መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ስ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳም ዕለት 3 የካቲት 2018 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

ኣጀንዳ ኣኼባ ሰልፍና ንምዕባይን ንምሕያልን እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ኮይኑ ነዚ መደብ’ዚ ንምትግባር ብነፍስውከፍ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ናይ ስራሕ መደብ ብዕምቆት ዘትዩሉ። ናይ ሓድሕድ ምክብባርን ህድኣትን ዝሰፈኖ ቦኽሪ ኣኼባ ዞባ ሽማግለ፡ መሰረታት ዞባና ንምስፋሕን ቁጠባዊ ሓይሉ ከምኡ’ውን ምስ ኣብ ዞባና ዝኸይድ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ዝምድናኡ ከደልድልን ናይ ስራሕ መደባት ኣጽዲቑ። ዝሓንጸጾ መደባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል መሪሕነት ዞባ ሽማግለ ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ክንዕወት ኢና!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.

3 የካቲት 2018

018

 

4 February 2018

Israeli Prime Minister Benjamin Netanyahu accused billionaire financier and philanthropist George Soros of funding the widespread public campaign against the Israeli government’s plan to deport thousands of African migrants and asylum-seekers.

Netanyahu made his remarks during a meeting of ministers from his Likud party, according to Israel’s Channel 10. Netanyahu was reportedly responding to Science Minister Ofir Akunis’s claim that foreign governments were behind the anti-deportation campaigns.

“George Soros is also funding the protests,” Netanyahu responded. He reportedly added that former U.S. president Barack Obama “deported two million infiltrators and they didn’t say anything.”

Soros’s foundations have funded many left-wing not-for-profits that the Israeli government considers anti-Israel, like Breaking the Silence and B’Tselem. Soros, who is Jewish, has been the subject of conspiracy theories that many consider anti-Semitic in his native Hungary as well as the United By

Read more: https://forward.com/fast-forward/393582/netanyahu-blames-soros-for-widespread-opposition-to-deporting-african-migra/

Israel’s government hopes to deport tens of thousands of what it describes as economic migrants or illegal immigrant “infiltrators,” largely originating from repressive regimes like Sudan and Eritrea, to another African country.

A wide-ranging array of Israeli and Diaspora Jewish groups have harshly criticized the plan, including pilots from the national airline El Al, the Anti-Defamation League, the Reform and Conservative movements of Judaism and the stars of the popular Israeli sketch comedy show “Eretz Nehederet.”

Netanyahu’s comments about Soros were criticized by Tamar Zandberg, a member of Knesset from the left-wing Meretz party.

“The prime minister’s decision to divert the heat to George Soros should concern all of us,” Zandberg said. “Over the past year, Hungary has seen an anti-Semitic campaign that was called out by the Foreign Ministry and has sparked fear in all Hungarian Jews. Netanyahu’s decision to inflame matters surrounding the anti-Semitic campaign and to connect himself with it is a direct continuation of the Likud’s dangerous ties with extreme right-wing parties in Europe.”

Contact Aiden Pink at or on Twitter, @aidenpink

Read more: https://forward.com/fast-forward/393582/netanyahu-blames-soros-for-widespread-opposition-to-deporting-african-migra/

 
 

 

 

 

 

 

ዞባ ሰዲህኤ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ስሩዕ ዞባዊ ጉባኡ የካይድ። ቦታን ግዜን ናይ ጉባኤ ብዞባዊ መሪሕነት ይውሰን። ህጹጽ ጉባኤ ዞባ ብጸዋዒት መሪሕነት ዞባ ወይ ሓደ ሲሶ ካብ መላእ ኣባላቱ፤ ወይ ፈጻሚ ሽማግለ፤ ብዝወሰኖ መሰረት ክካየድ ይኽእል፤ (5፡10፡1)፡ ኣርማ ሰዲህኤ፣ ብሕንጻጽ ዝርአ ዝተጣመረ ኣእዳው ፡ ንባይታኡ ዝምልከት ፍሉይ ሕብሪ የብሉን። ትርጕሙ ከኣ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ልዕላውነቱን ኢዩ (1፡2፡2)። ጉባአ ሰዲህኤ ካብ ኣባላቱ 33 ቀወምትን 4 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ይመርጽ፡ (5፡13፡4)። ማእከላይ ባይቶ፡ ካብ ኣባላቱ፤ ትሽዓተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ የቕውም (6፡1፡14)። ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፤ 9 ኣብያተ-ጽሕፈታት ይህልዉዎ። (6፡2፡3)” (እዚኣቶም ካብ ዕላዊ ሰነድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስዱ ዓናቕጽ እዮም)

ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እቲ ሓያልን ጸዋርን ጻዕሪ ዘካየድሉ፡ ልዑል ትጽቢት ዝተነብረሉን ሰልፋዊ ሕግን ኣሰራርሓን ተኸቲሎም ከም ዘዕወትዎ ዝተገመተን ፍሉይ ጉባአኦም ብ27 ጥሪ 2018 ኣካይደምዎ። ብ30 ጥሪ 2018 ብዘውጽእዎ መግለጺ ድማ ኣበሲረሙና። ንሕና ከኣ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተነበረ “ኣገናዕ” ንብሎም። እዚ ህጹጽ ጉባአ ዞባ ከም ተራ ጉባአ ዝረአ ዘይኮነ፡ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል ንባህግን ንትጽቢትን ኣኽበርቲ ሕግን ንቅድሚት ኣማዕደውትን ዘለምለመ ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ግምትን ቦታን ዝወሃቦ እዩ።

ኣካላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ከከም ዝጥዕሞ ትዕቢቱን ኣነነቱን ከርኢ ዝደሊ፡ የማነ ጸጋም ዘላኽዖም ዘይኮኑ ብጉባአ ዝተቐየሰ ሕጋዊ መስርዕ ሒዞም ዝጐዓዙ እዮም። ዝኾነ እዚ ሕጋዊ መንገዲ ዘይማእመኦ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ክሰርዕ ዝደሊ፡ ህርፋኑ ኣርጒዱ፡ ብትዕቢትን መን ከማይነትን ክዕምጽጾም እንተፈተነ፡ ኣሕሊፎም ዘይህቡን ዘይልወዩን ምዑታት ከም ዝኾኑ እዚ ውጻእ መዓት ዕዉት ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መስካሪ እዩ። ከምቲ ወለድና “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍን እዩ”  ዝብልዎ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ዝተጻሕፈ እንተተጻሕፈ፡ መንዩ በሃሊኡን ጸሓፊኡን ብዘየገድስ፡ ምእንቲ ሓቂ ንዝተሰለፈ ኣካል እቲ ሕጋዊ መንገዲ ኣይልወጥን እዩ። ነዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ረዘንቲ ዓናቕጽ ዘነጽሮ፡ ሕጋዊ ቀይድታት ዘለዎ ሰልፋዊ ኣካይዳ ብዝኾነ መንገዲ ምናልባት ከተዕንቅፎም እምበር፡ ከተውድቖ ኣይከኣልን እዩ። ንበበይኖም ነናቶም ባህርን መምዘንን ዘለዎም ሰባት ሓደ ዓይነት ስም እንተ ሃብካዮም ሓደ ሰብ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ኪኖቲ ናይ ሓባር ስሞም ነንገዛእ ርእሶም ዝግለጽሉ መንነት ኣለዎም። ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዓናቕጽ ከኣ ንሓቀኛ መንነትን ሕጋውነትን ሰዲህኤ ዝውክሉ፡ ዝተኾመረ ቃላት እንተተኾመረ ኣብ ማእከል ጐልገል ዘይጠሓሱ ዋና ዘለዎም ዓናቕጽ እዮም።

ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ካብዚ ሕጋዊ መንገዶም ንከላግሱ ኣንጻሮም ኣዝዩ ጽዕጹዕ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም እዩ። እንተኾነ ነቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ኣብቲ ጥምጥም ስለ ዘጽንዕዎ እነሆ ተዓዊቶም። እዚ ንዓኣቶም ሓበንን መጎስ ኮይኑ፡ እንተ ኣስተብሂለምሉስ ንካለኦት ከምዚ ዓይነት ፈተና ዘጋጥሞም’ውን ትምህርርትን ኣብነት ጽንዓትን እዩ።  ሕቡናት ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝጸንሐ ብዙሕ ግና ዝጭበጥ ዘየብሉ  ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፈ፡ ህቦቡላን መንደራጉሕን እንሆ ስዒረምዎ። እዚ ዓወት ናይ ነፍሲ ወከፎም ዕጉስ መኸተን ኒሕን፡ ውሕሉል ኣተሓሕዛ መሪሕነትን መሰረታትን መላእ ሰልፊ ውጽኢት ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ከኣ እቲ ዝረገጽዎ ባይታ፡ ሕጋዊ፡ ስርዒታዊ፡ ርትዓውን ድልዱልን ምንባሩ ዝምስክር እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መትከላት ሰዲህኤ ኣንጻሩ ብዙሕ ብምዝራብን ብምጽሓፍን ዘይብሕጎግ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመጻጸኣ፡ ርዝነትን ሕጋውነትን ከም ዘለዎ ዘነጸረ እዩ። ክብደት ናይዚ ዓወት ኣብቲ ዞባ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ምእንቲ ሕግን ሕጋውነትን ዝሕለቕ መወከሲ ዝኸውን ተመኩሮ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ሰልፍና ካብቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከም ዝደሓነ ካብ ዝምስክሩ ምልክታት ሓደ ኮይኑ ዝጥቀስ  እዩ።

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እነሆ ሕጋውን ስርዒታውን ህልውናኡ መሊኡ መሊሱ ኣሎ። ድሕሪዚ ናይ ሰባት ዘይቅዱስ ህርፋን ዘይኮነ ሰልፋዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ፡ ናብ ስሩዕ ጉባአ ገጽካ ናይ ምጉዓዝ ንቕሎ ክህልዎ እዩ። ከምቲ ኣብ መግለጺኡ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ካልእ ሰልፋዊ ዕማማት እውን ኣለውዎ። መደብ ምሕዳስ ሰልፊ፡ ምስ ካለኦት ሓይልታት ተቓውሞ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ባይታ ምፍጣርን ዝኣመሰሉን። ብመንጽርቲ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ህልውና ሰልፊ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብቲ ዝተረፈ’ውን ከም ዝዕወት ውሁብ እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሚሪካ ሰዲህኤ፡ ከምቲ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሶም እዚ ዓወትዚ ዞባዊ ጥራይ ዘይኮነ ሰልፋዊ’ውን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ መላእ  መሪሕነትን ኣካላትን ሰልፊ ምእንቲ እዚ ግዳይ ንክኸውን ተፈሪዱ ዝነበረ ዞባ ንክድሕንን ክዕወትን ስኖም ነኺሶም ክቃለሱ ዝጸንሑ።

እዚ ዓወት እዚ ኣዚሩ ንዝርእን ዝብሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝበሃሎ’ውን ክሰምዕ ክፉት ሕልና ንዘለዎ ኣካል ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ሕግን ሕጋውነትን ከምቲ “ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝበሃል፡ ንርኢቶኻ ዘዳምቕ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህርፋንካ ዝድርት ክኸውን እንከሎ’ውን ከተኽብሮ ዝግባእ ግቡግ መስመር ዘትሕዝ ልጓም እዩ። ኣብ ሕጋውን ስርዒታውን ኣሰራርሓ ኣጠርሚምካ፡ ከም ዑፍ ቀውዒ ዘዝሸወተ ምሽምጣጥ ግና ቅቡል ኣይኮነን።

ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኢደወነኖም ዝሰሓቡ ውሑዳት ውልቀሰባት ሽማግለ ኣቝሞም ንሕና ኢና ሰዲህኤ ብምባል ነብሶም የዕሽዮም ንኻልኦት፣ድኻም ሰዲህኤ ከምረብሓ ጌሮም ዝቖጽርዎ እከያት'ውን ምእንቲ ከደናግሩ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዖም ወፈረኦም ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ስለዘቕንዑ፣ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዕለት 15 ጥሪ 2018 ኣብ'ቲ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሰዲህኤ ሓርነት.ኦርግመግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባብስም ሰልፍና ኣብ መስከረም.ነትዝወጸ ጽሑፍኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዘሎ ክዉንነት መብርሂ ከምዝሃበ ንዅሉ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ብሩህ ኢዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ፣ሓደ ሰብ ብተዳጋጋሚ ንሓቂ ዘየንጸባርቕ መሰረት ኣልቦ ጽሑፋት ክነዝሕ ሓንጎፋይ ኢልካ ብዘይገለ መረጋገጺ ኣብ ወብ ሳይትካ ምእንጋድ'ውን ንረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ምስትብሃል ከምዘድሊ ዘየማትእ ኢዩ።

