الاستبداد السياسي والتهميش عدوان على الوحدة الوطنية
Written by إبراهيم محمد علييشهد التاريخ السياسي لبلادنا منذ رحيل الاستعمار الإيطالي إثر هزيمته في الحرب العالمية الثانية في أربعينيات القرن الماضي، بأن أجيالاً من أبناء إرتريا المخلصين لوطنهم قد ناضلوا دون هوادة لعقود في سبيل تقرير مصيرهم وبناء دولتهم الوطنية الحديثة والديمقراطية، غير أن نضالاتهم تلك لم تحقق شيئاً وراحت تضحياتهم هدراً دون تحقيق الهدف المنشود؛ وذلك جراء طموحات الهيمنة والانفراد غير المشروعة لبعض السياسيين الانتهازيين، الذين لم يتورعوا يوماً حتى عن الاستقواء بالأجنبي في مواجهة أبناء وطنهم للوصول إلى مآربهم الدنيئة. ففي مرحلة تقرير المصير الأولى في أربعينات القرن الماضي استجابت قيادة تيار الاندماج للأطماع التوسعية لنظام الإمبراطور هيلي سلاسي، وتحالفت معه واستقوت به ضد التيارات الوطنية الاستقلالية. ومع أنها فشلت في الانتصار لمشروع الاندماج، فقد نجحت في إلحاق إرتريا بإثيوبيا فدرالياً، والذي سرعان ما حولته إثيوبيا إلى احتلال مباشر، فكان الشرارة التي عجلت باندلاع الكفاح المسلح في العام 1961م .
ወይዘሮ ኣማል ዓሊ መሓመድ ሳሊሕ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ጋዜጠኛን ራድዮ ኣቕራቢትን ኣብ ፓል-ሓርነት
Written by ኣድሚን ፓል-ሓርነት
Paltalk Eritrean Harnet Discussion Room
ዕዱም ጋሻ፡- ወይዘሮኣማልዓሊመሓመድሳሊሕካብዓዲእንግሊዝጋዜጠኛንራድዮኣቕራቢትን
ንዕለት፡- ቀዳም 20-09-2014
ዛዕባ፡- ግደናይመራኸቢብዙሃንንሓላፍነትናይምሁራትንኣብምህናጽመራኸቢድልድል
ሰዓት ፡- 20፡00 ብበርሊን ኣቆጻጽራ
ብደሓን ምጹ
Invites all:-
Guest speaker: Mrs. Amal Ali Mehamed Salih journalist from Great Britain
Topic: the role of media and the responssibility of intelectuals in building the bridge.
Date: - Saturday 20-09-2014
Time:- 20:00 Berlin time
02:00 New York
11:00 Vancouver Everyone is welcome
تدعو غرفة حرنت بال للحوار جميع المهتمين بالشأن الوطني الإرتري إلى أمسية حوارية.
يوم السبت 20-9-2014 تحت عنوان: دور الإعلام ومسؤولية المثقفين في بناء إعلام فاعل يساهم في تحقيق التواصل البناء.
ضيفة الأمسية السيدة الإعلامية آمال علي محمد صالح
بداية الأمسية ستكون في تمام الثامنة مساءاً بتوقيت برلين واتاسعة مساء بتوقيت إرتريا.
أسرة الغرفة ترحب بجميع الضيوف من أجل بناء أرضية صلبة للرأي والرأي الآخر.
EMDHR 18 SEPTEMBER STATEMENT
Written by THE ERITREAN MOVEMENT FOR DEMOCRACY ADN HUAN RIGHTS (EMDHR)
Today marks the 13th year since 11 of the members of the G-15, high ranking officials and prominent leaders of the EPLF were arbitrarily arrested after they called for the implementation of the 1997 ratified constitution. Their arrests were preceded and followed by the arrests of many innocent Eritreans including most of the editors and journalist of the fledgling private newspapers which also were closed. All of them have never been officially accused of any crime and have never been brought before any court of law. They have been denied any family visitation and they have never had any legal representation whatsoever. They are detained in remote area called Ela-Ero and other secrete prisons and usually put in solitary confinement. They are believed to be held in very degrading conditions including psychological and physical torture. They are denied medical treatment and most them had chronic medical conditions such as asthma, and diabetes.

