ኤርትራ፡ ኣብቲ ሐሕማቑ ኣብ ቅድሚት

2019-09-14 07:40:21 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1724 times

ኣብ ርትዓውን ዘይሻራውን መድረኻት፡ ጉዳይ ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ኤርትራና ኣብ ጭራ ከም እትስራዕ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ” ዝበሃል፡ ይፍቶ ኣይፍቶ ነዚ ባዕሉ ዝዛረብ ኤርትራዊ ሓቂ ክኽሕዶ ኣይክእልን እዩ። ንሃገርና ናብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ሕማቕ ኩነታት ዝውረዳ ጠንቂ ህግዲፍ ባዕሉ ክንሱ፡ ፊትንፊት “ኣሜን” ኢሉ ኣብ ክንዲ ምቕባል ምስቲ ጉዳይ ዝምድና ዘየብሉ ደጋዊ “ዕባራ ምኽንያታት” ምቕራብ ከኣ ክብደት ዘይወሃቦ መህደሚኡ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ሓንቲ ካብቶም የማናይ ኢድ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኾኑ ብደዎም ዝሞቱ መጋበርያታቱ፡ ወ/ሮ ፎዝያ ሓሽም ነቲ ሓቀኛ ኩነታት ኤርትራ ዝድህስስ መረረን ቁጠዓን ዝደረኾ  ርኢቶን ሕቶን ደለይቲ ለውጢ፡ ኣፋ መሊኣ “ሓቂ እዩ” ወይ “ሓሶት እዩ” ክትብሎ ኣይከኣለትን። እቲ ክትብሎ ዝፈተነቶ፡ ካብቲ ጐይተኣ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ንኩሉቲ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን በደል ንኻለኦት ዘይኤርትራዊ ወገናት ኣላጊቡ ክሃድም ህርድግ ምባል እዩ። እቲ ካልእ ዝፈተነቶ ምስምስ ኩሉ ገበናቶም ምእንቲ ጸጥታን ድሕነት ኤርትራ ከም ዝተፈጸመ ኣምሲላ ንምቕራብ እዩ። ስደትን ፍልሰትን እንተበልካ፡ ብኩራት ፍትሒ እንተበልካ፡ ሕገመንግስቲ እንተበልካ ኮታ ክንደይ ኢልካ ክዝርዝር፡ ቅድምስ ንወያነን ኣሜሪካን ይላገብ ነይሩ፡ ሎሚኸ ንመንኮን ከላግብሉ ይኾኑ? ኣብ ጉዳይ እገዳ ምሕባእውን ነይሩ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ውግእ ስግኣት ውን ህግዲፍ ናይ ብዙሓት ግሩሃት ቀልቢ ስሒብሉ ዝጸንሐ እዩ። ሎሚ ግና እዚ መሕብኢ በዓትታ’ውን ፈሪሱ። ሎሚ ዘላ ሓንቲ መመሳመሲት ዘይጭበጥ ናይ “ከምዚ ክንገብር ንሓስብ ኣለና’ሞ ተጸበዩና” ዘይፍጸም ቆጸራታት ምሓዝ እያ።

ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ደረጃ ምዕባለ ሃገራት ምውድዳር ንቡር እዩ። ነዚ ዘሳልጣ ዓለም ለኻዊ ትካላት’ውን ኣለዋ። ኤርትራ  እውን ወዮ ደኣ ህደግለነ ዘየብሉ ምምሕዳር ወሪዱዋ እምበር፡ ልኡላዊት ሃገር እንድያ፡ ናይቲ ምውድዳር ኣካል ክትከውን ክንዕዘባ ጸኒሕና ኢና። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ኣብ ኩሉ ዝርዝራት ብቲ ዝኸፈአ ሸነኽ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ምዃና እዩ። ብብዝሒ ስደተኛታት ምስ ሃገራት ተወዳዲራ ኣብቲ ናይ ሕማቕ ጫፍ ካብ እትኹደጭ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ። ሕጂ እውን ካብኡ ኣይወጸትን። ብኩራት ሕገመንግስታዊ ስርዓትን መንግስታዊ ትካላትን፡ ስእነት ልዕልና ሕግን፡ ኣዝዩ ዘደንጹ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ምስዋር ዜጋታትን ክለዓል እንከሎ እውን ከምኡ። ብኩራት ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሃገሩ ክሕሰብ እንከሎ ከኣ፡ ኤርትራ ኣብ ጫፍ ናይቲ ዝሓመቐ ኣቕጣጫ ትርከብ። ዩኒቨርስቲ ምዕጻው፡ ናይ ብሕቲ መዲያ ዘይምህላው፡ ብዘይመንግስታዊ ኣካላት ዝመሓደራ ኣብያተ-ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ምርሳይን፡ ህዝቢ በዘይመረጾ መራሒ ብምምራሕ  እቶም ቀንዲ ኤርትራ ኣብ ድሕሪት እትስረዓሎም መዕቀንታት እዮም። እነሆ ከኣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ መሰልን ምእሳርን ጋዜጠኛታትን ተሪር ምቁጽጻርን (ሳንሱር) ኣብቲ ናይ ሕማቕ ዝርዝር ቅድሚት ከም እትስራዕ ነዚ ዝምልከቶ ዓለም ላኻዊ ትካል ነጊሩና። እንተኾነ ንሕና ኮነ ዓለምና ብናይ ህግዲፍ ኣሉታዊ ዜናታት ደንዚዝና ስለ ዝኾና ከም ሓድሽ ተረኽቦ ዝውሰድ ኣይኮነን። ምናልባት “ኣብ ኤርትራ ንክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ዜጋታት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም” እንተዝበሃል ግና እዝንና እንህቦ ዜና መኾነ።

