ምውሳን ዝውረስን ዘይውረስን ዝጠቓለል እዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ኣብ’ዚ ዛዕባ’ዚ ዝፍጠር ምፍልላይ ብግቡእ ክናበብ ክሳብ ዝኸኣለ ዘበላልሕ እምበር እምብዛ ዝጐድእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ምስሕሓብ ነቲ ክልተ ጫፋት ናይ ኣውራስን ወራስን ፍልልይ ኣብ ምትዕራቕ እንተኾይኑ፡ ሃስያኡ ቀሊል እዩ። ኣብ ቃልስና ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ እውን እዚ እዩ። ገለ ወገናት እቲ ወራሲ ወይ ተካኢ ክፍሊ ሕብረተሰብ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብቲ ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ መድረኽ ቃልሲ ዝተፈጸመ መስተንክር ጅግንነትን ሓርበኝነትን “ከይቆርመመ ከይሽርመመ ክቕበሎ ኣለዎ” ዝብል ኣብ ሓደ ጫፍ ዝተጸገዐ ንውዑይን ወሳንን ብጽሒት መንእሰይ ዘደብዝዝ ርኢቶ ይሕዙ። ዝተወሰነ ካብቲ ተረካቢ ሕድሪ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ፡ ነቲ ዝሓለፈ ናይ ኣያታቱ ተመኩሮ ኣወጊዙ ካብ ናቱ ሓድሽ ቅዲ ናይ ምጅማር ካልእ ጫፍ ክሕዝ ይደናደን። ጫፍ ምሓዝ ከኣ ኣካቢ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ክንድቲ ክኾነልና እንደልዮ’ኳ ተዘይኮነ፡ ርኢቶታት ከካብቲ ዝነበሮ ጫፋት እንዳተፋሕኰ ኣብ ማእከላይ ቦታ ናይ ምርኻብ ተስፋታት ይሕዝ ኣሎ።

እዚ ምስሕሓብ ዝረአን ብግቡእ ተዘይተታሒዙ ዝጐእን ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ፖለቲካዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና እዩ። ክልተ ሰባት ብዛዕባ ንናይ ቀደም ባህሊ ከም ዘለዎ ምውሳድን ዘይምውሳድ ክከራኸሩ እንከለዉ፡ ኣቲ ኩሉ ባህሊ ከም ዘለዎ ክውረስ የብሉን ንዝብል ርኢቶ ዝማጐት ዝነበረ “ቀደም ከምዚ ናይ ሎሚ ሕግን ስርዓትን ዝሓዘ ውርዙይ መወስቦ ኣይነበረን፡ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ጾታታት ዝግበር ርክብ ግን ነይሩ እዩ፡ ሎሚ ግና ወግዕን ስርዓትን ሒዙ ኣሎ። ስለዚ ወዲ ሰብ እዚ ዳሕረዋይ ስርዓት ከይሓዘ ከምቲ ዝነበሮ ተዝቕጽል ጽቡቕዶ መኾነ?” ኢሉ ሓተቶ’ሞ እቲ ተጻራሪ ሓሳብ ዝነበሮ ጉዳያት ተሰቊርዎ፡ ዝውረሱን ዘይውረሱን ዛዕባታት ብሓባር ኮይኖም ክመምዩ ከኣሉ ይበሃል።

