ኣብነታዊ መርኣያ ግሉጽነት

2016-03-26 12:57:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2627 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ-መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ14 ለካቲት  2016 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ሰደህኤ ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ብመልክዕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣባላት ናይቲ ዝመርሖ ዘሎ ሰልፊ ድማ ኣብቲ ዝተዋህበ መብርሂ ተመስሪቶም፡ ሰልፎም ኣብ ምሕያል ክተባባዕ ዝብልዎን ክእረመሎም ዝደልይዎን ኣሰራርሓታት ብዝምልከት ሃነጽቲ ሓሳባት ኣቕሪቦም። እዚ ናይ መሪሕነትን መሰረታትን ግሉጽ ምንባብን ምትሕስሳብን ቀጻሊ ንክኸውን ድማ ተላብዮም። እቲ ኣቦመንበር ብወገኑ ኣብ መጻኢ፡ ነየናይ ጐኒ ዝያዳ ምሕያል ነየናይ ጐንኸ ከእረም ከም ዝግበኦ ኣብ ምውሳን ዝሕግዙ ሓሳባት ኣዋህሊሉ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ናይ እንካን ሃባን ኣኼባ ድማ እዚ እዩ ነይሩ።

ብዘይካዚ ብ19 መጋቢት 2016 ኣብ ፓልቶክ ስመር ቁጽሪ-ሓደ ክፉት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ከኣ ፖለቲካዊ ራኢ፡ ሚዛንን ተሳትፎን ኣብ ጉዕዞ ሓድነትን ንጥፈታትን ሰደህኤ ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጥዎ ዝደልዩ ብዝምልከት ሕቶታት ከቕርቡን ብዛዕባ’ቲ ሰልፊ ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእዮም ሚዛን ክህቡን ዕድል ከፊትሎም።

ብፍላይ ኣብቲ ክፉት ኣኼባ ኣዝዮም ብዙሓት ዝተፈላለየ መንቀሊ ዘለዎም ሕቶታት ቀሪቦም። እንተላይ ነቶም ንሰደህኤ ዝነቕፉ ሕቶታትን ርኢቶታትን እውን ግቡእ ክብርን ንጹር መልስን ክወሃቦም ሓዲሩ። ሓው መንግስተኣብ ዝህቦ ዝነበረ መልስታት ብዘይሽፍንፍን እምንቶን መርገጽን ሰልፉ ኣብ ተዝተፈላለየ ዛዕባታት ከምቲ ዘለዎ ዘነጽር ነይሩ። ገለ ተሳተፍቲ ዋላ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መልስታት ካብ እምነቶም ወጻኢ እንተኾነ፡ በቲ ተበግሶን ግሉጽነትን ኣዝዮም ሕጉሳት ከም ዝነበሩ ምግላጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ግሉጽነት ባህሊ ክቕጽል ከም ዝግበኦ ተደጋጋሚ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

