ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ምስ ጨንፈር ኣውስትራልያ ኣኼባ ኣካይዶም
2018-07-17 00:01:10 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ጨንፈር አውስትራልያ Published in EPDP News Read 3596 timesብዕለት 15 ሓምለ 2018፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ አስመሮምን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ፡ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካአልን ዝመርሕዎ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ጨንፈር አውስትራልያ ተኻይዱ። እዚ ብመስመር ኢንተርነት እተኻየደ ኣኼባ አብ ሓሙሽተ ከተማታት አውስትራልያ ዝርከቡ አባላት እተሳተፍዎ ኮይኑ፡ አብ ህልው ፖለቲካውን ውድባውን ጉዳያት ዘትኮረ ነይሩ፤
ብመራሕቲ ኣኼባ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካውን ውድባውን ኩነታት መግለጽን ሓበሬታን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ብኣባላት ንዝቐረበ ሕቶታት መብርሂ ተዋሂቡ። ርእይቶን ለበዋታትን አባላት ውን ቀሪቡ።
ጨንፈር አውስትራልያ ነቶም ንጉዕዞ ልኡኽ ሰልፊ ንእስራኤል መታን ክዕወት ገንዘብ ዘወፈዩ ኣመስጊኑ። ገንዘብ ዘዋጽኡ እዞም ዝስዕቡ አባላት እዮም፤
1- መብራህቶም ፍትዊ $1500
2- ደስታ ተኽለ $1000
3- ሃይለ ገብሩ $500
4- ጸጋይ ተስፋይ $200
5- ብንያም ሃይለ $200
6- ካሕሳይ አስፍሃ $100
እቲ ወፈያ ጌና ቀጻሊ እዩ፤ ስርሓት መሪሕነት ክዕወት ጨንፈር ኣውስትራልያ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር እዩ።
አብ መወዳእታ አባላት ነቲ ብመርሕነት ዝቐረበ ሓበሬታን መብርህን ድሕሪ ምምስጋን፡ ንስራሕ ጨንፈር ናህሪ ዝውስኽ ተወሳኺ ጻዕርታት ክገብሩ ተመባጺዖም።
ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ጨንፈር አውስትራልያ