Svensk-eritreansk Samarbetsorganisation
För demokratiutveckling
ኣገዳሲ ሕዝባዊ ሓበረታ
ስዊደናዊ - ኤርትራዊ ምሕዝነት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ መበል 53 ዓመትን፣ መበል 13 ዓመት ናይቶም ብ 11 መስከረም 2001 ብህግድፍ ዝተኣስሩ ፖሊቲካውያን መራሕትን ፣ ጋዜጠኛታትን ንምዝካር፣ ንኩሉ ብህዝቡ ዝግደስ ብክብሪ ይዕድም።
ንቀዳም ዕለት 20 መስከረም 2014 ፣
ግዜ፣ 14.00-21.00
ቦታ፣ Lötsjövägen 29 B- Hallonbergen Centrum- T- Bana mot Akalla
መደብ ምሸት
1. ንኡስ ዘተ ምስ ፖሊቲካውያን
2. ቃል- መስከረም
3. መዘናግዒ
ምስ ሰላምታ
ኣካያዲት ምሸት
"ዘይተሰምዐ'ምበር ዘይተገብረስ የለን" ኢሎም ክዛረቡ ዝሰማዕኩም ብዙሓት ኢኹም። ምኽንያት ናይ'ዚ ከኣ ገበርቲ እከያት ኩሉ ግዜ፡ ዕለተ ዕለት ካብ ስርሖም ስለዝየቋርጹ ንብዙሕ ተንኮላት ስለዝፍሕሱን ዝኣልሙን ዝፍጽሙን፡ እቲ ግሩህ ሰብ ኣየስተብህለሉን፡ ከይሰምዖ ይሓልፎን። እሞ ኩሉ ግዜ ነቲ እከይ ተግባራት ደንጕዩ እዩ ዝሰምዖ። ሓድሽ ነገር መምስ ሰምዑ ከኣ እዚ በደል መዓስ ተፈጺሙ፡ እዚ ስርሓት መዓስ ተፈጺሙ ቢሉ ይሓትት'ሞ፡ እዋእ እዚ ደኣ ኩሉ ዝሰምዖን ዝፈለጦን እንድዩ ኣበይ ነይርካ ምስተባህሎ፡ ወይ ሰብ ደቀይ እሞ ዘይሰማዕናዮ እምበር ዘይተገብረስ የሎን ይብሉ።
መኣዲ ዘተ (ወልተም) ምስ ሓው ኵሉብርሃን ኣብርሃም ኣብ ፓል-ሓርነት
Written by ብኣድሚን ፓል-ሓርነትብዕለት 13-09-2014 ኣብ መስኮት ሓርነት (ፓል ሓርንነት) ‘’ኣዓዋቲ ስትራተጂ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ‘ዝብል ኣርእስቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ሓዘል ምይይጥ ብሓው ኩሉብርሃን ኣብረሃም ክቐርብ ከሎ ነዚ እርእስቲ እዚ ንምህብታሙን ዕምቈት ዘለዎ ትሕዝቶ ንምሃብን`ዶክተር ኣዳነ ምስ ሓው ተስፋኣለም ዝተሳተፍዎ ምይይጥ ኣብ ፓል ሓርነት ተኻይዱ።
እዞም ሰለስተ ኣሕዋት ኣባላት ኤምዲሰመ( ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ)ክኾኑ ከለዉ ካብ ነዊሕ ግዜ ነዚ ኣብ ሃገርና ካብ ምስግጋር ኢሉ ብግዜያዊ መንግስቲ እናበለ ንሃገርና ገቢቱ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ጸምዱ ሒዝዎ ዘሎ ሃገርን ህዝብን ናጻ ንምውጻኣ ዝተቓለሱን ዝቃለሱን ዘለዉ ንጡፋት የሕዋት ኮይኖም ንህዝብና ብስራሕ ፈሊጥካ እትቃለሰሉ ባይታ ንምጥጣሕ ዝጽዕሩ ጥራይ ዘይኮኑስ ንኩሉ ደላይን ተቃላሲ ፍትሒን ንምንጋስ ዲሞክራሲ ንምጥጣሕ ብሓባር ዝስርሓሉ ፍልልያቱ ሓልዩ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ዘቐድመሉ ሰፊሕ ባይታ ወይ ጽላል ዝከናወነሉ ኣብ ጐደና ዕዮ ዝርከቡ ዘለዉ እውን እዮም። ከምዚ ኣብ ላዕል ተጠቒሱ ዘሎ እርእስቲ ሓው ኩሉብርሃን ኣብ መእተዊኡ ህዝብና ኣብዛ እዋን እዚኣ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ናጽነት ብዘይ ሓርነት ዝነብር ዘሎ። ነዛ ናጽነት እዚእ ካብ ግዚያት ጣልያን እንግሊዝ ኢትዮጵያ ንኽናገፍ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ግና በቲ ተስፋ ኣንቢሩሉ ዝነበረ ናጻ ዘምጽኡ ደቁ ዘይተጸበዮ ፍትሒ ቅዋም ሰላም ራህዋ ሓሪምዎ ጥራይ ዘይኮነ ግዳይ ማእሰርቲ ቅዝፈት ጽንተት ህዝቢ እውን ዝስዕብ ባድኖት ስርዓተ ሕጊ- ህዝቢ ዝጠምር ዘሎ ጉጀለ ሕሱም ውልቀ መላኺ ስርዓት እሳያስ ካብ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮምን ዝእስሩን ዘለዉ እንዝክረሉ ዕለት 18-09-2014 እኳ እንተኾነ ስእልታቶም ዘለና ምስክርነት እነብርሃሉ ወርሕን እውን እዩ እናበልኩ ንኹሎም ስውኣትና ናይ ሓደ ደቂቅ ሕልናዊ ጸሎት ንግበር ክብል ንሓደ ደቂቅ ኣኽበረ። ቀጺሉ ሓደ ንፍትሒ ንዲሞክራሲ ንልኡላውነት ሃገር ሓድነት ህዝብን ንቃለስ ክብል እንተደኣ ኮይኑ ኣቐዲሙ ንጹር ዝኾነ ራኢን ውጥንን ክህልዎ ይግባእ። እዚ ካብ ኮነ እዘን ወይ ኣዞም ኣብ ቃልሲ ኣለና እንብል ውልቀሰባት ውድባት ምንቅስቓሳት ሰልፍታት እዚ ራእን ውጥንን ኣለዎምዶ?
ብፍላይ ኣባላት እዘን ውድባትን ምንቅስቓሳትን ንመሪሕነቶም ብንጹር ይፈልጥዎምዶ?
