ከም-ዝፍለጥ ብወገን ኣሥመራ፥ ጥዑም ዜና ካብ ዘይስማዕ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ኣብ ሕጂ በጺሑ’ውን፥ ሠናይ ዜና ክስማዕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ’ዩ ሕጂ’ውን። ቤተ-ክርስቲያን ዘፍርስን ሃገር ዝበታትንን፥ ሓዲሽ ዘራጊቶ ንፋስ ክነፍስ ዝስማዕ ዘሎ። የግዳስ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፥ እቲ ድሮ ተጻዒኑና ዘሎ ጸገም፥ ልዕሊ ዓቐን ኮይኑ ከቢዱና እናሃለወ ከሎ። ካልእ ተወሳኺ ጸገም ክህልወና ኣይምደለናዮን። ይኹን እምበር ንሳቶም እቶም ፀረ-ሕዝብን ፀረ-ሃገርን ዝኾነ ኣጀንዳ ሒዞም፥ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ወገናት ግና፥ ነቲ ሃገር ሰላም ክህቡዎ ዝደልዩ ኣይኮኑን። ከመይሲ ንሳቶም ኣብ ህውከትን ዕግርግርን እምበር። ኣብ ሰላም ዝረኽቡዎ ረብሓ የልቦን።
ከም-ዝፍለጥ ሕዝቢ-ኤርትራ ኣብዚ ግዜ’ዚ። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፥ ቆፍኡ ከም-ዝተተንከፎ ንህቢ ኮይኑ “-ይኣክል-!!! -” ኣብ ዝብለሉ ሰዓት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ኃያል ተቓውሞ’ዚ ከኣ። ንዓታቶም ነቶም ብመሰል ሕዝብን ሃገርን እናተጻወቱ፥ ክነብሩ ዝደልዩ ሰብ-ፖለቲካ፥ ቅሳነት ክህቦም ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ፖለቲካዊ ረስኒ’ዚ ዝፈጠሮ ዘራጊቶ ንፋስ ከኣ’ዩ። ሕጂ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዕላማ ዝገበረ፥ ሓዲሽ ሕንፍሽፍሽ ክፍጠር ተዓጠቕ ተሸብሸብ ኣብ ምባል ዝርከቡ ዘለዉ። ብዝተረፈ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ሕጂ ከም ኣርእስቲ ክለዓል ምንም ምኽንያት ኣይነበሮን። ከመይሲ ቅድሚ 15-ዓመት ሕሳቡ ተዓጽዩ ዝተቐመጠ መዝገብ ምዃኑ፥ ንሕና ጥራይ ዘይኮንና ማኅበረ-ሰብ ዓለም’ውን ይፈልጥ’ዩ።
ከመይሲ እቲ ብማእከልነት ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝምራሕ ዝነበረ ሲኖዶስ። ድሮ ኣብ 05/05/1998 ዓ/ም (15/01/2006) ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣኖም ኣውሪዱ፥ ንመቑሕ ኣሕሊፉ ከም-ዝሃቦም እናተፈልጠ ከሎ። ስለምንታይ ሕጂ ድሕሪ 15-ዓመት። ኣብ ልዕሊኦም ከም-እንደገና ኵናት ክኽፈት ይድለ ከምዘሎ። ንዝኾነ ክሓስብ ዝኽእል ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፥ ብቐሊል ምርድኡ ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ምንም’ኳ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም፥ ሕጋዊ ናይ ሃገረ-ኤርትራ ፓትርያርክ ምዃኖም ዝፍለጥ እንተኾነ። እቲ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ ቤተ-ክርስቲያን ተቘጻጺሩ ዝርከብ ዘሎ ኃይሊ ግና። ን15-ዓመት መመላእታ ኣብ መቑሕ ኣእትዩዎም’ዩ ዝርከብ ዘሎ።
እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ግና። ሕጂ ብሃንደበት ነገር ኣለዓዒሎም “-መናፍቅነቶም ስለ-ዝተረጋገጸ ብውግዘት ክፍለዩ-” ኢልካ ውሳኔ ምሃብ። እንታይ ዝዓይነቱ ትርጉም’ዩ ከስምዕ ዝድለ ዘሎ-? ብርግጽ ድማ መልሲ ክርከበሉ ዘለዎ ሕቶ’ዩ። ከመይሲ እዚ ነገሩ ተወዲኡ መዝገቡ ዝተዓጽወ ጉዳይ። እንታይ ንምድላይ’ዩ ወይ ኣበይ ንምብጻሕ’ዩ “-ገበን ኣቡነ-እንጦንዮስ ዘቃልዕ ሰነዳት፥ ምስ ዝርዝር መግለጺታቱ ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል፥ ደም ከይነጥረኩም ዝዓይነቱ ምፍርራህ ክግበር ዝድለ ዘሎ-?! ንምዃኑ እንታይ’ዮም ኮይኖም እዞም ሰባት-? ወይ እንታይ’ዩ ወሪዱዎም -? ዘየብል ኣይኮነን። እሞ “-እቲ ንዓመታ ዝጽለልሲ፥ ሕጂ እምኒ ምድርባይ ይጅምርዶ ክንብል-”
ብዝተረፈ እቲ ሓቁ ክፍለጥ እንተደኣ ኮይኑ። እቲ ታሪኽ ከም-ዝብሎ። ንናይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ምውራድ። ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን ደገፍን ኣፍልጦን ክትህብ ተባሂሉ። ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ንኣባ-ዲዮስቆሮስን ኣባ-ማርቆስን ኣኸቲሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንሃገረ-ግብጺ በሪሩ ከም-ዝኸደ ዝፍለጥ’ዩ። ከመይሲ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን መንበረ-ማርቆስ፥ ሓንቲ ስጉምቲ’ኳ ክኸዱ ከም-ዘይክእሉ ኣጸቢቖም ዝርድኡዎ ጉዳይ’ዩ ነይሩ። መንገዲ ግብጺ ግና ንሳቶም ከም-ዝሓሰቡዎ፥ ብቐሊል ክሕለፍ ዝኽእል መንገዲ ኮይኑ ኣይተረኽበን።
ስለ-ዝኾነ’ውን እቲ ከምቲ ዝዓይነቱ ጸወታ ሒዝካ። ኣብ ቅድሚ’ቶም ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክሮም፥ ቅዱስ-ፓትርያርክ ሺኖዳ-3ይ ምቕራብ። ዮፍታሔ ከም-ዝሓሰቦ ቀሊል ክኸውን ኣይከኣለን። ዘምጽኣኩም ጉዳይ ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ ድማ። እቲ ሚዛኑን ዓቐኑን ዘይፈልጥ ዝነበረ ዮፍታሔ’ዩ። ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብምውንጃል ክዛረብ ኢሉ ዝተላዕለ። ፓትርያርክ-ሺኖዳ ግና ነዚ ዓሻ ድፍረት’ዚ ክዕገሱዎ ስለ-ዘይከኣሉ “.... ጳጳሳት ኣብዚ ከለዉ ንስኻ ክትዛረብ ኣይፍቀደካን’ዩ ....” ብምባል ገኒሖም ደው ምስ-ኣበሉዎ። እቶም ክልተ-ጳጳሳት’ዮም፥ ኣብቲ እንታይ ምዃኑ ጫፉን ወሰኑን ዘይፈልጡዎ ጉዳይ ኣትዮም። ዝሕዙዎን ዝጭብጡዎን ጠፊኡዎም፥ ነገር ክዘባርቑ ዝተራእዩ። ከመይሲ ንሳቶም ከም ዓጀብቲ ደኣዮም ካይሮ ከም-ዝኸዱ ዝተገብረ እምበር። እቲ ዓይኑ ተዃሒሉን ቀርኑ ተሳሒሉን ዝኸደስ ባዕሉ ዮፍታሔ’ዩ ነይሩ።
እቲ ጉዳይ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ምስ ሰምዑዎ ድማ “....በዚ ትብሉዎ ዘለኹም ምኽንያት ፓትርያርክ ካብ ሥልጣኑ ክወርድ ኣይክእልን እዩ። ብዝኾነ ግና እቲ ጉዳይ ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቀሪቡ ክርአ ክኽእል ኣለዎ። ወይ ንሕና ኣሥመራ ክንመጽእ፥ ወይ ከኣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ናብዚ ናብ ግብጺ ክመጹ። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቀሪቡ ፣ ውሳኔ ከም-ዝረክብ ከይተገብረ ግና። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ክእለዩ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ’ውን ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ንዓና፥ ትማሊ ኮነ ሎሚ ሕጋዊ ፓትርያርክ እዮም....” ዝብል ኣቕዋም ብምሓዝ’ዮም፥ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ቁርጹ ነጊሮም ዘፋነዉዎም። እዚ ከኣ ብቐሊል ተጣሒሱ ክሕለፍ ዝኽእል ውሳኔ ኣይነበረን። ኣብቲ ኣርሒቖም ክጥምቱ ዝኽእሉ ለባማት ዘይነበሩዎ ደምበ ግና። እቲ ከኸትሎ ዝኽእል ዝነበረ ሳዕቤን’ውን፥ ክርድኦን ክመዝኖን ዝኽእል ኣይነበረን።
ብመሠረቱ’ውን ቅድሚ’ዚ ዝተባህለ ኩሉ። ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ 02/05/1998 ዓ/ም (11/01/206) ዘመሓላለፉዎ ቃል-ውግዘት ነይሩ’ዩ። ከመይሲ ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ፥ ዘይሕጋውን ዘይቀኖናውን’ዩ ብምባል ድሕሪ ምንጻጎም። ከምኡ’ውን እቶም ጳጳሳት “-ፓትርያርክ, ጳጳስ, ካህን ከይሾሙ፥ ብሥልጣነ-ኣብ ወወልድ ወመንፈስ-ቅዱስ-” ኣውጊዞም ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ቃል-ውግዘት’ዚ ከኣ፥ ብዝኾነ ተኣምር ተጣሒሱ ክሕለፍ ዝግብኦ ኣይነበረን። እቲ ብኃይሊ ፖለቲካ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ሲኖዶስ ግና። ምስ ከመይ ዝኣመሰለ፥ ከቢድ መርገም ከኸትል ዝኽእል ሓደገኛ ጉዳይ ገጢሙ ከም-ዝነበረ፥ ክርድኦ ዝኽእል ዝነበረ’ውን ኣይመስልን።