ሰዲህኤ ኣብ'ቲ ዝተበገሰሉ ተልእኾ ማለት ክብርታት ህዝብና ዝሓለወት ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኢዩ ቀንዲ ዕማማቱ። መለለይኡ ድማ እቲ ኣብ ዓንቀጽ 3 ናይ ቅዋሙ ሰፊሩ ዘሎ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገር ክድፈር ዘየፍቅድ፣ቅዋሙን ፕሮግራሙን ኣብ ጉባኤታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘጽድቕ፣  ትግርኛን ዓረብኛን ከምወግዓውያን ቋንቋታት ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ዝሰርሓለንናይ ሓሳብን ርእይቶን ናጽነት ዘኽብር፣ ቅዋም ሰልፊ ዘይደፍር ውሽጣዊ ፍልልያት ዝጻወር፣ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ናይ ምሕላፍ ልምዲ ዘለዎ ኢዩ። ዝበዘሐ ግዝያቱ ድማ ነዚ ንምዕዋት ኢዩ ከይተሓለለ ጸኒዑ ዝቃለስ፣ ይዅን እምበር ዘረግቲ ኣብ ዘለዉሉ ጽሩይ ማይ ኣይስተን ከምዝበሃል፣ ነዚ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ ዘምባዕን ንኽዉንነት ዘየንጸባርቕን ጽሑፋት ኣድላዪ መአረምታ ክገብረሉ ግዴታኡ ኢዩ።

ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል ካብ ዝብል ስንኩፍ ኣበሃህላ ተበጊስካ ኣካደምያዊ (academic) ይዂን ዓቕመ ኣእምሮኣዊ (intelectual) ደረጃኻን ጭውነትካን (integrity) ኣብ ዋጋ ዕዳጋ (compromise) ዘእቱ መሰረታዊ ስነመጎት ዝሰሓተ ሃበስቀደስ ዝተወንዘፈ ጽሑፋት ወገሐ-ጸብሐ ክትዝርግሕሲ ንረብሓ መን'ዩ?

ትዕድልቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ እቲ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ዘጋጥም ዘሎ ዕንወትን ጭቆናን ከይኣክል፣ ድኻም ኩሉ ናይ'ቲ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከውድቕ ይቃለስ ኣለዅ በሃላይን፣ ይእርም ኣሎዅ እንዳበለ እንተስ ብግርህነት እንተስ ብተንኮል ንተቓወምቲ ንምድኻም ዝተዋፈረ ኣካላት ወሲኽካ ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ኣእትዩ ካብ ዘሎ ቀንዲ ረቛሒታት ኢዩ።

ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ነይመልሶ ዳኣ ኮይኑ እምበር እቶም ንሕና ኢና ሰዲህኤ በሃልቲ እሞ ከምመራሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ግደኦም ኣብ ሰዲህኤ እንታይ ከምዝነበረን ብኸመይ ካብ ሰዲህኤ ከምዘግለሉን ንሳቶም ከይተረፈ ዝምስክርዎ ምዝጉብ ሰነድ ኣሎ፡ንኣብነት። ኣንቶንዮ ተስፋይ ክሳብ ዕለት 24 መስከረም 2017 ኣባል ሰዲህኤ ኮይኑ ከገልግል ዝጸነሐ ሰብ ኢዩ።ካብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ ካብ ሰዲህኤ ኣባልነቱ ስሒቡ ከምዝተሰናበተ ካብ'ዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ስንብታ ደብዳቤኡ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ናይ  ዕለት 19 ነሓሰ 2017 ዝተገብረ ናይ ጨንፈር ጉባኤ ዝተዘርበ ምኽንያት ብምግባር ኢዩ ጽሒፉ።ኣንቶንዮ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ኣኼባታት ጨንፈር ክሳተፍ ስለዘይጸነሐ ካብ ካልኦት ኣባላት ነቲ ናቱ ሓሳብ ዝድግፉ ምስኣኑ ንዑኡ ዝገረሞ ይመስል፣ ንዓና ግን ብዙሕ ክትዓት ዘካየድናሉ ጉዳይ ስለዝነበረ ንሱ ንድሕሪት ክመልሰና ምፍታኑ እምበር ካልእሲ ኣይገረመናን። ኣብ'ቲ ጉባኤ ውዒሉ ሓዳስ ሽማግለ ኣብ ምምራጽ ተሳቲፉ ክንሱ ነዚ ናይ ምስንባት ደብዳቤኡ ናብ'ታ ዝምልከታ ሽማግለ ዘይመስደዲኡ ምኽንያት ባዕሉዝምልሾ ኢዩ።