ድሌትን ቅሩብነትን እንተልዩ ዝተረሓሓቐ ንምቅርራብ ኣየጸግምን እዩ። ድሌትን ቅሩብነትን ህልኽ ዘይጸለዎ ሓልዮትን ተዘየልዩ ግና ክንዲ ዝኾነ ብቕዓትን ዓቕምን ይሃሉ ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ናብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ክንመጽእ እንከለና ናይ ኩለመዳዊ ዓቕሚ ውሱንነትና ዘዛርብ ኣይኮነን። ኩልና እንርደኦ ስለ ዝኾነ። ጸገማትና ክንጽብጽብን ክንሰርዕን እንከለና ግና እዚ ናይ ዓቕሚ ውስኑነት’ዚ ቅድሚት ዝስራዕ ጸገምና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቀንዲ ጸገምና፡ በታ ዘላትና ውስንቲ ዓቕሚ፡ ሓልዮትን ቅሩብነትን ሰኒቕና ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኻልና እዩ። እዚ ብኩራት እዚ ከኣ ኣብቲ ብሓባር ክንዋሰኣሉ እንብህጎ ጽላል ኮነ፡ ኣብቲ ውሱን ውድባትና፡ ሰልፍታትናን ማሕበራትናን ከነቕልበሉ ዝግበኣና እዩ። እዚ በዂሩና ዘሎ ግሉጽነትን ምትእምማንን እንተነማልእ ግና ነቲ ናይ ዓቕሚ ውሱንነትና ንምብዳህ ዓቕሚ ከነጥሪ መኸኣልና። ዓቕሚ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ ዝጥረ ስለ ዝኾነ። እዚ ነባራት ተቓለስቲ ንመንእሰያት፡ ወይ መንእሰያት ንገዳይም ዝድርብይሎም ተሓታትነት ዘይኮነ፡ ኩሎም ወገናት ነናብ ነብሶም ተመሊሶም ክፈትሕዎ ዝግበኦምን ማዕረ ሓላፍነት ዝወስድሉን ሕጽረት እዩ።

ምውርራስ ኣኼባ ጌርካ መዓልቲ ቆጸራ ቆሪጽካ፡ ካብዚ እዋንዚ ጀሚርና ኣውሪስና ኣለና ወይ ካብዚ እዋንዚ ንደሓር ወሪስና ኣለና ኢልካ ብናይ ሓደ መዓልቲ ኣዋጅ እትገልጾ ወይ መፈላለዪ ረጒድ መስመር ወይ ሕንጻጽ ተቐምጠሉ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ብናቱ መስርሕ ዝኸይድ፡ ዘዕውቶ ጻዕሪ ዝሓትት፡ ዘድልዮ ግዜ ዝወስድን ውፉያት ተዋሳእቲ ዝሓትትን ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተባህለን ብተመኩሮ ዝተራእየን እዩ። ናይቲ ኣውራሲ ግቡኡ እንዳፈጸመ ካብ ፖለቲካዊ ሜዳ ምርሓቕን ናይቲ ወራሲ ግደ ኣብቲ ሜዳ እንዳጐለዐ ከም ዝኸይድ ዝግበር መስርሕ ኣብ ምድንጓይን ምቕልጣፍን ከኣ ግደ ክልቲኦም ዕዙዝ እዩ። ናይቲ ክወርስ ዝግበኦ ወናኒ ውዑይ ዓቕሚ ዘይምትጋህ፡ እቲ ከውርስ ዝግበኦ ከየውረሰ ክቕጽል ከገድዶ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ብዘለዎ ዓቕሚ፡ ምስቲ ንሱ ዝመጸሉ ግዜን ኩነታትን ንዘዋህለሎ ተመኩሮኡ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ክድርብዮ ወይ ብግቡእ ክወርሶ ምዃኑ ንዘኣመነሉ ኣካል ክምጥዎ ባህርያዊ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ኣውራሲ፡ “ስሱዕ፡ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ … ወዘተ” ዝብሉ ቅጽላት ምሃብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅድሚ “ዘየውርሰኒ” ምባል ብቑዕ ወራሲ ኮይንካ ምቕራብ ዘይስገር ቅድመ ተደላይነት እዩ። እዚ ከኣ ብቓልሲ ዝጥረ እምበር ብዓቀንካ ተሰፍዩ ዝጽበየካ ኣይኮነን።