በቲ ዘውጽእዎ መደብ ዕዮን ንዑኡ ዘገልግል ሕጊ ዘጽደቕዎ ተቐይዶምዶ ይኸዱ? እዚ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ኣልዒልካ ክተምራመረሎም ምስ እትፍትን ፈጺሞም ዘየማልእዎ ወይ ዘየተግብርዎ እኻ ትርኢ። ከም ኣብነት ተኣኪብካ ምፍንጣሕ፡ ቀዳምነት ክወሃብ ዘለዎ ገዲፍካ ኣብ ደቂቅ ነገራት ኣቲኻ ሃለክትን መፈላለዪ ጭርሖታት ኣልዒላክ ምርሕሓቕ ምንጽጻግ ፖለቲካዊ ክሲ ኣብ ነንሓድሕድካ ምዝውታር ክሳብ ከም ፈራዲ ኰንካ ካብ ግዜ ንእስነቶም ኣትሒዞም ዝተቃለሱ በቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተገብረ ገበናት እናዘከርካ፣ ኣብዚ ስርዓት ሓላፍነት ሒዞም ዝነበሩ በቲ ኣብኡ ከለዉ ዝተገብረ ገበናት ተሰከምቲ እዮም እናበልካ ዝግበር ኣፋዊ ቅንጸላታት እንሰምዖን እንከታተሎን ዘሎና ዕለታዊ ብድሆታት ምስክር እዩ። እዚ ዝኽነሉ ከኣ እቲ ፈሊጥካ ኑጹር ራኢን ውጥንን ሒዝካ ንምቅላስ ብቅዋምነት ስቪላዊ መሰል ደቂ ሰባት ኣብዚ ዝተመርኰሰ ግዝኣተ ሕጊ ንምትካል ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ ብዝተፈላለዩ መሳርሒታት ማለት መጻሕፍቲ ሰሚናር ብመራኸቢ ብዙሃን ብውልቀ እውን እናተራኸብካ ፍልጠት ወይ ንቅሓት ክብ ምባል ጌና ዓቢ ስራህ ይጽበየና ኣሎን ክንገብሮ ዘለና ምዃኑን እዩ። እዚ ሎሚ ምሸት በዚ ብኣኹም ኣብ ፓል ዓዲምካ እሂን ምሂን ምባል ክትዕ ወይ ዘተ ምቕራብ ሓደ ኣብነት እዩ።እስከ ንሕስብ ኩሉ ግዜ ለውጢ ለውጢ ትብል ቃል ቀላል እኮ ኣይኮነትን። እንታይ ዓይነት ለውጢ፡ ካብዚ ዘሎ ስርዓት ዝኸፍአ ለውጢ ከይመጽእ ተጠንቂቕካን ዓሚቝ ፍልጠት ለውጢ ንፍትሒ ዲሞክራሲ ክተንግስ ቀሊል ጉዕዞ ኣይኮነን። ስለዚ ቅድም ብሰውነትካ እያ ለውጢ ትጅምር። ሕድገት ንጽህና ብሩህ ራኢ ኣገልጋሊ ዲሞክራሲ ሓቢርካ ምንባርን ምስራሕን ሰናይ ድሌት ምትእምማን ንዘተ ቅሩብ ምዃን መጽናዕቲ ሃብቲ ሃገር ከመይ ዝኣመሰለ መሪሕነት ኣብ ዲሞክራሲ ወዘተ ዘኣመሰሉ ክኢላታትና ኣወሃሂድና ኣዛሚድና ክእለቶም ከወፉዩልና ንምግባር እቲ መሳርሒ ናይ ፍልጠት ኢልና ጠቂስናዮ ዝነበርና ብምጥቃም ካብ ነፍስና ንሕብረተሰብና እዚ ለውጢ ክንጸምዶ ይግባእ። ነዚ ክውን ንምዃን ኣብ ስራሕ በብክእለትና ክንሰርሕ ምስ እንጅምር እወንታዊ ውጽኢት ምስ እንረኢ ህዝብና ናይ ምትእማምን ኣንፈት ይቅይር ክቀርበና ጥዑይ ዘኮነ ግዲኡ ናይ ምግባር እውን የርኢ። ስለዚ ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ከም ኣብ ጸገሙ ምስታፍ ፍታሕ ጸገማቱ ሓቢርካ ምንዳይ ኣብ ስራሓትን ሕጋውን ትምህርቲ ክሕገዘሉ ዘለዎ ግዴኻ ምውፋይን ሓቢርካ ፍታሕ ምንዳይን ነቲ ኣብዚ ዘብጸሐ ጸገማት ወይ ግብሪ ውልቀ መላኺ ምልላይን ፍታሕ ንኽትረኽበሉ ዘቀራርብን መደብ ዕዮ ክኽውን ይኽእል። ኣብ ደንበ ፍትሒ ከኣ ብስራሕ ስለትራኸብ እታ ምትእማምን እትብል ባይታ ተጣሒሳ ናይ ሽርክነታዊ ዝምድናታት እውን ይጅምር። ከምዚ ኢልካ ኣብቲ ናይ ሓባር መኣዲ ወይ ጽላል ሃገራዊ ጽላል ትበጽሕ። ስለዚ ብስራሕ ወይ ብስራሕ ኣቢልካ እቲ ሃገራዊ ጽላል ብዙሕነት ኣብ ሓድነት ዝብል ጭርሖ ክብጻሕ ይከኣል። እዚ ንምግባር ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተገብረ ዓውደ መጽናዕቲ ዝወጸ እማመን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2014ን ኣብ ቦሎኛ ፎርም 2014 ኣብነታት ብምጥቃስ ኣዞም ዝተፈላለዩ መጋባእያታት ትሕዝቶኦምን ኣጋባቦምን ናብ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝዓለመ ኮይኑ እወንታዊ ውጽኢት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓውደ ስራሕ እውን ተዋፊሮም ይርከቡ። ክብል መእተዊ ሂቡ።
የሕዋት ዶክተር ኣዳነን ሓው ተስፋኣለምን ዝተዋህበ መእትዊ እኹል እዩ ኣሞ ኣብቲ ዝመጽእ ሕቶን መልስን ገጽና ክነውፊ ብምባል ኣብ ሕቶን መልስን ብኣድሚናት ናብ ገዛ ተኸፍተ። ኣድሚን ናይታ ዕለት እታኣ ድማ ሓው ተስፋይ ካሕሳይን ወይዘሮ ኣድያም ተፈራን ኮይኖም ነቲ መደብ ብዝግባእ ኣልዮምን ከስተናግዱን ኣምስዮም።
ቀዳማይ ሕቶ እዚ ዝቐረበ መደረ ብዙሕ ክግበር ዘለዎ ኣብ ዕዮ ተመኵሮና ክፍጠር ዘለዎ ምቅርራብ ሽርክና ክንርድኦ ክኢልና፡ እዚ ግን ብዙሕ ተመክሮ ቃልስታትና ብፍላይ ናይ ገድልና ብዙሕ ተመኩሮ ኣሎ እንድዩ ኩሉ ከኣ እወንታዊ ውጽኢት ዘየውጸ ወይ ከንደይ ሽግርን ፋሕፋሕ እውን ዘስዓበ ተመኩሮ እዩ ዘሎና። ተመኩሮታትና ናይ ውድባትና እውን ከምዚ እንሪኦ ዘሎና እዩ። ብወገንኩም ኣብ ሃገራዊ ጽላል ንምብጻሕ ግደ ህዝቢ እንታይ ክኸውን ኣበየናይን ክስኳዕ ኣለዎ ትብሉ?
ከም እንርኦ ዘሎና እዚ ኣብ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለስ ዘሎ ብደምበ ተቓውሞ ዝፍለጥ ገለን ብጐነጽ ንውልቀ መላኽነት፣ ገለንከ ብሰላማዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ቃልሲ እናበለ ኣይዲዮሎጅካዊ ብምግባር ነቲ ስትራተጂካዊ ገለ ዘርእዮ ዓቢ ጋግን መረሓሓቕን ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ራኢታት እዚ ብኸመይ መዕረፊ ይርከቦ?
ካብቲ ዘቕረብካዮ ኤምዲሰመ እትኽተልዎ ወይ እትምህርዎ ሰነሓሳብ ሰላማዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። እንተደኣ እዚ ኮይኑ ስለምንታይ ምስቶም ከምኡ ዝብሉ ኣብ ሓደ ዘይትመጹ ምስቶም ብጎነጽ ዝብሉኸ ኣበየናይ መዳይ ክትራኸቡ ትኽእሉ?
