انعقاد الجمعية العمومية لمنطقة امريكا الشمالية
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي العاشر من ابريل 2016م عقدت القيادة الإقليمية لحزب الشعب الديمقراطي الارتري/ منطقة أمريكا الشمالية اجتماعاً لأعضاء الجمعية العمومية للمنطقة عبر الوسائط الالكترونية، علماً أن هذا الاجتماع هو الأول من نوعه الذي تعقده قيادة المنطقة منذ انتخابها في ديسمبر 2015م.
هذا وقد كانت نسبة الحضور والمشاركة في الاجتماع عاليةً للغاية، ترأس الاجتماع الأخ/ قالئاب كفلقرقيس رئيس المنطقة، وقد تركزت أجندة الاجتماع في الآتي:
- ما تحقق من إنجازات علي يد قيادة المنطقة رغم قصر المدة.
- مسئوليات ومهام أقسام المنطقة.
- مسئوليات وواجبات فروع المنطقة
- طموحات ومقترحات الأعضاء
بعد أن أجمل رئيس الجلسة مهام الاجتماع طرح مسئولو الأقسام والدوائر تفاصيل مهامهم وموجهاتهم. وأتيحت بعد ذلك الفرصة للأسئلة والتعليق علي حديث وتقارير القيادة. وقد أجمع المتحدثون علي الإشادة بأداء القيادة وأكدوا علي أن يقوموا هم أيضاً بدورهم وما يطلب منهم خير قيام، وشهدت القواعد بأن هذه القيادة قامت منذ نشأتها الحديثة نسبياً بلقاءات مع قيادات فروع المنطقة وعدد كبير من المهام والنشاطات. كما وضعت برنامج عمل نصف سنوي علي رأس أجندته عقد مؤتمر المنطقة، وتتابع تنفيذه بهمة ونشاط. واختتم الاجتماع أعماله بروح التفاهم والانسجام حول كل ما طرح.
ብመኽንያት ብሰንበት ዕለት 3 ምያዝያ ዝተፈጸመ ባርባርዊ ቅዝፈት መንእሰያትን ከምኡውን ሕጻናት ቆሉዕን ኣደታትን ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንቀዳም ዕለት 16.04.2016 ካብ ሰዓት 17:00 ክሳብ ሰዓት 19:00 ኣብ ሳልባው ኒድ በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ክግበር ምኻኑ ንሕብር።
SAALBAU Nied
Heinrich-Stahl-Straße 3
65934 Frankfurt am Main
ኩሉ በዚ ባርባራዊ ተግባራት ዝሓዝንን ብሃገሩ ዝሓምምን ኣብዚ ናይ ዘኽሪ መዓልቲ ብተገዳስነት ክሳተፍ ንላቦ።
ሓበራዊ ኣዳላዊት ሽማግለ ፍርንክፈርትን ከባቢኡን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
الرئيس يعقد اجتماعاً عاماً بفرانكفورت
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي التاسع من ابريل 2016م عقد الأخ/ منقستئاب أسمروم رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماعاً مفتوحاً بمدينة فرانكفورت الألمانية حضره جمعٌ غفير من الارتريين هناك، وقد افتتح الاجتماع الأخ/ إساق ولد ماريام بكلمة شكرٍ وترحيب بالحضور مع توضيح أهمية وأجندة الاجتماع.
أوضح أسمروم أن الاجتماع وإن كان وصلاً لتلك النوعية من الاجتماعات التي جرت من قبل عبر الوسائط الالكترونية، إلا أنه يكتسب ميزة خاصة لكونه يجري عبر الحضور والمشاركة وجهاً لوجه، ثم بدأ حديث عن ثلاثة أجندة رئيسية للاجتماع.
عن البند الأساسي أبان اسمروم أن الهدف الرئيس للحزب يتمثل في بناء ارتريا الدستورية الديمقراطية، وأن الانتقال من الدكتاتورية الي الديمقراطية إنما يتأتى عبر إجراء تغيير جذري وليس بمجرد خطوة متقدمة عن الوضع السابق أو تعديل إصلاحي كما يتخيل البعض.

ثم تطرق الي رسالة الحزب فذكر أنها تتلخص في: ضمان حرية الشعب، حماية السيادة الارترية، محاربة ثالوث الجهل والفقر والمرض، الدفاع عن حقوق الانسان، وأوضح بصفة أخص أن السيادة الجغرافية والشعبية تعنيان لدى حزبنا وجهين لعملة واحدة، فسيادة الشعب لا تعني شيئاً من دون الأرض وثرواتها والبحر وثرواته وأهميته الإستراتيجية، ومن ثم شرح مدى خطأ وخطورة ما يقوله البعض من أن سيادية الشعب هي المطلوبة وليس سيادية الأودية والجبال. وعن رؤية الحزب السياسية أبان أنها تتلخص في النقاط التالية:
1- الشعب مصدر السلطات وحجر الزاوية في التنمية السياسية، الاقتصادية والاجتماعية.
2- الإقرار بجدلية الوحدة والتعدد.
3- احترام الحقوق والحريات الأساسية للمواطن الارتري
4- تحقيق تنمية اقتصادية – اجتماعية عادلة.