ንመንእሰይ ምውራስ ግዴታ’ምበር ተለሚንካ ወይ ዘውርሱ ወገናት ኣቀባጢሮምልካን ጸዊዖምኻን እትርከቦ ሓላፍነት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ መሰረታዊ ናይ ምውራስን ምቕጻልን ግቡኡን ግደታኡን ተዘይፈጺሙ ዘሕትቶ ስለ ዝኾነ። ነዚ ንምፍጻም ኩሉ ኣውንታዊ መዓጹ ከይኳሕኳሕካ ጋህ ኢሉ ኣይጽበየካን እዩ። ሓንሳብ ኳሕኲሕካ’ውን ዘይክኸፈተልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብቲ መንእሰይ ዝድለ “ፈቲነ ኣብዩኒ” ኢልካ ጠጠው ምባል ወይ ዘየዕውት መንግዲ ምሓዝ ዘይኮነ፡ ክሳብ እትዕወት ምቕጻልን ደጋጊምካ ምቕጻልን ጥራይ እዩ። ከምቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብጻዕቂ ዝበሃል፡ ከረክቡ ዝግበኦም ዘየረክቡን ኣብ ስልጣን ክነብሩ ዝደልዩን ፖለቲከኛታት ከጋጥሙ እንከለዉ እውን፡ ነዚ ዘይቅቡል ኣካይደኦም፡ ክሳብ ዝሓሽካ ተረካቢ ምዃንካ ብዘነጽር ቃልሲ እትረትዖም ምቅላስ እዩ እቲ ፍታሕ። እቲ ተግባር “ቃልሲ” ዝበሃለሉ ምኽንያት ድማ እዚ ክብደቱ እዩ። እዚ ሓላፍነት’ዚ ኣብቲ ተረካቢ ተደሪቱ ዝተርፍ ተሓታትነት ዘይኮነስ፡ እቲ ኣረካቢ እውን ዝርከቦ ተካኢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ገዲፍካ እቲ ጸገም ናትካ ዘይኮነስ ናይ ካለኦት ኣምሲልካ ዝግበር ህድማ ግና ሓጋዚ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ናይ ካለኦት ጌጋ ብኣራሚ መልክዑ ኣይተንከፍ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ናይ ሓባር ውፉይነት ቆላሕታ ተዘይሂብካ ግና ከምቲ “ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት ንስኽዶ ከይትበልዒ ሸዊት” ዝበሃል ረብሓ ኩልኻ እዩ ዝሃጉግ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ድሕሪ ሞት 4ይ ፓትሪያርክ ኦርተዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሕዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻ ጉባአታት ኤርትራ ሓላፍቲ ጳጳሳት ወሲኽካ ኣባላት ሲነዶስ እዮም ነይሮም። ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ነዞም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝሞቱ’ሞ ብግዝያውነት ተተኪኦም ዘለዉ 4ይ ፓትሪያርክ ብቐዋምነት “ብመን ይተክኡ” ዝብል ንምውሳን እዩ ነይሩ። ናብዚ መንፈሳዊ ኣኼባ ዝቐረቡን ነቲ ኣኼባ ዝተኸታተሉን ወገናት ካብ ኣስመራ ከም ዝገለጽዎ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ክበሃል ብዝኽእል፡ “እቶም ፓትሪኣርክ ክኾኑ ዝግበኦም ንዝሓለፈ 11 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ኣቦ እዮም“ ዝብል ርኢቶ ነይሩ።

ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ነቲ ኣኼባ ብዓመጽ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ መንግስቲ “ንሶም ናይ ሲኣይኤ መሳርሒ ስለ ዝኾኑ ቅቡል ኣይኮኑን” ብዝብል ነቶም ተሳተፍቲ ጳጳሳት ርክብ ፈጢሮም ካብ ድሌት መንግስቲ ወጻኢ ከይመኻኸሩ፡ ተንቀሳቐሲ ተለፎናቶም (ሞባይላት) ኣሕዲጎም ኣብ ዝደለናኩም ክንጽወዓኩም ኢና ብዝብል ምስምስ ነናብ ቦታኦም ከም ዘፋነውዎም፡ እዞም ንመስርሕ እቲ ኣኼባ ዝተኸታተሉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ገሊጾም።