ንክንድቲ ዝኣክል ክብደት ዝነበሮ ውግዘት፥ ክርዳእ ዝኽእል ንቕሓት ግና፥ ኣብቲ ሲኖዶስ-ጳጳሳት ነይሩ ኢልካ ክዝረብ ኣይከኣልን። ስለዚ ድማ’ዩ ኣጀንዳ-ፖለቲካ ንምትግባር ክበሃል፥ ነቲ ዝተሓላለፈ-ውግዘት ተሰጊሩ። ብዕብዳን ክግለጽ ኣብ ዝኽእል ውሳኔ ክብጻሕ ዝተራእየ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም (2007) 4ይ-ፓትርያርክ ብምባል፥ ንናይ ሰራየ ሃገረ-ስብከት ጳጳስ። ማለት ንኣቡን-ዲዮስቆሮስ 4ይ-ፓርያርክ ኢሎም ክቕብኡዎም’ዮም ዝተረኽቡ።እዚ ሢመት’ዚ ብደረጃ ማኅበረ-ሰብ ዓለም፥ ከቢድ ወቐሳን ተቓውሞን ኣልዒሉ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ። ነቲ ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን ዝተመርጸ ሲኖዶስ ግና፥ እዚ ኩሉ’ዚ ዝኸብዶ ኮይኑ ክርከብ፥ እቲ ናይ ንቕሓቱ ደረጃ ዝፍቐደሉ ኮይኑ ኣይተረኽበን።
ብዝተረፈ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ካብ ዝዓርፉ ድሮ ጥቓ ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ደኣ’ዩ ክሳብ ሕጂ ካልእ መቐጸልታ ፓትርያርክ ካብ ምሻም ዓጊቱዎም ጸኒሑ-? ዝብል ሕቶ ክቐርብ ግቡእ’ዩ። እወ እቲ ውግዘት ጥሒሶሞ ካብ ዝኸዱ ድሮ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እሞ ክሳብ ሕጂ ደኣ እንታይ’ዩ ዓዚሙዎም ዝጸንሐ-? ከም-ዝፍለጥ እቲ ነባ-ዲዮስቆሮስ ፓትርያርክ ንምግባር ዝወሰዱዎ ስጉምቲ። ካብ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ብብዙሕ ከም-ዝኹነኑን ከም-ዝንጸሉን ገይሩዎም ስለ-ዝጸንሐ። ካልኣይ ግዜ ደፊሮም ክኣትዉዎ ክሕሰብ ዝኽእል ኮይኑ ኣይጸንሐን። ሕጂ ብሃንደበት ክለዓል ምኽንያት ክኸውን ዝኸኣለ ግና፥ ንኣተሓሳስባ’ቲ ሕዝቢ ከፋፊልካ መኣዝኑ ከም ዝስሕት ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብቲ 10 ሓምለ 2011 ዓ/ም (17/07/2019) በቲ ሲኖዶስ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ግና “-ቅዱስ-ሲኖዶስ ብዘለዎ ልዑላዊ ሥልጣን፥ ንድኅነት ቤተ-ክርስቲያንን ዕቅበተ ሃይማኖትን-” ክብል፥ ኣብዚ ውሳኔ’ዚ ክበጽሕ ከም-ዝተገደደ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ኣዚዩ ዘገርም ትንታኔ’ዩ። እዚ ሲኖዶስ’ዚ ግና ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፥ ጉልባቡ ተቐሊዑ ወይ ተጋሊጹ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ኩሎም ጳጳሳት ኣብ ኣብ ዝተረኽቡሉ ጉባኤ መንበረ-ፓትርያርክ። ብሪጋዴር ጀረናል ኣብርሃ ካሣ ዝመርሖ ጉጅለ መንግሥቲ። እናተባራረዩ ነቲ መድረኽ መንበረ-ፓትርያርክ ክዋስኡሉ ተራእዮም እዮም። እሞ ኣበየናይ ቁም-ነገር ከም-ዝወዓሉ ደኣ’ዮም ሕጂ “-ብዘሎና ልዑላዊ ሥልጣን፥ ንድኅነት ቤተ-ክርስቲያንን ዕቅብተ ሃይማኖትን-” ክብሉ ኣብ ባይታ ዘየሎ ሓቂ ክነግሩና ዝደልዩ ዘለዉ-? በዚ ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ስለ-ዘየልቦ “-ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ-” ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ። ንሳቶምሲ ያኢ-!! ሓለይቲ ቤተ-ክርስቲያን ኢሉ ኣሚኑ ዝቕበሎም ክረኽቡ፥ ፈጺሙ ክሕሰብ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን።
ብዝተረፈ እቶም ሰብ ፖለቲካ፥ ነታ ዋና ዝሰኣኑላ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንፖለቲካዊ ኣጀንዳኦም ከም መጋበርያ ክጥቀሙላ ምድላዮም እንተ ዘይኮይኑ። ሕቶ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም ሓዲሽ ኣርእስቲ ኮይኑ፥ ክለዓል ዘግብር ምኽንያት ፈጺሙ ኣይነበረን። ድሮ ካብ ዝሓለፈ 15-ዓመት ኣትሒዞም፥ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ማእሰርትን ስቓይን ደኣ ሕጂ “-ንክሕደቶምን ገበኖምን ዘቃልዕ ሰነዳት፥ ምስ ዝርዝር መግለጺታቱ ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል ዝግበር ዘሎ ፈኸራ ደኣ፥ ንመን’ዮም ከፈራርሁ ወይ ክድህሉ ዝደልዩ ዘለዉ-? ግዳስ ንዓታቶም ደኣ ይመስሎም ይኸውን እምበር። በዚ ዝፈርሃሎም ወይ ዝደሃለሎም ይርከብ’ዩሲ ኣይንብልን ኢና።
ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ብግልጺ ከም-ዝፈልጡዎ። እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝግበር ዘሎ ተሪርን ኃያልን ተቓውሞ። ነቲ ሕዝቢ ናብቲ ብፓትርያርክነት እንጦንዮስ ዝወረደ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት። ጸኒዑ ደው ከም-ዝብልዩ ገይሩዎ ዝርከብ ዘሎ። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ’ዚ ድማ “-ሊቀ-ጳጳሳቲነ እንጦንዮስ-” እናተባህለ’ዩ፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ቅዳሴ ክካየድ ዝርአ ዘሎ። እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ትብዓት ከኣ ነዚ’ዩ ዝመስል። እዚ’ዩ እምበኣርከስ ሕጂ ነቶም ካድረ-ፖለቲካ ተቐይሮም ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ “- ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘቃልዕ ሰነዳት ክንዝርግሕ ኢና-” ብምባል። መኣዝኖም ስሒቶም ክርከቡ ኣገዲዱዎም ዘሎ፥ እዚ’ዩ ክበሃል ይከኣል።
ብዝተረፈ ኣብ በዓቲ ፖለቲካ ተሓቢኦም ዘይዝሩብ ኣብ ክንዲ ምዝራብ። እንተደኣ ሓቂ ኣልዩዎም ኣብ ነፃ መጋባእያ’ዮም ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክገጥሙዎም ዘለዎም። ባዕላቶም ከሰስቲ ባዕላቶም ከኣ ፈረድቲ ኣብ ዝኾኑሉ መጋባእያ ግና። እቶም ድሮ ኣብ መቝሕ ተታሒዞም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ። ምእንቲ መሰሎም ክከላኸሉ ዘኽእሎም ሕጋዊ ባይታ ክረኽቡ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት እዚ’ውን እቲ ቅድሚ 15-ዓመት፥ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ዝፈጸሙዎ ግፍዒ። ሕጂ’ውን ንዕኡ’ዮም ክንደግሞ ኢና ኣብ ምባል ዝርከቡ ዘለዉ። እዚ ኩሉ ተዓጠቕ ተሸብሸብ ዝበሃል ዘሎ ከኣ፥ ምስ ሓደ ኣብ 93-ዓመት ዕድመ ዝርከቡ’ሞ፥ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሒዞሞም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ’ዮም፥ ኵናት ክንገጥም ኢና ብምባል ዝውጠጡ ዘለዉ።
ይኹን እምበር ከምቲ “-ዓሻስ ከይስተር ይግተር-” ዝበሃል ክኸውን እንተ ዘይኮይኑ። ንሳቶምሲ ትንፋሶም ውሒጦምን ድምፆም ኣጥፊኦምን ደኣ፥ ድሕሪት ከይዶም ክሕብኡ ምተገብኦም እምበር። ሕጂ ኣይትሓዙና በሃልቲ ኮይኖም፥ ኣባትር ዘወጣውጡ ኮይኖም ምርካቦም፥ እምበርዶ ኣብ ጥዕና ኣለዉ’ዮም ዘየብል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መራኸቢ-ብዙኃን። ነቲ ፈጺሙ ክእመን ዘይክእል ዜና ጉድ እናበለ ክቀባበለሉ ዝርከብ ዘሎ። ብዝተረፈ እቲ ሕዝቢ ተረዲኡዎ ከም-ዘሎ። እቲ ብስም ሲኖዶስ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ። ናይቲ ፖለቲካዊ-ስርዓት እምበር፥ ናይ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ ዝብል ርድኢት ኣብቲ ሕዝቢ ዘይምህላዉ እዩ።
ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መሠረቱ ኣትሒዞም። ንናይቲ ፖለቲካ ኢድ ምትእትታው’ዮም ክቃወሙ ጸኒሖም። መወዳእታኡ ድማ እቲ ሲኖዶስ፥ ብድፍኢት ፖለቲካ መስመር ሰጢጡ ከይሓልፍ ንምጥንቃቕ “-ብሥልጣነ-ኣብ፥ ወወልድ፥ ወመንፈስ-ቅዱስ’ዮም-” ቃለ-ውግዘት ከቐምጡ ዝኸኣሉ። እዚ በቶም ፓትርያርክ ዝተመሓላለፈ ቃለ-ውግዘት ከኣ፥ ብዝኾነ ተኣምር ክስዕሮ ዝኽእል ኃይሊ የልቦን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፥ ነዚ ቃል ውግዘት’ዚ ተሓላሊፎም ፓትርያርክ መሪጽና ዝበሉሉ እዋን ነይሩ ‘ዩ። እቲ ፓትርያርክነት እቲ ግና፥ ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ ዝወጽእ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እኳደኣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ከቢድ ተነጽሎ ከስዕበሎም ከም-ዝጸንሐ’ዩ ዝፍለጥ።
እቲ መንገዲ’ቲ ዓዲ ዘየእትዎም ምዃኑ ስለ-ዝተረድኦም ግዲ ኮይኑ ድማ። ኣብቲ መንጎ ምስ መንበረ-ማርቆስ ምርድዳእ ክገብሩ ብማለት፥ ዝፈተኑዎ ፈተነ ነይሩ’ዩ። ማለት ኣባ-ሉቃስ ዝመርሑዎ ጉጅለ። ካይሮ በጺሑ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ማለት ድማ፥ ምናልባት ድሕሪ ዕረፍቲ ቅዱስ-ፓትርያርክ ሺኖዳ-3ይ። እቲ ተሪር ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቕዋም፥ ክቕየር ይኽእል’ዩ ዝብል ተስፋ ብምግባር’ዩ ዝነበረ። ንጉጅለ ኣባ-ሉቃስ ግና ዝተቐየረ ነገር ኣይጸንሖምን። የግዳስ ናይ ኤርትራ ሕጋዊ-ፓትርያርክ፥ ብጀካ ኣቡነ-እንጦንዮስ ካልእ ከም-ዘፈልጥ’ዩ፥ እቲ ቅዱስ ናይ ማርቆስ መንበር መግለጺ ዝሃበ። ኣቦታት ገዳማት ኤርትራን ምሉእ ውሉደ-ክህነት’ውን፥ ኣብዚ ኣቕዋም’ዚ ተሪሩ ዝረገጸ ብምንባሩ። እቶም ጳጳሳት’ውን ከምኡ ምስ’ዚ ሓሳብ’ዚ ሠሚሮም ይርከቡ ብምንባሮም። ኣባ-ልቃስን ጎይቶት ኣባ-ሉቃስን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ዝኣተዉሉ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
እቲ ብመሪሕነት ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ። እቲ ናህሩ እናዓበየ ከይዱ፥ እቲ ጸቕጢ’ውን እናኃየለ ምስ መጸ። እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ክከላኸሎ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ’ዩ ክምዕብል ዝተራእየ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ንቁጥዓ-ማዕበል፥ ናይቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ንምዕጋስ ተባሂሉ። እቶም ክልተ ከም ቁርዲድ ደም ቤተ-ክርስቲያን ክመጽዩ ዝነበሩ። ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ውጉዝ ሃብቶም ርእሶምን፥ ብዘሕፍር ውርደት ተደፊኦም ካብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝወጹ ዝተገብረ። እዚ ማለት ግና በቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት፥ በደል ተረኺቡዎም’ዩ ተባሂሉ ተኣሚኑሎም ዘይኮነ። ነቲ ዝተላዕለ ነድሪ’ቶም ገዳምውያን-ኣቦታት ንምዕጋስ። ተገዲዶም ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምንባሩ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ህልው ኩነታት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል’ዩ።
እቲ ምኽንያት ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ።ንበዓል-ዮፍታሔ ብወገፈ ከም-ዘሰናበቱዎም ብምምሳል። ግልብጥ ኢሎም ከኣ ካልኦት ሓደስቲ ካድረታት ፖለቲካ፥ ብሕጓ ከእትዉ ኣይምተረኸቡን። እቶም ብፖለቲካ ዝተመልመሉ ካድራት ከኣ’ዮም፥ ሕጂ’ውን ንመድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክዕንድሩሉ ዝርከቡ ዘለዉ። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ’ዚ ድማ’ዩ። እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመራኽቢ ብዙኃን ጉዱ ተቐሊዑ። እቲ መንበረ-ፓትርያክ ጀረናላት ዝዋስኡሉ መድረኽ ኮይኑ ክርአ ዝቐነየ። እቶም ጳጳሳት ንሓዘን ዝተቐመጡ ክመስሉ ተጐልቢቦም ኮፍ ኢሎም ክርኣዩ ከለዉ። እቲ ናይ ሃገራዊ-ድኅነት ሓላፊ ዝኾነ ብ/ጀረናል ግና። ነቲ መድረኽ ተቘጻጺሩዎ’ዩ ዝተራእየ። ልዕሊ’ዚ ክመጽእ ዝኽእል ሞትን ሕልፈትን ከኣ የልቦን።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት። ከምኡ ይኸውን ኢሉ ኣብ ዘይሓሰቦን ዘይጠርጠሮን ሰዓት።ዕርቃኑ ወጺኡን ጉዱ ተቓሊዑን ስለ-ዝተረኽበ። ካብዚ ተበጊሱ’ዩ ድሮ ተዓጽዩ ተቐሚጡ ዝጸንሐ መዝገብ ገላቢጡ። ኣብቲ ሕዝቢ መጋገዪ ክኸውን ዝኽእል ስእሊ ንምዝርጋሕ እንተሓገዘ ተባሂሉ’ዩ። ኣንጻር ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ሓዲሽ ኵናት ተኸፊቱ ዝርአ ዘሎ። እዚ ሕጂ ዝኸፍቱዎ ዝደልዩ ዘለዉ ኵናት። ከዋጽኦም ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፥ ካብ ዝኾነ ካልእ ባዕላቶም’ውን ይፈልጡዎ እዮም። ንኹሉ ዝኸውን ግዜ ኣለዎም ዝበሃሉ’ውን ኣይኮኑን። ከምቲ “-ናይ ዕዳጋ ዕግርግርሲ፥ ንሰራቒ ይጥዕሞ-” ዝበሃል ግና። እንሆ ነቲ ሕዝቢ መኣዝኑ ከስሕቱዎ ምእንቲ፥ ነቶም ድሮ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ኣእትዮሞም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ። ንኻልኣይ ግዜ ከነውግዞም ኢና ኣብ ምባል’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ነገር ተዋቒዑዎም ስለ ዘሎ’ውን፥ ዝብሉዎን ዝገብሩዎን ክፈልጡ ዝኽእሉ ኣይመስሉን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፥ ብዙሓት ውሉደ-ክህነት ኣብ መቑሕ ይኣትዉ ከም-ዘለዉ። እቲ ካብ ዓዲ ይመጽእ ዘሎ ዜና ይሕብር’ዩ ዘሎ። ናይ ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣቦታት፥ ካብቶም ብዓይኒ ጽልኢ ዝጥመቱ ኮይኖም’ዮም ዝህደኑ ዘለዉ። ድሮ ኣብ መቝሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ዲያቆናት’ውን ብብዝሒ ይእሰሩ ከም-ዘለዉ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ዓቕሉ ኣጽቢቡ ኣብ መወዳእታ ጫፍ ረጊጹ ዝርከብ ዘሎ ሥርዓት ድማ፥ ነቲ ዘሎ ጸገም ነቲ ሕዝቢ ኣጽቢቡ ብምሓዝ ክፈትሖ እንተደለየ ዘገርም ኣይኮነን። ብዝተረፈ ከምቲ “-ጥንስቲ ንፋስ እንተኸደላስ፥ ዝሓረሰት ይመስላ-” ዝበሃል። ንርእሶም ከተዓሻሽዉ እንተ ዘይኮይኖም፥ ደጊምሲ ክታለለሎም ዝኽእል ሕዝቢ ዝረኽቡ ኣይመስለናን።
ብዝተረፈ ቁርጹ ክፈልጡ እንተደኣ ደልዮም። ሕዝቢ ተዋሕዶ “-ዘኣበዮ ለእንጦንዮስ፥ ኣበዮ ለመንፈስ-ቅዱስ-” ኣብ ዝብል ኣቕዋም ረጊጹ ደው ካብ ዝብል፥ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ዓቃቤ-መንበር ክንመርጽ ኢና እንተበሉ’ውን፥ ክልውጡዎ ዝኽእሉ ነገር የብሎምን። ካብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጺኦም ክኸዱ ዝደልዩ እንተ-ዘይኮይኖም። ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ቅዱስ-መንበር ክሳብ ዝሃለዉ። ብጀካ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ ክህልዎም ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዝተረፈ እቲ ትማሊ ንኣባ-ዲዮስቆሮስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ተፈቲኑ ዝነበረ ጸይቂ ዝኾነ ነገር። ሕጂ ድማ ክንደግሞ ኢና እንተበሉ። እቲ ብድሕሪኡ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ደኣ ክስከሙዎ የኽእሎም እምበር። ሕዝቢ ተዋሕዶስ ንሰማይ ኣቢሉ ንብዓቱ ካብ ምንጻግ ሓሊፉ፥ ምስኣቶም ኣብ ቈይቍ ክኣቱ መደብ ኮነ ሓሳብ ዘለዎ ኣይኮነን።