ብስራሕ ኣብ ስራሕ ልፍንቲ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ዝቀራረቡ መደብን ስነ ሓሳብን ዘለዎም ኣብ ሓደ ይመጹ እቶም ብስነሓሳብ ዘይቀራረቡ ከኣ ሓቢርካ ብምስራሕ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ክዓዩ ይኽእሉ ትብል ኮይኑ ይስመዓኒ እሞ ደኣ ነዚ ንምብጻሕ ዋላ እኳ ጠቒስካዮ እንተ ሃሊኻ ንምርድኡ ተር ኣቢልካ ሀ- ለ- ሐ እናበልካ ቅድመ ተኸተል ክግበር ዘለዎ ምሓበርካዶ?
ልቢ ምዕባይን ምትእምማን እትብል ዝገለጽካዮ ካብተን ኣተኵረን ክረኣያ ዘለወን እየን ክብል ከለኹ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ተመሊስካ ክተብርሆ ወይ ክተብርህዎ ይዕድም። ምኽንያቱ ልባዊ ዝመልኦ ኣገባብን ስርዓት ዝሓዘ ፖለቲካዊ ስርሓትን ስለ ዘይነካይድ እዚ እንርእዮ ዘለና ኣብ ዘይግዚኡ ምክሳስ ብዘይ ኣገባቡ መሰልካ ምሕታት ሕልና ዝጎደሎ ንዝሰርሑ ምንእእስ ወዘተ ዕለታዊ ናብራና ኮይኑ ኣሎ እሞ እስከ ደጊምኩም ኣብርህዎ?
እዚ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶ ቀሪቡ… ብሓቂ ዓሚቝ ስነፍልጠትታውን መእተዊ ዘለዎ ብሰለስቲኦም ኣዕጋቢ መልሲ ንተሳቲፎሞ ዝነበሩ የሕዋት ዝመገበን ዘብረሀን ነይሩ። ንምጥቃስ ዝኣክል ዶክተር ኣዳነ እቲ ንሕና ክንግንዘቦ ዘለና ህዝብና ኣብ ወጻኢ ዘሎና ዕድል ፍልጠት ምዝራብ ኣብ መሰል ዝሕለወሉ ሃገራት እንርከብ ከምቲ ሓው ኩሉብርሃን ኣስፊሑ ዝገለጾ ኣንካይዶ ቃልሲ ኣብ ፍልጠትን ንቕሓትን ውጥንካ መደብ ዕዮኻን ኣነጺርካ ኣብ ምትእምማን ዝተመርኮሰ ከም ዝተቐበልናዮ ሓላፍነት ርጉጻት ምዃን ኩላትና ሓንቲ ንጣብ ማይ ምስ ነፍስስ ፈለግ ምዃኑ ዝበቅዕ ምስ ኣንሰርሕን ንሃገርና እንታይ ክንገብረላ ዝብል ሕልናዊ ድርኺት ተመርኵሱ ዘተ ዘተ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ከኣ እንካን ሃባን ዝዓሰሎ ፖለቲካዊ ስራሓት ምስ እንሰርሕን ክንበጽሖ ንኽእል ጥራይ ዘይኮነስ በብወገንና ጸገም ተሸኪምና ዘይኮነስ ፍትሒ ተዓጢቕና ንሃገርና ንጠምት። እዚ መልእኽትታት እዚ ከኣ በቲ ዘለና መራኸቢታት ኩሉ ዓይነት መራኸቢታት ብምጥቃም ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ብምርኻብ ሓበረታን ክንውፊ ክለዓዓል ወይ ናዕቢ ከምጽእ ባዕሉ ፍትሒ ዲሞክራሲ ቅዋማዊት ሃገርን መሰል ዜጋታታ እተኽብርን ሃገር ንምህናጽ ንኽበቅዕ። እዚ ከኣ እቲ ሰላማዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መንጸፍ ረኺቡ ካብ ወለዶ ንወልዶ ዝመሓላለፍ ስነስርዓት ጐደና ሓርነት ክነቕምጥ ንኽእል። እዚ ክብል ከለኹ ነቶም ብጐነጽ ዝብል ምንእኣስ ዘይኮነስ ብኣኽብሮት እናረኤኹ ግን ከም መትከል ብወገንኖም እቲ ኣብ ዓለምና ተዓዊቱን ሰሪጹን ዝስርሓሉ ዘሎ ብሰላማዊ ዲሞክራሲያውን ስልጣን ካብ ህዝቢ ምቕባል ዝብል መሰረታዊ እምነተይ ነቕ ከይበልኩ ብምትግባር ኩላትና ኣብታ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንምብጻሕ ናይ ሓባር ቃልሲ እሞ ነካይድ ኣብ ጉዕዞና ሓይልና ኣጠንኪርና ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ሓሳባትና ህዝቢ ተቐቢሉ ግብራዊ ንምግባሩ ሽዑ እዩ ዝርአ እቲ ውጽኢት። ብወገነይ ህዝብና ከም ኩሉ ምዕቡላት ሃገራት ብዘይ ኣፈላላይ መሰላት ደቂ ሰባት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክጭብጥ ዝድለ ቦታ ናይ ምጥጣሕ ከም ዝዕወት ኣይጠራጠርን እናበለ ሰፍሕን ብሩህን መግለጺ ኣቕረበ። ነተን ካልኦት ሕቶታት እውን ከምኡ ብሩህ መልሲ ሃበለን።
ብድሕሪኡ ተስፋኣለም ብወገኑ እቲ ብየሕዋት ዝቐረበ እኹል እኳ እንተኾነ ብወገነይ ንምክፋል እምበር ካብኡ ንላዕሊ ዝውሃብ መልሲ ኣይነበረን ይኹን እምበር እቲ ሰላማዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ብኤምዲሰመ ብጽሑፍ እውን ቀሪቡ ስለዘሎ ንዕኡ ክተንብቡ ይላቦ። ምእንትዚ ግዜ ከይበልዕ ግን ብዛዕባ ልቢ ምዕባይን ምትእምማንን እዚአን ክልቲኤን ቃላት ኣገደስቲ ጥራይ ዘይኮናስ ምርደአን ኣብ ግብሪ ንምትርጓምን እቲ ዓቕምታትና ክኽዕብትን ክዓኩዅን ዘለዎ እዩ። ብምባል ብሓቂ ሰፊሕ መብርሂ ኣድንቖት ብተሳተፍቲ ዝሓፈሰ መደረ ኣስሚዑ። ሓው ተስፋኣለም እቲ መሃሪ መደረኡ ጥራይ ዘይኮነስ ተፈታዊ ኣቀራርባኡ እውን ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ንሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ክምኡ እውን ዕማም ኣነጺሩ ብምቕራቡ ናይ ፓል ተሳታፊ ንኣርባዕተ ሰዓት ጽን ኢልካ ምስማዕን ኣብ ዝተዋህበ ርእይቶታት ናእዳን ነዚ ዓይነት ኣቀራርባ ተደጋጋሚ ንኽግበር ጉልበቶም ዓቕሞም ንህዝቢ ከበርክቱ ዝግበር ዝነበረ ዕዙዝ ምሕጽንታ ይርአ። ፓል ሓርነት እዚ ኣገባብ ብምቕራብ ስርሓታን መደባታን ቀጻሊ ንኽኸውን ናይ ፓል ስነስርዓት ብምቅባል ኣገባብ ክኢላታት ከትሳተፍ ምሕጽንታ ክቐርብ ከሎ ኣድሚናትን ምምሕዳር ፓል ሓርነት ነዚ ኣገባብ ንምትእትታው ብዘለዎ ዓቕሚ ይጽዕርን ክጽዕርን ምዃኑ ካብ ህዝቡ ምትሕብባር ከም ዘድልዮ ዘድሊ ነቐፈታ ሓበረታ ንኽሳተፍ ዝደለየ ኣብ ኢመይል This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክትጽሕፉልና ወይ ክትልእኩልና ዝብል ብምሕባር ብምስጋና ተወዲኡ።