5- حرية وسائل الاعلام واستقلالها عن سيطرة السلطة.
6- اتباع نظام الحكم اللا مركزي
7- الفصل بين دور الدولة ودور الدين
8- احترام القوانين والمعاهدات الدولية
وحول الوحدة والعمل المشترك أوضح أن نضال الشعب الارتري كان وما زال من أجل تحرير ووحدة ارتريا أرضاً وشعباً، وأن وحدة الأرض والشعب هدف مركزي لحزبنا، وأوضح بالسرد المزوَّد بالأمثلة أن مستعمري ارتريا لم يتركوا باباً في محاولات تفتيت وحدة أرض وشعب ارتريا إلا وطرقوه، لكن الشعب أفشل كل محاولاتهم، وذكر أمثلةً علي ذلك مشروع التقسيم البريطاني الذي كان يهدف الي تقسيم ارتريا بين السودان واثيوبيا ومشروع الدرق الاثيوبي بتقسيمها الي منخفضات ومرتفعات. وأن الشعب الارتري ختم نضاله السلمي والمسلح بتحرير بلاده وإعلان استقلاله الأبدي عن طريق الاستفتاء الشعبي تحت إشراف واعتراف الأمم المتحدة والمنظمات الإقليمية والقارية.
وعن رؤية الحزب حول وحدة معسكر المعارضة قال: إن ذلك يكون علي مستويين، مستوى الوحدة الاندماجية بين التنظيمات ذات البرامج المتقاربة والائتلاف الجبهوي العريض بين القوى المتباعدة فكرياً علي قاعدة الهدف القريب المتمثل في إسقاط الدكتاتورية وإبدالها بنظام ديمقراطي تعددي يتيح للجميع حرية التنافس علي قدم المساواة.
وخصص الشق الأخير من حديثه لشرح نشاطات وتطورات الحزب خلال الفترة من انفضاض مؤتمره الثاني وحتى الآن. وعن الوضع بالداخل تطرق بالتفصيل ضمن قضايا أخرى الي قضية مجزرة الثالث من ابريل 2016م التي ارتكبها النظام بالعاصمة أسمرا بحق مجندي الخدمة العسكرية الإلزامية والمدنيين من المواطنين. وناشد جميع قوى المعارضة إدانة ذلك العمل الإجرامي البربري.
ሰንበት ዕለት 3 ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዳግማይ ጸላም ሰንበት ህልቂት ኣቑርደት ኮይና ተመዝጊባ'ያ ሓሊፋ። ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ መዓንጣ ከብዱ ተቐሪጹ ብጓሂ ሕርር ኩምትር ኢሉ ንረኽቦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ መሪርን ኣሰልካይን ቃልሲ ናጽነቱ ምስ ተጎናጸፈ ከምዚ ዓይነት ባርባራዊ ህልቂት ዳግማይ ክወርዶ ፍጹም ኣይተጸበየን፡ እሞ ድማ በቶም ንስለኻ ንስለ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ተጋዲልና ዝበልዎ ጠላማት ሕድሪ ዝኾኑ መራሕቲ ህግደፍ።
ቶኪስካ ቅተል ዝብል መምርሒ ብዘይ ዕላዊ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ካብ ዝእወጅ ነዊሕ ኮይኑ አዩ። ክንደይ ጎዮም ዘይጸገቡ ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ ዕሸላት ኤርትራውያን መንእሰያት ብተመልከተለይ ኣብ ዶባት ኤርትራ ብምክትታል ዶባት ብዝበሃል ኣሃዱ ድራር ጥይት ኮይኖም እዮም። ንቡር ቀባሪ ዝሰኣነ ሬሳታቶም እውን ቀለብ ኣዛብእን ኣራዊትን ምዃኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ እቲ ብደው ዝደቀሰ ሕልና ኣልቦ ጥራይ አዩ። እዚ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛን ንዕቀትን ደረት ሓሊፍዎ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ኣስመራ ኣብ ማእከል ህዝብን ዕዳጋን ተፈጺሙ ኣሎ። አቶም እምቢ ንጉዱድ ባርነት ኢሎም ካብ ዘጓዓዕዝኦም ዝነበራ ናይ ጽዕነት ማኪና ክዘሉን ክሃድሙን ዝፈተኑ መንእሰያት ብወተሃደራት ህግደፍ ብጥይት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተረሺኖም ኣለው። ስጋብ ሕጂ ተረጋጊጹ ከም ዘሎ ህይወት 11 መንእሰያት ደም ከልቢ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ።