እቲ ዘገርም ግና ኣቡነ-ሰላማ ንበይኖም ጥራይ። ኣብዚ ናይ ጸይቂ መኣዲ’ዚ፥ ኢደይ ሓዊሰ ኣይርከብን በሃሊ ኮይኖም ክርከቡ ከለዉ። እቶም ካልኦት ጳጳሳት ግና፥ ኣብቲ ናይ ጥፍኣት ድግስ ከሳስዩ ብክታሞም ዘረጋግጹ ኮይኖም ምርካቦም’ዩ። ነየናይ ዕድመ ክብሉ’ዮም ኮን-? መጋበርያ ፖለቲካ ብምዃን፥ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዶም ክሸጡዎ ዝደልዩ ዘለዉ-?! ብዝተረፈ ኣእምሮኦም ደንዚዙን ሕልንኦም ዓሪቡን እንተ-ዘይኮይኑ። “-ኦ ጐይታ-! ነዚ መባእ’ዚ እንታይና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ በሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን። ካህናትካ ድማ ተዋሪዶም ይበኽዩ ኣለዉዶ-” ኣይኮነን ዝበሃል ዘሎ። ታሪኾም ዝተበላሸወ ዘሕዝኑ ጳጳሳት ኢና ንርኢ ዘሎና። ኣቡነ-ሰላማ ግና በቲ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ፥ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ብሞሳን ሓበንን እናዘከሮም ክነብር እዩ። (መቃ. 3/50-51)
ስብሓት ለግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ
ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም
ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ሽወደናውያን ነባራት ኣዕሩኽ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2019 ተሳቲፎም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ኤርትራውያን እውን፡ ሽወደናውያን ናይ ነዊሕ ግዜ ኣዕሩኽ ኤርትራ ተሳቲፈምዎ። እዞም ነባራት ኣዕሩኽ ኤርትራ፡ ሽወደናውያን፡ ወዲ 94 ዓመት ነባር ጋዜጠኛ ኣብ 1960ታት ናብ ሓራ መሬት ኤርትራ ዝበጽሑ ቦ ብጀልፍቨንስታንን፡ ነቲ ጉዕዞ ኣብ 1970ታት ዝተጸንበረኦን ብተደጋጋሚ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝበጸሓ ክርስቲና ብጆርክን እዮም። እዞም ሽወደናውያን ናብ ሜዳ ኤርትራ ክመላለሱ እንከለዉ ኣብ ገጠራት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዝውዕል ብዙሕ ሃገዛት የቕርቡ ነይሮም።
ክርስቲና ኣብቲ ናይ 3 ነሃሰ 2019 ዓውደ-ዘተ ፈስቲቫል፡ ብስመንን ብስም ቦን ኣዝዩ ዓሚቕ ዝኽርን ትዝታን ዘንጸባርቐ መደረ ኣስሚዐን። ኣብቲ ዘረባአን “ሎሚ ኤርትራ ናጻ ሃገር እያ፡ እንተኾነ እታ ክትከውን ዝግበኣ ዝነበረት ኤርትራ ኣይኮነትን” ኢለን። ኣተሓሒዘን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ምእንቲ መሰሉ ተላዒሉ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ከወግዶ እሞ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሙ ኣግሂዱ፡ ነቶም ኣንጻሩ ውዲት ዝኣልሙን ጠቕሞም ዘቐድሙን ከሕፍሮም ምዃኑ ዝለዓለ ትምኒተን ገሊጸን።

ክርስቲና ብዛዕባ እቶም ዕድመ-ጸገብ ግና ድማ ሓያል ዘለዉ ቦ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ህዝቢ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዘይቅኑዕ ውግእ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝተረደአ ሳላ ቦ ምዃኑ ጠቒሰን። ቦ ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራ ጸብጻባት ጽሒፎም እዮም። ከምኡ እውን ፊልም ኣወሃሂዶም መደባት ተለቪዥንን ድራማታትን እውን ሰሪሖም። ምናልባት እቶም ቀዳማይ ምስ ንጉሰ ሃይለስላሴ ቃለ-መሓታት ኣካይዶም ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ዝሓተዎም ቀዳማይ ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ንሶም እዮም።

ቦ ካብቶም ኣብ 1970 “Eritrea Gruppen” ብዝብል፡ ምስ ኤርትርውያን ምሕዝነት ክፍጠር ዝነጠፉ እሞ ንክርስቲና ኣብዚ ምሕዝነት ክኣትዋ ሓቲተምወን ዝተቐበለኦ ነይሮም። ክርስቲና ብወገነን ብ1980 “The Land by the Sea” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፊልም ኣዳልየን እየን። ናይታ ዳሕረወቲ መጽሓፈን ናይ እንግሊ ቅዳሕ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ቀሪባስ ዓብይ ናእዳ ረኺባ።
ክርስቲና ነቲ መጽሓፈን ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ ርኢቶ፡ ነቲ ኣብ ተሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣደኒቐን፡ “እቲ ሰዓራይ ነቲ ታሪኽ ይጽሕፎ” ንዝብ ኣበሃህላ ዘኪረን፡ እንተኾነ ነቲ ታሪኽ በቲ ካልእ ኣካል ዝቐርብ ክሰምዕኦ ከም ዝደልያ ገሊጸን። እንተኾነ መጽሓፈን እቲ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤ ዝብልዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ሓያሎ ኣባላት ህግሓኤ ዝተገብረ ቃለ-መሓትት እውን ዝሓዘ እዩ።
ኣተሓሒዘን እቶም ዝሓተታኦም፡ ስለምንታይ ናብ ቃልሲ ከም ዝተሳተፉ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብቲ ሓራ መሬት ብኸመይ ይነብሩ ከም ዝነበሩን ስለምንታ ኤርትራ ዲክታተር ከም ዘማዕበለትን ከም ዝገለጹለን ጠቒሰን።
ካብቶም ዘዘራረበኦም፡ ስዉኣት ኣሕመድ መሓመድ ናስርን ዶ/ር ሃብተ ተስፋማአያምን፡ ከምኡ እውን ካብ ህሉዋት ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ መስፍን ሓጐስ፡ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣድያም ተፈራ፡ ኣርሀ ሓመድናካ፡ ረዘነ ተስፋጼንን ካለኦት ብዙሓትን ይርከብዎም። እቲ ዝሃብዎ ታሪኽ ኣካል እቲ ኣንበብቲ ግቡእ ቆላሕታ ክህብዎ ዝግባእ ታሪኽ ኤርትራ እዩ ኢለን።
Swedish Old Friends of Eritrean Attend Festival 2019 in Frankfurt
Written by EPDP Information OfficeThis year’s Eritrea Festival in Frankfurt was once more honoured by the presence of long-time friends of Eritrea from Sweden: 94-year old Journalist Bo Bjelfvenstam, who visited Eritrea in the 1960s, and Christina Bjork who joined his team in the 1970s for repeated visits to liberated areas carrying lots of support to needy Eritreans in the countryside.
In her nostalgia-filled inspiring address to the main Festival Panel on Saturday, 3 August, Christina spoke on behalf of herself and Bo. She lamented that Eritrea today “is an independent country, but not the country it could have been,” and hoped that the people will rise up and become masters of their long deferred dreams by dislodging the dictatorship and foiling those “who conspire in the background and prioritize their own power and wealth.”

Speaking about nonagenarian and still strong Bo, she said it was because of him that the Swedish people “understood that an unjust war was going on against the Eritrean people.” Bo wrote reports on Eritrea, produced films and TV programmes and a drama about the Eritrean struggle. He was probably the first Swedish journalist to interview Emperor Haile Selassie and ask him of what was going on in Eritrea!

