ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ዋጋ ነዳዲ ንሂሩ

2019-09-16 09:45:30 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1772 times

 

ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምብጽሑ Image copyright Reuters ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምብጽሑ

ብቀዳም፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ዋጋ ነዳዲ ክንህር ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ብ 5% ዝነከየ ክኸውን ከሎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ ካብ 15 ክሳብ 19 ምኢታዊት ናህሪ ኣርእዩ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ትካላት፡ ናብ ንቡር ኣገልግሎቶም ክምለሱ ሰሙናት ከምዘድሊ ድማ ተገሊጹ።

ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብኢራን ዝተፈጸመ እዩ ክትብል ከሲሳ እያ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐዮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብየመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ተፈጺሙ ንዝበል ሓበሬታ ነጺግዎ።

እቲ መጥቃዕቲ

ብቀዳም፡ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ስዕዲ ዓረብ፡ ብሰብኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ከም ዝተቓጸለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

የመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕሎም ከም ዘካየድዎ ገሊጾም።

ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ፡ ያሕያ ሳሪያ፡ ንመደበር ቴለቭዥን ኣልሚስራሕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 10 ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተሳተፋ ሓቢሩ።

ቴለቭዥን ኣልሚስራሕ፡ መደበራ ኣብ ቤይሩት ኮይኑ፡ ብጉጅለ ሑቲ እትውነን'ያ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መጻኢ ክቕጽል ከም ዝኽእል'ውን እቲ ኣፈኛ ኣጠንቂቑ እዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49712152

Last modified on Monday, 16 September 2019 11:48