1) ወልተም - መኣዲ ንዕዱማት ንምቕራብ ሌማት እዩ
ሰዲህኤ ንማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ብምዕዋቱ ናይ ዮሃና መልእኽቲ እመሓላሊፉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን (Social Demokraterna)፡ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ሽወደን ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ሒዶት መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ መሓዛ ሰልፍና ዝዀነ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ብምዕዋቱ፡ ሓጐስ ከምእተሰምዖ ገሊጹ። ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ምስ ተመሳሳሊ ራእይ ዘለዎም ሰልፍታት ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ምሽብሻብ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብ16 መስከረም 2014 ናብ ሕጹይ ንቐዳማይ ሚኒስተር ዝዀነ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፍ 80 ዓመታት ዘረጋገጾም ገዘፍቲ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ለውጥታት ሕጂ እውን ብዝሓሸ ኣገባብ ክደግሞም ምዃኑ እምነት ኣሎኒ ኢሉ።
መዘክር ሰዲህኤ ናብ ኣቶ ስተፋን ሎቨን እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ህይወት ናይ ህዝብና ዝገልጽ ጸብጻብ ዘጠቓለለ ነበረ። ካብ'ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ንፈተውትን ኣዕሩኽን ኤርትራ ተሪፍዎም ዘሎ እንኮ ምርጫ ንዘይመንግስታውያን ተዋሳእቲ ፡ መተካእታ ናይ'ቲ ስርዓት ዝዀንሉ ደገፋት ምብርካትን ባይታ ምምድማድን ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኣቶ ስተፋን ሎቨንን ምስ ወይዘሮ ኣን ሊንደን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ክዘራረቡ ከለዉ ዘርኢ ስእሊ
ሓው መንግስተኣብ ብምቕጻል፡ መበል 37 ጕባኤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ዘሕለፎም ክልተ ዓበይቲ ውሳኔታት መጐሱ ደጊሙ ገሊጹ። እዞም ውሳኔታት እዚኣቶም፡ ጕጅለ ህግዲፍ ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ሽወደናውያን ኤርትራውያንን ንዘካይዶ ዘሎ ናይ ገንዘብ ምእካብ ንጥፈታት ደው ምባልን ነተን ከም መተካእታ ናይ'ቲ ስርዓት ክዀና ዝኽእላ ዲሞክራስያውያን ናይ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ምድጋፍን ዝብላ ነበራ።
ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣቶ ስተፋን ሎቨንን ምስ ሰክረተር ኣህጕራዊ ጕዳያት፡ ወይዘሮ ኣን ሊንደ ኣብ'ቲ ኣኼባ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ተራኺቡ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ዝከኣሎ ደገፍ ክገብር ምዃኑ ተማባጺዑ ነይሩ ኢዩ።
EPDP Congratulates Swedish Social Democrats for Success in Recent National Parliamentary Elections
Written by EPDP Information OfficeIn a message addressed to Mr. Stefan Loefven, chairman of the Swedish Social Democratic Party (SAP), the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) expressed satisfaction in the parliamentary election success scored by the fraternal Swedish party which is now in the process of forming a coalition government with parties of similar vision.