Bo was among the Swedish citizens in 1970 that became part of a solidarity outfit called Eritrea Gruppen and asked young Christina to join it, which she did.
Christina Bjork herself produced in the early 1980s a film on Eritrea called The Land by the Sea. The English version of her resent book, Eritrea: A Classic African Dictator Took Over, was launched at Eritrea Festival 2019 and attracted many buyers.
Speaking about the book, Christina Bjork, who was appreciative of the dedicated struggle for democracy within the ELF, remarked: “the winner writes the history, but I wanted to hear the stories of those who belonged to the other side.” Hur ser deras historia ut ? However, her book contained not all what former ELF fighters had to tell but also included extensive interviews with former EPLF members.
She says: “They told me why they participated in the liberation struggle, how they were living in the liberated Eritrean areas during the war... aOch varför utvecklades Eritrea till en diktatur?nd why did Eritrea develop into a dictatorship?”
Över femtio år har gått sedan den väpnade kampen för ett fritt Eritrea inleddes och Eritrea har nu varit ett självständigt land i tjugo fem år.Her interviewees included Martyrs Ahmed Nasser, and Dr. Habte Tesfamariam; and Dr. Yusuf Berhanu; Mesfin Hagos; Gherezghiher Tewelde; Menghesteab Asmerom; Adiam Teferra, Arhe Hamednaka, Rezene Tesfazion and many others. Their story is part of the Eritrean history that deserves interested readers’ attention.
ሓድሽ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ነቶም ጽቡቕ ዝተመነይሉ ኣመስጊኑ፡ ናይ “ኣንጻር ዲክታቶር ሓቢርና ንቃለስ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦመንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ንምርግጋጽ ብሓር ክንሰርሕ እንዳተማሕጸነ
ናይ ዝሰመረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓድሽ ኣቦመንበር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ነቶም ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ነቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዓብይ ብጽሒት ዘለዎ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመርሕ ኣቦመንበር ብምዃኑ ብቴለፎን ኢመይልን ካልእ መራኸቢ ኣገባባትን ሰናይ ትምኒቶም ዝገለጽሉ ኣመስጊኑ።
ኣብ ርእሲ እቲ በቶም ኣብ ወይስባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአን ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርትን ዝተሳተፉ ወከልቲ ኣሓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ዝቐረበ፡ ናይ ምሕዝነትን ሰናይ መጻኢ ትምኒትን መልእኽታት፡ ብዙሓት ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘይነበሩ ኣዕሩኽን መሓዙትን ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ሰዲዶም።
ሓድሽ ኣቦመንበር ዝሰመረ ሰዲህኤ ምስቶም ናይ ቅድም ኣቦመንበራት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገ/መድህንን
ካብቶም ተስፋይ ወልደሞካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኮይኑ ብምምራጹ ብዓብይኡ ከኣ በቲ ዝተረጋገጸ ሓድነት ሰዲህኤ ሓጐሶም ዝገለጹ ፍሉጣት ኤርትራውያን ባእታታት፡ ኣቶ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ነባር ኣባል ሰዲህኤ(ፖርቱሱዳን)፡ ኣቶ መሓመድ ኑር ኣሕመድ ናይ ነዊሕ ግዜ ዓርኪ (ኣወስትራልያ)፡ ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ (ህላንድ)፡ ዶ/ር ኣንገሶም ኣጽበሃ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣሰይድ ኣቡሃሽም፡ ( ዓባይ ብሪጣንያ)፡ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ (ሆላንድ)፡ ኣቶ እስማዒል ዓሊ (ሆላንድ)፡ ወ/ሮ ገነት ተወልደ (ስዊዘርላንድ)፡ ኣቶ ነጋሽ ዑስማን (ስወደን)፡ ኣቶ ሰመረ ሃብተማርያም (ሕመኣ)፡ ኣቶ ስዩም ተስፋይ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ብርሃነ ውልደገብርኤል (ዓባይ ብሪጣንያ)፡ ኣቶ ሰለሞን ኣሰፋው፡ ሓንቲ ሃገር፡ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ (ሕመኣ)ን ካለኦት ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣቦመንበር ተስፋይ ደጊጋን ይርከብዎም።
ነባርን ሓርበኛን መራሒ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ናብቲ ሓድሽ ኣቦመንበር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ነቲ ሰንደቕ ቃልስና ምእንቲ ዲሞክራሲ ክብ ኣቢልካ ኣንበልብሎ፡ ከም እትዕወት ከኣ ርግጸኛ እየ” ኢሉ።
ካብቲ ካልእ መልእኽታት ንኣብነት ዝኣክል ከኣ እዚ ዝስዕብ ክንጠቅስ1!
እስማዒል ዓሊ ኣሕመድ፡ ነቲ ዝግበኦ ኣቦመንበርነት ሰዲህኤ ዝተረከበ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ልባዊ ናይ ሓጐስ ቃላተይ እልግሰሉ። እዚ ሰብዚ ነዚ ኣብ ከም ኤርትራ ሃገርና ዘላትሉ ኩነታት ተሰኪምዎ ዘሎ ውድብ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ከተግብር ዘኽእል፡ ስብእና፡ ተመኩሮን ባህርን ዝውንን እዩ።
ኣብዚ ስእሊ፡ ኣድያም ተፈራ፡ ኣስገደት ምሕረተኣብ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣማኑኤል በራኺ፡ ወልደየሱስ ዓማርን ፍሰሃየ ሓጐስን ይረኣዩ፡
ዓብዱራሕማን ኣሰይድ (ኣቡሃሽም)፡ ተስፋይ ደጊጋ ሓደ ካብቶም ናይ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ሓርበኛታትን መራሕቲ ናይዚ ኣብ ወጻኢ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን እዩ። ንሱ ኣብ 5 ዓሰርተታት ዓመት ዝተዋህለለ ሃብታም ተመኩሮን፡ ኣብዚ ን3 ዓሰርተታት ዓመታት ውረድ ደይብ ቃልሲ ዝተመስከረሉ ናይ ምጽውዋር ጥበብን ዘለዎ እዩ። ኣነ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ረኺበዮ። ኣብቲ ርክባትና ከምቲ ምስ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ዝርእዮ ምቕሉልን ምስታ ከምኡ ዓይነት ባህሪ ዘለዋ በዓልቲ ቤቱ ንናይ ሃገር ምድሓን ቃልሲ ውፉያት ኮይኖም ረኺበዮም። ስለዚ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኮይኑ ስለ ዝተመርጸ ዝለዓለ ናይ እንኳዕ ኣሕጐሰካ መልእኽተይ የመሓላልፈሉ። ንዕኡን ንብጾቱን ከኣ ኣብቲ ኣብዛ ፍትውቲ ሃገርና ስቪላዊ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ዓወት እምነየሎም።
ስዩም ተስፋይ፡ ነቲ ሓድሽ መዝነትካ እንኳዕ ደስ በለካ። ጽቡቕ መጻኢ ክኾነልካ ንክምነ ከኣ ፍቐደለይ። ናትካ ውህሉል ተመኩሮን ንህልዊ ኰነታት ሃገርና ዘለካ ተረደኦን ኣብዚ ንህዝብና ካብ ዲክታቶርያዊ ወጽዓ ንምንጋፉን ሓድሽ መድረኽ ንምምጻእን ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ክሕግዘና እዩ። እንኳዕ ደስ በለካ።.