እቲ ኣዝዩ ዘሕፍር ድማ ወሃብቲ ቃል እቲ ጭፍራ ካብቲ ማኪና ክዘሉ ዝፈተኑ ተዓላሞ ሳዋ ብዝወረዶም ናይ ሞት ሓደጋ ንሓዝን ክብሉ ኣባጭዮም። ንሕና ኤርትራውያን ግና ነዚ ጨካን ስራዓት ዝፈጸሞ ሰፍ ዘይብል ግህሰት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ንኹንን። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኦክላንድን ምሉእ ቤይ ኤርያን ድማ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊ ቅንጸላ መንእሰያት ኮኒንናዮ። ካብ ምኹናን ሓሊፍና ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ህንጻ ማለት ስርዓት ህግደፍ ንፕሮፖጋንዳን፡ ራዕድን እከይ ተጋብራትን ዘዋፍረሉ ብምኻድ ንባርባራዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዑ ፖስተራት ኣብቲ መንደቕ ናይቲ ህንጻ ድሕሪ ምልጣፍ፡ ንክብሪ ግዳያት ጸላም ሰንበት ኣስመራ ድማ ሽምዓ ድሕሪ ምብራህ ሕቋፍ ዕንባባታት ኣንቢርናሎም። ነታ ኣብ ነዊሕ ዘንጊ ትሕት ኢላ ዝተሰቕለት ባንዴር ኤርትራ ድማ ብኽብሪ ተኺልናያ። ነቲ ንቡር ክብሪ ህዝብን ባንዴራን ዘይርድኦም ካድራት ህግደፍ ድማ ትርጉም ህዝብን ባንዴራን ከምዝፈልጡ ጌርናዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ህዝብና ኣሰርና ሲዒቡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ሓዘን ዕለት ምዃና ንምግላጽ ኣብ ዝኾነ ህሞት ስጋብ ኢሰያስን ስርዓቱን ዝእለዩ ባንዴራ ኤርትራ ኣትሒቱ ክሰቅል አውን ንላቦ። ህዝቢ ኤርትራ ከይደቀሰን ፍትሒ ከይረኸበን ምስ ዓማጺ ወጊኖም ዘዳኽሩን ዘጣቑን ንዘለው ደቂ ሃገር ሕልንኦም ንኽምርምሩ ናብ ልቦም ክምለሱን ዝጠልብ ተሪር ጻዊዕትና ኣሕሊፍና። እቲ አዝዩ ዘገርም አብቲ ዕለት እቲ ካድራትን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ለይታዊ ትልሂትን ጓይላን ንክገብሩ አብ ውሽጢ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ዝርከብ አዳራሽ ይተኣኻኸቡ ምንባሮም፡ ማዕረ ክንደይ ካብ ሰብኣውነት ሪሖቖም ሕልንኦም ሸይጦም ምህላዎም ዝተዓዘብናሉን ዝተገረምናሉን ኩነታት ተዓዚብና ድማ ነናብ ዝተበገስናሉ ተፋኒና።
ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰላም ኣየር ከየስተንፈሰ ሕልናና ፈጺሙ ኣይድቅስን።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ!!!
يماني قبرئاب علي البالتوك
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريقام المدعو يماني قبرئاب المسئول السياسي لحزب الهقدف الحاكم والساعد الأيمن للدكتاتور إسياس أفورقي بعقد لقاء علي البالتوك خصصه للمغتربين الارتريين وقد حضر اللقاء حوالي 250 مشاركاً من أنصار وأعوان الهقدف.
اللقاء الذي عقد في العاشر من ابريل 2016م كان الغرض منه، حسب بعض المشاركين، إعطاء جرعة معنوية استثنائية لقواعد الحزب التي ملت ويئست من خيرٍ أو تغيير نحو الأحسن يجريه حزبها وبالتالي لم تعد تهتم بدعم الحزب والدولة إلا تحت الاضطرار. وأضافت المصادر أن قبرئاب وفي محاولة منه للإيحاء بأن اللقاء لقاء عادي وروتنيني لعضوية ما تزال متمسكة بحزبها ومؤمنة بسياساته جعل عنوان اللقاء أشبه بلقاءات التنوير والتوعية الحزبية الروتينية والتي دائماً ما تحذر العضوية من مكائد الأعداء الحقيقيين والمفترضين وضرورة التصدي الواعي لها. أيضاً أوضحت المصادر أنه لم يفتح علي أيٍّ من الحضور فتح ملف الحدث المأساوي الأخير في البلاد، أي أحداث مقتل وإصابة عدد من مجندي الخدمة الإلزامية بالعاصمة أسمرا في الثالث من ابريل 2016م.
من جهةٍ أخرى أفادت مصادرنا أن الهقدف بات في الآونة الأخيرة قلقاً للغاية من انفلات الأمور وعدم السيطرة علي انضباط عضويته وما تعودت عليه من الانقياد والانضباط الصارم، حيث لم يعد سراً أن العضوية بدأت تجاهر بانتقاداتها لسياسات الحزب وتطالب بالإطلاق الفوري للسجناء السياسيين وإبداع الحلول لإخراج البلاد وشعبها من المأزق السحيق التي تنحدر اليه بخطى متسارعة.
هذا وسوف تشهد الأسابيع القادمة حملة تعبئة جديدة تحت عنوان عريض ( إنقاذ النفس وإطالة عمر السلطة "سلطة الحزب" ).
حزب الشعب الديمقراطي الارتري من ناحيته يناشد من لا يزال ذا ضميرٍ وطنيٍّ حي من عضوية الهقدف أن يستغل مثل هذه المنابر الحزبية في توصيل رسالة رفضه واحتجاجه ضد سياسات حزبه وإعلان تخليه التام واستقالته النهائية من عضويته.