ኣርዓዶም በርሀ
ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወርሒ መስከረም ብፍላይ ድማ ካብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ክሳብ መስቀል ኣብ ዘለዉ መዓልታት፡ ኣብ ዝተወሰን ከባቢታት ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ብኹሎም መንእሰያት ብፍላይ ድማ ብመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝዝውተሩ ባህላዊ ፍጻመታት ብዙሓት እዮም። ደቂ ተባዕትዮ ሸግ ሰሪሖም “ሆያሆየ” ብምባል መጻኢ ሰናይ ትምኒት ብምግላጽን ኣብ ሓንባሲት ብምውድዳርን ኣብዚ ዝጠቐስኩዎ ግዝያት ካብ ዘዘውትርዎ ባህላዊ ፍጻመታት ብኣብነት ዝጠቐስ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ኮይነን ካብ መሮር ዝኣከበኦ ኣሽንዳ ዝበሃል ሓምላይ ሳዕሪ ዲና ክንብሎ ተኽሊ ኣሊመን ኣብ መዓንጣኣን ዓጢቐን፡ ኣብ ግንባረን ድማ ሕዮባ ዝበሃል ብተፈጥሮ ዝወቀበ ሕብራዊ መልክዕ ዘለዎ ሳዕሪ ወቂበን ብዝተፈላለየ ተወሳኺ ናይ ክሳድን እዝንን ስልማት ኣጊጸን፡ ብዝተፈላለየ ግጥምታት ዝተቓነየ መሳጢ ዜማታት እንዳስመዓ፡ ንዝሓለፈ ዘመን የመጉሳ ብዛዕባ መጻኢ ዘመን ዘለወን ብሩህ ሰናይ ትምኒት ይገልጻ። ኣብቲ መንጎ` ድማ ፍቲ ዝበሃል ተንበርኪኽካ ብምኹባዕ ዝካየድ ውድድር የካይዳ። ኣብዚ ደርፍታተን፡ ጅግንነት፡ ልምዓት፡ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ሃገርን ካልእን የመጉሳ። ንለጋስ ይንእዳ ንበቃቕ ድማ ይነቕፋ። ካብቲ ሽዑ ዘስመዐኦ ግጥምታት፡ “ኣነ ዝምነ ንዓመታ ዛእዋን ከምዛቅነ፡ ዝለል ኮታ ዝለል ኮታ ፍልሖ ኣለዎ”ዚ ባይታ፡ ሃንሰይ መስቀለይ ተሎተሎ ሃበኒ ሹተለይ ክኹልኮሎ፡ እንተላይ እዚ ከም ኣርእስቲ መሪጸዮ ዘለኹ፡ “ንጻወት’ሞ ንተሓዋወስ ዘበን ክምለስ” ዝብል ይርከቦ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ኣጋጣሚዚ ዝበላ እንተበላ ናይ ዘይተሓታትነት ባህላዊ ውሕስነት ኣለወን። ሎሚ ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ናይ መንእሰያት መድረኽ የለን። ስለምንታይ መንእሰያትና ብናይ ግዱድ ዕስክርና ለበዳ ኣብ ዝተሓየርሉ ክፉእ ኣጋጣሚ ንርከብ ስለ ዘለና።
ናይ ጽሑፈይ ቀንዲ መንቀሊ ብዛዕባ’ዚ ዝጠቓቐስኩዎ ባህላዊ መንነትና ዝገልጽ ፍጻመታት ንምዝርዛር ወይ ኣስተምህሮ ንምሃብ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ማሕፉዳ ኩላትና ዘሎ ንመጻኢ ኢደይኢድካ ኢልና ናብ ቀጻሊ ወለዶ ክነመሓላልፎ ዝግበኣና ሓደ ካብ መግለጺ ኤርትራዊ መንነትና ስለ ዝኾነ ኩላትና እንፈልጦን ክንግድሰሉን ዝገበኣና ምዃኑ ኣብቲ ቅኒኡ ኣዘኻኺርካ ምሕላፍ ግና ኣገዳስነት ኣለዎ። እቲ ቀንዲ መበገስየይ እምበኣር እስኪ ነዚ ከም ኣርእስቲ ጠቒሰዮ ዘለኹ ሓሳብ ናብ “ንቃለስሞ ንተሓዋወስ ዓወት ክምለስ” ቀይርና ነስተማቕሮ ክብል ስለ ዝደለኹ እየ። ብመሰረቱ እቲ ናይ ኣዋልድና ባህላዊ ፍጻመ ኢለ ዝጠቐለስኩዎ ብዜማ ዝተሰነየ ግጥምታት እውን ዘሳዕስዕ ጥራይ ዘይኮነ ከበድቲ ሃገራዊ ሓደራታት ናይ ምስካም ላዛ’ውን ኣለዎ። እስኪ “ሰስኑ ሰስኑ፡ ሽሕን ዋልታን ኩኑ ኣታ’ዛ ዓድና ከይኣትዋ ጓና” ንዝብል ዝበሃህላአን ነስተብህለሉ። ኪኖ’ቲ መሳጢ ዜማኡ፡ ዓብይ ሃገር ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘሰክም እዩ። ኤርትራና ከዓ ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ናይ ቀራና መንገዲ ህሞት እዩ መዓንጣኡ ሸጥ ኣቢሉ፡ ንነገራት ብውልቃዊ ስምዒት ዘይኮነስ ብህዱእ መንፈስ እንዳማመየ፡ ንናይ የማነ ጸጋም ጸፍዒ እንዳወገን፡ ሉኣላውነታን ሓድነታን ከይተተንከፈ ዓዲ ሰላምን ደሞክራስን ክትከውን ሓለዋ ዘድልያ ዘሎ።
ሎሚ ኤርትራናን ህዝባን ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ምድሪ ኮነ ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ መረበቶም ኮነ ኣብ መደበር ስደተኛታት፡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት መራግእቲ ዘየብሉ ሕማቕ ምዃኑ ኩልና ኤርትራውያን እንረዳዳኣሉ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ እዩ። እቶም ዝጠምዩን ዝዓርቁን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ዝጸግቡን ዝኽደኑን ዝመስሉ ወገናት እውን ውሽጣዊ ሕልናኦም ጥሙይን ዕሩቕን ምዃኑ ባዕላቶም ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ኣብቲ ጸገምናን ጠንቁን እንዳተረዳዳእና ኣብ ምፍታሑ ዘይምርድዳእናን ሓቢርና ዘይምውፋርናን ድማ ነዓይ ኣዝዩ የስደምመኒ። ብሓባር ምውፋር ሰሪሕካ ኮነ ተቓሊስካ ዘዕውት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰናይ ዘበን ዝመልስ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ከም ኣርእስቲ ኣስፊረዮ ዘለኹ ናይ ኣዋልድና ነባር ባህላዊ ግጥሚ ተጠቒሱ ኣሎ። በቲ ካልእ ብልሒ ናይዚ ግጥሚ፡ እንተዘይ ተሓዋዊስካን ሰሚርካን፡ ሰሪሕካ ኮነ ተቓሊስካ ከም ዘይተድሚ ከምኡ እውን ሰናይ ዘበን ከተዕቁብ ከም ዘይትኽእል እዩ መልእኽቲ ዘመሓላልፈልና።
ምናልባት ብናይ ቀደም ፖለቲካን ጸገማቱን ኣብ ዘይሳዕረረሉ ግዜ፡ “ዘበን ተመሊሱ ወይ ሰናይ ዘበን ኮይኑ” ክበሃል እንከሎ፡ ፍቕሪ በዚሑ፡ መዓርን ጸባን ፈሲሱ፡ መሬት ለጊሳ እቶት በርኪቱ፡ ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ዝብል ስርዓት ተዘርጊሑ … ወዘተ ዝብል ትርጉም’ዩ ነይርዎ። ኣብዚ ዘለናዮ ሓርካፍ ዘመን፡ “ዘበን ተመሊሱ” ክበሃል ዝኽእል፡ ሰላም ሰፊኑ፡ ልዕልና ህዝቢ ተረጋጊጹ፡ ልምዓትን ደሞክራስን ከምኡ’ውን ልዕልና ሕግን ሕጋውነትን ኣስፋሕፊሑ፡ መሰረታዊ መስል ሰባት ተኸቢሩ፡ ናብ ዝብል ከም ዝማዕበለ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሰላምን ቅሳነትን ናይ ዕቤት ወሰንቲ ረቛሕቲ ምዃኖም፡ ዋላ’ኳ እቲ ኣገላልጻኡ ፍልይ ዝበለ እንተኾነ ኣብ ህዝብና ካብ ቀደም “ ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ዘየብሉ ኣይትሕረስ ወሓለ ሰበይቲ ኣብ ዘየብሉ ኣይትሕፈስ” ብዝብል ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ንግደ ፍትሒ ኣብ ሃገር፡ ንግደ ወሓለ ሰበይቲ ድማ ኣብ ገዛ ብምብራኽ።