ሚርያም ሰፕተምበር፡ ንሰዲህኤን ኣቶ ተስፋይ ደጊጋን ስለቲ ዘይዕጸፍ መርገጽኩም ኣብ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልስን ለውጢ ካብ ምሽጢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ ዝብል ራኢኦምን ክብሪ ኣለኒ። ተስፋይ ደጊጋ ናይቲ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ሃብታም ዓቕምን ሓይልን ከም ዝፈልጥ ኣብ ሓደ መድረኽ ንዓኡ ብዝምልከት ኣስተምህሮ ከቕርብ እንከሎ ተረዲኣ ኣለኹ። ሰዲህኤ እዚ መርገጹ ካለኦት ኣካላት ንክርድእሉ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ብኣጸጋሚ ኩነታት እዩ ሓሊፉ። እንተኾነ ኣብኡ ጸኒዑ ሳላ ዝተቓለሰ፡ ሎሚ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ለውጥን፡ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰውራን እዚ ፖለቲካዊ ስትራተጅኡ ቀንዲ መንገዲ ክኸውን በቒዑ
ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ ዘሕጉስ ምዕባለ ዘግሃደ መልኽቲ! ደሞክራሲያዊ ጠባያት (ብሰላም፡በቢእዋኑ ምርጫታት መሪሕነት) ብዘትኣማምን ኣገባብ ክቕጽል ከም ዘለዎ ብተግባር ንካልኦት ኣርኣያ ስለ ዝኾንኩም፡ዮሃና! ሓውና ተስፋይወ ሚካኤል እንኳዕ ኣመጎሰካ። ንዕማም 'ሓቢርካ ምስራሕ' ፍሉይ ቆላሕታ ሂብኩም፤ ከተዔውትዎ ምሉእተስፋ ኣለኒ።
ሰለሞን ገ/እየሱስ ኣስፋው፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰድህኤ) ኣብዘንዝሓለፋ መዓልታት ክልተ ዋሃዘብሉ ፍጻሜታት ሰኒዱ ይርከብ። እዞም ቀንዲ ፍጻሜታት ሰድህኤ ምስ ሃድኤ-ሕድሪ ስምረት ክገብር እንከሎ፤ንተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ድማ ንብጻዩ ተጋዳላይ መንግስተአብ ስመሮም ተኪኡ ከም ኣቦመንበር ሰልፊ ኮይኑ ክመርሕ መሪጽዎ ኣሎ።
ኩሎም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ብህዝቢ ምንም ዝግብኦም ክብረት ከይረኸቡ በንጻሩ ክንደይ ዘለፋን ውርደትን ተጻዊሮም ነዚ ቃልሲ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ምሕላፎም ክምስገኑ ይግባእ።ሓደ ኣብነት ናይዚ ተጋዳላይ ተስፋይ ደጊጋ እዩ ተስፋይ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ካብ ሕቑፎ ስድርኡ ናጽነት ከምጽእ ናብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ወፈረ ስጋብ እዛ እዋን ዳግማይ ሓመድ ዓዱን ኽስዕም ደምበ ዓዱ ክርእይ ዝተሓረሞ ሓርበኛ እዩ።ኤርትራ ብህዝባዊ ሰራዊት ማለት ህዝባዊ ግንባር ሓራ ምስ ወጸት ደጊጋን ብጾቱን ንዕርቅን ሰላምን ዳግመ-ህንጻ ሃገርን እጃሞም ከበርክቱ ድልዋት እኳ እንተነብሩ ዓማጺ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግና ማዕጾ ሰላም ረጊጡ ናብታ ንእስነቶም ዝመጠውላ ሃገሮም ከይምለሱ እዩ ዝገበረ።እንሆ ድማ ድሕሪ ናጽነትን 28 ዓመታት ደጊጋን ብጾቱን ንስለፍትሕን ደሞክራስን ይቃለሱ።
ደጊጋ ኣብ እዋን መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ናስር ዝነበሮም ውድባዊ ፍልልይ ብዘየገድስ ነቲ ታሪኻዊ ኣወንታዊ ብጻይነት ጸቒጡ ዝገበሮ ታሪኻዊ መደረን እንታይነት ተስፋይ ደጊጋ ዝገልጽ እዩ።ተስፋይ ካብ ቂምታ ንዕርቂ ካብ ንኽመርሕ ንኽምራሕ ዘቐድም ገዲምን ምኩርን ተቓላሳይ እዩ።ተስፋይ ደጊጋ ካብቶም ብግድምና ዘይኮነስ ብንቕሓትን ርድኢትን ንነገራት ዘመዛዝኑ ተቓላሳይ ኢለ ክገልጾ ይኽእል።ተስፋይ ካብቶም ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ቅርሕንቲ ኣኽቲሙ ከም ኣሕዋት ደቂ ሃገር ክሰርሑ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ ገስገስቲ መራሕቲ እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን።ተስፋይ ንብጾቱን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘርአይዎ ብልጫን ድኻምን ኣብ ግምት ኣእትዮም ናይ ስምረት ስጉምቲ ምውሳዶም ክምስገኑ ይግባእ።
ከምቲ ተስፋይ ኣብ ቦኽሪ ናይ ኣቦመንበር መደርኡ ዝአተዎ መብጽዓ ምስቶም ካልአይ ክፋል ሰድህኤ ክላዘቡን ሽግራቶም ክፈትሑን ልቦም ክኸፍቱ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።ነቲ ኣብ እዋን ንእስነተይ ናብ ቃልሲ ንዲሞክራስን ፍትሕን ምስተጸምበርኩ ካብ ዝጋጠሙኒ ኣዝዮም ውሑዳት ሸንኮለል ዘይፈትው ናይ ቃልሲ መምህራን ኣያና ተስፋይ ደጊጋ፤ነዚ ጉዳይ ስምረት ልዝብ ንምፍታሕ ግርጭትን ምስተመሳሰልቲ ራእይ ዝውንኑ ሃገራውያን ሰልፍታት ብትብዓትን ብርእሰ ተአማንነት ንክቕጽሎ ለበዋይ ከሕልፍ ይፈትው።ርግጸኛ እየ ሰድህኤ ንዝግብኦን ብቑዕን መራሒ እዩ መሪጹ ዘሎ እሞ ዓወትን ኣሳልጦን።ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ንመጻኢ እውን ሓቢርና ምስ ደጊጋን ብጾቱክን ሰርሕ ወትሩ ሕጉሳትን ድሉዋትን ምዃንና ብስመይን ብስም ናይ ቃልሲ ብጾተይን ናብ ኣቦመንበር ሰድህኤ መልእኽተይ ይሰድድ።
ብዛዕባ ኣድላይነት ሓድነት ክዝረብ ወይ ክጸሓፍ እንከሎ፥ ኩሉ ዝኣምነሉ ሓሳብ ምዃኑ ምንም ጥርጥር የለን። እቲ ሽግር ኣብ ተግባር ናይ ምውዓል እምበር ነቲ ሓሳብሲ ዝነጽጎ ኣካል ፈጺሙ የለን። ነዚ ዘመልክት ኩልና፥ ብፍላይ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ፥ ነዛ “እንተሰመርና ንቕወም ወይ ደው ንብል ወይ ንጸንዕ፥ እንተተፈናጨልና ግና ረማዕ ንብል ወይ ንወድቕ” (united we stand divided we fall) እትብል ሓረግ ዘይሰምዓ ወይ ዘየንበባ ኣካል የለን።
እወ! ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ፖአልቲካዊ፡ ማሕበራውን ንግዳውን ስራሓትን፥ ዝግበር ስምረት ወይ ሓድነት ካብ በበይንኻ ኬድካ ንዕንወትትን ክሳራን ወይ ንስዕረት ካብ ምቅላዕ ዘድሕን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንኣድላይነት ሓድነት ካብ ማንም ንላዕሊ ዝርደኦን ዝድግፎን እዩ። ነዚ መረዳእታ ዝኾነና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ 1974 ኣብ ከባቢ ከተማ ኣስመራ ነተን ክልተ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ንምትዕራቕ ዝወሰዶ ተበግሶ ህያው ምስክር እዩ።
እንታይ እዩ እቲ ቀንዲ ሕምረት ተደላይነት ናይ ስምረት ወይ ሓድነት? ልክዕ እዩ፥ ሓድነት መላእ ህዝቢ ልሕሉሕ እንተኾይኑ ብቐሊሉ ክፈናጣሕን፥ እንተተፈናጢሑ ከኣ ክድቆስ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፥ ነቲ ሰሚርና ደው እንብሎ ዝኾነ ዝትንክፈና ይኹን መሰልና ዝገፍፍ ኣይክህሉን እዩ፡ ካብ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ስለዝነቅል እዩ። ብተወሳኺ ሓድነት ናይ ትብዓት ሓይሊ ዝድርዕን፥ ሓቢርካ ብምስራሕ ተደራራቢ ዓወታት ዘጐናጽፍን ንህላዌ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ሓድነት ማለት ትብዓት፥ ምትእምማን፥ ዕቤት፥ ህልውና፥ መወዳእታ ከኣ ዓወት ዘጐናጽፍን እዩ። ስለዚ ነቲ በበይንኻ ጉያ ናብ ስዕረትን፥ ንዝኾነ ይኹን ተጻባኢ ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ ሓይሊ ኣሕሊፉ ዝህብ፡ ሰላም፡ ምርግጋእን ፍትሕን ዝዘርግን እዩ።
ሓድነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ህዝባዊ ወይ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ እምበኣር፥ ሃገርን ህዝብን ከድሕን ኣይክእልን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ጉዳይ እዚ ብግቡእ ዝተረድኡ ወድባት፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዓብይ ምስክር እዩ። እዚ ውድባት እዚ ምስ መላእ ኣባላቱ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዝብል ብተግባር ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብሳር እነሆ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ብስምረት ክልቲኡ ወድባት ተደምዲሙ። ናብዚ ስምረት ንምብጻሕ ከኣ እቲ ኣብነታዊ ስጉምቲ ሓድነት ዝወሰደ ውድባት፡ ነቲ ናይ ስም ይኹን ናይ መሪሕነት ጦብላሕታታት ወጊዱ፥ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን እንተኾይኑ እቲ ዕላማ ስምን መሪሕነትን ዘገድስ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ዕላማ እንተተሰማሚዕና ካብ ዝብል ቅዱስ ዕላማ ስለዝነቐለ እዩ ናብ ሓደነት ዝተበጽሐ።
ስምን መሪሕነትን ክቀያየር ዝከኣል ብምዃኑ ድማ ክልቲኤን ውድባት ፈጺመን ውረድ ደይብ ኣይተባህሎን። ንብድሕሪ ሕጂ እውን ውድባት ስምረት ክገብራ እንከለዋ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ካብ ምቕዳም፡ ነቲ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዘዕኩዂ መገዲ ወይ መርሆ ምሓዝ ኣገዳሲ ተመኩሮ እዩ። ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣድላይነት ሓድነት ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዘሎ ስለ ዝኾነ ነዚ ናይ ስሓድነት ኣብነት ብዙሓት ክስዕብዎ ተስፋና ልዑል እዩ።
ኩሉ ጉዳያትና ብምርድዳ፡ ብዓሚቕ ሓልዮትን ስምምዕን ስለዝተኻየደ ሓደ ዝኸሰረ ሓደን ዝኸሰበ ዘይብሉ ናይ ሓባር ዓወትና እዩ። ምኽንያቱ ቀዳምነት ምድሓን ሃገርን ህዝብን ናብ ዝብል ቅኑዕ ጐደና ዝመርሓና ስለ ዝኾነ። እዚ መሰረታዊ ጉዳያት ኣጽኒዑ ህዝቢ ብዝማእከሉ ተጸንቢሉ ዘሎ ሓድነትና ኣብቲ እንጽበዮ ውጽኢት ንክበጽሕ ከኣ ኣብ ቅድሜና ግብራዊ ዕማም ይጽበየና ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ኤርትራዊ፡ ካብቲ በበይንኻ ምጭራሕ ወጺኡ ኣብቲ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ቀንዲ ዕላማታት ብምስምማዕ ኣብ ግብራዊ ናይ ሓባር ስጉምቲ ክኣቱ ይግባኦ ንብል።
Eritrea's Military Service Still "Repressive" Despite Peace Deal -HRW
Written by Reuters
Home World News News Wire
Eritrea's Military Service Still "Repressive" Despite Peace Deal -HRW
Teenage students are systematically subject to hard labour at an isolated military camp near the Sudanese border, with many also enduring physical abuse, the rights group said in a report.