ናይ'ቶም ካልኦት ከምመራሕቲ ኮይኖም ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ'ውን ተመሳሳሊ ሰነዳት ኣሎ።እቲ ጉዳይ ኣይትቃወሙ ወይ ሰልፊ ኣይትፍጠሩ ዘይኮነስ፣ ንሕና ኢና ሰዲህኤ ምባሎም ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰዲህኤ 37 ዝኣባላታ መሪሕነት ተመሪጻ፣ ካብኣቶም 5 ተፈልዮም ንሕና ኢና ሰዲህኤ ክብሉስ ናይ ዘይተባላሓትነት ድዩ ወይሲ ናይ ጸይቂእንተስ ብፍላጥ እንተስ ብግርህነት ናይ ጸለመ ወፍሪታትኩም ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ሰንዚርኩሞ ኣለዅም፣ካብዚ ናታትኩም ተዋስኦ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ኣለዎ ዝብል ኣረዳዳኣ እንተሃልዩኩም ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ፣ ይዋእኪ ኤርትራ ዘብል ድማ ኢዩ።

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሽወደን ጨንፈር 1

ስቶክሆልም 2 ለካቲት 2018

 

ናብ ኣቦ መንበር ጨንፈር ቁ 1 ሰዲህኤ
ስቶክሆልም

ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ጨንፈር ቁ 1 ሰዲህኤ ስቶክሆልም

ዶር/ ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን

ዝኸበርኩም ሽማግለ ጨንፈር
ብመጀመርያ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ብምቅጻል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሰልፍና ዘጋጠመ ጸገማት ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ  ጻዕሪ ውሑድ’ኳ እንተአይተባህለ ማዕረ’ት ዝተኻየደ ድኻምን ጻዕርን ፍርያት ሓድነት ሰልፊ ዝሕለወሉ ኣገባብ ተኻይዱ ዝብል ርእይቶ የብለይን። እዚ ዕግበተይ ኢዩ። ነዚ ጉዳኡ ብቀረባ ንምርኣይን ንምዝታይን ዝገበርክዎ ጻዕሪ’ውን ዘገርም ጉዳይ ሓደ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር እዩ። ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር  ቁ 1፡ ነዚ ብዝምልከት ብመሪሕነት ጨንፈር ዝቀረበ ዛዕባ ወይ ኣጀንዳ፡ ካብ ቀዳማይ ቦታ ኣልጊሱ 3 ግዜ ተቀያይሩ ኣብ መወዳእታ ከኣ ጉባኤ ቅድሚ ምዝዛሙ 45 ደቂቕ ክተርፎ ከሎ ምልዓሉ ብወገነይ ክርእዮ እንከለኹ ነቲ ጉዳይ ከም ውዱእ ተወሲዱ ክንዛተየሉ ዘየተባብዕ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከም ኣብ ውሳኔ መሪሕነት ብምድራቕን ኣነ ዘይፈልጦ ኣገባብ ዝተዓዘብኩሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ብሓባር ዝመረጽናዮ መሪሕነት ከም መሪሕነት ነቲ ደጋፊ ውሳኔ ዝዀነ ኣባል ጥራሕ። ነቲ ሰልፊ’ውን ከምኡ ክዝረብ ምስ ሰማዕኩ ብሓቂ ንመጀመርያ ግዜ ዘስደምምን  ዘደንጽውን ምንባሩ ምግላጸይ፡ ከምሰብ ርእይቶይ ዝሃብኩሉ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ኣውንታዊ ሓሳብ ንጥርናፈ ዝቃለስ ደገፍ’ውን ዘይጽበየሉ ኣይኮነን። እንተዀነ እቲ መልሲ ተጻይን ክዕጸፍን ክምለስን ዘይከኣል ምንባሩ፡ ንዓይ ሓድሽ ባህሪ ኣብ ቃልሲ ምንባሩ ክሓብኦ ኣይደልን። እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ኣኼባ ዝበልክዎ ኣንጻር ዕግብተይ  ክቅጽል፡ ንዓይ ከም ውልቀ ኣብ ሰልፊ’ውን ከም ኣባል ከምዚ ክኸዶ ዝጸንሐ ኮይኑ ቅኑዕ ኮይኑ ስለዘይተሰምዓኒ ኣባልነት ሰዲህኤ ስሒበ ምህላወይ ክገልጽ እፈቱ። እዚ ጠቂሰዮ ዘለኹ ግን መወዳእታ እምበር  ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ክግበርን ክስራሕን ዝጸንሐ ብዓኒ ነቀፌታ ዝርእዮ መጀመርያ ኣይኮነን። ከም ሰብ ኩሉ ክጋገ ይኽእል። ከም ሰብ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተጋገኽዎ እንተሃለወ ከኣ ይቕሬታ እንዳሓተትኩ መልእኽተይ ኣብዚ ይዓጹ።