እቶም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ፓትሪያርክ ኤርትራ በመንግስቲ ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ካብ ዝወረድሉ ምኽንያታት፡ ቀደስቲ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ውትህድርና ክኸዱ ክግደዱ ኣይግባእን። ምናልባት ኣብ ውትህድርና ተተስቲፎም ከኣ ተመሊሶም ክቕድሱ ኣይክእሉን እዮም። መንግስቲ ክኣስር ስልጣን ኣለዎ፡ ምስ ኣሰረ ግና ንጹሃት ክኾኑ ንዝኽእሉ ወገናት፡ ኣብ ክንዲ ኣጻርዩ፡ ገበን ንዘየብሉ ብነጻ ምስንባት ወይ ብመርተዖ ገበነኛ ኮይኑ ንዝረኸቦ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ከቅርቦ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ መወዳእታ ንዘየብሉ ግዜ ምድጓን ግና ኣብ ቅድሚ መንፈሳዊ ኮነ ዓለማዊ ሕጊ ቅቡል ኣይኮነን ዝብሉ ይርከብዎ።

እቲ ጉጀለ ነዞም ካብ መንፈሳዊ መስመሮም ዘይወጹ ፓትርያርክ ዝወንጀለሉ ናይ ሸፈጥ ክሲ “ከምዚ ዝብሉ ዘለዉ ብመርበብ ስለያ ኣሜሪካ ስለ ዝተላእኩ እዮም” ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ዝያዳ 200 ናይ ብሕቲ ጋራጃት ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተዓጽዋ፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ቅድሚ ምዕጻው እዚ ገራጃት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወነንቲ ጋራጃት ካብ ከተማ ኣስመራ ወጺኦም ናብ መርሓኖ ክግዕዙ ኣዚዝዎም ከብቅዕ እኹል መስርሒ ጋራጅ ዝኸውን መሬት ክህቦም ብዘይምኽኣሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ድሕሪ እዚ ዋላኳ እቶም ዋናታት ጋራጅ መተካእታ ስለ ዝሰኣኑ ኣብቲ ጸቢብ መሬት ክሰርሑ ቅሩባት እንተነበሩ፡ ኣቲ ጉጅለ ብናቶም ፕላንን ዓቕምን ክሰርሑ ንዘቕረብዎ ሕቶ ነጺግዎ። ብኣንጻሩ ዝተሓተትዎ ዓቐን ገንዘብ ንመንግስቲ ክረክቡ እሞ መንግስታዊ ኩባንያ ሰገን ከም ድላዩ ሰሪሑ ከረክቦም ምዃኑ ነጊርዎም። ኣብዚ እውን እቶም እቶም ሰብ ጋራጅ ተቓውሞ’ኳ እንተርኣዩ ዝሰምዖም ምስ ሰኣኑ እንደጋና ክቕበልዎ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። እዞም ኣቐዲሞም ብማሕበር ተወዲቦም ዝነበሩ ሰብ ጋራጅ ኣቐዲሞም ኣብ መንግስታዊ ባንክ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም፡ እዚ ሓድሽ ጋራጅ በቲ ገንዘብ ንክስረሓሎም ኣንተውሒዱ ድማ ክውስኹ ዘቕረብዎ ሕቶ ሰማዒ ምስ ሰኣኑ፡ ናብ ዲክታቶር ኢሳያስ ንክጠርዑ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ከዱ፡ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ኢኹም ትረኽብዎ ምስ ተባህሉ ናብኡ ከይዶም። እንተኾነ ኢሳይያስ ከዛርቦም ስለ ዘይደለየ ኣድራሻታቶም ተቐቢልኩም ኣፋንውዎም ስለ ዝበለ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሱን እቲ ዝተባህልዎ ዓቐን ገንዘብ ከም ዘትሓዙን ተፈሊጡ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ክንመያየጥ ተባሂሎም ናብ ኣዳራሽ ማዘጋጃ ቤት ኣስመራ ምስ ተጸውዑ፡ ኣቲ ጋራጃት ምስ ኩሉ ኣብኡ ዝነበረ ንብረትን መካይንን ከም ዝተዓጽወ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም። ዋናታት ጋራጅ ድሕሪ እዚ ተረኽቦ፡ ነቲ ናይ ምዕጻው ተግባር ሓላፍነት ዝወስድን ዝጠርዕሉን ኣካል ክፈልጡ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ እቲ ሓደ ናብቲ ካልእ እንዳደርበዮ መፍትሒ ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ። በዚ ጨካን ተግባር ተስፋ ዝቖረጹ ዋናታት ጋራጅ ዓዶም ለቒቖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ጀሚሮም ከም ዘለዉ’ውን እቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ኣለዉ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ እዚ ዓመጸኛ ተግባር ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ መርኣያ ናይ ጉጅለ ህግደፍ በሓቲ ባህሪ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክበጽሑ ቪዛን ክሓቱ እንከለዉ ናይ ግድን መሊኦም ክፍርምሉ ኣለዎም ዝበሎ ቀጥዒ ኣዳልዩ የተግብር ከም ዘሎ፡ ናይዚ ሓደገኛ ኣካይዳ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ገሊጾም። እዞም ኤርትራውያን ሓተትቲ ቪዛ ድሕሪ 1998 ዝተሰዱ ምዃኖም ምስ ሓበሩ፡ ክመልእዎ ዝግደዱ ዘለዉ፡ ቀጥዒ ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ ቀንዲ ትሕዝቶኡ “ካብ ሃገረይ ዝተሰደድኩ መነባብሮይ ከመሓይሽ እምበር ፖለቲካዊ ኮነ ሰብኣዊ ጸገም ስለ ዘጋጠመኒ ኣይኮንኩን” ዝብል መልእኽቲ ምዃኑ ዞም ምእንቲ ኣብ ዓዶም በጺሖም ክምለሱ ተገዲዶም ዝፈረሙ ምእንቲ ድሕነቶም ኣስማቶም ዘይጠቐስናዮም ኤርትራውያን ገሊጾም።