የማነ ገብረኣብ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን የማናይ ኢድ ዲክታቶር ኢሳያስን ኣብ ከተማ ኣስመራ ኮይኑ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ንዝነብሩ ኣስታት 250 ዝኾኑ ደገፍቲ ህግደፍ ብፓልቶክ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይዚ ብ10 ማዝያ 2016 ዝተኻየደ ናይ ፓልቶክ ኣኼባ፡ ነቶም ካብ ህግደፍ ተስፋ ዝቖረጹን ሓድሽ ነገር ዝጠልቡ ዘለዉን ደገፍቲ ህግደፍ ንምብርባርን ኣቕጣጫ ቀይርካ ንምዝንጋዖምን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ካብቶም ተሳተፍቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። የማነ ገብረኣብ ናይቲ ኣኼባ ምስሊ ንምጽብባቕ “ንቕሓት ኣባላት ህግደፍ ክብ ንምባልን፥ ከመይነት ናይቲ ኣባል ህግደፍ ውዲት ጸላኢ ንምቚጻይ ክጻወቶ ዝግብኦ ግደ” ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝሃቦ ከኣ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ። እቲ ምንጪ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ዋላ ሓደ እኳ ነቲ ብ3 ማዝያ 2016 ኣብ ከተማ ኣስመራ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ዘይጠቐሶን ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖን ጠቒሱ።
እቲ ምንጪ ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ገለ ካብ ኣባላቱ “እሱራት ይፈትሑ፡ ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ዝወጽሉ ብልሓት ይረኸብ” ዝብሉ ሓሳባት እንዳ ኣልዓሉ ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ከዕልሉ ምጅማሮምን ካብ ምቁጽጻሩ እንዳወጸ ይኸይድ ብምህላዉን ኣዝዩ ኣሰኪፍዎ ኣሎ።
እዚ ናይ በዓል የማነ ገብረኣብ “ነብስኻ ናይ ምድሓንን ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕን” ወፈራ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሳምንታት እውን ክቕጽል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ እምበኣር ነዚ መድረኻት ጉጅለ ህግደፍ “ምሳኻ የለናን” ዝብልሉ ኣጋጣሚ ገይሮም ክጥቀምሉ ይግበኦም።
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፥ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፣ ብዕለት 09 ሚያዝያ 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣገዳስነት ናይቲ ኣኼባን ምስጋና ንተሳተፍትን ብዘቐደመ መኽፈቲ ቃል ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም እዩ ኣኼባ ተጀሚሩ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ መኽፈቲ ቃሉ፡ እቲ ኣኼባ መቐጸልታ ናይታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከካይዶ ዝጸንሐ ልዝብ እኳ ይኹን እምበር፡ ብኣኼባ መልክዕ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ክትላዘብ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ሰለስተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ሒዙ ምቕራቡ ገሊጹ።
ዕላማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ክገልጽ ከሎ፡ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ ኢሉ። ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር ከኣ፡ መሰረታዊ ለውጢ እምበር፡ ከም’ቲ ገለገለ ሸነኻት ዝብልዎ ጽገና ኣይኰነን ክብል ኣስሚርሉ።

ንተልእኮ ሰዲህኤ ኣመልኪቱ ድማ፡ ሓርነት ህዝቢ ምውሓስ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ምሕላው፡ ድኽነት፡ ሕማምን ድንቍርናን ምስዓርን ንሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕን ምዃኑ ኣብሪሁ። ሰዲህኤ፡ ልዑላውነት መሬትን ህዝብን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ቅርሺ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ። ናይ ህዝቢ ልዑላውነት፡ ብዘይ ናይ መሬትን ኣብ መሬት ዝርከቡ ጸጋታትን፡ ብዘይ ባሕርን ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ጸጋታትን፡ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣረዲኡ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ድማ፡ እቲ ልዑላውነት ናይ ህዝቢ እምበር ልዑላውነት ናይ ስንጭሮታትን ጎቦታትት ኣይኰነን ዘድልየና ዝብል ኣበሃህላ ግጉይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ራእይ ሰዲህኤ ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ነዞም ዝስዕቡ 8 ነጥብታት ጠቒሱ።
1. ህዝቢ ምንጪ ስልጣንን እምነ-ኵርናዕ ናይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ዕብየት ምዃኑ፤
2. ሓድነት ናይ ብዙሕነት ዝብል መትከል ይኣምን፤
3. መሰረታዊ ናጽነታት ኤርትራዊ ዜጋ ምኽባር፤
4. ፍትሓዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ዕብየት ምርግጋጽ፥
5. መራኸቢ ብዙሓን ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ናጻ ክዀኑ፤
6. ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕዳር ምኽታል፤
7. ግደ ሃይማኖትን መንግስትን ምፍልላይ፤
8. ኣህጕራዊ ስምምዓትን ውዕላትን ምኽባር።
ንጕዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓትን ኣመልኪቱ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ንናጽነትን ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምንባሩ ገሊጹ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ንሰዲህኤ ማእከላይ ዕላማ ኢዩ ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእቱ ዝተፈተኑ ናይ ምምቕቓል ፈተነታት ኣብነታት እናጠቐሰ ከምዘፍሸሎ ሓቢሩ። ናይ መግዛእቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምምቕቓል፡ ብስርዓት ደርግ ዝተፈተነ ናይ ቆላን ከበሳን ምፍልላይ መደባት ብሓድነቱ ኢዩ ኣፍሺልዎ ኢሉ። ብሰላማውን ብረታውን ተጋድሎኡ ንዘረጋገጾ ናጽነቱን ሓድነቱን ድማ ብሪፈረንደም ኣቢሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዛዚምዎ ኢዩ ኢሉ።
ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ብዝምልከት ከኣ፡ ርእይቶ ሰዲህኤ፡ ናይ ሓባር ራእይ ዘለዎም ውድባት ተጸናቢሮም ሓደ ውድብ ክምስርቱ፥ ዝተፈላለየ ራእይ ዘለዎም ውድባት ድማ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ሓቢሮም ክቃለሱ ዘኽእሎም ልፍንቲ ክምስርቱ ዝብል ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሰዲህኤ ድሕሪ ካልኣይ ውድባዊ ጕባኤኡ ዘካየዶም ኣገደስቲ ንጥፈታት ብዝርዝር ገሊጹ። ንህልዊ ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ ምስ’ቲ ኣብ 3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ባርባራዊ ናይ ቅትለት ስጕምቲ ኣዛሚዱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን ነዚ ኣረሜናዊ ተግባራት ብሓባር ክዅንንዎ ድማ ኣዘኻኺሩ።
ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ”ብኤርትራ ኣብ ልብና !!!” ዝተሰምየ ማሕበር ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ቆይሙ።
Written by ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበርመሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመርካ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ናይ ምሉእ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ
Written by Information Officeብሰንበት 10 ማዝያ 2016 መሪሕነት ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ (ሰ,ዲ.ህ.ኤ) ሰሜን ኣመሪካ ምሉኣት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። ድሕሪ ታሕሳስ 2015 ዝተኻየደ ምርጫ መሪሕነት ዞባ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣኼባ ከካይዱ።
ኣኼባ ብዝለዓለ ሱታፌ ኣባኣት እዩ ተኻይዱ። ኣኼባ ብኣቦ ወንብር ሓው ቃልኣብ ክፍለጊዮርጊስ ተመሪሑ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳታት ከኣ ኣትኵሩ ብስፍሓትን ዑምቆትን ተመያይጡ፤
· ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ መሪሕነት ዞባ ዘማልኦም ዕማማት
· ክፍልታት ዞባ ሓላፍነታተንን ዕማማታንን
· ናይ ጨንፈራት ግቡእን ሓላፍነተንን
· ትጽቢት ኣባላትን ምኽርን
ኣቦ ወንበር ዞባ ንዝተመዘዘ ነጥቢ ኣጀንዳ ተንቲኑ ድሕሪ ምግላጹ ሓለፍቲ ክፍልታት ድማ ብወገኖም ዕማማቶምን መምርሒታቶምን ንኣባል ኣላለዩ። ድሕርዚ እኹል ግዜ ንሕቶን መልስን ተዋህበ። ኣባላት ሓዳስ መሪሕነት ክሳብ ሕጂ እተርእዮ ዘላ ኣገባብ ኣሰርርሓን ኣተሓሕዛ ዕማማትን ድሕሪ ምንኣድ፡ ዘይሕለል ምትሕብባሮም ኣብ ጎድኖም ከምዘሎ ኣረጋገጽሎም።
መሪሕነት ዞባ ካብ እትምረጽ ጀሚራ ኣኼባታት ናይ መራሕቲ ጨናፍራትን ካልኦት ኣገደስቲ ዕማማትን ንጥፈታትን ተካይድ ከምዘላ ተመስኪሩ ኣሎ። ናይ ሽዱሽተ ወርሒ መደባት፡ ዞባ ጕባኤ ዘማእከለ፡ ኣውጺኣ ብዕቱብ ተታሒዛቶ ከምዘላ ተሓቢሩ። ኣኼባ ብመንፈስ ምርድዳእን ምክብባርን እዩ ተኻይዱ።
North America: EPDP Zoba Leadership Hosted All-Members Conference
Written by Information OfficeOn April 10, 2016 North America (USA & Canada) EPDP Zoba Leadership hosted all–members teleconference meeting. This is the first conference of this magnitude after its election in December 2015.
The meeting was attended by overwhelming majority of members. The Zoba chairman haw Kalaab Kifleghiorghis lead the meeting and the main agendas were the following:
· Zoba leadership’s progress report
· Zoba’s departments responsibilities and tasks
· Branch responsibilities and activities
· Members expectation and suggestions to zoba
The Chairman discussed the agenda points in depth and detail. Each zoba office leaders also briefly present their tasks and responsibilities. Lengthy questions and answers session was given and covered all topics. Zoba members expressed their satisfaction with the performance of Zoba Leadership and pledge to collaborate to their ability to achieve the objectives.
Since its election, the Zoba Leadership have engaged in meetings with branch leadership and outlined action plan for the next six months which includes zoba congress. The meeting ended with high spirit of respect and civility.