ሓደ ጥዑይ መንግስቲ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዝተሓተ መስርዕ ክወርድ እንከሎ፡ ዘተሓሳስቦ ጥራይ ዘይኮነ ህጹጽ ፍታሕ ክረኽበሉ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ መኾነ። ጉጅለ ህግዲፍ ግና፡ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኮይንዎ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ዝሃንደሶ ስለ ዝኾነ፡ ኣየሻቕሎን ጥራይ ዘይኮነ ከም ጽቡቕ ግብሪ ዝፍክረሉን ዝንየተሉን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝሕዝን ከኣ ገለ ብግብሪ ግዳይ ወጽዓ ህግዲፍ እንዳኮኑ፡ ኣብ ጥራይ ከብዶምን ዝባነሞን “ንዓና ንሱ ጥራይ እሞ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ እዩ ዝኽእለና” እናበሉ ዘሻህርትዎን ናይ “ጽቡቕ ኣለኻ” ምልክት ዝህብዎን ምህላዎም እዩ። እቶም ምስ በዓል የማነ ገብረኣብ ክስዕስዑ ዝሓድሩ ናይዚኣቶም ኣብነት እዮም።

ኩሉ ግዜ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግዲፍ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ከነልዕል እንከለና፡ እቲ መልእኽቱ ናብቲ ጉጅለ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ደኣ ወዮ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ካባና ሓበሬታ ዝደልየሉ ኣይኮነን። ምናልባት ክፉእ ተግባራቱ ተረዲእዎስ ኣካይድኡ ከዕሪ እዩ ዝብል ተስፋ እውን የለን። ንሱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንህዝቢ ዝርህርህ ሕልና ከምዘየብሉ ኣረጋጊጹ እዩ። ደጊም ግዜን ቃልሲ ሓይልታት ለውጥን እንተዘይኣገዲድዎ  ህግዲፍ “ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን” ዝብሎን ዝሰርሖን የብሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ህግደፍ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ከጥሪ ኢልካ ምጽባይ ከም “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” እንወስዶ። እዚ ከብሃል እንከሎ ልቢ ህግዲፍ ናብ ምድረበዳ ካብ ተለወጠ ኣፍና ንሓዝ ማለትና ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ነዚ መንገዲ ጥፍኣት ዝመርጽ፡ ብኡ ኣቢሉ ዘዕውቶ ስለ ዘለዎ’ዩ። ስለዚ ነቲ ንሱ ዝረገጦ ናይ ለውጢ ኣፍደገ ባዕልና ክንከፍቶ ክንበቅዕ ኣለና። ካብዚ ውጻኢ ካልእ ምርጫ የለን።

ኣብዚ ሎሚ ዓለም ብሳላ ስልጣነ ከም ሓንቲ ገዛ እትምሰለሉ ዘላ ግዜ፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ጉዳይ ካብ ካልእ ተፈልዩ  ዝርኣ ኣይኮነን። እኳደኣ ዓለም ተጸላላዊት እያ። ምስዚ ኩሉ ግና ጥዑያት ምምሕዳራት ቀዳምነት ዝህብዎ ነናይ ገዛእ ርእሶም ህዝብን ሃገርን ረብሓ እዩ። ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ትሕቲ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ዝሰርዑ፡ ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ዘይሓላፍነታውያን ወጻዕቲ መራሕቲ ግና ዝምድና ኣብ ምፍጣር ኣይጽገሙን። ቀንዲ ዕላመኦም ከኣ ረብሓ ናይቶም መዛምድቶም ምምላእን ግላዊ ረብሓኦም ምድላብን ስለ ዝኾነ። ንኣብነት ኢሳይያስ ምስ በዓል ዓረብ ኤምረትን ሱዕድያን ክዛመድ እንከሎ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክብሪ፡ ረብሓን ስምዒትን ኣብ ግምት ስለ ዘይእትው ጁባኡ ክሳብ ዘየጉደልሉ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እናመጠወ ክዛመዶም ንድሕሪት ኣይብልን። ክበኣሶም እንከሎ እውን ከምኡ።

ስለዚ ኤርትራ ካብዚ ሕጂ ኣብ ኩሉ መዕቀኒ ናይ ሕማቕ ውጽኢት ኣብነት ኮይና ትጥቀሶ ዘሎ ወጺኣ ኣብ ንቡር መስርዕ ክትስራዕ፡ ናትና ሓላፍነት እዩ። እዚ ከኣ ምስ ምዕዋት ናይቲ ጌና ዘየዕወትናዮ ዘለና መስርሕ ለውጢ ጥራይ ዝረጋገጽ እዩ።

Last modified on Saturday, 14 September 2019 09:42