ብጻይኩም
ኣንቶንዮ ተስፋይ
24 መስከረም 2017

Friday, 02 February 2018 20:52

Calais migrants: Five shot in mass brawl

Written by

A migrant receives medical assistance by rescue workers following clashes near the ferry port in Calais, northern France, 01 February 2018. Image copyright EPA Image caption A man gets medical help from rescue workers after clashes in Calais, northern France

At least five migrants have been shot during a mass brawl between Afghans and Eritreans in the French port city of Calais, local officials say.

A 37-year-old Afghan man is suspected of firing shots at a queue for food handouts. Four Eritreans aged between 16 to 18 are in a critical condition.

Hundreds of migrants have converged on the area in an attempt to cross the Channel to the UK.

A sprawling camp known as the "Jungle" was dismantled near Calais in 2016.

Interior Minister Gérard Collomb said the violence had reached a new level and accused gangs that try to smuggle migrants to the UK of instigating the violence.

This is the worst outbreak of violence between migrants in Calais for months, and the use of firearms is a worrying escalation of the tensions, the BBC's Hugh Schofield in Paris reports.

How did the violence unfold?

The cause is not yet clear but an initial fight on the city's southern outskirts broke out on Thursday afternoon, where migrants had been queuing for food handouts.

Around 100 Eritreans and some 30 Afghans were caught up in the violence, which lasted almost two hours after the shots were fired.

The four critically injured were shot in the neck, chest, abdomen and spine, AFP news agency reported.

A group of migrants carry sticks during clashes in Calais on 1 February 2018. Image copyright EPA Image caption A group of migrants pictured with sticks during the clashes

A second melee erupted shortly afterwards at an industrial site around 5km (three miles) away, when between 150 and 200 Eritreans armed with iron rods and sticks clashed with about 20 Afghans, the local prefecture said.

Later in the afternoon further violence broke out at a food distribution point in an area of Calais not far from the site of the old "Jungle" camp.

Security forces were sent to the area and there were no reports of incidents during the night.

In total, 22 people were injured, including some with stab wounds, AFP added.

Map showing the location of the fighting

Visiting Calais, Mr Collomb added: "There's been an escalation of violence that has become unbearable for both the people of Calais and the migrants".

The government would take control of food distribution, currently done by charities, with those groups working in association with authorities, he said.

Why are the migrants there?

Though the "Jungle" camp was demolished in 2016, hundreds of migrants are still living rough in the nearby woods, hoping to reach the UK. Many are young men.

 

Media captionViolence broke out near the old "Jungle" camp

Local charities put the number of such migrants living in Calais at around 800, while the authorities say there are between 550 and 600.

Mr Collomb urged migrants not to head to Calais if they wanted to try to get to the UK, saying their attempts from there - often trying to hide themselves in lorries - would be unsuccessful.

The Calais "Jungle" became the French symbol of the European migrant crisis, and some 7,000 people - most from the Middle East and Africa - were living there before the area was cleared.

Earlier this month, President Emmanuel Macron and UK Prime Minister Theresa May signed a treaty to speed up the processing of migrants in Calais.

 

Media captionThe migrants living where the Calais Jungle once stood

Mr Macron has said that France will not allow a new migrant camp to be set up in Calais, and French police have been accused of brutality by some activists.

He is expected to unveil a new migrant policy next month, which will include speeding up the application process for asylum seekers and faster removal of those who fail to be accepted.

Charities and some of the president's allies have accused the government of taking a hard line on immigration.