ሓደ ሓደ ነጥብታት ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት

2024-01-15 15:01:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 596 times

ዝርጋሐ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ማለት  ብቐጥታ ምስ ማያዊ ከባቢ ዘይራኸባ ማለት እዩ። ኣብዚ እዋዚ ኣብ ዓለምና 44 ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣለዋ። ጠቕላላ ስፍሓት ናይዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት 46.44 ሚልዮን ትርብዒት ኪ/ሜ እዩ። እዚ 12% ካብ ጠቕላላ ስፍሓት ዓለምና ዝሕዝ እዩ። ድምር ብዝሒ ህዝበን  510.94 ሚልዮን ኮይኑ 7% ካብ ህዝቢ ዓለም እዩ። ካብዘን ሃገራት ብስፍሓታ 1ይ ደረጃ እትሕዝ ኣብ ማእከላይ ኤስያ እትርከብ ካዛኪስታ እያ። ካብኣተን ብብዝሒ ህዝቢ 1ይ ደረጃ እትሕዝ  ኢትዮጵያ እያ። ቫቲካን ድማ ብስፍሓት ኮነ ብብዝሒ ህዝቢ እታ ዝተሓተት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር እያ።

 ካብዘን 44 እተን 16 ኣብ ኣፍሪቃ፡ 14 ኣብ  ኤውሮጳ፡ 12 ኣብ ኤስያን 2 ድማ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ይርከባ። ክፍለ-ዓለማት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣወስትራሊያን ኣንታርክቲክን ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ዘይብለን እየን። 2 ካብዘን 44 ሃገራት ዕጽፊ ኣፍደገ ማሕሪ ዘየብለን እየን። እዘን ብዕጽፊ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ዝበሃላ  ብኸምኣተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ጥራይ ዝተኸበባ ማለት እየን። ንሳተን ብኣወስትሪያን ስዊዘርላንድን ዝተኸበት ሌችተንስቴንን፡ ብኣፍጋኒስታን፡ ካዛኪስታን፡ ኪርጋዝስታንን ታጃኪስታንን እትዳወብ ኡዝበኪስታንን እየን። ስዊዘርላድ፡ ኣወስትሪያ፡ ቸክ ሩፓብሊክ፡ ካዛኪስታንን ሁንጋርያን ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ክነሰን ኣብ ዝለዓለ ቁጠባዊ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ምዃነን ይንገረለን።

ኤርትራ ዳርጋ 1720 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ኣለዋ። ካብዚ እቲ 1155 ካብ ራስ ዱሜራ ክሳብ ራስ ቄሳር ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ እቲ ኣስታት 565 ኪ/ሜ ድማ  ናይእተን ካብ ወደብ ምጽዋዕ ካብ 20 ክሳብ 160 ኪ/ሜ ዝርሕቃ ናብ 360 ዝጽገዓ ደሴታት ዘሎ ገማግም ምዃኑ መጽናዕትታ የርእዩ።

Last modified on Monday, 15 January 2024 16:09