More...
ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ”ብኤርትራ ኣብ ልብና!!!” ዝተሰምየ ማሕበርኣብ ከተማ ዮተቦርግ ቆይሙ።
Written by ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበርእቲ ብዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሃገረ ሽወደን”ኤርትራ ኣብ ልብና !!! ”ዘርእስቱ ኣገዳሲ ሰሚናር ንኩሉም ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ምስ ስደተኛታት ዝሰርሑን መማህራን ብዘሕደሮ ጽልዋን፡ ሲዒቡ እውን ኣብ ናይ ሃገር ሽወደን ተለቪዝዮን ልክዕ ሓቀኛ ሃለዋት ሃገርና ስለ ዝተቃልሔ እንሆ ንቀጻልነቱ ብግዱሳት ሽወደናውያን ፈተውቲ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን፡ ኤርትራውያንን ብሓባር ማሕበር ኣቊሞም፡ ዓመታዊ ጉባኤ ብዕለት 28/03/2016 ኣካይዶም ስሩዕ ንጥፈታቶም ከም ዝጀመሩ ነበስር። እዚ ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ብ ”ኤርትራ ኣብ ልብና!!!”ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነትን ዉህደትን ዝሰረቱ እዩ። ኣርማን መለለይን ማሕበር ከኣ ሰንደቅ ዕላማ ሃገር ሽወደን ብቅርጺ ልቢ ኮይና ፡ ኣብ ማእከላ ከኣ ብሰማያዊት ሕብሪ ቅርጺ ኤርትራ ክኸውን ትርጉም ሓዘልን ዘኩርዕን ኣርማ ኮይኑሎም ብሙሉእ ድምጽን ጣቅዒትን ብደስታን ኣርጊኦምዎ። ቀጺሎም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ከኣ ንዓመተ 2016-2017 እተማእክል ሽማገለ መንእሰያትን ሽወደናውያን ዝኣባላታ መሪጾምመስራቲ ጉባኤ ብዓወት ዛዚሞም።
الأخ/ تسفاي ولد ميكائيل يجتمع بفرع أديس أبابا
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي الثامن من ابريل 2016م اجتمع الأخ/ تسفاي ولد ميكائيل ( دقيقة ) مسئول دائرة الشؤون التنظيمية بالمكتب التنفيذي لحزب الشعب الديمقراطي الارتري بفرع الحزب بأديس أبابا. تناول الاجتماع بالشرح المفصل مبادرة حركة مدرخ لجمع الصف الارتري المعارض في لقاء نيروبي ونتائجها وما تمخض عنها من لجنة اتصال الأخ/ دقيقة عضوٌ بها ثم تطرق الي مجمل الوضع الحزبي الخاص والارتري العام.
وبخصوص لجنة الاتصال المؤقتة ذكر دقيقة أن اللجنة بالإضافة الي اجتماعها التفاكري بأديس أبابا التقت بجميع القوى المعارضة، سواء تلك المشاركة في لقاء نيروبي أو التي لم تشارك، واتفق الجميع علي أهمية مواصلة اللقاءات الثنائية كانت أو الجماعية.
من جهةٍ أخرى أبان دقيقة أن الحزب بذل ولا يزال يبذل أقصى جهد ممكن في سبيل تذليل العقبات أمام انعقاد لقاء تشاوري شامل لجميع قوى المعارضة الارترية، وأضاف أن علي الجميع أن يضع هذا الهم في أول سلـَّــم أولوياته للعمل سوياً من أجل الخروج من هذا المأزق الذي أعاق بل شلَّ حركة المعارضة عن كل حراكٍ إيجابيٍّ شامل. وشدد علي أن وضع ارتريا اليوم لا يحتمل التمهل والتلكؤ في جمع الصف للتعجيل بوضع الحد لحالة التداعي والانهيار التي يتعرض لها الوطن. وعلي ذات النمط وجه النداء الحار لقوى المرأة والشباب بالالتحاق بهذا الحراك النضالي المتسارع للجماهير الارترية.
بعد إتاحة الفرصة لعضوية الاجتماع وردت الي المنصة الأسئلة والملاحظات التالية: ما العقبات والتحديات الماثلة أمام لجنة اتصال مبادرة نيروبي؟ ما أهم إنجازات المبادرة حتى الآن؟ ما تقييمكم لمدى انتشار وتنامي روح العمل المشترك في أوساط مكونات المعارضة؟ ما دور ومكانة منظمات المجتمع المدني في المبادرة؟ هل أحرز الحزب تقدماً إيجابياً في النشاطات ذات الطابع الجماهيري والمشترك؟
هذا وقد وجدت الأسئلة الإجابات الشافية، وفي ختام اللقاء أكد دقيقة أن مهمة إسقاط الدكتاتورية وتنصيب الديمقراطية ليست بمهمة أحادية المسئولية، بل مسئولية مشتركة تخص جميع قوى الديمقراطية والتغيير سواء العامل منها في حقل النشاط النضالي أو الجالس علي رصيف العمل الوطني العام.
ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ8 ማዝያ 2016 ምስ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ንሱ ኣብዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ዘካየዶ ኣኼባኡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ እታ ኣብ ናይ ናይሮቢ ብተበግሶ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ዝተጋበአ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝቖመትን ንሱ ዝኣባላን ግዚያዊት ኮሚተን ዝተፈላለዩ ሰልፋውን ኤርትራውን ጉዳያትን ኣብዚ ኣኼባ መብርሂ ሂቡ። ኣብ’ዚ መብርሂኡ ከም ዝገለጾ፡ እታ ግዝያዊት ኮሚተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባኣ ኣብ ርእሲ ምክያዳ፡ ምስ ኣብ ኣኼባ ናይሮቢ ዝተሳፋን ዘይተሳተፋን ተቓወምቲ ውድባት ሃነጽትን ኣብ ቀጻሊ ኣኼባ ንምብጻሕ ዝሕግዙን ርካብት ኣካይዳ፡ ጠቐምቲ ሓሳባት ክትረክብ ከም ዝኸኣለት ሓቢሩ።
ብጻይ ተስፋይ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ንኹለን ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ክሓቁፍን፡ ደንበ ተቓውሞ ካዚ ኣትይዎ ዘሎ ወጥሪ ከውጽእ ተስፋ ዝተነብረሉን መጻኢ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ንምብጻሕ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ቅሩብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዘየዕወተና ኣካይዳ እንነብር፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክንሰግር ከም ዝግበኣና ብምጥቃስ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃለዋት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ምስ ገለጸ ከኣ፡ እቲ መዋጸኦ ሓቢርካ እምበር በበይንኻ ዝመጽእ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ። ኣብዚ መብርሂኡ ንግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብዚ ንኸዶ ዘለና ናይ ለውጢ መስርሕ ወሳኒ ምኻኑ ጠቒሱ ተሳትፎኦም ክሕይሉ ጸዊዑ።
ድሕሪ’ቲ ሰፊሕ መግለጺኡ፡ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስተኸፍተ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ ቅድሚ ግዚያዊ ኮሚተ ናይሮቢ ዘሎ ብደሆ እንታይ’ዩ? ምምኽኻራዊ ርክብ ናይሮቢ ክሳብ ሕጂ እንታይ ኣውንታ ኣመዝጊቡ ክበሃል ይከኣል? ኣብ ውድባት ተጠርዩ ዘሎ ብሓባር ናይ ምስራሕ ዝንባለ ከመይ ትመዝኖ? ግደ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ መስርሕ ተበግሶ ናይሮቢ ከመይ ክኸውን’ዩ? ህልዊ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ … ዝብሉ ዝርከብዎም ብዙሓት ሕቶታት ቀሪበምሉ ዝርዝር ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዲክታቶር ኣሊኻ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካእ ከቢድ ሓላፍነት፡ ንውሱናት ውድባት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ለውጥን ራህዋን ዝብህግ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምጥቃስ ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ጸዊዑ።
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ልወጢ ነቲ ብሰንበት ሚያዝያ 3 2016 ኣብ ሕንብርቲ ከተማ ኣስመራ ዘጋጠመ ባርባራዊ ቅዝፈት መንእሰያትና ዝተሰማዓና መሪር ሐዘን እናገለጽና ንቤተሰብ ግዳያት ጽንዓት ይሃብ ንብል። በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስቃይ እቲ ኣብ ማእከል ስርዓት ህግደፍ ኾይኑ ሐሳረ መከርኡ ዝሪኢ ዘሎ ህዝብና ንከብቅዕን ኩሉቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ኣረሜናዊ ግፍዕታትን ካብ ምቅላዕን ምቁዋምን ሐንቲ ካሊእት’ውን ትኹን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ስለዝኾነ ድማ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣረሜናዊ ፍጻሜ ሐዘና ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኾነስ ንህዝብና መጸዋዕታና እነቕርበሉ ሰዓት እውን’ዩ።