እዚ ቀትዒ ተመሊኡ ምስ ተፈረመ፡ ነቶም ፈረምቲ ዝወሃብ ዘይኮነ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ናብ ኣስመራ እዩ ዝለኣኽ። ኣብ ኣስመራ ነታ ኣብታ ትነብረላ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ናይቲ ጉጅለ ዝመላእካያ ቀጥዒ ሒዞም ናይ ጸጥታ ኣካላት ህግደፍ ከም ዝጽበዩኻን ኣብኡ እውን ብዙሕ ኣጓጣጥ ከም ዝጸንሓካ እቶም ገያሾ ይገልጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ከም ናይ ግዱድ ኣታዊ መኻዕበቲ ኮይኑ ዝጸነሐ ምኽፋል 2% ናይ ኣታዊኻ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ በዚ ከይተደረተ፡ ምስሉ ንምምልኻዕ ካብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ደገፍቱ ኤርትራውያን፡ “ መንግስትና ዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የለን” ኢልኩም ናብቲ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታትተመስሪቱ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ኮሚሽን መስክሩለይ ዝብል ወፈራ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝዝከር እዩ።

ኣቦ/ መ ሰልፊ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮምን ካልኦት ኣባላት መሪሕነት ሰልፊን ዝመርሑዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ክሳላሰሉ ተመዲቦም እንሀዉ።

ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ህሉዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ደምበ ተቓውሞን፡ ግደ ሰልፍናን፡ ኣብ ዞናና ዝምዕብሉ ዘሎዉ ኩነታትን ምስ ህዝቢ ኢሂን ምሂን ክበሃሃለሎም እዩ፡፡

እምበ’ኣር ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘሎዉ ግዜን ኣድራሻን ኣኼባታት ተረኺቡ ኣዎንታዊ ኣበርክቶኡ ክወፊ ብኽብሪ ንጽውዕ።

ኣብ ከተማ ሎንዶን / London

ዕለት ኣኼባ -         24 ጥሪ 2016 (24/01/2016)

ዝጅመረሉ ሰዓት -     03;30 ድ.ቀ. ክሳብ 7፡00 ናይ ምሸት

ኣድራሻ -            ኣብራር ሃውስ / Abrar House

                     45 Crawford Place, London W1H 4LP

                     Tel.:   07884054117

ኣብ ከተማ ሊድስ / Leeds

ዕለት ኣኼባ -         30 ጥሪ 2016 (30/01/2016)

