ሓቂ ተረጊጻ: ኣይትርገጽን እያ

2018-07-19 07:25:56 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2117 times

ኣብ ዓለምና ንደቂ ሰባት ልዕሊ ፈኰስትን ከበድትን ኣጽዋር ዝቐትሎ: ሓቂ ምጥፋእ ዘዕንዎ ይበዝሕ። ሓቂ ምዝራብን ሓቂ ምምስካርን ንደቂ ሰባት ክራኸቡን ክተኣማመኑን ካብ ዝግበር ሓደ እዩ። ከመይሲ ሓሶት መናቘትን መፈላለይን ስለዝኾነ።

ሓቂ ኩሉ ግዜ ንሓባጥ ጎባጥ ዘጣጥሕ፥ ንሓርፋፍ ዘልምጽ፥ መግለጺ ናይ ክብረትን ክብደትን ዘለዎ ሰብ እዩ። ሓቂ በቲ ናትካ እምነት ስለዝተዛረብካ ዘይኮነስ ነቲ ናትካ ሓሳብ ይኹን ርእይቶ ምስ ናይ ካልኦት ዝተፈላለየ ሓሳብን ርእይቶን ኣወሃሂድካን ኣወዳዲርካን እኹል ሓበረታ ረኺብካን እትዛረቦ ምኽኣል እዩ። በዚ ኣገባብ እዚ ተበጊስካ እትብሎ ከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብዓይኒ ቅኑዕነትን ግሉጽነትን ክጥምተካ ይኽእል እሞ ኣባኻ እምነት የሕድር።

ልክዕ እዩ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ሓቂ ዘይኮነ ዘረባ ክወጽእ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ከምዚ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ኣዋሳ ከይዱ ዘቕረቦ ዘረባ ንመልከት። ‘ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዶክተር ኣቢይ ዝኣመሰለ መራሒ ክረክብ ከሎ ናይ ብሓቂ ዘሕጉስ እዩ። ኣነ ውን እታ ሓላፍነተይ ንዕኡ ሂበዮ ኣሎኹ። ንሱ ክመርሓና ይኽእል እዩ።’ ክብል ደምዲሙ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ብርግጽ ካብ ልቢ ዝነቐለ ከምዘይኮነ፡ ግን ድማ ምናልባት ካብቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ተመሲጡ ዝተባረቖ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ናይ ላግጽን ናይ ዳእላን ዘይኮነስ ዕላዊ መድረኽ ስለዝኾነ ድማ ብዙሕ ትርጉም ክወሃቦ ይከኣል እዩ። ሓደ ካብኡ ምናልባትዶኾን ዶክተር ኣቢይ መራሕ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኢሰያስ ድማ ምክትሉ ክኸውን ተሰማሚዖም ይኾኑ ናብ ዝብል ጭቡጥ ዘይኮነ ሓሳባት ክወስደካ ይኽእል እዩ። ብዝኾነ እቲ ጉዳይ ከይዱ ከይዱ ሓቂ ከምዘይኮነ ድማ ክልቲአን ሃገራት ተኸባቢረንን ተሓባቢረንን ክብልጽጋን ክምዕብላን ዝግበር ስምምዕ ዝጽላእ ኣይኮነን። ካብ ኩሉ ዝበለጸ ድማ እቲ ንዓለም ዘስካሕክሕን ቅሳነት ዝኸልእን ብዝተሰነዐ ዘመናዊ ኣጽዋር ውግእ ዝካየድ ውግእ ደው ምባል ጽቡቕ ብስራት እዩ።

ኣቶ ኢሰያስ ካብቲ ንዶክተር ኣቢይ ኣብ ኣስመራ ዝገበረሉ ኣቀባብላን፥ ዶክተር ኣቢይ ንኣቶ ኢሰያስ ዝገበረሉ ኣቀባብላን ኣዚዩ ዝፍለ፥ ድሙቕን፥ ካብቲ ዘፍረይዎ ህያብ ዝተዋህበሉ ክኸውን እንከሎ፥ ኣቶ ኢሰያስ መንፈሱ ስምዒቱ ከም ዝተሰርቀ ይረኣየካ። ከምቲ ኣቦታትና ”ዘለዎ ይምዘዝ ዘይብሉ ይፍዘዝ።” ኢሎም ዝምስሉ እዩ ነገሩ። ኣቶ ኢሰያስ ንዕስራን ሸውዓተን ዓመታት ዝኣክል ዘፍረዮ ስለዘይብሉ፥ ናብቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዝተዓደልናዮ በለስ ከይዱ ኢዩ ህያብ ሂቡ። እወ! ኣቶ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ከሊኡ፥ ብቑጠባን፥ መሃዝነትን ከይምዕብልን ከይስልጥንን ጅሆ ስለዝሓዞ እንታይ ኣፍርዩ እሞ ካብ ዘፍረዮ ሂያብ ክህብ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ኣቶ ኢሳይያስ በቲ ዝተገብረሉ ሕሉፍ ኣቀባብላ፥ ናብ ዓጀውጀው ከምዝኣቱ ፍሉጥ እዩ። እቲ ንኢሳይያስ ዘሻቕሎ ሓቂ እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፥ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል እውን ኣይተራእየን።

ኣብ ኢትዮጵያ እሱራት ተፈቲሖም፥ ተቓወምቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ክቃለሱን ተወዳደርቲ ክኾኑን ብዝተኣወጀ ዳርጋ ኩሎም ነቲ ጸዋዒት ተቐቢሎም ካብ ወጻኢ ናብ ሃገሮም ኣትዮም መንግስቲ እናተባብዖም መደባቶም ይሰርዑ ኣለዉ። ኣቶ ኢሰያስ ግና ነታ ሓቂ ደፊኑ፥ ብሽጣራን ብሽርሕን ምድንጋርን ልቡ ከየንጸሀ፡ ንልቢ ህዝቢ ብዘዕሹ ቃላት ንዓመታት ክጥብር ጸኒሑ። ሎሚ ግና እታ ሓለንጊ ናይ ሓቂ ሰላሕ እናበለት ትመጾ ኣላ። ስለዚ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕብልና ናብ ኤርትራ እውን ክልሑዂ ምዃኑ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራሕ እዩ። ኣቶ ኢሰያስ በዚ ርኡይ ነገር ተደፊኡ እሱራት ክፈትሕ እንተጀሚሩ፡ ነቶም ብዘይፍርዲ ብውልቃዊ ጭካነኡ ዝሞቱኸ ካበይ ከምዝጽኦም እዩ። በየን ስለምንታይ ጠፊኦም ምስተባህለኸ እንታይ ከመኻኒ እዩ? እታ ሓቂ እምበኣር ኣብዚ ህሞት ክትሓንቆ ምዃና ኣቶ ኢሰያስ ዘይርዳእ ኣይኮነን። ዋላ ከምታ ዝጸናሕኩዋ ደሪቐ ክቕጽል እየ እንተበለ እውን ደጊም እታ ከተህድሞ ዝጸንሐት ሓቂ ኣይክትምሕሮን እያ።

Last modified on Thursday, 19 July 2018 09:31