ኦ- ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡
እዚ ሎሚ ኣጋጢምካ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ መቀጸልታ ናይቶም ፍርቂ ኣካላቶም ኣብ በርካታት ኤርትራ ቀቢሮም ዝኣተዉ ሐርበኛታት ስንኩልላን ማይሓባር ዝተፍጸመ’ዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ መቀጸልታ ነቲ ንሱ ባዕሉ ብስዉር ዝወለዖ ወራር ዓደቦኦም ከይድፈር ጅግንነት ዝፍጸሙ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ እስርቤት ዓዲ ኣቤቶ ብደ ርዘናት ዝፈጸሞ መቅዝፍቲ’ዩ ። ሎሚ ድማ ስጋብ ክንደይ ንጽንተትካ ተበጊሱ ምህላዉ የዓሪካ ክትፈልጦ መሬትካ’በር ንስካ ከምዘይ ተድልዮ ይነግረካ ምህላዉ ከተስተውዕል ይግባኣካ።እሞከደኣ ስቅታካ ክሳብ መኣስዩ። እዚ ሕሱም ኣረሜናዊ ስርዓት’ዚ ዳስ ሐዘን’በር ዳስ መርዓ ወይ ሓጎስ ክትተክል ዘይምነየልካ፡ ውሉዳትካ ካብ ቅድሚ ዓይንካ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡን ኣደዳ ባሕርን ሸየጥቲ ደቂ-ሰባትን ክኾኑ ንስካ ድማ መዓልታዊ ተቀባሊ መርድእ ኾንካ ክትነብር፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝትረፉ’ውን እንተኾነ ዕደመ ንእስነቶም ኣብ ዘይውዳእ ባርነት ቆሪኑ ጸልማት መጻኢ ሂወት ክሕልፉን ነዚ መሪርዎም እንተ ተቃወሙ ድማ ከምዚ ኣብ ቕድሚ ዓይንካ ዝረኣካዮ ብዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ግፍዒ ብጥይት ክቅለዉ ዝገብር ዘሎ ደመኛካ ሕሱር ስር ዓት ዓይንካ ከፊትካ ብትብዓት እትምክተሉ ሰዓት ሕጂዩ።
ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቅታካ ከምዚ እንተ-ቀጺሉ ስቓይካ ክቅጽል ጥራሕ ዘይኾነስ ህላዌካ ከም ህዝቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱውን’ዩ። ውሉዳትካ ሲኢካ ከይኣክል ነታ ብፍርቂ ከብድኻ እናሓድርካ ተዓምጺጽካ እትሓድረላን መርድእ ወሉዳትካ ተዓጺኻ እትነብዓላን ጎጆካ ብዶዞራት ኣፍሪሱ ኣብ ኣሳሓይታን ንፋስን ተቃሊዕካ ኣደዳ ዘይፍወስ ሕማማትን ሞትን ክትቃላዕ ጌርካን ጌና’ውን ይቅጽል ኣሎ። እሞከዳኣ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ነባሪ ህዝቢ’በር ነባሪ ስርዓት ከምዘየለ፡ ቃልሲ ውጽዓት አንጻር ጨፍለቕቲ ስርዓታት ድማ ኩሉ ግዜ ከምዝዕወት ኣሚንካ ንመሰልካ እትለዓለሉ ግዜ ሎምን ሕጅን ጥራሕ’ዩሞ ንመሰልካን ክብርኻን ተለዓል።
መጸዋዕታ፣ ንደገፍትን ተደናግጽትን ስርዓት ህግደፍ፡
ስቃይን መክራን ፣ሞትን ብርሰትን ህዝብኹም እናራኣኩም ከምዘይ ራኣኩም፡ እናሰማዕኩም ከምዘይ ሰማዕኩም ንህዝብኹም ክትብድሉን ከተንብዑን ጸኒሕኩምን ገና’ውን አለኹም። እዚ ኣብ ታሪክ ህዝብኹም ዘይድምሰስ ኣበሳ በቲ ንሱኹም እታኣምንሉን እተሳስይዎን ስርዓት መንእሰያት የሕዋትኩም ክጸንቱ፡ ሃገር ክትበርስ፡ የዒንቲ ኣደታትኩም ብንብዓት ሓዘን ክዓውር ፡ ስንኩላን ሓርበኛታትኩም ብመንግስቶም ክርሸኑ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ሐርበኛታት የሕዋትኩምን ኣያታትኩምን ኣብ እስርቤት ብዘይ ፍርዲ ክሞቱን ክሳቐዩን እናራኣኹም ብውሽጥኹም እቲ ሐቂ እናበልዓኩም ንግዚያዊ ረብሓኹም ክትብሉ ብህዝብን ሃገርን ትጻወቱ ምህላውኩም ተገንዚብኩም ኣብ ጎኒ ውጽዕ ህዝብኹም ደው ክትብሉን፤ ዝተረፈ ህዝብኹም ካብ መከራን ስቃይን ክድሕን፡ ነዚ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ተጠቂምኩም ነቲ ዓማጺ መንግስቲ ክትኩኑኑን መጸዋዕታ ካብ ውጹዕ ህዝብኹም ይቐርበልኩም ኣሎ።
እታ ክትጸንትን ክትበርስን ዓይንኩም ዓሚትኩም እተጥፍእዋ ዘለኹም ሃገር ምስየናይ ወሎዶ ክትነብሩላ ኢኹም ትሓልሙ ዘለኹም። ዘፍርን ዝወልድን መንእሰይ ንክጸንት ትፈርድዎ ከም ዘለኹም ይስቆረኩ’ድዩ። ስለዚ ነታ ሕጂ ብዋጋ ህዝብኹም እተውደኽድኹላ ዘለኩም ሃገር ጽባሕ ናይቶም ስቓይን መከራን ዘሕልፉ ዘለዉ ዜጋታት ደቃ ምካና ኣይትዘንግዑ። ሰለምንታይሲ ነባሪ ህዝቢ’በር ነባር ስርዓት ሰለዘየለ። እምባኣር ነዚ ሓቂ’ዚ ተረዲእኩም ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብኹም ክትስለፉ ዳግም ህጹጽ መጸዋዕታ ይቀርበልኩም ኣሎ።
እንቢ ንምልኪ!!
እወ ንልዕልና ሕጊ!!
በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሚያዝያ 7 2016