“ንሕበር! ሓቢርና ንኩላትና ዘርበሓና ዕማም ንዕመም” ክበሃል እንከሎ ኣዝዩ ቀሊል ኣበሃህላ ይመልስ። ኣተገባብራኡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ግና ተመኩሮና ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣርእዩና ኢና። ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም፡ ልምዓት፡ ደሞክራሲ ልዕልና ፍትሒ፡ ኩላትና ውድባትን ማሕበራትን ንምድርን ንእውጅን። ብዛዕባ ኣዕናውነት ዲክታተርን ሳዕቤናቱን ዝምልከት ንዝምርን ንእውጅን። ሃገርናን ህዝባን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓጺን ጉጅለ ህግድፍ የሕልፍዎ ብዛዕባ ዘለዉ ሕሰምን መከራን ንሓዝን፡ ብዛዕባኡ ድማ ንምድርን ንእውጅን። ነዚ ናይ ሕማቕ ዘበን ደልሃመት ናብ ራህዋ ቀይርካ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምኽሓሱ ሓላፍነት ናይ ኩልና ምኳኑ’ውን ብሓሳብን ኣብ ወረቐት ብምስፋርን ንኣምን። ናይ ኩላትና ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ብሓንሳብ እንተዘይደሪጉ በበይንና ምውፋር መፍቶ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፍና ከም ዘይነድምዓሉ’ውን ኩልና ንረዳደኣሉ ክነስና፡ ብሓባር ክንወፍር ግና ኣይበቓዕናን። እቲ ዝኸበደ ኣብ ክብደት ኩለመዳያዊ ጸገማትና ናይ ሓባር ተረድኦ ናይ ምሓዝ ዓቐበት ደይብናዮ ከነብቅዕ፡ ኣብቲ ጫፍ ምስ በጻሕና ሕቖና ተገዚዙ ጥልዕ ንብል። ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ሕድገት ዋጋ ክንከፍል ኣይንተብዕን።
ሎሚ “ ስለምንታይ ኢና ዝከኣል ክኢልና፡ ልቢ ኣዕቢና፡ ንተመኩሮና ዳህሲስና፡ ምእንቲ ዓብይ ጉዳይ ንእሽቶ ሓዲግና፡ ብሓባር ዘይንስለፍ?” ዝብል ሕቶ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ብብዙሓት ዘይኤርትራውያን ክነሶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ሓመድ ድፋጫኡ ሰትዩ ክነሱ ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ ዘርሞዘርሞ ብምዃኑ ዘሕዘኖም ወገናት’ውን ዝቐርበና ዘሎ ርሱን ሕቶ እዩ። ውድባትናን ማሕበራትናን፡ ነዚ ዝምልከት መልስና ሓደ ዓይነትን ርትዓውን ከም ዘይኮነ ይርእደኣኒ እዩ። መልስታትና ንነብስኻ ኮነ ንውድብካን ማሕበርካን ካብ ተሓታትነት ኣህዲምካ፡ ንካልእ ኣካል ተሓታቲ ኣብ ምግባር ዝተመስረተ ምዃኑ’ውን ለልብና ዝፈልጦ ፈጣጥ ሓቒ እዩ። ናይቲ ጸገም ኣካል እንዳሃለኻ ነብስኻ ካብ ተሓታትነት ከተውጽእ ምፍታን ድማ ናይቲ ፍታሕ ኣካል ካብ ምዃን ምህዳም እዩ ዘስዕብ። ሕጂ ሕጂ ሓደ ነገር ትዝ ክብለኒ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ኣብኡ ፍልልያት የብልና ኢለዮ ዘለኹ ጉዳያት እውን ፍልልያት ከይህልወና ሃሰስ ክንበሎ ይግበኣና። ምናልባት’ውን እቲ “ኣብዚ ዛዕባ’ዚ እዚ እዩ ሚዛነይ” እንዳበልና ድሕሪ ኣኼባታትን ጉባአታትን እንእውጆ ካብ ልቢ ዝነቐለ ዘይኮነስ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ናይ ሓሶት ዕግበት ከይከውን።
ምናልባት ከምቲ “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝበሃል ነቲ ሓቀኛ እምነትና ሓቢእና ብናይ ሓሶት መቃነይ ኣዋጃት ነቲ በሃጊ ለውጢ ህዝቢ ነዳህልሎ ወገናት ከይንህሉ ዘየጠራጥር ኣይኮነን። ብመሰረቱኸ፡ እትእውጆ ካልእ፡ ኣብ ጸቢብ መድረኽ እትብሎ ካልእ፡ እትትግብሮ ድማ ካልእ ምዃን ካብ ዘየዕውት ጭንጭራ ዓበደ ምዃን ሓሊፉ ኣበይ ከብጽሕ ይኽእል። ምናልባት ተመሊሱ ከም ጨው ከሕቅቐካ ከም ዝኽል ምስትብሃል የድልዮ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ እንተገደደ ቁሩብ ዕድመ ዘወስኽ እምበር ዘንብር ስለ ዘይኮነ፡ እምንቶና ካብ ኮነ፡ ዋላ ነቲ ካልእ ከነዕሽዎ እንደሊ ወገን ኣይመቅሮ ነዚ ሓቀኛ እምነትና ሒዝና ኢና ኣብ መድረኽ ውድድር ክንወጽእ ዝግበኣና። ኣብ ፖለቲካ ምውሳእ ካብ ውድድር ፈሊኻ ክርአ ስለ ዘይከኣል። እንብሎን እንገብሮን ሓደ ክኸውን ይግበኦ። ስለምንታይ ከምዚ ኢልኩም ግና ከምኡ ኣይገብርኩምን ክንበሃል እንከለና ድማ ኣብ ምስምስ ከይተሓባእና ምእንቲ ናትና ሓቂ ግንባርና ክንህብ ይግበኣና። ንርኢቶና ዝረትዕ ሓያል መርተዖ ክቐርበና እንከሎ ድማ ክንቅበል ይግበኣና። እቲ ሓጥያት ምግጋይ ዘይኮነስ ብብሩህ ጌጋኻ ክንገረካ እንከሎ ክሳደይ ትቆረጽ ኢልካ ኣብቲ ጌጋ ምድራቕ’ዩ። እቲ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ ካብ መሰረታዊ ኣዕኑድ ሓደ ዝኾነ ግሉጽነት ከዓ ኣብ ከምዚ እዩ ዝምዘን።
