ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኾይኑ ተሸይሙ

2018-07-19 08:38:03 Written by  BBC Published in English Articles Read 2426 times

ሬድዋን ሑሴን

ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኾይኑ ከገልግል ከምዝተሸመ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሎሚ ኣማስዩ ኣፍሊጡ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ኣየርላንድ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ዝፀንሐ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ድሕሪ ዒስራ ዓመት እዩ ናብ ኤርትራ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኮይኑ ይኸይድ ዘሎ።

ኣብ 1971 ዓ.ም ኣብ ዞባ ስልጤ ዝተወለደ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን፡ ቅድም ክብል ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ከምኡ ድማ ብመዓርግ ሚኒስተር ሓላፊ ቤትፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኮይኑ ሰሪሑ'ዩ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ድሕሪ 20 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን'ኳ እንተተኸፈተ፡ ኤርትራ ክሳብ ሕዚ ኣምባሳደራ ብወግዒ ኣይሸመትን።

ቅድሚ ኩናት ኢትዮ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ኣውዓሎም ወልዱ ምንባሩ ይፍለጥ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-44879888

Last modified on Thursday, 19 July 2018 10:41