እዚ ዝተጠቕሰ ኣብነታዊ መድረኻት ረብሓኡ ንሰደህኤ ንጹር እዩ። ከዕውቶ ዝቃለሰሉ ዘሎ መትከላት ብቐጥታ ናይ ምግላጽ ዕድል ስለ ዝሃቦ። ነቶም ነቲ ሰልፊ ካብ ዝተፈላለየ ማእዝናት እንዳነቐሉ ዘይስሙ ክህብዎ ዝደልዩ ግቡእ ግንዛበ ከም ዝረኽቡ ኣብ ምኽኣል እውን፡ እዚ መድረኽ ጠቕሙ ቀሊል ኣይነበረን። ናይ ሓደ ውድብ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ደገፍን ምትብባዕን ድሕሪ ምፍላጥ መትከላቱን ፖሊሲታቱን እዩ ዝርከብ። ሰልፊ ነዚ መድረኽ ከዳሉ እንከሎ ንክነኣድን ንክምጐስን ጥራይ ኣይኮነን። ናብዚ ሰልፊ ዝቐርብ ሕጽረታትን መተካእታታቱን ምስማዕ እውን ቀንዲ ስንቂ ኣብ መጻኢ ቃልሱ ምዃኑ እዩ ዝኣምን።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ኤርትራውያን እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ሃለዋት ዘሻቕሎምን ራህዋ ዝጽበዩን እውን እዮም። ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና “ነናትና መተካእታ ኣለና” ዝብላ ውድባት ብዙሓት እየን። ካብዚኣተን ኣየኖት እየን እተን ክሕገዛን ክድገፋን ዝግበአን፡ ኣየኖትከ “መትከላትክን ምስ ውድዕነት ኤርትራ ስለ ዘይሰማማዕ ቅኑዕ ኣይኮነን” ክበሃላ ከም ዝግበአን ንምውሳን ብማዕዶ ዘይኮነ ቀሪብካ ብፖለቲካዊ መለክዒ መዚንካ ምፍላጠን ኣዝዩ ኣድላይ እዩ። ካብቲ ነዚ ቅኑዕ ሚዛን ዘብቅዕ ተረድኦ ክርከበሉ ዝኽእል ኣጋጣምታት ሓደ ድማ ክፉት መድረኽ ከፊትካ “እዚ መተካእታ’ዚ  ሒዘ እየ ዝቃለስ ዘለኹ” ዝብል ድምጺ ብግሉጽነት ከተስምዕ ምኽኣል እዩ። ክፉት መድረኽን ግሉጽ ሕልናን እንተዘየልዩ ግና እቲ ከጋጥም ዝኽእል ጸገም፡ ወይ ክትውስን ምኽኣል ስኢንካ ኣብ መንጎመንጎ ምንባር እዩ፡ ወይ ድማ ብማዕዶ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት ተመርኲስካ ብስምዒት ምድጋፍ ወይ ምንጻግ እዩ። ናይዚ ምርጫታት’ዚ ሳዕቤን ድማ ናብ ግጉይ መንገዲ እዩ ዝመርሕ።

ሎሚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ “ወየን ውድባት በዚሐንስ ኣስማትን’ኳ ኣይንፈልጠንን። ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ውድባት ይበዝሓ? እገለን እገለን ብሓደ ጸኒሖም እንታይ እዩ ፈላልይዎም ተፈናጭሎም? …. ወዘተ” ዝብሉ ጽልግልጋት ምስማዕ ኣብ ኤርትራውያን ዝተለምደ እዩ። ናይዚ ጽልግልጋት ቀንዲ ጠንቂ ድማ ብኩራት ግሉጽነት እዩ። ብሰንኪ እዚ ብኩራት ግሉጽነት ድማ ዝኾነ ኣካል ዘይሰርሖ ስራሕ ሰሪሐ፡ ውድብ ዘይኮነ ውድብ እየ።  … ውዘተ ንክብል ዕድል ዝኸፍት ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እቶም እዚ መሰረታዊ ብዘይኮነ ምኽንያት ተበቲኑ ዘሎ ሓይሊ ኣብ ሓደ መጺኡ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንክኸውን ዝብህጉ ኤርትራውያን፡ ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ክፉት መድረኽ ብግሉጽነት ሒዘምዎ ዘለዉ ፖሊስን ኣተገባብርኡን ብቐጻሊ ከብርሁ ይግበኦም። ስለምንታይ፡ ክትድግፎ ንእትደሊ ንምድጋፍ ኮነ ንክትቃወሞ እትደሊ ንምቅዋም ዝተሓዝ መርገጽ ብሱል ዝኸውን በዚ መስርሕ እዚ እንተሓሊፉ ጥራይ ስለ ዝኾነ። ሰደህኤ ከኣ ነዚ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ግሉጽነት ኣብነት ክቕጽሎ እዩ። እንሆ’ኳ ኣቦመንበር መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ መጻኢ 2 ማዝያ 2016 እውን ምስ ፓልቶክ ስመር ንለውጢ ንተመሳሳሊ ክፉት ኣኼባ ቆጸራ ሒዙ ኣሎ።

Last modified on Saturday, 26 March 2016 14:01