ዝጅመረሉ ሰዓት -     01:00 ድ.ቀ. ክሳብ 06:00 ናይ ምሸት

ኣድራሻ      -     UKRANIAN CENTRE

5 Newton Grove, Leeds

LS7 4HW

Tel.:  07446995288

ኣብ ከተማ በርሚንግሃም/ Birmingham

ዕለት ኣኼባ -         31 ጥሪ 2016 (31/01/2016)

ዝጅመረሉ ሰዓት -     03:00 ድ.ቀ. ክሳብ 08:00 ናይ ምሸት

ኣድራሻ -            The Zawiya

1 Jenkins Street,Birmingham B10 0QH

                     Tel: 07479954638

ብደሓን ምጹ፡

ጨንፈር ሰ.ደ.ህ.ኤ. ዓባይ ብሪጣንያ

Thursday, 07 January 2016 04:02

Eritrea Liberty Magazine Issue No.36

Written by
Wednesday, 06 January 2016 23:14

Eritrea Liberty Magazine Issue No.36

Written by

 

XmasTree

ነቶም ንጽባሕ ሓሙስ ዕለት 7 ጥሪ 2016 በዓል ልደት ዘኽብሩ ዘለዉ ኣህዛብ ብመላኦም፡ ንህዝቢ ኤርትራን

 

ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ፣ ርሑስ በዓል ልደትን ዘመን ሰላም፡ ዘመን ሓጐስ ፡ዘመን ፍቕርን ይግበረልኩም

 

ዝብል ናይ ሰናይ ትምኒቱ መልእኽቲ ይገልጽ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

ኩልና ከምንፈልጦ ብሰኪ ጭቖናን ግፍዕታት መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ባርነት ዝዳግ ደረት ኣልቦ  ሃገራዊ ኣገልግሎትንሱ ዘስዓቦ ናይ ስድራቤት ምብትታን፡ መወዳእታን ተስፋን ዘይብሉ ህይወትን፡ ኤርትራዊ ብኹሉ ሸነኻቱ መሰሉ ስለዝተጋህሰን፡ ካብ ርትራ ክደድ ተገዲ ኣብ ፍሃገር ፋሕ ኢርከብ። ሃገርና ኻአ ብሰንኪ ብምኳር ሕጊ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰይድ ኣላ።

እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣሪቃ፡ ሃገርና ብሰንኪ ማዕቀብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዲቃ ስለ ዘላ፡ ሃገር ንምድሓን፡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ኢና፡ ኣብ ሃገርና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የለ፡ ብፍቓድና ኢና ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸይድ፡ ምዕማጽ ደቀስትዮ ብሓለፍቲ ኣምን ኢዩ ኣብ ሃገርና ኮብሊልኩም ወይ ስግረዶብ ፈቲንኩም ተባሂሎም ዝተቐትሉ የለን ኢልኩም ርሙ ንዳበለ ከተዓሻሹን ከፈራርህን ይርከብ ኣሎ። ምኡ'ውን ኣብዚ ሃገር ዕቁባ ከትኽቡ ዝሃብኩሞ ምኽንያት ጽሒፍኩም ሃቡና ኢሉ ይሓትት ኣሎ።

ዚ ንኹሉ ሓታቲ ዕቁባ ኤርትራዊ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዕቁባ ዘኸልክን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ርትራዊ ካብዚ ንሂቱን ሂወት ኤርትራውያሕዋቱ ኣብ ሓደጋ ዘውድ ምሙላእ ፎም ክቁጠብ ነተሓብ። ቲ ትመልእዎ ፎርም ምስ ሙሉእ ሓበሬታኹም ተሰኒዱ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ዕቁባ ዝህባሃገራትንተላኢኹ ከም ምስክርነት ኣንጻርኩም ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉን ንኽትጥረዙ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ሕሰምን፡ ጭቖናን፡ ምብትታንን፡ ውርደትን ሞትን ድፋጭኡ ዘስትዮ ዘሎ ምዃኑ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብዘይፍርሂ ከቃልዖ ድኣ እምበር ክሸፋፍኖ ፈጺሙ ኣይግባእን። እቶም ገበነኛታት ድማ ብሕጊ ክሕተቱ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ምስክርነቱ ክህብ ብትብዓት ደው ክብል ዜግንነታዊ ሓላፍነት ኣለዎ።