"Eritrea's secondary schools are at the heart of its repressive system of control," Laetitia Bader, the report's author, said. "Now that peace with Ethiopia is restored, reforms on human rights, starting with the rights and freedom of the country's youth, need to follow."
The Horn of Africa country has run a system of universal conscription for more than two decades, with the government justifying mandatory national service by invoking a "no peace, no war" stalemate with neighbouring Ethiopia after a border conflict from 1998 to 2000.
The two countries signed a peace deal in July 2018.
But since then, despite expectations among new recruits that conscription would be significantly scaled back, Eritrea has "not made any meaningful changes to national service or to its system of repression," the HRW said.
Conscription drives thousands, including many unaccompanied children, to leave the country each year. Its population is around five million, and the United Nations estimated in late 2018 that a further 500,000 Eritreans were refugees.
Graduates are either posted permanently to the military or given vocational training and assigned civilian professions, including teaching, for their whole working lives life on low wages.
One Eritrean refugee said he had attended the military camp at 17 and was jailed after trying to leave the country and his assigned job. "There is no escape ... unless you flee," he told Reuters on condition of anonymity.
(Reporting By Maggie Fick; Editing by Katharine Houreld and John Stonestreet)
Radio Demtsi Harnnet Kassel 08.08.2019
Written by Demtsi Harnnet KasselMore...
መጸዋዕታ ንመንግስቲ ኤርትራ
Written by ግዱሳት ኤርትራውያን/ኣሜሪካውያን ምእመናን ካቶሊካዊት ቤ/ክ ስርዓተ-ግዕዝ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣንالبيان الختامي للمؤتمر الثالث والوحدوي ح ش د أ
Written by المؤتمر الثالث و الوحدويانعقد المؤتمر الثالث والوحدوي في مدينة " فيزبادن" الألمانية بتاريخ 29/يوليو حتي يوم واحد اغسطس من عام 2019م تحت شعار نناضل من أجل السلام والعدالة والتنمية والأزدهار وإقامة إدارة ديمقراطية دستورية وفي هذا المؤتمر شاركت جميع خلاية وفروع الحزب المتواجدة في جميع أنحاء العالم عبر ممثليها . اما الفروع والخلاية التي لم تستطع أن تشارك لأسباب موضوعية خاصة بها . بعد ان أوفوا جميع التوجيهات و المعايير لمتطلبات المؤتمر لقد أكدوا مشاركتهم في المؤتمر في اماكن تواجدهم مسبقاً .
لقد انعقد هذا المؤتمر في ظروف خاصة بالمعايير الداخلية منها والخارجية . اما من الناحية الداخلية لقد تمت الوحدة بين الأنقاذ الوطني الأرتري (حدري ) ، وحزب الشعب الديمقراطي الارتري ( ج – ش – د –أ ) وبذلك كان المؤتمر مثالياً يحتذي به . أما من الناحية الخارجية وفي العام المنصرم ما حدث من متغيرات وتطورات متسارعة في أثيوبيا قد عرًت النظام من ستره الذي كان يختبئ به ستر لا حرب ولا سلام .
وهذا الأمر من جانب معسكر المعارضة خلق يقظة وجزب قلوب الكثيرين ومن جانب آخر الاتفاق الذي أبرم بين إثيوبيا وإرتريا وغير واضح المعالم خلق نوعاً من الريبة والشك بإلاضافة إلي ذلك أنعقد المؤتمر في وقت برزت فيه متغيرات وتحالفات إقليمية والدولية جديدة.
المؤتمر في أول أعماله لقد أستمع لتقرير اللجنة التحضرية لاستعدادات المؤتمر وأكد لهم المؤتمرون بشرعية وقانونية التقرير المقدم إليهم. و بعد ذلك قدم رؤساء الحزبين تقرير عن تجارب تنظيماتهم و مسار وحده التنظيمين في شكل ملخص .
بعد ان أستمع المؤتمر لهذه التقارير المختلفة وضع معايير كبيرة واستراتيجية بهذا الشأن. في الوقت الحاضر الذي نناضل فيه من آجل غداً مشرق وإقامة إدارة ديمقراطية بالمقارنة مع الأوضاع المحلية والإقليمية والدولية المعقده في تحديات وازمات كبيرة أكد المؤتمر بأننا قد دخلنا في مرحلة حرجة جديدة.
أيضاً نظر المؤتمر بما يقوم به نظام أسياس لإطالة سلطته من عمل غير مؤسسي والعلاقات غير مقدسة والذي تترك آثراً سيئاً للأجيال القادمة . وإنطلاقاً من هذا أكد المؤتمرون ان ما يقوم به نظام أسياس من خطوات والتي لم تضع أي أعتبار للمصلحة الوطنية والتي تفتقر المعرفة الشعبية وليس لها أي شفافية ووضعت المصلحة الوطنية في أدني صورها .
المؤتمر الوحدوي الثالث:
قدم تعازيه لأهل الضحايا الذين غرقت سفينتهم في يوم 25 يونيو 2019م في البحر الأبيض المتوسط وقدم لهم الترحم لأرواح الضحايا وبعث رسالة الصبر و السلوان لذويهم.
قبل انعقاد المؤتمر الوحدوي انهي التنظيمين علي حدا شؤونه الداخليه و وبداء العمل بمفهوم موحد و لم تواجهه اي عقبات في اداره التحديات و استقلال الفرص كيفما اتت أثناء المؤتمر.
المؤتمر أجاز للأربعة أعوام القادمة برنامج السياسي والدستوري الذي يتقيد به . وكذلك المواضيع المذكورة أدناها :
1/ الأوضاع الراهنة للسيادة الارترية .
2/ أهمية العمل المشترك للمعارضة الارترية .
3/ الانتفاضة الشعبية ( كفاية ) .
4/ التدخلات الخارجية المختلفة في الشأن الوطني .
5/ اللاجئين الارتريين .
6/ قوات الدفاع الارترية .
7/ العلاقات الارترية الإثيوبية المفاجئة .
8/ العلاقات الأرترية السودانية
9/ التيارات السياسية المندفعة في أثيوبيا .
10/ حقوق الإنسان وبعض القضايا الاجتماعية .
أتخذ المؤتمر قرارات سياسية بهذه القضايا قدم المؤتمر نداء لترجمة هذه النقاط في ارض الواقع لحزب الشعب لكل من يطلب التغيير والعدل أن يعمل سوياً وكذلك التنظيمات الصديقة والأحزاب والاتحادات وأن نخرج من النمطية القديمة وننبذ التناحر ونعمل سوياً .
شعبنا الارتري نحن قواتك السياسية كان يجب علينا أن نكون لسانك الذي تتحدث به وأقدامك الذي تزحف به حتي الآن ولأسباب موضوعية وذاتية نعلم علم اليقين بأننا لم نكن قدر طموحاتك وانطلاقا من هذه الحقيقة نطلب منكم بكل التواضع والعفو وأننا نبشركم بهذه الوحدة ونعوضكم مستقبلاً باتفاقات وحدوية مماثلة .
وفي الختام المؤتمر بعد ان أختار تسعة أعضاء للجنة الترشيحات وبعد ان تفحص قائمة أسماء المرشحين التي كان يعمل بها مسبقاً أختار خمسة وثلاثون اعضاء دائمين وخمسة احتياطيين وبذل جهداً مقدراً أن يكون المرشحون يعكسون التنوع الارتري وبعد إكمال المذكور أعلاه نبشر شعبنا بأنان انتقلنا إلي مهرجان فرانك فورت السنوي .
فلنناضل من أجل السلام والعدالة والنماء والازدهار .
المجد والخلود لشهداء ارتريا
واحد اغسطس 2019م
المؤتمر الثالث و الوحدوي
ECLP-REPORT Eritrean Catholic Laboratory Project, NFP - 2019
Written by Eritrean Catholic Lab ProjectNew EPDP Chairman Thankful to All Well Wishers; Calls for Unity to End Dictatorship
Written by EPDP Information OfficeNew EPDP Chairman Tesfai Degiga pledges to work hard to promote unity of the opposition camp.
Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), the newly elected chairman of the unified Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), expresses his deep thankfulness to all compatriots and friends who, through phone calls and various other communication channels, wished him success in the challenging post of leading one of the mainstream Eritrean opposition organizations.
In addition to the solidarity messages and warm wishes expressed by numerous delegates of sister Eritrean organizations that attended the 3rd and unity party congress in Wiesbaden and the Eritrea Festival in Frankfurt, dozens of friends sent messages of good wishes.
The New Chairman of unified EPDP flanked by outgoing Chairmen, M. Asmerom and K. G/Medhin
Among the well wishers on the election of Tesfai Degiga to lead the party as well as for the success of the EPDP unity and third congress were prominent compatriots like Mr. Ibrahim Mohammed Ali, senior party member in Port Sudan; Mr. Mohammed Nur Ahmed, an old friend in Australia; Dr. Yusuf Berhanu (Holland); Dr. Angesom Atsbaha (USA); Mr. Abdurahman a-Said (Bohashem, UK); Mr. Kubrom Dafla (Holland); Ismael Ali (Holland); Ms Ghenet Tewelde (Switzerland); Mr. Negash Osman (Sweden); Mr. Semere Habtemariam (USA); Mr. Seyoum Tesfaye (USA); Mr. Solomon Assefaw (One Nation, USA); Mr. Hailemariam Tesfai (USA) and many, many other friends of the new chairman and his party.
Veteran and patriotic leader Ibrahim Mohammed Ali told the new chairman on the phone, “Keep high the banner of our struggle for democracy and I know you will succeed!”
Reproduced Below, find excerpts from a sample of the well-wishing messages, some in English and some in Tigrigna:
Ismail Ali Ahmed, an email via Harnnet.org: My heartfelt words of congratulation to brother Tesfai Woldemichael for assuming the well-deserved chairmanship of the EPDP. This is a man who possesses stature, experience and character to shoulder such high level responsibility at the top of an organization that aspires to play functional role in the affairs of a nation passing through critical travail to survive decades of subjugation under ruthless tyranny.
In picture: Adiam Teferra; Asghedet Mehreteab; Tesfai Degiga; M. Asmerom; AmanuelBT, W. Ammar, F. Hagos.
Abdurahman Sayed (Bohashem – on FB): Tesfai Degiga is a veteran of the liberation struggle and one of the leaders of the on-going pro-democracy movement in Eritrean diaspora. He has a wealth of experience accumulated over five decades, and resilience manifested in his steadfastness through thick and thin that the pro-democracy movement has been going through in the last three decades. I met him on several occasions in the last ten years and found him to be humble, as is the case with his predecessors and comrades, and dedicated to the struggle for Eritrean salvation alongside his wife, who equally enjoys the same qualities of patriotic resilience. Many congratulations to Comrade Tesfai Degiga on his election as Chairman of the EPDP. I wish him and his comrades every success in their endeavours to realize civic democracy in our most beloved and precious State of Eritrea.
Seyoum Tesfaye, USA, on FB: Congratulations on your new responsibility! Allow me to wish you a very productive term. Your extensive experience and grasp of the present Eritrean reality will help all of us struggling to help our people remove the tyrannical system and usher in a new era of justice and freedom. Congratulation.
Miriam September, on FB: …. I respect EPDP and Mr. Tesfai Degiga because of their undeterred vision of peaceful resistance and change from inside Eritrea. Mr. Tesfai Degiga has a brilliant understanding of the immense benefits and power of non-violent resistance, which I was able to witness during a great presentation he gave. EPDP had a difficult stand in the opposition for believing in this vision, but stayed loyal to it and today, with the U-turns in Ethiopian politics and the revolution in the Sudan, this hugely important political strategy has finally become mainstream.
Berhane Welde-Ghebriel, UK, an email: ዘሕጉስ ምዕባለ ዘግሃደ መልኽቲ! ደሞክራሲያዊ ጠባያት (ብሰላም፡ በቢእዋኑ ምርጫታት መሪሕነት) ብዘትኣማምን ኣገባብ ክቕጽል ከምዘለዎ ብተግባር ንካልኦት ኣርኣያ ስለዝኾንኩም፡ ዮሃና! ሓውና ተስፋይ ወ/ሚካኤል እንኳዕ ኣመጎሰካ። ንዕማም 'ሓቢርካ ምስራሕ' ፍሉይ ቆላሕታ ሂብኩም፤ ከተዔውትዎ ምሉእ ተስፋ ኣለኒ።
Solomon Ghebreyesus Assefaw (One Nation, on FB): … ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰድህኤ) ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ክልተ ዋሃ ዘብሉ ፍጻሜታት ሰኒዱ ይርከብ። እዞም ቀንዲ ፍጻሜታት ሰድህኤ ምስ ሃድኤ ሕድሪ ስምረት ክገብር እንከሎ፤ ንተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ድማ ንብጻዩ ተጋዳላይ መንግስተአብ ኣስመሮም ተኪኡ ከም ኣቦ መንበር ሰልፊ ኮይኑ ክመርሕ መሪጽዎ ኣሎ። ኩሎም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ብህዝቢ ምንም ዝግብኦም ክብረት ከይረኸቡ በንጻሩ ክንደይ ዘለፋን ውርደትን ተጻዊሮም ነዚ ቃልሲ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ምሕላፎም ክምስገኑ ይግባእ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ተጋዳላይ ተስፋይ ደጊጋ እዩ። ተስፋይ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ካብ ሕቑፎ ስድርኡ ናጽነት ከምጽእ ናብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ወፈረ ስጋብ እዛ እዋን ዳግማይ ሓመድ ዓዱ ንኽስዕም ደምበ ዓዱ ክርእይ ዝተሓረሞ ሓርበኛ እዩ። ኤርትራ ብህዝባዊ ሰራዊት ማለት ህዝባዊ ግንባር ሓራ ምስ ወጸት ደጊጋን ብጾቱን ንዕርቅን ሰላምን ዳግመ ህንጻ ሃገርን እጃሞም ከበርክቱ ድልዋት እኳ እንተነብሩ ዓማጺ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግና ማዕጾ ሰላም ረጊጡ ናብታ ንእስነቶም ዝመጠውላ ሃገሮም ከይምለሱ እዩ ዝገበረ። እንሆ ድማ ድሕሪ ናጽነት ን 28 ዓመታት ደጊጋን ብጾቱን ንስለ ፍትሕን ደሞክራስን ይቃለሱ። ደጊጋ ኣብ እዋን መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ናስር ዝነበሮም ውድባዊ ፍልልይ ብዘየገድስ ነቲ ታሪኻዊ ኣወንታዊ ብጻይነት ጸቒጡ ዝገበሮ ታሪኻዊ መደረ ንእንታይነት ተስፋይ ደጊጋ ዝገልጽ እዩ። ተስፋይ ካብ ቂምታ ንዕርቂ ካብ ንኽመርሕ ንኽምራሕ ዘቐድም ገዲምን ምኩርን ተቓላሳይ እዩ። ተስፋይ ደጊጋ ካብቶም ብግድምና ዘይኮነስ ብንቕሓትን ርድኢትን ንነገራት ዘመዛዝኑ ተቓላሳይ ኢለ ክገልጾ ይኽእል። ተስፋይ ካብቶም ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ቅርሕንቲ ኣኽቲሙ ከም ኣሕዋት ደቂ ሃገር ክሰርሑ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ ገስገስቲ መራሕቲ እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። ተስፋይን ብጾቱን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘርአይዎ ብልጫን ድኻምን ኣብ ግምት ኣእትዮም ናይ ስምረት ስጉምቲ ምውሳዶም ክምስገኑ ይግባእ። ከምቲ ተስፋይ ኣብ ቦኽሪ ናይ ኣቦ መንበር መደርኡ ዝአተዎ መብጽዓ ምስቶም ካልአይ ክፋል ሰድህኤ ክላዘቡን ሽግራቶም ክፈትሑን ልቦም ክኸፍቱ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ነቲ ኣብ እዋን ንእስነተይ ናብ ቃልሲ ንዲሞክራስን ፍትሕን ምስ ተጸምበርኩ ካብ ዝጋጠሙኒ ኣዝዮም ውሑዳት ሸንኮለል ዘይፈትው ናይ ቃልሲ መምህራን ኣያና ተስፋይ ደጊጋ፤ ነዚ ጉዳይ ስምረት ልዝብን ምፍታሕ ግርጭትን ምስ ተመሳሰልቲ ራእይ ዝውንኑ ሃገራውያን ሰልፍታት ብትብዓትን ብርእሰ ተአማንነትን ክቕጽሎ ለበዋይ ከሕልፍ ይፈትው። ርግጸኛ እየ ሰድህኤ ንዝግብኦን ብቑዕን መራሒ እዩ መሪጹ ዘሎ እሞ ዓወትን ኣሳልጦን። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ንመጻኢ እውን ሓቢርና ምስ ደጊጋን ብጾቱ ክንሰርሕ ወትሩ ሕጉሳትን ድሉዋትን ምዃንና ብስመይን ብስም ናይ ቃልሲ ብጾተይን ናብ ኣቦ መንበር ስድህኤ መልእኽተይ ይሰድድ።