ንሓደ ኣካል ውድብ ድዩ ማሕበር ምናልባት’ውን ውልቀሰብ፡ መኻይደይ እዩ፡ ናተይን ናቱን ዓቕሚ ይመጣጠን ኣይመጣጠን ብዘየገድስ ተተደጋጊፉ ጥራይ ኢና ነድምዕ፡ ኢልካ ንዝኣመንካሉ ዓቕሚ፡ ኣብ ክንዲ እንዳደጋገፍካ ምሳኻ ምስላዩ፡ ተመሊስካ ምስትንዓቑን ካብ መድረኽ ቃልሲ ከተጥፈኦ ምህቃን ኣብ ጉዳይና ዝረአ ዘሎ ካብ መግለጺ ድኽመታትና ሓደ እዩ። እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያት ብኹለመዳያዊ ኣወዳድባኡ፡ ዓቕምን ስፍሓትን ዝውሕዶ ወገንከ፡ ኣብ ክንዲ ብግጉይ ብመትከል “ድልድል ከም ስኒ ኣድጊ” ደሪቑ ኩልና ሓደ ኢና ዝብል፡ ካብ ትምክሕትን ጸቢብነትን ነጺሁ፡ ነቶም ካብኡ ዝሕሹ ወገናት “ካባይ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለኩም” እንተበሎም እሞ እቲ ናይ ሓባር ወፍሪ በዚ ዓዓቕምኻ ምፍላጥ ዝተቓነየ እንተዝኸውንስ ክሳብ ክንደይኮን መሓገዘ። እንተ’ቲ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ለውጢ ቃልሲ እሞ ድማ ኣይኮነንዶ ብዙሕ ዝጐድለና ውድባትን ማሕበራትን፡ ኣብ ዓለምና ዋላ እቲ ሓያል እየ ዝብል ስርዓትን መንግስትን ብዘይተሳትፎ ናይቲ ድኹም’ዩ ዝብሎ ወገን ህልውናኡ ኣብ ዘየውሕሰሉ፡ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረት ዓለም “በይነይ እየ” ዝበሃል ብሂል ፍጹም ተቐባልነትን ውጽኢትን የብሉን። ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ከዓ ንጹልነት’ዩ ዝኸውን። እዚ ማለት ግና ኣብ ሓደ ቦታ ተረይዕካ ብዘይብኣይ ምልኣት ስለ ዘየብሎም ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን” ዝብል ሓረግ እንዳኳማሳዕካ ምንባር ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ማለት ከም ዘይኮነ ከነስተውዕሎ ይግበኣና። እቲ ሰብ፡ እቲ ውድብ፡ እቲ ማሕበር ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ግዜን መድረኽን እውን ናይቶም ዓለውቲ ዕንክሊል ፍጊዕ ምስ በሎ ከም ዝሰግሮም ምርሳዕ ኣይግባእን። ንኹሉ ነገር መጀመርታ ጥራይ ዘኮነ መወዳእታ’ውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ እየ ከዓ “ንቃለስ’ሞ ንተሓዋወስ ዓወት ክምለስ” ዝበልኩ።
15 መስከረም 2014
More...
Memorial of Lampedusa Tragedy - Eritrean Tv Demtsi Hezbi
ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣኽቢሩ ውዒሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመስከረም ከም ኩለን ኣዋርሕ ፍልይ ዝበለ ተዘክሮታት ኣለዋ። ኣብ ህይወትን ናብራን ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ዓለም ለኸ ፍሉይ ዝገብራ ብባሕቲ መስከረም ማለት 1-9-1961 ዝጀመረ ብረታውን ንቕሎ ናይ ሓርነታዊ ቃልስናን ብምዃና እዩ። ከምእ እውን ቅድምን ደሓርን ክሳብ እዛ እዋን ኣዚኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዝለዉ ተዘክሮ ዕለት 18ን፣ ብዙሓት ተበግሶታት እውን ዝተኸናወነላ ወርሒ እያ። ሓደ ካብ ተበግሶታት ካብ ዕለት 28-29-ወርሒ 8 2014 ጀሚሩ ክሳብ 1 -09- 2014 ንሰለስተ መዓልቲ ሰሚናር ዘከናወነ ቦሎኛ ፎርም እዩ።
An Exhibition on the devastating Eritrean Condition In the City of Oslo
Written by EPDP Information OfficeA group of three Eritrean Peoples’ Democratic Party’s youth prepared an inclusive and a very reach exhibition in the city of Oslo, Norway with the aim of providing to the Norwegian community and Authorities direct information about the ill condition in Eritrea. The exhibition was expanded for 9 days i.e. from 23 – 29 August 2014 in one of the famous public Norwegian libraries called ‘Deichmans Biblioteket’. In these exhibition visiting days, many library customers have got vast information about the current sad human condition in Eritrea. The project contained around 90 pictures representing devastating humanitarian, economic, political, cultural state in their homeland. Some of the pictures on the inhumanly treating of Eritrean youth by Bedewing and some Eritreans in their way to exile created an agony in the minds of the visitors.

The National programme of the Eritrean Peoples’ Democratic Party in its summarized form also was presented as a part of the exhibition so as to show there are national efforts to transfer the country into democratic and constitutional state if it is assisted by the world community.
In addition to the pictorial show the three exhibitors, Issaias Hagos, Yisias Gebremariam and Feven Temesgen gave brief oral explanation for all the visitors. These brave youth in their explanation illustrated that the only cause for the flooding of Eritreans to exile is the dictatorial regime in the power and its inhuman leadership. The three youth have got moral and courage from their visitors as a reward for their. This exhibition has been conducted for its second time in Norway. Some few months before, it was shown in the northern party of Norway, in the province of Finnmark, in the town of Vasså.