ኤምዲሰመ

ጥሪ 2016

ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ

         

            The Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea (COI) is a UN commissioned body with a mandate to shed light on the human rights violations being perpetrated by the Eritrean government against its people. It is carrying out its mandate by collecting oral and written testimonies of ordinary Eritrean citizens.  Most Eritrean households, both at home and abroad, can bear witness to the level of brutality and inhumanity of this regime.

 

            The Commission‘s mission is to document the horrific, widespread and systematic human rights violations that are currently taking place in Eritrea. It is an absolutely necessary endeavor because it will help to bring the People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ) to justice.

 

            The PFDJ’s reign is a tyrannical one and continues to hold the Eritrean people hostage for no other reason except to maintain power. The threat of arbitrary arrest and detention is very real in Eritrea and has been for a very long time. This regime is ruling Eritrea with impunity. It has imprisoned and tortured all those that it deemed to be a threat to its hold on power, among them journalists, former high-ranking government officials and their family members.

           

            There are over 300 prisons in Eritrea and conservative estimates state that there are about 35,000 political prisoners languishing in Eritrea. Never before seen footage smuggled out of Eritrea’s Adi Abeto prison shows images of 500 or so prisoners crammed into dangerously over crowded, unsanitary halls. It is worth mentioning that these prisoners are ordinary Eritrean citizens who have been denied legal due process.

 

            Furthermore, under the guise of military service, tens of thousands of Eritrean men and women have been subjected to forced labor and indefinite military service. In a 2015 Amnesty International report, the following was stated about Eritreans fleeing national service:

           

            “These people, many of them children, are refugees fleeing a  system that amounts to forced labour on a national scale and that robs them of choice over key aspects of their lives”

 

            The situation in Eritrean can be best described as a form of slavery that deprives Eritreans of the basic human right to live their lives free from exploitation and abuse. These inhumane conditions have left Eritreans with no other option but to flee in order to save their lives.

 

            The PFDJ usually responds to the mass exodus out of Eritrea by implementing an inhumane shoot to kill policy on its borders; as a result, Eritrean men, women and children are being met with a barrage of bullets as they seek to escape the open-air prison that is Eritrea today.

 

            Sadly, Eritreans feel that they would have a far greater chance of survival if they risked the wrath of human traffickers, militants or even the sea as opposed to staying at home and continuing to suffer abuse at the hands of their government. 

 

            It is of no surprise that the PFDJ is seeking to level a smear campaign against the COI and the sincere individuals assisting them in their efforts to give a voice to millions of subjugated Eritreans. This same regime would like to have us believe that the tens of thousands of Eritreans escaping the country (an estimated figure of 5,000 a month) are doing so purely for economic gains and not because of the PFDJ’s tyrannical policies.

 

As advocates for human rights in Eritrea, we are extremely concerned about the PFDJ’s mounting efforts to pressure Eritreans living in the diaspora to attend its meetings and fill out forms designed to undermine the COIE’s work. The regime and its agents are doing this with the intention of delaying the inevitable, the prosecution of criminal government officials at the International Criminal Court.

 

            As a moral obligation, we urge all Eritrean refugees in their respective host nations to remain vigilant and steadfast in the wake of such aggressive disinformation campaign. We request that you stand in solidarity with your oppressed people and to extend your hands to the COI. Only with your support can we solve our problem and make the dream of a prosperous and thriving Eritrea a reality.

 

Thank You!

 

Eritrean Solidarity Movement for National Salvation

Eritrean Youth Solidarity for Change – North America

Eritrean Law Society

Freedom Friday Project (Arbi Harnet) 

Stop Slavery in Eritrea Campaign